Tihlo yon 13
Tihlo yon 13
Tihlo yon 13
Create successful ePaper yourself
Turn your PDF publications into a flip-book with our unique Google optimized e-Paper software.
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 1

ትሕዝቶ

ትግራይ ጉዕዞ 20 ዓመታ

እንትቕላዕ

6

ፖለቲካ

ጉዳይ መሬት

ብብርሃኑ በርሀ

13

ስየ ኣብርሃ

“ሰብ ንኸብዱ ኣይኮነን!”

40

ዝብሎ ኣለኒ

.ስዬ ኣብርሃ፣ ኢሠፓን ዓረናን

ብብርሃኑ በርሀ...23

.ከይዓረዩ ዓረና እንትብሉ¡

ብገብረኣረጋይ ኣስናቀ...24

.ሪሓን . . . ኳሓሊት መሲላ

መንቆሪት

ብክብሮም ሰለሙን...25

በለስ

5

ሓምለዋይ ገፅ

ማይና!...20

ህያብ ጥሕሎ

2

ተስፋ

36

ፓሌት

32

ደብተራ ፍስሓ ጊዮርጊስ

ዓብየዝጊ

‘ታሪክ ኢትዮጵያ’

ዳህሳሰ መፅሓፍ

ብፍስሓ በርሀ

ፍልስፍና ጠቢባን

ዘርኣያዕቆብ (ወርቀይ)

34

ገዛና

ፅቡቕ ህይወት ቤተሰብ

ንኽህልዎም…!

26

ሃጠው ቀጠው

ኣነስያ ጭቃ እንደርታ ዓደይ?!

11

ሮክ

16

ጥሕሎ

ኣብ ትሕቲ ጥሕሎ ፕሮሞሽን ኣብ

ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን

ሃገርና(ክልልና) ኣድሂባ ኪነ ጥበብን፣

ፋሽን፣ ፍልስፍናን ስፖርትን ዳህሲሳ

ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ክልተ ወርሒ ሓደ

ግዘ ትዳሎ።

ዋና ኣሰናዳኢ

ዮናስ በላይ ኣበበ

yonabelay@yahoo.com

ኣሰናዳእቲ

መኮነን በላይ

ዲያመንድ

ዓምደኛታት

ኤልሳ ኣብርሃ

ጓንጉል

ፅሕፈት

ትግስት ፀጋይ

ግራፊክስ ዲዛይን

ጥሕሎ ፕሮሞሽን

ክፍሊ ዕዳጋ

መቐለ

ኣማን/ስብሓት መፃሕፍቲ መደብር

ኣዲስ ኣበባ

ብሄራዊ ትያትር

ኣክሱም ሆቴል

ኣድራሻ

0914708419/0912129936

ፖ.ሳ.ቁ 1267

መቐለ-ትግራይ- ኢትዮጵያ

ቤት ሕትመት

ኣራራት -ኣዲስ ኣበባ

ፑል

3o
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 2

ህያብ ጥሕሎ

ፊልም

‘ፍቕሪ ገድሊ’ ክትሰርሕ ካብ

ሃገረ እስራኤል’ያ መፂኣ። ብዛዕባ ፊልማን

መሰል ጉዳያትን ምስ መሳርሕትና ዮናስ

በላይ ኣብዝገበረቶ ፃንሒት

“እቲ እቲ ምፅባብ ናተይ

እንተይኮነስ ናትካ‘ዩ። ናብዚ

ምምፀአይ ከም ፀቢብ ነገር

እንተይኮነስ ዓብይ ነገር’ዩ።”

ብምባል ትግርኛ ፊልም

ንምንታይ ክትሰርሕ ከምዝሓረየት

ብረዚን ምኽንያት ሞጊታቶ ኣላ፤ ምስ

ህያብ እዚ ሕታም... ሰናይ ፃንሒት።

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

‘ሻሎም...ሻሎም‘ ባዕልኺ’ ዶ ንመንበብቲ

መላለኺ ?‘

ሻሎም’ ኣብርሁ መለሳ ይባሃል።

ኦርሊ መለሳ ’ዶ ኣብርሁ መለሳ?

/ሰሓቕ/ ”መልክዑ ኣብ ዓዱ” ድዩ ዝብሃል?

ኣብዚ ዓዲ ኣብርሁ እበሃል፤ ኣብ እስራኤል

ኦርሊ፤ ትርጉሙ ሓደ’ዩ። ‘ፊልም ሜከር’

እየ። ፕሮፌሽናል‘የ ዝብል ብወገነይ።

ብፊልምን ቴሌቭዥንን ቀዳማይ ዲግሪ፣

ማስተርስ ብጋዜጠኝነት ኣለኒ። ኣብ ሸረ -

ትግራይ’የ ተወሊደ ። ጓል ክልተ ዓመት

እናሃለኹ፤ ቤተ እስራኤል ብምዃና ሽዑ

ብዝተፈጠረ ዕድል ናብ ኣሕዋትና፣ ዓድና፣

መሬትናን ሃይማኖትናን ክንከደሉ

ዝኸኣልናሉ ግዘ’ዩ - ብ80(ዓ/ም/ፈ)።

ናብራ

ቀፂሉ?

ኣብ ቤርሸባ(እስራኤል) ከመይ

ጓል ኣርባዕተ ዓመት ኾየነ’የ ኣትየ። ካብ

‘ኪድ ጋርደን’(መዋእለ-ህፃናት) ክሳብ

ዩኒቨርስቲ ተማሂረ። ቖልዓ ኾይነ

ስለዝኸድኩ ክለምዶ ግዘ ኣይወሰደለይን።

ቖልዓ ኾይንኪ እንታይ ተዘውትሪ ነይርኪ?

ምንባብ እየ ዝፎቱ ነይረ/ሰሓቕ/።

እንታይ ዓይነት ፅሑፋት?

ኣነ ብመጠን’የ ዝመርፅ ዘንብቦ መፅሓፍ።

ዓበይቲ እንድሕር ኾይኖም ከምዚ long

story(ነዊሕ ታሪክ) ትሕዝቶ ዘለዎ እፎቱ።

‘ያውም’ ኣደይ “ዓይንኺ ብኡ ኢኺ

ተበላሺውኪ” ትብለኒ። ለይቲ ይኸውን ፣ ምስ

ኣሓተይ ኣብ ሓደ ክፍሊ ኢና ንድቅስ፤ ኣዴና

መፂኣ “ደቅሱ” ኢላ መብራህቲ ተጥፍእ ።

ኣነ ግና ብናይ ኮሪደር ብርሃን ከንብብ ’የ

ዝሓድር ነይረ ። ዳሓር ናብ መነፀር ምጥቃም

ምስ ኣተኹ፣ “ባዕልኺ ዘምፃእኽዮ!” ተባሂለ።

ኣብ ትምህርትኪ ፅቡቕ ነጥቢ እናምፃእኺ

ከም ዝመፃእኺ ኣውጊዕኽኒ ነይርኪ፣ ብዙሕ

ስለ እተንቢ ‘ዶ ይኸውን?

ሓደ ትምህርቲ ይፈትው ’የ። እንድዒ

ብተፈጥሮ’ውን ቀሊጥፍካ ናይ ምሓዝ

ተኽእሎ ይህሊ ይኸውን። መሓዙተይ ሐዚ

ኣብ ሓደ ‘ክላስ’(ክፍለ ግዘ ትምህርቲ) ብዙሕ

‘ዮም ዝፅሕፉ። ኣነ ግን ሓደ ገፅ ’ኳ

እንተፂሒፈ ብዙሕ’ዩ - ንዓይ። ሓንቲ ነጥቢ

ይፅሕፍ - ከምዚ ‘ኮድ’ ዓይነት። ክፅሕፍ

እንተይኮነስ ንኽርደአኒ‘የ ዝፅዕር። እንድሕር

ተረዲኡኒ ድማ ድሕሪ ዓመት ይኹን ድሕሪ

ዓሰርተ ዓመት ክዝክሮ ይኽእል። መሓዙተይ

“ፅቡቕ ነጥቢ ተምፅእ’ያ . . .” ኢሎም

“ደብተርኪ ሃብና?” ይብሉኒ፣ እቲ

ዝፀሓፍኽዎ ግን ኣይርዶኦምን። ስለዚ ‘ቲ

ዓብይ ነገር ትሕዝቱኡ እንተይፈለጥካ

ምሽምዳድ እንተይኮነስ ምርዳእ’ዩ።

እንድሕር ዘይተረዲኡኒ ድማ ብዙሕ

ይሓትት ክሳብ ዝርደኣኒ ።

ናብዚ ሞያ ኸመይ ኣቲኺ?

ሓቂ ንምዝራብ ፊልም ቀዳማይ ምርጫይ

ኣይኮነን። ጋዜጠኛ’የ ክኸውን ዝደሊ ነይረ።

ኣብቲ ኣነ ዝመሃረሉ ኮሌጅ ግና ፊልምን

ጆርናሊዝምን ብሓደ’ዩ ነይሩ። ሕጂ

መብዛሕቲኡ እቲ ሰብ ናብ ፊልም ክኣትው

ስለዝመርፅ ናይ ‘ክረኤቲቭ’(ፈጠራ) ፈተና

ንኹሉ ይወሃብ። እቲ ዝሓሸ ፈጠራ ዝሰርሐ

ድማ ይኣትው። ናብ ጋዜጠኝነት ግና ዝደለወ

ኹሉ’ዩ ዝኣትው። እቲ ፈተና ምስ ሰራሕኹ፣

“እንታይ ኢኺ ክትማሃሪ ትደልዪ?” ይበሃል።

ጆርናሊዝም ይብል። “እታ ናትኪ ፈጠራስ

ብጣዕሚ ፍልይቲ ’ያ ’ሞ ስለ ምንታይ ፊልም

ዘይትማሃሪ?” ይብሉኒ። ኣነ ጆርናሊዝም

ክመሃር ’የ ዝደሊ እንትብሎም። “ምኽንያቱ

እንታይ ’ዩ?” ይብሉኒ ። ኣነ ብተፈጥሮይ

ግድስቲ ሰብ’የ። ብዛዕባ ማሕበራዊ፣

ኢኮኖሚያዊ ጉዳያት ሃገሩ ዘይግደስ ብዙሕ

ሰብ ኣሎ። ስለዚ ብዝተኽኣለኒ መጠንስ ነዛ

ዘለናያ ዓለም ከመሓይሻ ይደሊ ኢለ፤

ይምልሰሎም። “እሞ ብፊልም ኣቢልኪ ’ኮ

ለውጢ ሓሳባት ክተምፅኢ ትኽእሊ ኢኺ!”

ተባሂለ። ነቲ ናይ ‘ፊልም ሜኪንግ

ዲፓርትመንት ሄድ’ ክሳብ ሎሚ በባኻ ’የ ናብ

ፊልም ኣትየ ይብሎ፣ ንሱ ’ውን በባይ ሕጉስ

’ዩ። ሓደ ሻዕ ምስ ኣተኹዎ ግን ፈትየዮ

ክሞት።

ካልኣይ ዲግሪኺ ብጋዜጠኝነት ኢኺ

ሰሪሕኺ ። ንምንታይ . . .ተመሊስኪ?

ንሱ እንድዩ’ቲ ቀደማይ ሓሳበይ። ነቲ ናተይ

ሞያ‘ውን ብዝበለፀ ንኽሕግዘኒ ሰፊሕ ዝኾነ

critics(ሂስ)፣ Approach(ቋንቋ) ፣ the-

2
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 3

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ory(ስነ-ሓሳብ ) ምልማድስ የድልዮ’ዩ ።

ኣነ ሕጂ፣ ቅድሚ ካልኣይ ዲግረይን ሐዚን

ክልተ ሰብ’የ። ፍልጠትካ እንትበዝሕ ድማ

ፈጠራ ይመፅእ።

እስቲ ናብ ስራሕትኺ ንምፃእ ’ሞ ክሳብ ሀዚ

እንታይ ሰሪሕኺ ኣለኺ?

ኣብ እስራኤል ዝስርሑ ኣብ ታሪኽ ሓበሻ

ዝጠመቱ ኢንተርናሽናል ፊልምታት

ብዝተፈላለየ መልክዑ ይሳተፍ ’የ። ሙሉእ

ንሙሉእ ናተይ ዝኾነ ፊልም ግና

ዝተመረቅኩሉ ፊልም፣ ቅድሚ 10 ዓመት’የ

ሰሪሐዮ። “መስትያት” እየ ኢለዮ ርእሱ።

ብትግርኛን ሂብሩን ዝተሰርሐ ናይ

መጀመርያ ፊልመይ’ዩ። ጎንፂ ባህሊ ዘርኢ

ድራማ እዩ ። ኣብዚ ኣብ ኢ/ያ ባህላዊ ዝኾነ

way of life(ቅዲ ናብራ) ዘለና፣ ናብ western

ክንመፅእ ከለና እንታይ ዓይነት ጎንፂ እዩ

ዝፍጠር? ዝብል እዩ። ኣብ ‘jerusaleam international

film -festival’ ድማ “Best Israeli

drama award” ተሸላሚት’ያ። ክሳብ

ሕጂ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብፊልም

ፌስቲቫል ይኹን ብቴሌቭዥን ትቀርብ።

ኣብ እስራኤል ብዋናነት እንታይ እናሰራሕኺ

ትመሓደሪ?

‘መለሳ ፊልም ፕሮዳክሽን’ ዝበሃል ትካል

ኣለኒ። ብዙሓት ፊልም ክሰርሖም ከም

ፕሮጀክት ዝሓዝክዎም ኣለዉ። ቅድሚ እዚ

ግና ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣብ ልዕሊ ምስራሕ፣

ኣብ ዩኒቨርስቲ የምህር ነይረ፤ ግራፊክ

ዲዛይነር ‘ዉን ‘የ። ኣብ ፊልም ኮይንካ ካልእ

ስራሕ ንኽትሰርሕ ኣፀጋሚ’ዩ፤ ዉፉይ

ክትከዉን ኣለካ። እግረ መንገድካ ዝስራሕ

ስራሕ ኣይኮነን። ስለዚ ፊልም ክትሰርሕ

ከለኻ 150% ናብኡ ክትከይድ ኣለካ። ስለዚ

ሀዚ ምሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ፊልም ኣትየ

ኣለኹ።

ትግርኛ ምዝራብ ፣ ምንባብን ምፅሓፍን

ከመይ ክኢልኪ?

ወለድና ብትግርኛ ’ዮም ኣዕብዮምና። ኣብ ገዛ

ትግርኛ ‘ዮም ዝዛረቡ፤ ግን ‘ቱ ተኸእሎይ

ካብ ምዝራብን ምስማዕን ኣይበልፅን ነይሩ።

ስለዚ ኣብ ፊልም ትግርኛ ክሰርሕ እንተኾይነ

ምንባብን ምፅሓፍን ክኽእል ኣለኒ ኢለ ወሲነ

ምንባብን ምፅሓፍን እንተበዝሐ ክልተ ወርሒ

ወሲዱለይ ይኸዉን።

መን ምሂሩኪ?

ኣቦይ። ካብ ሀ.ሁ..ክሳብ ምፅሓፍ ዝዉድእ፤

ሕጂ ንባዕሉ ‘ዉን ይገርሞ። እቲ ዝሰርሖ

ዘለኹ ፊልም ድማ ባዕለይ ዝደረስኩዎን

ዝለቀምኩዎን ‘ዩ። ሓደ ንባዕሉ‘ዚ እቲ ናተይ

ትኹረት ክንደይናይ ምኻኑ መግለፂ

ይመስለኒ።

ፊልምኺ “ፍቅሪ ገድሊ” ዝሰየምክሉ

ምኽንያት?

ፍቅሪ ገድሊ ክበሃል ከሎ፤ ፍቕሪ ተጋደልቲን

ንገድሊ ዝነበረ ፍቕርን ዘንፀባረቐ ስለዝኾነ

‘ዩ። ከም ምርጫይ እንድሕር ኮይኑ እቶም

ሓቃዊን ቀንዲ ታሪኻትን ኣልዒለ ተዝሰርሕ

ደስ ምበለኒ ይኹን ‘ምበር ካብቲ ህዝቢን

ዉድብን ተቀባልነት ክትረክብ ኣለካ። ፍቕሪ

ድማ ዝመረፅኩሉ ፈላማይ ፊልም እንድሕር

ኮይኑ ‘Popular’ ዝብሃል ሓሳብ’ሎ። ኩሉ

ሰብ ክቅበሎ ዝኽእል። ስለዚ “ፍቕሪ ገድሊ”

ካብዚ ዓዲ ሰሊጢን

ዕጣንን ጥራሕ

ኣይኮንካን Export

ክትገብር ትኽእል

ባህሊ ’ዉንክትገብር

ትኽእል ኢኻ!

ገድልን ገድሊ ዝወለዶ ፍቕሪን ዝጥምት

ስለዝኾነ’ዩ።

ኣብ ምንታይ ብርኪ በፂሑ - “ፍቕሪ ገድሊ”?

ሕጂ[እዚ ቃለ ምልልስ ኣብ ወርሒ ሰነ

ዝተኻየደ’ዩ] ዝመፃእኹሉ ምድላዋት

ንምውዳእ’ዩ። ገፀ ባህርያትን ቦታታትን

ንምምራፅ። ነሓሰ ቀረፃ’ዩ። ሓሙሽተ

ፕሮፌሽናል ሰባት ካብ እስራኤል

ክመፅኡ‘ዮም። [“ፍቕሪ ገድሊ” ኣብ ብርኪ

ቀረፃ ይርከብ] ለካቲት 2004 ዓ.ም ድማ

ክትምረቀለይ እሓስብ።

ኦርሊ ፕሮፌሽናል ኢኺ ይኹን ‘ምበር ኣብ

ትግራይን ትግርኛን ዘትኮሩ ፊልምታት ኢኺ

ክትሰርሒ ትረኣዪ። “መሰትያት” ሓደ

እንትኸዉን፤ ሀዚ ድማ “ፍቅሪ ገድሊ”

ካልኣይ ኣብነት‘ዩ። ካብ 5 ሚልዮን(ንሱ

እውን ኩሉ እንተሪኡ) ዘይበዝሕ ኦዴንስ ኣብ

ዘለዎ “ኣፅቢብኪ” ንምስራሕ ምድላይኪ

ምኽንያት እንታይ ‘ዩ?

ሓደ እቲ ዓብይ ፀገም ዝመስለኒ ናትካ

ኣመለኻኽታ‘ዩ /ሰሓቅ/። እቲ ምፅባብ ናተይ

እንተይኮነስ ናትካ ‘ዩ። ናብዚ ምምፀአይ ከም

ፀቢብ ነገር እንተይኮነስ ዓብይ ነገር‘ዩ -

ንዓይ። ስፍሓት መሬት ወይ’ውን ብዝሓ ሰብ

እንተይኮነስ ትግራይ ናይ ዓብይ ነገር

ምልክተይ፣ ባህለይ፣ መበቆለይን ህዝበይን

‘ዩ። ፊልም ብዛዕባናን ብናትና ቋንቋን

ክስራሕ ዓብይ ነገር እዩ። ግን ብዙሕ ሰብ

(ኣብዚ ኮነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ) ከምቲ ንስኻ

ትሓተኒ ዘለኻ “ንስኺ ፕሮፌሽናል ኢኺ

ንምንታይ ኣብቲ ናይ ትግራይ? ብትግርኛስ

ዘይምስራሕ። ዕብየት የለን፣ ኦዴንስ የለን፣

ሓገዝ ‘ዉን የለን። ንምንታይ ኢኺ ትፃበቢ?”

እናበሉ ኣቅሪቦም ‘ዮም ዝመኽሩኒ።

“ፕሮፌሽናል ስለዝኾንክስ ንምንታይ

እንጀራኺ ትዓፅዪ?”፤ እዚ ግን ናተይ

ስለዝኾነ ምፅባብ ኣይኮነን’ሞ ክሰርሖ ይደሊ።

ኣብ እስራኤል ፊልም እንትሰርሕ ዝለዓሉለይ

ሕቶታት ‘ውን ክነግረካ። “ንምንታይ ኢኺ

ኣብቲ ናይ ሓበሻ ልምዲ ተትኩሪ?

ፕሮፌሽናል ኢኺ ኣብቲ ማንም እስራኤላዊ

ክሪኦ ዝኽእል ክትሰርሒ ትኽእሊ ኢኺ፤

ንምንታይ?” ይብሉኒ። ኣነ ግን እንታይ

ይብል፤ ነቱ ናይ ካልኦት ታሪኽ ካልኦት

ኣለዉዎ ኣብቲ ናትና ግን መን ኣሎ? ስለዚ

ኣብ እስራኤል ኮይነ ከም ቀዳማይ ትዉልዲ

ሓላፍነት ይስመዓኒ። ኣብዚ ‘ዉን ተመሳሳሊ

‘ዩ።

ብሓፈሻ ፊልምኺ ዝሓቶ ወፃኢ ክንደይ’ዩ?

ኣነ ዝሓስቦ ዘለኹ ናብ 300,000 USD

[ልዕሊ 5 ሚልዮን ብር] ‘ዩ።

እዚ ዝኣክል ወፃኢ(ምናልባሽ ‘ዉን ብወፃኢ

ደረጃ ብሃገርና መሪሕነቱ ተይሓዘ

ኣይተርፍን) ኣዉፂኢኺ፤ ሓገዝ ኣብ

ዘይትረኽብሉ፣ ተመልካቲ ‘ዉን ዉሑድ ‘ዩ።

ነቲ ዘዉፃእኽዮ ወፃኢ ንምምላስ ከቢድ ‘ዩ ‘ሞ

እንታይ ‘ዩ ትርፈይ ትብሊ?

በቃ! ታሪኽ ክሰርሕ እደሊ። ሓደ

ትርፊን ኦዴንስን ክመፅእ ይኽእል‘ዩ

በሃሊት‘የ። ፅቡቕ ፊልም እንድሕር ሰሪሕኻ

ዋላ ብትግርኛ ኾይኑ ተመልካቲየይ ኩሉ

ህዝቢ ኢ/ያ ‘ዩ። ትግርኛ ስለዝኾነስ ናተይ

ኦዴንስ ‘ቲ ትግራዋይ ጥራሕ ኣይኮነን።

3
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 4

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ስለዚ ፅቡቅ ፊልም ኾይኑ ኣሰራርሕኡ ‘ፕሮፌሽናል’

እንተኾይኑ ዳርጋ ማንም ሰብ ይምልከቶ’ዩ። ስለዚ’ቲ ሓደ ዝጠቀስካዮ

‘ኦዴንስ’ ካብቲ ዝበልካዮ ይበዝሕ ይመስለኒ። ኣብቲ ካልኣይ ነገር

‘ዉን ትርፊ ክህልዎ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን። ፅቡቕ እንድሕር ተሰሪሑ

ሰብ ናብኡ ኢዱ ክሓዉስ ዝደሊ ይመስለኒ። ከምቲ ገለ ሰባት ሓደ ሻዕ

ትርፊ እንተረኺቦም “እዚኣ ትኣኽለና!” ኢሎም፤ እንትኸስሩ ኸዓ

“ኣይምለሰኒ!” ኢሎም ዓዶም ዝኸዱ፤ ኣነ ከምኡ ኣይኮንኩን። እዚኣ

መእተዊት እግሪ‘ያ፤ ረኸብኩስ ሰኣንኩ። ኣነ ካብዚ ዓዲ ሰሊጢን

ዕጣንን ጥራሕ ኣይኮንካን Export ክትገብር ትኽእል culture ‘ዉን

ክትገብር ትኽእል ኢኻ፤ ሓደ ‘ቲ ናትና ባህሊ It is realy special

(ብጣዕሚ ድንቂ’ዩ ) . . . ስለዚ ብቱ ፊልምና ኣቢሉ Export ኣብ

ዝግበር ባህልና ትካል መስሪተ ኣስተዋፅኦ ክህልወኒ ይደሊ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት(ነዚ ፊልም ‘ዚ “ተኣምር” ብዝብል ርእሲ)

መፂኢኺ ሓዚንኪ ከምዝኸድኪ እፈልጥ። ኣነ ብወገነይ ናብ ትግራይ

ገፅኪ ትመልሲ ኣይመስልንን ነይሩ። ይኹን ‘ምበር ኣይተረታዕኽን

ተመሊሲኪ መፂኢኺ ኣለኺ’ሞ እንታይ ለውጢ ረኺብኩሉ’ዩ?

ሓቦ! (ስሓቕ) ኢለ እሓስብ ‘ምበር ‘ቱ ንስኻ ዝተገንዘብካዮ ካብ ሓቂ

ኣይረሓቀን። Disappointment(እንተይተሓጎስኩ) ዝኸድኩሉ

ግልፂ’ዩ ። መበገሲኡ ድማ ‘ቲ ናብዚ ክመፅእ ከለኹ ዝነበረኒ expectation(ትፅቢት)

ኮይኑ ስለዘይረኸብኩዎ ‘ዩ። ከምቲ ብርሑቕ

ዝመስለካ ነገራት ኣሎ። ካብ እስራኤል ንትግራይ መፂአ ታሪክ

ገድሊ ክሰርሕ ክብል እንተለኹ ሰብስ ተደፋፊኡ “ንሕና ኢና

ክንሕግዛ፣ ንሕና!” ዝብሉ ‘ዩ መሲሉ ዝተሰመዐኒ። በቲ ሽዑ እዋን፣

“በቃ! ፕሮፌሽናል ኮይና፣ ዓዳ ገዲፉ ናይ ባዕላ ገንዘብ እናጥፈአት፣

ንሳ’ኳ መፂኣትናስ ኢድና ዘርጊሕና ክንቅበላ ኣለና።” ክብሉ ኢዮም

ኢለ እየ ተፀብየ። ናትኩም ታሪክ(ናተይ ‘ዉን እንድዩ ግን ብቀጥታ

ኣይኮነን)፣ ንተጋደልቲን ዉድብን ብናተይ ድኻም ብፕሮፌሽናል

ክሰርሕ ኣነ ‘ካ ተገዲሰስ ከመይ ንሳቶም ዘይግደሱ? ካብ ዝብል ‘ዩ።

ሐዚ ነቲ ፊልም ዝኣክል ዝተወሰነ ገንዘብ ሒዘ ‘የ መፂአ። ሐዚ ‘ዉን

ግን ሓገዝ ዘየድሊ ኣይኮነን።

ንትግራይን ንትግራዋይነትን ዘለኪ ስምዒት፣ ኣብዚ ዝባፃሕኺ፣

ጡዑሙስ ሕማቑስ እናተቃደስኪ ከም ዝመፃእኺ የምስለኪ።

ብህፃንነትኪ ዝገደፍክያ ዓዲ ከመይ ፍቕራ ክሓድረኪ ኪኢሉ?

ከምቲ ትብሎ ዘለኻ ሐዚ ዕድመይ 33 ‘ዩ። ልዕሊ 30 ዓመት ኣብ

እስራኤል ኣለና ማለት ‘ዩ። ወለድና ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን

ዘለዎም ፍቕሪ . . . በቃ! “ዓድና!” ከይተብሃለ ዝሓልፈሉ መዓልቲ

የለን። ስለዚ እቲ ሐዚ ተሸኪመዮ ዝመፃእኹ ሓቦ እቲ ፍቕሪ ዘለዎምስ

ክሳብ ናባይ ሓሊፉ ድሕሪ 30 ዓመት ዘይሃስስ ክንደይናይ ‘ዩ? ባዕልኻ

ክትግምቶ ትኽእል ማለት ‘ዩ።

ናብ ታሪኽ ገድሊ ምእታዉኪ ግና ብዓይኒ ትርፊ ዝረኣኽዮ ይመስለኒ፤

ምስ ትካላት ትእምት ተኣሳሲሩ ኣብ ትግራይ ዝሓሸ ትርፊ ዝርከቦ

ታሪክ ገድሊ ሕወሓት ምስራሕ ‘ዩ፤ ብምባል?

ናብ ታሪኽ ገድሊ ከመይ ከምዝኣተኹ ኣየኣውጋዕኹኻን።

2006ዓ.ም.ፈ ኣጋጣሚ ንመጀመርያ እዋን ናብ ዝተወለድኩሉ ዓዲ

ሽረ እንትኸይድ፤ ፊልም “ወዝቢ” እናሰርሑ ዝፈልጦም ሰባት

ይረክብ። “እግረ መንገድኪ በሊ ሓግዝና?” ይብሉኒ። ፊልም ‘ኳ እግረ

መንገድካ ዝስራሕ ኣይኮነን፤ እቲ ዝኽእሎ ግና ክሕግዞም ኢለ

ጀሚርና። ንሳቶም ‘ቲ ሓሳብ እናነገሩኒ እቲ ቅርፂ ድማ በባይ

ተሰሪሑ። ሓሳቡ፣ ብዛዕባ “መርዓን ፀገማቱን” ‘ዩ። እዛ ሕጊ ንሳ

ብጣዕሚ፣ ብጣዕሚ‘ያ ተንኪፋትኒ። ከም መንእስይ በል

ጓልተንስተይቲ፤ ‘ዞም ሰብ እዚኦም ከመይ ዝበሉ ሰባት እንትኾኑ‘ዮም

ተፈጥሮኣዊ ስምዒት ዝዉሕጡ? ኢለ ተገሪመ። ገሪሙኒ ኣይተረፈን

ኣብ እስራኤል ከይደ ብዛዕባ ተጋደልቲ ክፈልጥ ምሕታት ጀሚረ፤

ምንባብ ጀሚረ። ድሕሪ’ዛ ፊልም’የ ናብ ታሪኽ ገድሊ ከድህብ ክኢለ።

ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ሓሳባት ተስኢኖም ኣይኮነን፤ እቲ ናይ ገድሊ

ግን ታሪኽ ‘ዩ፤ ስለዚ ንኡኡ ኢኻ እቶም ሰብ ዋና ታሪኽ እናሃለዉ

ቀዲምካ ትሕዞ ዝግባእ - ከይሃስስ።

ኣብ መወዳእታ?

...ፍቕሪ ገድሊ

ስፖንስር ካብ ዝሓተትክዎም ሓደ ዓብይ ትካል ትእምት ’ዩ። ካልኦት

’ውን ሓቲተ ኣለኹ። ፊልም ግን ከም ካሊእ ስራሕ በይንኻ ዝስራሕ

ኣይኮነን። ካልኦት’ውን ሓቦ ገይሮም ክሕጉዙኒ እናተላቦኹ፣ ኣነ

ብወገነይ ዘኹርዕ ስራሕ ሒዘ ከምዝቀርብ ክገልፅ እፎቱ። ኩሉ ኢ/ያዊ

ብፍላይ ትግራዋይ ከዓ ሓቦ ገይሩ ክሪአለይ ይደሊ።

ብሂብሩ፣ የቐንየለይ እንታይ ይበሃል ኦርሊ?

‘ቶዳ’

‘ምበኣር ‘ቶዳ’

እሺ ኣነ’ውን የቐንየልይ።

ካብ ገፅ 12…

ኣነስያ ጭቃ

እንደርታ ዓደይ?!

ተሓጂጁለይ በለ ግደይ ዓንጁ! እንደርታ ዓደይ ነቶም ዓው

ኢሎም ዝዛረቡ ምዓዱላተይ። ኣብታ ጎጆ ንሶም ጥራሕ ኣይኮኑን

ብዘመድ ኣዝማድ እንተይኮነስ “ቡና ኣዋቅጣና!” ኢሎም ዝቆፀሩ

ኢልካትኩም። ዘይትዛረብ ድኣ ዓው ኢልካ እንድሕር ትዛረብ? ካብ

ዕንበባታት ክሳብ ዜና ኣንባብነት እንዳ ገርሃንስ መሊኦሞ ኢልካ?

ዓሳው!!! ዓው ኢልካ ድኣ ዘይትዛረብ ብሒሳብ ዝተመረቀ ኣብ

“ተሃድሶ” ቀመር ኣብይዎ ኢልካ? ዓው ኢልካ ተዛረብ እምባ ቡቡ

መን ይወርሳ ብምባል ገዝኦም ሰሪሖም ኣትዮሞ ኢልካ! ዓው

እንተተብሃለስ ከም ወዮ ቆልዑት ኮይና ንገብሮ፣ “ዓው፣ ዓው፣ ዓው”

ቢልካ። ኣየ ኣነ ወዮ ሀዚለ ቆልዓ ድየ፣ ይቕረ በለኒ ይትረፍ ስሑት

መዓልቲ ውዒለ?! ኢለ እንተይወዳእኹ፣ “ወይ እኒሀኻ ሃጠው ቀጠው

እንታይ እዩ እዚ ኹላ ፀፋዕፋዕ? ትረኽባ ጀሚሮምኻባ ኣለዉ፤ ወዲ

ገፊሕ ገረብ!” ኢሎም ዝተረፉ መሓዙተይ’ውን ሪሒቆምኒ...

በጊዕያ ፋስጋስ፣ ብበጊዕ ልደት ትስሕቅ! ዶ በሉ? ሓደ ካድረ

ደርጊ ድኣምስያ ነቶም ወጅራት ኣኪቡ “ኣለኹምዶ?” ይብሎም

መመሊሱ። ሓደ ካብቶም እዝዋት “ዋእ! ኣታዮ ዕዉር ድኡ?” ኢሎም

መለስሉ፤ ከም ዝበሃል “ስማዕ! ስምዑ!” እናበሉ ኣፅሚሞናታ። ኣታዮ!

ፀማም ድኡ ዶ ኢልካትኩም?! ዩኒቨርስቲ መቐለ ብካድረታት

ትገላበጥ ኣላ ኢልካ ዘይትፅሕፍ በሉላተይ፣ መሊስኩም ድማ

“ኣልተገራም ወይ ፈረሱ?” ጋቡዙለይ፣ እማነይ ሰብ ከይውዱኡታ።

“ውን ይብለኒሎ ኣነ” በለ ደራፋይ! ውን ዶ ኢልኩም? ትእምት ሓደ

ግዘ ዕይንይን ኢሉ እንከሎ... ( እወ ቅድሚ “ ስየ! ስብሓት ዓዩንዎ

ኣሎ ‘ሞ ኪድ ኣዐርዮ!”¡¡¡ ቅድሚ ምብሃሉ ቂ..ቂ..ቂ) ትካላት

ትእምት ብፈረንጂ ክመሓደራ ዝረኣየ ህዝበይ ሓተተ። “ንምንታይ

ኢኹም በቲ ሕማቕ ግዘ ኣይንግዛእን ኢልና ዝኣበናዮም ፈረንጂ

እናምፃእኹም ደቅና ክይሕዝዎ’ቲ ስልጣን ትዕድልዋቶም ዘለኹም?”

ኢሉ። መልሲ ሃቡላቱ። “ክእለት ምምሕዳር ስለዘለዎምስ ፅቡቕ

ገይሮም ምእንቲ ክኣልይዎ ኢልና ኢና።” ኢሎም። ሓያል ህዝበይ

እንታይ ተዝብል ፅቡቕ እዩ? “እሞ ኹሉ ድኣ ዘይትህብዎም ፅቡቕ

ግይሮም ምእንቲ ክዝውርዋ ትግራይ!” ኢሉ ዕርፍ። ሐዚ ለቸስ ሓደ

ለባም መሓዛይ ነቲ መራሒ ዩኒቨርስቲ ሓዚኑ “ከመይ ‘ባ ክኾን እዩ

እዚ ፃዕዳ?” እንተበለ፤ ቀያዒ መሓዛይ ትቅብል ኣቢሉ “እንታይ

ከይኸውን ኢልካ ኢኻ? ኣባል ውድብ ‘ምበር።” ኢሉ መለሰሉ። እቲ

ዝኾነ ግና እቶም ሙሁር ትግራዋይ ንስደት፣ ንሱ ድማ መሓዙቱ ‘ያ

ፀዊዑ፤ ኢላቶም። ነዚ’ዩ ዓውታ ዘድልዮ በሉላተይ፣ በለ። ድሕሪ ማይ

ናብ ባዓቲ ከም ዝበሃል፤ ኣብዝፀናሕኻ ፀኒሕኻ፣ “ጉድ ንሰሙን እዩ!”

በለ መለስ ወድያቱ ጉድ ተኣኪቡ ተኣኪቡ ግርም! ከም ዝዓዪ ዘንጊዑ።

ህዝበይ ብንብዓት ተሓፂባ፣ ዝተቀጥቀጠ ተቀጥቂጡ፣ ዝሓመመ

ሓሚሙ(እቶም ተቃወምቲ ዝሞተ ቆልዓ፣ እወ! በቲ ዝነፍሕዋቶ ጋዝ!

ኣሎ ኢሎምናቲ ነይሮም፤ ሳልሳይ ዶ ክንእሰር? ኣበይ ከ ክንዛረቦ

ነይርና ኢና? ኢልና ገዲፍናዮ... ቀፀለ መሓዛይ) ዝተኣሰረ ተኣሲሩ

ነገር ምስ ሓለፈ ኣፍካ ምውጥዋጥ የተዓዛዝብ’ዩ። ህዝቢ ከም ዓሻ

ምቁፃር የተዓዛዝብ። ህዝቢ ኣይዕዘበንን ኢልካ ክልተ መልሓስ

ምዝራብ የተዓዛዝብ። ኣቱም ሰባት ይተሓዋወሰኩም ኣሎ።

ፖለቲከኛነትን ጋዜጠኛነትን፤ ምጥባቅን ምግዛጥን፤ ምድጋፍን

ምቅዋምን፤ንዓዲ ምሕላይን ንዓዲ ምግልጋልን ፍለዩ እናበለ መሓዛይ

ኣብ እግሪ ታቦተ ፅዮን መሓዙቱ ኣኪቡ እንተምህር ረኺበዮ።

እንታይ ኢኻ ዝበልካ ድገሞ ‘ስቲ ኣንታ ስዲ! ኣንታ ችኩል!

ኣንታ ዘየስተውዕል! ኣንታ ብቤተክርስትያን ተኸዊሉ ዓመፅ

ዝቅስቅስ! መሳርሒ ተቃወምቲ! እንተበልኩዎ። በቲ ሓምለዋይ ስኑ

ስሕቅ ኣቢሉ ኣየ! ንስኻ ኮፍማ በል ኢሉ ዙሑል ቢራ

ቀረበለይ።(ልቃሕ ምምላሱ እዩ።) እቲ መሓዛኻ ፍቃዶ እንዳ ሻሂ

“ኣቱም መናእሰይ! ትሪኡዎም ኣለኹም መናእሰይ ዓዕራብ ኣብ ሕገ

መንግስቶም ዘየለ መሰሎም ተጠቂሞም መሰሎም እንትገብሩ። ዋእ!

ንምንታይ ኢኹም ንስኹም ኣብ ሕገ መንግስትኹም ዝተቀመጠ

መሰል ምግባር ሰለማዊ ሰልፊ ተጠቂምኩም፤ መንግስቲ ገዛ መስርሒ

መሬት ከሊኡና! ዘይቲ ስኢና! ሽኮር ሓሪሙና! መብራህቲ ብፈረቃ

ኣቲኹምዎ! ኔትዎርክ ቀቲልኩምዎ! ስጋ ናፊቁና! ጋዜጣን መፅሄትን

ከይንዕድግ መሃያና ሰብ ታክሲ ሊሒሶሞ! ስራሕ ሲኢና! ነፃነት!

ነፃነት ነፃነት! ዝብል ጭርሖ ሒዝኩም ዘይትወፅኡ ችላእ!...” እናበለ

እንትሰብኽ ኣነን ዝሓዝራጥ መሓዛኻን ሸተት ኢልና ወፂኢና በለኒ።

ንምንታይ እንተበልኩዎ፤ “ዓሽኡ ይኣልሽ! ንሕና ሰልፊ ክንገብር

ኢልና ምስ ተኣሰርና ንሱ መፂኡ፣ “ ኣሸበርቲ ውልቀ ሰባት ምስ

ተቃወምቲ ብምምሽጣር መንግስቲ ክግልብጡ...” ኢሉ ዜና

ክሰርሐሉ፤ ወለድና ወግሐ ፀብሐ ሸሓነ እንተመላልሱ፤ ንሱ ‘ኣበይ

ኣለኺ መዓረይ ህድሞ ‘ዶ ክመፅአኪ ወይስ ቦስተን?!’ ክብል?” በለኒ።

እንታይ’ዩ እዚኹሉ በለካ ለኽዐካ? ለኽዑ! እንትብሎ፤ “ኣለኹ!”

በለኒ። ኣሸንዳዋይ ንዓሚ ንዓሚየ ንጋነ ድኣ ከምሎሚ’የ!

4
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 5

በለስ ዳርጋ

ካብ ኩለን ከባቢታት ትግራይ

ዝፈሪ‘ኳ እንተኾነ ቀንዲ

ኣፍረይቲ ዞባታት ግና

ምብራቕን ደቡብን’ዮም።

36ሺሕ ሄክታር(11.2%መሬት

ትግራይ) ዝሽፍን በለስ፤ ካብዚ

ምብራቓዊ ዞባ ዝለዓለ መጠን

ይሕዝ። ብገባራት ትግራይ

ዝተረኸቡ 47 ዓይነት በለስ

ከምዘለዉ ‘ኳ እንተተረጋገፀ

እቶም ሰለስተ ጥራሕ’ዮም

ብተነፃፃሪ ፅቡቕ ኣተሓሕዛ

ዝረኸቡ። (ተስፋይ ኣለምሰገድ

2003/09)

ኣይተ ፍሰሃ ያየ፣

“cactus based development

in Tigray and experience

from Mexico’’ ኣብ ዝብል

ፅንዓታዊ ፅሕፎም፣ በለስ ቅድሚ

160ዓመት(ብሓደ ሚሰዮናዊ)

ናብ ትግራይ እንተኣተወ ‘ኳ፤

ምስ ዝህቦ ዘርፈ ብዙሕ

ኢኮኖሚያዊ ረብሓ(economic

importance) እንትነፃፀር፣

ንበለስ ዝተዉሃቦ ቖላሕታ

ዱኹም’ዩ። ብምኻኑ’ዉን ኣብ

እዋን ክረምቲ ንመሸጋገሪ

ህይወት ዝምገብ “ምግቢ

ድኻታት” ተገይሩ እናተወሰደ’ዩ

መፂኡ። ኣብ ሃገረ ሜክሲኮ ግና፣

በለስ ብዝህቦ ኩለ መዳያዊ

ጥቕሚ መበል 6ይ ጥረምረ(ካብ

ማንጎን ኣራንሺን ቐፂሉ) እዩ።

ሜክሲካዊያን ናብዚ ክበፅሑ

ዝወሰደሎም ግዘ ሽዱሽተ

ዓሰርተ ዓመታት ከም ዝኾነ

ዝገልፁ ኣይተ ፍሰሃ፤ ኣብቲ

ዝሓለፈ ዘበኖም ካብ ንሓፅሩነት

ዘሊሎም ንኻሊእ ዘይግልገሉሉ

ከም ዝነበረ‘ዩ ዘመላኽት።

ኣይተ ተስፋይ

ኣለምሰገድ፣ በለስ ኣብ ትግራይ

ንዓርባዕተ ጥቅምታት’ዩ

እናዋዓለ መፂኡ ይብሉ።

ፍልፍል እቶት(ካብ ገልዕን ፍረን

ዝርከብ መሸጣ)፣ ፍልፍል ምግቢ

ሰብ፣ ምግቢ እንስሳን

መንደድ(house hold Energy

)ን። ይኹን’ምበር ይብሉ

ተስፋይ፣ “ይኹን’ምበር በለስ

ዝረኸቦ ማይ ብኣግባቡ ዝጥቀምን

ንነዊሕ እዋን ድርቂ ዝፃወርን

ብምኻኑ ኣብ ለውጢ ከባቢያዊ

ኣየር ካብ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ

ንላዕሊ ንኣልኮል መስተ፣ ፅማቅ፣

ሻሞፖ፣ ሎሽን፣ መድሓኒትን

ክሬምን ክውዕል ዝኽእል‘ዩ።

ብምዃኑ‘ውን ሙሩፃት

ልምድታት ኣብ ዝላ ቴክኖሎጂ

ኢንዱስትሪያላዊ ኣመራርታ(Industrial

processing )

ምቅሳም ጠቃሚ ስትራቴጂ‘ዩ።”

ኣብ 30ሃገራት ዓለምና

ከምዝፈሪ ዝዝረበሉ በለስ ቤተሰብ

ተኽሊ “ዲኮታይሰዶኖስ’’ እዩ።

ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ክንደይ

ጊዜ ክበልዕ ኣለዎ?(ሰለሰተ ጊዜ፣

ክልተ ጊዜ /Five-Eleven/ወይስ

ሓደ ጊዜ) እንተይኮነስ ክንደይ

መጠን “ካሎሪ” ይወስድ? ዝብል

ክስመረሉ ከም ዝግባእ

ተመራመርቲ ይገልፁ። በለስ፣

ኣፕልን ኣራንሽን ካብ 100

በለስ

ግራም 50 ኪሎ ካሎሪ ይርከቦም።

ብመጠን ሽኮርነቱ (15%) ካብ

ኣፕል፣ ኣቮካዶ፣

ካሮትንሎሚንን ዝበለፀ፤

ብትሕዝቶ ቫይታሚን ሲ(C)

ማዕረ መጠን ካሮትንባናናን

ኣለዎ - በለስ። ካብቶም ኣብ

ላዕሊ ዝተጠቀሱ ፍራምረታትን

መሰላቶምን ብመጠን

ፕሮቲን(6.7%)ን ብመጠን

ሰብሒ (2.73%)ን ‘ውን ዝበልፅ

‘ዩ።(ኣቮካዶ ኣብዚ

ኣይካተትን)። በዚ መሰረት ኣብ

መዓልቲ ልዕሊ ኽልተ በለስ

እንተዘይበሊዖም፣ ን5 ግዜ‘ውን

ጣፍ(እንጀራ)ምብላዖም ኣብ

“ጥምየት” ከምዘለዉ’ዩ ዝቁፅሮም

ማለት’ዩ።

ዓይነታት

በለስ

ቀይሕ ዓሻኽ በለስ፡-

ዝለዓለ መጠን

ሶድዮምንፎስፎረስን፤ ዝነኣስ

መጠን ኣሰኮርቢክኣሲድ

መፍለይኡ እንትኸውን፣ ብዙሕ

ቀረብን ጠላቢን ዘለዎ ኾይኑ

ሰፊሕ ሽፋን ሒዙ ዝቦቅል ‘ዩ።

ጨጋርበለስ፡- ብኬሚካልን

ኑዩቱሬሽን ትሕዝቱኡን

መሪሕነቱ ዝሓዘ’ዩ።

ለማፅ በለስ፡- ብቐሊሉ ዝጉዳእን

ዘንጋሕጠጠ ኣበፃፅሓ ዘይብሉን

እንትኸውን ብዝለዓለ ፅሬቱን

ትሕዝቶ ፎስፎረስን ይልለ።

ማይ ዝበዘሖ

በለስ፡ - በዝሒ መጠን ስብሒ

መግለፂ‘ዩ። ሄልቬታሰ ኢ/ያ

በለስ ሳንራይዝ ፕሮጀክት፣ በለስ

ብዘመናዊ መልክዑ ፈርዩ

ንዕዳጋን ኢንዱስትሪን ክውዕል

ካብ ዝፅዕሩ ትካላት ሓደ ‘ዩ።

ኣይተ ብርሃነ ሃይሉ(ራሻ)

ላዕለዋይ ኪኢላ ፕሮጆክት

በለስ’ዮም፤ ሄልቬታስ ፍረ በለስ

ዝሓሸ ዕዳጋ ንኽረክብ ብዝገበሮ

ፃዕሪ፣ ንኣብነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ንሓደ ኪሎ 11(ዓስርተ ሓደ ብር)

እናተሸጠ ከም ዝርከብ ይዛረቡ።

በለስ ኣብ ዘይሕረሱ ገቦታት

እናተተኸለ ይርከብ። ብምዃኑ

’ዚ ፅቡቕ ዕንበባ ዝውንን ሃብቲ፣

ንዘመናዊ ምርባሕ ንህቢ ተወሳኺ

ጥቕሚ ይህልዎ። ትሕዝቶ በለስ

ዘዕቢ፣ ናብ ሃገርና ብሄልቬታስ

ዝተኣታተወ ተኽሊ’ዩ

“ሶልትቡሽ”። በለስን “ሶልት

ቡሽ”ን ብምትሕንፋፅ

ንምግብነት እንስሳት ቀዳሚ

ምርጫ‘ዩ። ምኽንያቱ ይብሉ

ብርሃነ፣ “ሶልት ቡሽ” ፅቡቕ

ትሕዝቶ ማኣድንን ጨውን

እንትህልዎ ገልዒ በለስ ድማ

ትሕዝቶ ቫይታሚንን ማዕድንን

ስለ ዘለዎ፣ ክልቲኦም

ተቃሚሞም ንእንስሳት “ኢድ

የቆርጥም!” ዝዓይነቱ‘ዮም። በለስ

መድሓኒት‘ዩ እንተሰሚዖም

ኣይጠራጠሩ። ንመድሓኒት

ሽኮርን በዝሒ ደምን ካብ

ዝውዕሉ ንጥረ ነገራት ሓደ ‘ዩ።

ሕማም ጮጓራ ዝነበሮ ግን ድማ

ብበለስ ዝተፈወሰ ሰብ ከ

ኣጋኒፉዎም ይፈልጥ ‘ዶ?

ጥሕሎ ነሓሰ 2003 5
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 6

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ትግራይ

ጉዕዞ 20 ዓመታ እንትቕላዕ

ድህረ -ባይታ

ከይሰርሕ ኢደይ ለመፀ፣ ከይሰርቕ መንገሻ መፀ፤

ዝተብሃለሉ ግዘ፡፡ ቀንዲ መንገዲታት ትግራይ ዝተሳለጡ ብዘመነ

ልዑል መንገሻ ’ዮም፡፡ እቶት ዓይኒ ትግራይ ከተማ መቐለ ናብ 200

ሽሕ ንምብፃሕ ’ውን ተኻኢሉ’ዩ፡፡ ሕቶ ማይ ከተማ መቐለ(ብዘበነ

ራእሲ ስዩም) ሽረን ዓድዋን’ውን መልሲ ረኺቡ’ዩ ኣብ ዘመነ መንገሻ፡፡

ኣብ ትግራይ ከምኒ TDOን TADLEን ዝበላ ትካላት ተጠጂወን

ዝተፈላለዩ ምንቅስቓስ ንግዲ ዕላዊ ኮይኑ’ዩ፡፡ ልዑል ራእሲ

መንገሻ(ወዲ ላሕምና)፣ ብቕድሚኦምን ድሕሪኦምን ኢዱ ሓመድ

ኣንኪኡ ዝሰርሕ መራሒ ከም ዘይተርኣየን፣ ንትግራይ ካብቲ ዝሓለፈ

ግዘ ዝሓሸ እዋን ከም ዝነበረን ብዙሓት ሰብ ዕድመ ፀጋን ፈላጣት

ታሪኽን ይዛረቡ፡፡ እቲ ብሃገር ደረጃ “ዝባኻነ ዘበን” ዝበሃለሉ ግዘ ከም

መንደርደሪ ምጥቃም፣ ጠመተና ናብ ጦርነትን ስቓይን ክብትኖ

ስለዝኽእል ገዲፊናዮ፡፡ ብሓፂሩ ትግራይ ኣመና ክትዓኒ ዝተፃወቶ ግደ

ዝዓዘዘ ’ዩ - ዘመነ ደርግ(ጊ)፡፡ ብምዃኑ ራእይ ልዑል ራእሲ መንገሻ

ንድሕሪት ዝመለሰ ምዃኑ ንምርግጋፅ፣ ህወሓት ትግራይ

እንትቆፃፀር፣ ዝፀንሐቶ ትግራይ ምርኣይ ሓደ ኣማራፅ’ዩ፡፡ ኣይተ

ኣስገደ ገ/ስላሴ ካብ መስረቲ ትህሓት/ህወሓት ሓደ’ዮም፡፡ “ትግራይ

እንትንርከባ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ትካላት ኣይነበራን፡፡” ይብሉ፡፡

ኣርባዕተ ካልኣይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ጥራሕ ነይረን ዝብሉ ኣይተ

ኣስገደ፣ ብመዳይ ጥዕና’ውን 3 ሆስፒታላት ጥራሕ ኢና ተረኪብና።

ሕርሻ ዝበሃል ኣይላዓልን - ዘመነ ድርቅን ጦርነት ’ዩ፤ ዘበነ

ደርግ(ጊ)፡፡ ልኡል ራእሲ፣ ብዘበነ ወያነ(ካልኣይ) ዝተሳላጠ ስራሕ

መፂኦም ድሕሪ ምርኣይ “ናትና ዕላማ ኣብ’ቲ ክበፅሕ ዝተመነናዮ ቦታ

በፂሑ’ሎ፡፡” ኢሎም፡፡ ሀዚ ተበፂሑ ዝብልዎ ዕላማ ንህዝቢ ትግራይ

ዘርዊ ደዩ? ብምባል ትግራይ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓደ መንእሰይ ዕድመ

ዝረኸበቶም ፀጋታትን ክሳብ ሀዚ ዘይተቀረፉላ ሽግራትን ክልተ ዘበናት

ብምንፅፃር ንሎሚ ብዓይኒ ፖለቲከኛታትን ሙሁራትን እንትነቅርብ፤

‘ዚ ፅሑፍ ብዋናነት ንመመያየጢ ዝኸውን ሓሳብ ንምልዓል ዘዓለመ

ምኻኑ ብምሕባር ‘ዩ።

ዘበነ

ፕሬዚዳንት ገብሩ ኣስራት

(እግሪ ምትካል /83-93 ዓ.ም/)

ብተደጋጋሚ ኲናትን ድርቅን ዝተሓሰየት ትግራይ “ፍሉይ

ቆላሕታ” የድልያ ’ዩ እንተተብሃለ’ኳ ብዘበነ ንጉስ ሃ/ስላሴ ኾነ

ፕሬዚዳንት መንግስቱ ዳግም ናብ ኲናትን ድርቅን ’ያ ኣትያ፡፡ በዚ

ዝሓረኑ ኣብ ፅላል ተሓህት/ህወሓት ዝዓሰሉ፤ ልዕሊ ኹሉ ንትግራይ

ቀዳምነት ሂቦም ዘተቓለሱ ወየንቲ ምስተቆፃፀርዋ ’ውን ምንም ’ኳ

ብ90ዓ.ም ናብ ጦርነት ኣትያ ንዝለዓለ ሰብኣዊን ንዋታዊን ኪሳራ

እንተተዳረገት፤ ‘ዚ ዘበን፣ ዘበነ-እግሪ ምትካል ንምኻኑ ብኽልቲኡ

መስመር ዝተሰለፉ ፖለቲከኛታት ይስማዕሙዑ። “ትግራይ ዝደቐቐ

ክልል ስለዝነበረ እዚ እግሪ ኣትኪልካ ኩሉ መሰረታዊ ነገራት

ንምምላእ ብርቱዕ ቃልሲ ተኻይዱ’ዩ፡፡” ዝብሉ ነበር ፕሬዚዳንት ኣይተ

ገብሩ፣ “ሀዚ ንትግራይ መሰረት ዝኾኑ ስራሕቲ ድማ ብዘይ ምግናን

ሽዑ ዝተጀመሩ ’ዮም፡፡” ብምባል ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ዝሰርሕዎ

ስራሕ ኣፍልጦ ይህቡ። “መሊስካ መሰረተ ልምዓት ክትተክል፣

መንግስታዊ ትካላት ክተጣይሽ ኮታስ ኩሉ ነገር መሊስካ ደው ክተብል

ብጣዕሚ ከቢድ ስራሕ ነይሩ። ንመጀመርያ ሸውዓተ፣ ሸሞንተ ዓመት

‘ውን ቀንዲ ስራሕ ዝነበረ፣ ቤት ት/ቲታት፣ ትካላት ጥዕና ኣብ መላእ

ትግራይ ምስፍሕፋሕ፣ ፅርጊያታት ብስፍሓት ምፅራግ፣ ስራሕቲ

ሕርሻ ምክያድን ከምኡ ‘ውን ምስ ማእኸላይ መንግስቲ ብምትሕብባር

ስራሕቲ ‘ሃይድሮ ፓወር’ ኣብ ትግራይ ክተኣታተውን ክስፋሕፋሕን

ምግባር፣ ዩኒቨርስቲን ካልኦት ትካላትን(ብመሰረቱ ስራሕቲ ማእኸላይ

መንግስቲ ‘ኳ እንተኾኑ) ክጣየሹ ባይታ ምምችቻው ዝነጠፍናሎም

ጉዳያት ነይሮም።”

6
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 7

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ኣይተ ኣስገደ ገ/ስላሴ፣ ኣይተ

ገብሩ ትግራይ እግሪ ንምትካል ዘይትካእ

እጃም ከምዝተፃወቱ ይምስክሩ፡፡ “ኣብ

ትምህርቲ፣ መሃይምነት ካብ ምጥፋእ ጀሚሩ

ትግራይ ወናኒት ላዕለዋይ ቤት ት/ቲ

ንኽትከውን ዝኸፈሎ መስዋእቲ ዓብይ ’ዩ፡፡

ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ኣሪድ ክትከል

ዘይሕለል ፃዕሪ ዝገበረ ገብሩ ’ዩ፡፡” ይብሉ ‘ሞ፣

“ገብሩ ኣብ ጥዕና እንተኾነ ’ውን

መቐለ[ራእሲ መንገሻ ሆስፒታል ዝነበረ]

ማይጨውን ሑመራን ብሪፈራል ብርኪ

ሆስፒታላት ተኺሉን ኣስፋሕፊሑን ’ዩ፡፡”

ብምባል ኣይተ ገብሩ፣ “ንሕና ዝጀመርናዮ

ስራሕ ‘ኳ ክውድእዎ ኣይከኣሉን”(ድሕሪ

ተሃድሶ) ንዝብሉዎ ሓሳብ ይድግፉ።

ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት

ኣይተ ቴድሮስ ሓጎስ፣ “ዓሻስያ ሓደ ደርፉ!”

ብምባል ይትችዉ፡፡ “እንታይ ’ዩ እቲ ንሕና

ጀሚርናዮ ዘይተወደአ ዝብልዎ?” ኢሎም

ይሓቱ’ሞ፣ “ዝተፈላለዩ ኣብነታት ክነቕርብ

ንኽእል ኢና፡፡” ብምባል ድሕሪ ተሃድሶ ኣብ

ትምህርቲ፣ ጥዕናን ተረኺቦም ዝብልዎም

ለውጥታት ብምንፅፃር ኣብ ዘበነ ኣይተ ገብሩ

ዳርጋ ምንም ኣይተሰርሐን ክበሃል ዝከኣል

እዩ ዝብል መርትዖ የቅርቡ፡፡ “ትምህርቲ

ንውሰድ፣ ሓፈሻዊ ተሳትፎ ካብ 1-4 ክፍሊ

124% በፂሑ’ሎ፡፡ ካብ 1-8፣ 103%

በፂሑ’ሎ፡፡ ካብ 9-10 ድማ 43% በፂሑ’ሎ፡፡

ንፁር ተሳትፎ ዝበሃል ድማ ቆልዓ ሸውዓተ

ዓመት ዝኾነ ትምህርቲ ንኽኣቲ ምስ’ቲ ጎል

ሚሊንየም ብምትሕሓዝ፡፡ ኣብ ትግራይ 24

መንግስታውን 34 ዘይመንግስታውን

ብድምሩ 58 ኮሌጃት ኣለዋ፡፡ ብጭቡጥ 100

ኮሌጃት ክንከፍት መደብ ነይሩናስ 58 ኮይነን

ጎዲለን ይበሉ፡፡ እዚ ግን ኣይሓሰብዎ፣

ኣይጀመርዎ ድሕሪ ተሃድሶ ዝመፀ ነገር’ዩ፡፡”

ከም ሓበሬታ ቢሮ ት/ቲ፣ ትግራይ(ክሳብ

2002 ዓ.ም) ወናኒት 1943 ቀዳማይ ብርክን

110 ካልኣይ ብርክን ኮይና ኣላ ይብል፡፡

ኣይተ ገብሩ፣ ነዚ ሓሳብ፣ ኣይተ ቴድሮስ

ብዘቕረብዎ መንገዲ ኣይኮነን ዝሪኡዎ፡፡

ፖሊሲ ትምህርቲ ህወሓት/ኢህወዴግ ካብ

ፅሬት ኣብ በዝሒ ጠመተ ዝገበረ፣ ንስእነት

ስራሕ ዝዳረገ ብምኻኑ ኪሳራ እዩ ይብሉ።

“ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ

ዝተመዝገቡ ጥራሕ፣ ብዲፕሎማን ዲግሪን

ዝተመረቑ ልዕሊ 25 ሽሕ ስራሕ ዝሰኣኑ

ኣለዉ፡፡ እምኒ ንምንቋት ምህሮ ዘድልዮ

ኣይመስለንን፡፡” ዝብሉ ኣይተ ገብሩ፣

“ዩኒቨርስቲ ተማሂርካ፣ ዲግሪ ሒዝካ እምኒ

ክትወቅር፣ ስሚንቶ ክትሽቅጥ ብናይ

ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ (Educational Economics)

ኪሳራ’ዩ።”

ብሕርሻ ዝምራሕ ኢኮኖሚ ዝስዕብ

ኢህወዴግ፣ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 600 ሽሕ

ብፓኬጅ ዝተሓቖፈ ስድራ ቤት ምህላዉ

ፖሊሲም ትኽክለኛ መንገዲ ከምዝሓዘን

ውፅኢቱ ድማ እቲ በቢገጠሩ ዝሽለም ዘሎ

ሃብታም ገባር ምዃኑ ይግለፅ እምበር፣ ኣብ

ውሽጢ 10 ዓመት ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ

መዓልቲ ሰለስተ ግዘ ክበልዕ ከምዘኽእል

ብቀ/ሚ መለስ ተዋሂብዎ ዝነበረ ተስፋ፣

ድሕሪ 20 ዓመት ኣይተ መለስ “ቁርሲ

ዘይበልዕ ህዝብና”(ንመዋጮ ግድብ ኣባይ

ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት)

እንትብሉ ዝተኸተልዎ ፖሊሲ ከምዘይሰርሐ

ብተዘዋዋሪ ዝገለፅሉ ኩነታት እዩ ተራእዩ፡፡

ብፖሊሲ ብርኪ ዝትችውዎ ኣይተ ገብሩ፣

እንተኾነ ’ውን ምንም ኣይተሰርሐሉን ክብሉ

ይከራኸሩ፡፡ “እዞም ኣብ መዓልታዊ ህልኽታት

ዝተመስረቱ ሕርሻታት ብዙሕ ንሕ/ሰብና

ፍሒት ከብልዎ ኣይኽእሉን፡፡” ብምባል

ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል፣ በቲ ንሶም ፈሊሞሞ

ዝነበረ፣ ብዓበይቲ ግድባትን ሰፋሕቲ

መስኖታትን ምዃኑ ይጥቁሙ፡፡ “ብዘበነ

ገብሩ ነይሩ ‘ሳርት’ ኣብ ትሕቲ ዝበሃል ትካል

500 ግድባት ኣብ 5 ዓመት ናይ ምግዳብ

ትልሚ ዝተትሓዘ፡፡” ዝብሉ ኣይተ ኣስገደ፣

ግድብ ተከዘ’ውን ሽዑ ዝተፀንዐ ’ዩ፡፡ ነበር

ፕሬዚዳንት ገብሩ ብወገኖም፤ ጎልጎል ራያ

ከም ካልኣይ ኣብነት ጥጅው ስራሕቶም

የቕርቡ፡፡ “ጎልጎል ራያ ’ውን ነዚ ኸባቢ ሒዙ

ክወፅእ ዝኽእል ተባሂሉ ዝነበረ ’ዩ፣ ምዃኑ

ተሪፉ ናይቶም ዝወፁ ትምኒታዊ ኣተሓሳስባ

ዝብል ሽም’ዩ ተዋሂቡዎ፡፡” (ደሃይ፣ 4,

ሕታም 3)

“ኣይናይ ዓብይ ኢንድስትሪ

ተተኺሉ ድሕሪ ተሃድሶ?” ኢሎም ዝሓቱ

ኣይተ ገብሩ፣ ኣብ ዘበኖም ምስ ሸኽ

መሓመድ ኣላሙዲን ትእምትን

ብምትሕብባር ዓበይቲ ስራሕቲ ተጠጂዎም

ከምዝነበሩ ይገልፁ፡፡ “ምስ ሸኽ ኣላሙዲን ኣብ

ትግራይ ኢንዱስትሪ ክስፋሕፋሕ ስምምዕ

ነይሩ፡፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ፋብሪካ ሽኮር

ንምጥያሽ 40 ሽሕ ሄክታር መሬት ክንህቦም

እዙይ ክለምዕ ስምምዕ ጌርና ናይ ፕሮጀክት

ቤት ፅሕፈት ’ውን ኣብ እንዳስላሴ ተኸፊቱ

ነይሩ፡፡ ኣብ ራያ ዘፅናዕናዮ ሰፊሕ ዘበናዊ

ቆርበት ጫማ ክሰርሑ ተሰማዕሚዕና

ነይርና፡፡” ብተወሳኺ ንወፃኢ ሰደድ ዝውዕል

ዓብይ ፋብሪካ ስጋ ንምትካል ምስዞም በዓል

ሃብቲ ተሰማዕሚዖም ምንባሮም ዝገልፁ

ገብሩ፣ ብትእምት ብዙሓት ትልምታት

ዋላ’ኳ እንተነበሩ(ከም ብርጭቆ ፋብሪካ -

ዕዳጋ ሓሙስ) እዚኦም ኩሎም ክሳብ ሐዚ ኣብ

ስራሕ ኣይወዓሉን፡፡

ዘበነ ገብሩ ኢንቨስተራት

ብምቕራብ እንተይኮነስ ብኣንፃሩ ካብ

ዝሪኡዎ ሓደ ኣይተ ቴድሮስ ’ዮም፡፡ “ቁፅሪ

ኢንቨስተር ንሶም ከለዉን ሀዚን ሰማይን

መሬትን’ዩ፡፡ ኣብ ክልተ ዓመት ውሽጢ

ዝተቐመጠ መጠን ካፒታል ካብ ወልቀ ሃብቲ

ብ86% ’ዩ ዓብዩ፡፡” እንትብሉ፣ ኣይተ ኣስገደ

“ድሕሪ ገብሩ ደቡብ ሱዳን ዝኣተዉ

ኢንቨስተራት ገብሩ ንኢንቨስተራት ዘስርሕ

ሃውህው ፈጢሩ ምንባሩ ዘመላኽት’ዩ፡፡”

ብምባል ይሙጉቱ፡፡ ኣቦ ወንበር ህወሓት

መለስ ዜናዊ ግና ነዚ ክልተ መሰረታዊ

ፀገማት ኣለውዎ በሃላይ‘ዮም። “እዚ ዝኾነሉ

ናይ ባዕሉ ወድዓዊ ምኽንያታት ኣሎ። ሓደ

ሰብ ሃብቲ ገንዘቦም ዘፍስሱ ኣብቲ ቀልጢፉ

ከስቢ ዝርከበሎም ቦታ‘ዮ። ቀልጢፉ ከስቢ

ዝርከበሎም ቦታ ድማ ናብ ዓበይቲ ዕዳጋታት

ዝቐረበ እዩ። ኣብ ኢ/ያ ‘ቲ ዝዓበየ ዕዳጋ

ኣዲስ ኣበባ እዩ። ብምባል ‘ቲ ቀዳማይ

መሰረታዊ ምኽንያት የምጡ’ሞ፤ ድሕሪ

ኲናት ኢትዮ -ኤርትራ ዘሎ ሃዋህው ድማ

ከም ካልኣይ መሰረታዊ ምኽንያት

እንትገልፅዎ፣ “. . .ካልኣይ ሰብ ሃብቲ

ብዝኾነ ይኹን፤ ብኲናት ጥራሕ እንተይኮነስ

ብናይ ኲናት ንፋስ ‘ውን ይበራገጉ እዮም።

ስለዝኾነ እቲ ክልል ምስ ኤርትራ ዝዳቦ ምስ

ምኻኑ ‘ሓደ መዓልቲ ፀገም እንተተፈጠረ’

ብዝብል ስግኣት ውልቀ ኢንቨስትመንት

ናብቲ ክልል ብበዝሒ ንኸይወፅእ ናይ ባዕሉ

ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ። ስለዚ ናይ ውልቀ

ኢንቨስትመንት ብምስሓብ ዓይኒ ከምቲ

ዝድለ ከይዱ ‘ዩ ክበሃል ኣይካልን።” ብምባል

ብሓፈሻ ኣብ ጉዕዞ 20 ዓመት ብመዳይ

ኢንቨስትመንት ከም ዘይተሳኸዐሎም

ይዛረቡ። ይኹን ‘ምበር ንኣይተ መለስ ሀዚ

እውን ‘ቲ ማዕፆ ዕፁው ኣይኮነን። “እዚ ከም

ዘሎ ኾይኑ ንዕኡ ብመጠኑ ዘከሓሕስ ድማ

ብትእምት ዝግበር ኢንቨስትመንት ኣሎ።

ብተወለድቲ እቲ ክልል ዝግበር

ኢንቨስትመንት እውን ኣሎ። እዚ ነቲ ፀገም

ብመጠኑ ዋላ’ካ የካሓሕስ እዩ እንተተብሃለ

ነቲ ናይ ሰብ ውልቀ ሃብቲ ኢንቨስትመንት

ምሉእ ብምሉእ ዝትከኦ ኣይኮነን።” (ወይን

ለካቲት 2002ዓ/ም)

ሓደ ቀንዲ ምኽንያት እዚ ጉዳይ፤

ጉዳይ በሪ ባሕሪ ምኻኑ ብዙሓት

ይስማዕምዑሉ። ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ብ82

ዓ.ም ምስ ኣባል C.I.A. ዶ/ር ፖል ሄንዝ

ዝገበርዎ ሚስጥራዊ ምኽክር፣ “ትግራይ

ባሕሪ በሪ ክህልዋ ንደሊ ኢና፡፡ እዚ ድማ

ዝኸውን ብኤርትራ ኣቢሉ’ዩ፡፡ ኤርትራ ኣካል

ኢትዮጵያ ኮነትን ኣይኮነትን በሪ-

ባሕሪ(ወደብ) የድልየና’ዩ፡፡” ኢሎም

ምንባሮም ኣብ ቀረባ ኣውራምባታይምስ

ዋሽንግተን ፖስት ብምፅራሕ ንንባብ

ኣብቂዑ’ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ህወሓት ድሕሪ ምሓዝ

ወንበር መንግስትነት ብዝተኸተሎ መትከል

መሰረት ኣይተ ስብሓት ነጋ(ኣቦይ)፣ “ምስ

ጁቡቲ ፣ ሱዳንን ሱማሊያን ብዛዕባ ወደብ

ክንደራደሮ ዝግበአና ኣለና ምስ ኤርትራ

ጥራሕ ኣይኮነን።” ብምባል ኢዶም ካብ

ኤርትራ የልዕሉ። ገለ ሙሁራት

ህወሓት/ኢህወዴግ ዝኸተሎ ክያዶ

ብምድጋፍ፣ “ወደብ ሸቀጥ’ዩ!” እንትብሉ፤

ኣንፃር እዚ ዝስለፉ ሙሁራት ድማ “ወደብ

ሸቀጥ ጥራሕ እንተይኮነስ ጉዳይ ህልውና’ዩ!”

ብምባል ብኽሕደት ሃገር ይውንጅሉ። በቲ

በለ በቲ ኣብ ቀረባ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ

ጁቡቲ(ወደብ) ዘራኽብ ካብ መቐለ-ጁቡቲ

ንዝዝርጋሕ መስመር ባቡር ቅድመ ምድላው

ከም ዝተጀመረ መራኽብቲ ሓፋሽ

ፀብፂበን’የን፡፡ እዚ እንተኾይኑ ንዕዳጋ መቐለ

ዓብይ ተስፋ ወሃባይ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ገብሩ...

ሰለሙን ሃብተ(ስሞም ዝተቀየረ)

“ገብሩ ዘረባ ካድረታት ብምስማዕ ዘበላሽዎም

ነገራት ክህልዉ ’ዮም” ካብ ዝብሉ ሙሁራት

ሓደ ’ዮም፡፡ ነዚ ከም ሓደ ኣብነት ዝቐርብ

ድማ ብካድረታት ተመሪሑ ዘጥቀዖም

ሙሁራት ከምዘለዉ፣ ባዕሎም እቶም ጥቅዓት

ዝበፅሖም ሙሁራት እንተይተረፉ ክዛረቡ

ይስማዕ፡፡ ኣይተ ኣስገደ ነዚ ሓሳብ

“እንድያውም ሙሁራት ኣኪቡ ብነፃ

ዘስርሖም ፅንዓታት ግድብ፣ ነቲ ፅንዓት

መዕነዊ ፅንዓት’ዩ ተባሂሉ፣ እቶም ሙሁራት

’ውን ተወቒዖም፡፡ እንተኾነ ‘ውን እዚ ኣብ

ገብሩ በይኑ ዝድርበ እንተይኮነስ ናይቲ

ውድብ ባህሪ’ዩ፡፡” ብምባል የተዓርቑ፡፡

“እንድያውም…” ይብሉ ኣይተ ኣስገደ፣

”እንድያውም ነገራት ክበላሸዉ ከለዉ

ቀልጢፉ ውሳነ ኣብ ምሃብን ስጉምቲ ኣብ

ምውሳድን ይዝሕል’ዩ፡፡ ነዚ መንቀሊኡ ድማ

ባዕሉ እንተየፅነዐ ካብ ካድረታት ብዝመፅኦ

ሪፖርት ስለዘይኣምን ’ዩ፡፡” ብምባል ኣሉታዊ

ጎኒ ኣይተ ገብሩ የቐምጡ፡፡ ኣይተ ገብሩ

ብወገኖም ኣብ እዋን ስልጣኖም “ፈፂመዮም”

ዝብልዎም ኣሉታዊ ጎንታት የቐመጡ።

“ብዙሓት ንሃገርና ዘይጠቅሙ ስምምዓት፣

ውዕላት(ብፍላይ ምስ ኤርትራ) ፈሪመ’የ።

ብምኻኑ ኣብቲ ዝመፀሉ ግዘ እንተይኮነስ

ቀዲምካ ክሕነቁ ዝነበሮም ጉዳያት ካብ

ዝብሎም ሓደ’ዩ። ካልኣይ ኣብ መንግስታዊ

ኣመራርሓ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ

ሰፊሕ ዴሞክራሲያዊ ተሳትፎ ህዝቢ ክነብር

ነይርዎ ዝብል ኣለኒ። ብፍላይ ኣብ ነፃነት፤

ህዝቢ ብዝመሰሎ ክውደብ፣ ብዝመስሎ

ክንቀሳቀስ፣ ‘ቱ ሽዑ ዝነበረኒ ኣተሓሳስባ(ሀዚ

‘ቱ ፓርቲ ዝቅፅለሉ ዘሎ ማለት’ዩ) ሓደ

ውድብ፣ ሓደ መንግስቲ ዝብል’ዩ።

ንዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ሰፊሕ ቦታ

ዝህብ ኣይነበረን።” ብምባል። ዘበነ ገብሩ ኣብ

ኣማራፂ ፓርትን ውልቀ ሚድያን ካብቲ ሀዚ

ዘሎ(በቲ በለ በቲ) ዝበኣሰ ምንባሩ ናብ ክትዕ

ዝኣቲ ኣይኮነን።

7
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 8

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

“ተሃድሶ”

ነዚ እዋን ቡዙሕ ሽማሽም’ዩ

ተዋሂቡዎ። ኣብ መንጎ ለውጢ ደለይትን

ዱሑራት ዝተኻየደ ቅልስ፣ ኣብ መንጎ

ኮሚኒስትን ዴሞክራትን ዝተኻየደ ጉያ፣

ኣብ መንጎ ፀበብትን ሃገራዊያንን ዝተርኣየ

ደብራ ኩናትን ሽቅድድም ስልጣንን

ወዘተ...። ሱር ተኺሉ ዝተጉዓዘ ግና

“ተሃድሶ” ዝብል ሽም ኮነ። “ካብ ጎዳና

ምብስባስ ብምውፃእ ጎዳና ተሃድሶ ምቅፃል!”

ብዝብል ጭርሖ ተደጊፉ፤ ዝበስበሰ ተሸኺሉ

ይትረፍ፣ ዝተሃደሰ ይቀፅል ተባሂሉ። ኢ/ያ፣

ናብ ዝለዓለ ዴሞክራሲ፣ ፍትሒ፣

ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ሰላምን ዘሸጋግር፣

ካብ ሓደጋ ምብትታን ዘድሕን፣ ሓዱሽ

ኢ/ያዊነት ዝፈጥር ፍሉይ ታሪካዊ መድረኽ

ከም ዝኾነ ብሰፊሑ ዝተወረየሉ። ንትግራይ

ጥራሕ ዝሓስቡ ፀበብቲ ዝተብሃሉ “ኣንጃ”፣

“ጃኬቶም ኣሕዲግና ጥራሕ ዝባኖም

ሰኒናዮም” ዝተብሃለሉ - ተሃድሶ። መንገዲ

ተሃድሶ ተዘይተኸቲልና ከም ሱማሊያ

ከምንበታተን፣ ከም ኣፍጋኒስታን ካብ ዓለም

ከም እንንፀል ዝተመስከረሉ “መድሓኒት”

እዞም ኩላ ሕማማት ዝኾነ ተሃድሶ

መንቀሊኡን ኣፈታትሑን እንታይ

ከምዝመስል ሪኢና መስመር ተሃድሶ እንታይ

ኣኽሰበ? ክንፍትሽ።

ተሃድሶን መንቀሊኡን

ከምዚ ዓይነት “ሕንፍሽፍሽ” ኣብ

ህወሓት ፈላማይ ኣይኮነን። ካብቶም ቅድም

ኢሎም ዝነበሩ ‘ቲ ዝዓበየ ዝበሃለሉ ኣብ ድሮ

ምስረታ ማለሊት ዝተፈጠረ ምግምማዕ

ተጠቃሲ’ዩ። ኣይተ ስብሓት ነጋ፣ (ኣብ

ሕታም 10 ዝሃብዎ ቃለ መሕትት) “ግደይ

ዘርኣፅየን ሃፍታም ሓረስታይ ስትራቴጂክ

ዓርክና ኣይኮነን ኢሉ ንሰለስተ ዓመት

ተኸራኺሩ ከእምን ወይ ከኣምን

ኣይከኣለን።” ይበሉ እምበር፣ እቲ ሓቂ ግና

ብግልባጡ’ዩ - ንኣምባሳደር ኣውዓሎም

ወልዱ። “ግደይ ዘርኣፅየን፣ እዋን ይቕየር

ኣሎ፣ ሀዚ ዘኺደና ቀይሕ ካባ እንተይኮነስ

ፃዕዳ ካባ ‘ዩ፣ እዚ እውን ‘ቲ እንደልዮ ሓቢእና

በቲ ዘይንደልዮ ፃዕዳ ካፒታሊዝም ምኻድ

‘ዩ፤ እንትብል። በቲ ሓደ ገፅ[ኣይተ መለስ]

ድማ ዋላ መሬት ይፀልምት ፕሮግራምና

ኣይንሓብእን ኢሉ። ኣምባሳደር ኣውዓሎም

ቀፂሎም፤ እቲ ኾይኑ ዘሎ ግና ግደይ ዝበሎ’ዩ

ይብሉ። “84 መቐለ ምስ ኣተና፤ ባንዴራ

ማለሊት ዝሓዘ ህዝቢ ተጓይና(ካብቲ ትሪቦ)

በይዛኻተኩም ሕብእዎ ኢልናዮም። ‘ታይ’ዶ

መፂኡና’ዩ ማለሊት ‘ዶ ኣይኮነትን ኣዐዊታቶ

ንሕወሓት?’ ‘ዩ ኢሉና ህዝቢ። ወዮ 77 ግደይ

ዝበሎ፤ ደረትና ነፊሕና 84 እንትንትው

ኣይኮነን ማኒፌስቶ ‘ቲኣርማ ‘ውን ናብ

ምሕባእ ኢና ተጓይና።”

ነበር ፕሬዝዳንት ሃገርና

ነጋሶ ጊዳዳ(ዶ/ር) ኣብ ቀረባ ኣብ

ዘሐተምዎ መፅሓፍ(“ዳንዲ የነጋሶ

መንገድ” ብዳንኤል ተፈራ ጀ.፣ ሰነ

2003ዓ.ም)፣ “የቦኖፓርቲዝም

ጦስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ርእሲ፣

መንቀሊ ኣፈላላይ ኣመራርሓ

ህወሓት እንተብርሁ ካብ 87 ዓ.ም

ጀሚረ ፃዕዳ ካፒታሊዝም እየ

ዝኽተል ዝብል ህወሓት/ኢህወዴግ

ፃዕዳ ካብኡ ተቀንጢጡ ቀይሕ

ካብኡ ተራእዩ፤ ይብሉ። ኣብ

መንጎ ኢትዮ - ኤርትራ ተወሊዑ

ንዝነበረ ጦርነት ንኽኸስም

ብመሪሕነት መንግስቲ ኣሜሪካን

ሓድነት ሕብረት ኣፍሪካን “Technical

arrangement” ዝተብሃለ

ሰነድ ቀሪቡ ነይሩ። እዚ ሰነድ ‘ዩ

ሕቶ ሉኣላውነት ዘልዓለ ይብሉ

ነጋሶ። “ገሊኡ ወገን እዚ ሰነድ

ሉኣላውነት ዘኽብር ስለዘይኮነ

ክንፍርም የብልናን እንትብል

ብኣንፃሩ ሉኣላውነትና ዘኽብር

ሰነድ ስለዝኾነ ክንፍርም ኣለና

ዝብል ወገን ድማ ነይሩ። በዚ

መሰረት 17/2[ኣይተ መለስን ዶ/ር

ካሱ ኢላላን] ድምፂ ሉኣላውነትና

ኣየኽብርን ዝብል ወገን ስዒሩ እቲ

ሰነድ ውድቂ ይኸውን። በዚ

ዝተልዓለ ዓብይ ክፍተት ዝፈጠረ

ክርክር እናተኻየደ እንከሎ ኩናት

ኢትዮ -ኤርትራ ብዓወት ሰራዊት

ኢ/ያ ተዛዚሙ። እዚ ኩናት

ምስተዛዘመ ኣብ ክራማት 1992

ዓ.ም ፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግ ፣

ኣብ ከይዲ ‘ቲ ኩናት፣ ምስ ሻዕብያ

ዝነበረና ርክብን ኣመራርሓ

መግስትን ብዝምልከት ገምጋም

ክነካይድ ተወሲኑ። . . .ይኹን

እምበር ኣብ ማእኸል መለስ

“ቦኖፓርቲዝም” ብዝብል ርእሲ

ብዝፀሓፎ ፅሑፍ ኩላትና ኣባላት

ፈፃሚት ስራሕ እንተይኮነስ ኣብ

በቢ ውድቡ ዝርከቡ ነባራት ኣባላት

ሊግ ማርክሲስት ሌኒንስትን ‘ዮም

ዝመያየጡ ተብሃለ። ኩሎም ስራሕ

ፈፃሚት ኢህወዴግ ‘ዮም ክሳተፉ

ዘለዎም ዝብል ሓሳብ ስለዝመፀ

ግና፣ ዝተብሃለ ኩሉ ተሪፉ ኣብ

ዙርያ ቦኖፓርቲዝም ፈለማ ህወሓት

ጥራሕ ክመያየጥ ተወሲኑ ‘ቲ

ገምጋም ተሰሪዙ።”

ኣምባሳደር ኣውዓሎም

ወልዱ ፣ “ልዕሊ 20 ፅሑፋት ’ዮም

ቀሪቦም፡፡” ይብሉ’ሞ፣ “እቶም

ፅሑፋት ኣብ ዴሞክራሲ፣

ሉኣላውነትን ውሽጠ ደንብን

ዘወጠንጠኑ ምንባሮም ይገልፁ፡፡

እንታይ ከምዝቐርብ ተነፂሩ፣ እቲ

ቦኖፓርቲዝም!

8
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 9

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ኣጀንዳ ’ውን እናተመያየጥናሉ እናኸድና

እናሃለና ኣብ ሞንጎ፣ መለስ ካብቲ ዝሓዝናዮ

ኣጀንዳ ወፃኢ ‘ቦኖ ፓርቲዝም’ ዝብል ፅሑፍ

ሒዙ መፂኡ፡፡ ብምባል ንሓሳብ ዶ/ር ነጋሶ

ይድግፉ። ኣምባሳዳር ቀፂሎም፤

‘ቦኖፓርቲዝም’ ፈላማይ ኣጀንዳ ብምኻን

ቀሪቡ 15/13 ምስ ከደት’ያ፤ እምበኣር ‘ዚ

ናብ ዝገደደ ዘይምርድዳእን ምስምዕማዕን’ዩ

ዘኺደና ዘሎ’ሞ ህፁፅ ጉባኤ ምፅዋዕ ይሕሽ?

ይብል እቲ 13 ወገን (ጉጅለ ተወልደ) ፤ እቲ

ናይ 15ወገን (ጉጅለ መለስ) ድማ የለን ከምቲ

ዝጀመርናዮ ንቐፅል’ምበር ሀዚ ስዕረት ድምፂ

ምስተርኣየ ኣይኾንን’ ዝብል መፂኡ፡፡ ከምዚ

እናበለ ዓብዪ፣ እቲ 15 ነቲ 13 ኣጊድዎ፡፡”

ብምባል ነቱ ኩነታት የብርሁ፡፡

ኣይተ ስብሓት ነጋ፣ “ዝተልዓሉ

ሕቶታት ክልተ’ዮም፡፡” ይብሉ፡፡ “ሓደ

ተንበርኪኽና ተንበርካኺ ሓይሊ ኣሎ

ዝብል’ዩ፡፡ እቲ ካልኣይ ከዓ ዴሞክራሲያዊ

ከይዲ እናሃሰሰ ይኸይድ ኣሎ ዝብል’ዩ፡፡”

ብምባል ክልተ ኣጀንዳታት ከም ዝተልዓሉ

እንትጠቕሱ ኣይተ ገብሩ ብወገኖም፣ “እቲ

ሓደ ከም መበገሲ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዝኾነ፣

ምስ ኤርትራ ዝነበረና ዝምድና’ዩ፡፡…

ብጠቕላላ ህዝቢ ትግራይን ከምኡ’ውን ህዝቢ

ኢትዮጵያን ተጠቒሙ ቀሲኑ ክኸድ

እንተኾይኑ ክብርን ላኣላውነትን ኢትዮጵያ

ቅድሚ ኹሉ ክስራዕ ኣለዎ፡፡ ዝብል ናትና

እምነት፣ እዚ ዝፃባእ ወገን ከዓ ካልእ መስመር

ሒዙ ኸይዱ፡፡” ይብሉ፡፡ ኣይተ ቴድሮስ፣

“ንውድብ እንታይ’ዩ ሓደግኡ’ዩ ኣፈላልዩና፡፡

ሓደግኡ ድማ ግዕዝይናን ፀረ-ዴሞክራስን

ቀፃላይ ሓደጋ ስለዝኾነ ኣብ’ቲ ውድብ

ከይህሊ ቀፃላይ ቃልሲ ክህልወና ኣለዎ፡፡

ግዕዝይና እንተሃልዩ፣ ግዕዝይና ፀልማት’ዩ

ዝፎቱ ስለዚ ፀረ-ዴሞክራሲ ምዃን

ግድነት’ዩ፡፡ እቲ ተፈንጪሉ ዝወፀ ጉጅለ ድማ

የለን ይብል ነይሩ፡፡ እቲ ዝተፈንጨለ ጉጅለ

ተንበርካኽነት’ዩ’ቲ ሓደጋ ይብል፣ ካብዚ

ጉጅለ ገሊኡ ድማ ማለሊት ስለዝጠፍአት ’ዩ

’ቲ ሓደጋ ይብል፣ ስለዚ እቲ ሓደጋ ስልጣን

ከምርስቲ ሒዝካ ንውልቀ ጥቕምኻ ወይም

ንኻሊእ ትጠቅመሉ ናይ ምግባር ሓደጋ ’ዩ፣

ሓደጋ፡፡” ብምባል ቀንዲ ምኽንያት ኣፈላላይ

ዝኾኑ ነጥብታት እንተቅምጡ ክትዕ ርእዮተ -

ዓለም(Idology) ተላዒሉ ከም ዝነበረ

ብምጡቃም ምስ ነጋሶ ይስለፉ።

ተሃድሶን ኣፈታትሑኡን

ዶ/ር ነጋሶ፣ ስሕተታት ክልቲኦም

ጉጅለ ዝብልዎም የቐምጡ። ፈለማ ስሕተት

ጉጅለ ተወልደ፣ “ቅድመ ኩነት ኣቐሚጦም

ካብ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ምትራፎም፤

ይቕሬታ ሓቲትኩም ተመለሱ እንትበሃሉ

“ወጊድ” ምባሎም ከም ጥፍኣት ዝረአ’ዩ።

ምጥሓስ ዴሞክራሲያዊ ማእኸላውነት ጥራሕ

እንተይኮነስ ፈተነ ምብትታን ህወሓት

ተገይሩ ዝቁፀር’ዩ።” ሕሊና ነፃነት፣

“ህወሓት፡ - ከራሱ በራሱ ራሱን “የካበ”፤

በራሱ ራሱን ያጣ!?”(1993ዓ.ም) ብዝብል

ርእሲ ንንባብ ዘብቅዕዎ ፅሑፎም፤ ካብ

መትከልን ኣፈላላይ ፖለቲካን ዴሞክራሲያዊ

ማእኸላውነት ምኽባርን ዘይምኽባርን ኣብ

ዝብል ጉዳይ ክንጥልጠል ምግባሩ ጌጋ እዩ

ብምባል ኣንፃር ዶ/ር ነጋሶ ዝኸደ መርትዖ

የቐምጡ። “ኣፈላላይ መትከል ‘ሎ

እንትበሃል፣ ኣመራርሓ ከም ኣመራርሓ

ምምራሕ ኣይከኣለን እንትበሃል ቅድሚ ኩሉ

ኣማራፂ፣ ጉባኤ ክፈትሖ ኣይተተኾረሉን።

ኣብ ማእኸልና ዘሎ ዘይምርድዳእ ብሓባር

ክጠምሩና ስለዘይከኣሉ ካብ ማእኸልና

ዝተውፃእፀአ ፀዋዒ ጉባኤ ንመስርት ዝበሃሉ

ሓሳባት ጠቀምቲ ተገይሮም ኣይተወሰዱን።

ብመሰረቱ ዴሞክራሲያዊ ማእኸላውነት ባዕሉ

መትከል ኣወሃሂዱን ኣተኣሳሲሩን ብጥምረት

ካድረ ህወሓት

‘ምጥፋእ ሽም’ን

ጭቡጥ ኩነታትን

ፈልዩ ካብ ምርኣይ፣

‘ኮራፕሽን’

ኣይመርመር

ኢሎም። “ኮራፕት

ኾይኖም” ዝብል

ጥራሕ ወሲዱ

ሓዲኡ ጉጅለ

ብፅልኢትን

ብጥርጣረን

ንምርኣይ ፅዒሩ።

12 ኣባላት

ዝሓቆፈ ኮሚቴ

መፃረዪ ኮራፕሽን

ተጣይሹ ብዛዕባ

ኩላትና ማእኸላይ

ኮሚቴ ኩነታት

ኣታዊናን

መነባብሮናን ይፃረ።

ኣፅኒዑ ብዝተፃረየን

ብዝተረጋገፀን

መንገዲ ናብ ጉባኤ

ይቕረብ ንዝበሉዎ

ሓሳብ ካብ ምንታይ

ኣንፃርን ጠቀሜታን

ከምዝኾነ

ኣይመርመረን።

ዘስረሐካ መሪሕ ‘ዩ ይበሃል። ቅድሚ መትከል

ሓባራዊ መሰረት ኣብዘየለሉ ዘስርሕን

ዘተኣሳስርን መሪሕ ኣይኮነን። መትከል ሓደ

ትካል ይምንጩ ዝበሃል ካብ ጠቅላላ

ጉባኤ’ዩ። . . .ስለዚ ኣብ ማ.ኮ ህወሓት

ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ኣፈላላይ መትከል’ዩ።

ቅድሚ መሪሕ ዴሞክራሲያዊ ማእኸላውነት

መትከል’ዩ ክረአ ዝግበኦ።. . . ብጠቕላላ

ጉባኤ ክረአ ብሓባር መንገዲ ካብ ምትእልላሽ

መስመርን መትከልን ዝኣክል ነገር ብተራ

ቁፅሪ ብልጫ(15 - 13) ነቲ ነገር ምቑላፍ

ድኽመት ኣመራርሓ ከም ዘሎ’ዩ ዘመላኽት

(ምትእስሳር ዘመድ ኣዝማድ ቃልኪዳን፣ ናይ

ዝተወሰነ ኣውራጃ ምትእኽኻብ ምኻኑ

ንኻሊእ ትንተና ገዲፍና ማለት እዩ።)“

(ሪፖርተር መፅሄት ጉንበት 1993ዓ.ም)

ናይ’ዚ ኩሉ ተጠቃዒን መጥቀሚን

ካድረን ኣባልን’ዩ ዝብሉ ሕሊና ነፃነት፤

ካድረን ኣባልን ከምዚኦም ዝበሉ ጥምጣማት

ኣፈላላይ ንምርኣይ ዝለዓለ ብስለት የድልዮ።

ኣብ ከም ኢ/ያ ዝበላ ንደሓር ዝተረፋ ሃገራት

ኣባላትን ካድረታትን ሓደ ድርጅት ካብ ገባር

ዝተመልመለን ማእኸሉ ገጠር ዝገበረን

ብምኻኑ ተሞክሮ ታሪክ ብዙሓት ንምንባብ

ኮነ ምስ ዝተምሃረ ኣካል ሕ/ሰብ

እናተንቀሳቀሰ ብዙሕ ኣንፈታት ንምርኣይ

ዕድል ዘይብሉ’ዩ። ፍልጠት ካድረታትን

ኣባላትን ብኣእምሮ ናብ ሓደ ኣንፈት ጥራሕ

ብዝሃንፅ ሜላ (Indoctrination)

ዝተመስረተ ‘ምበር፣ ብምውሃድን ካብ ቡዙሕ

ኣንፈታት ብዝፍልፍል ሓሳባትን

ተመስሪቱ(poletical socialization)

ዝነቀለ ኣይኮነን። ሕሊና ነፃነት፣ ኣብ

ካድረታት ህወሓት ‘ውን ዝተርኣየ ፀገም ‘ዚ

እዩ፤ ብምባል ክልተ ኣብነታት የቐምጡ።

ካድረ ህወሓት ‘ምጥፋእ ሽም’ን

ጭቡጥ ኩነታትን ፈልዩ ካብ ምርኣይ፣

‘ኮራፕሽን’ ኣይመርመር ኢሎም። “ኮራፕት

ኾይኖም” ዝብል ጥራሕ ወሲዱ ሓዲኡ ጉጅለ

ብፅልኢትን ብጥርጣረን ንምርኣይ ፅዒሩ።

12 ኣባላት ዝሓቆፈ ኮሚቴ መፃረዪ ኮራፕሽን

ተጣይሹ ብዛዕባ ኩላትና ማእኸላይ ኮሚቴ

ኩነታት ኣታዊናን መነባብሮናን ይፃረ።

ኣፅኒዑ ብዝተፃረየን ብዝተረጋገፀን መንገዲ

ናብ ጉባኤ ይቕረብ ንዝበሉዎ ሓሳብ ካብ

ምንታይ ኣንፃርን ጠቀሜታን ከምዝኾነ

ኣይመርመረን።

“ስለ ስውኣት” ምባል ብመሰረቱ፣ ቀንዲ

ትርጉሙ መሓዙቱና ስለዝሞቱሉ መትከልን

ውድብ ስለ ዝሓዞ ዓላማን ማለት ነይሩ።

ይኹን እምበር ‘ቲ ካድረ፣ መትከል ስውኣት

ዝሓዘ፤ ወገን ኣይተ መለስ ይኹን ወገን

12[ወገን ኣይተ ተወልደ] እንተይመርመረ፣

ብደፈንኡ “ስለ ስውኣት” እንትንብሎም

ረጊፆም ወፂኦም እናበለ ነገራት ብምልኦም

በዚ ተጠቅሊሎምን ተዓፋፊኖምን ከረኣዩ

ምግባሩ ብስለትን ዕምቆትን ዘይመሓዙ

የመላኽት።

ዶ/ር ነጋሶ ስሕተት ጉጅለ መለስ ዝበልዎ

እንተቅምጡ፣ “ ‘ኣንጃ’ ኣብ ናይ መቐለ

መድረኽ ኣይንሳተፍን ኢሉ እንትወፅእ፣

ብስም ሰማእታት ምግዛቱን ዘኣመሳሰሉ

ክያዱኡን ኢ - ዴሞክራሲ ነይሮም። ብምባል

ምስ ሓሳብ ሕሊና ነፃነት ይስማዕምዑ።

ንሰሜን ነፈሰ ንደቡብ፣ ከም እምነት ሕሊና

ነፃነት፣ “ዘድሓንዎ” ትካል ህወሓት

እንተይኮነስ ንባዕልቶም’ዩ። ናይ ምግዛእ

ድልየቶም’ዩ። ዘመስከርዎ ከምቲ ካሊእ

ኮሚኒስታዊ ፓርቲ፤ ህወሓት ማለት

መራሒ፣ መራሒ ማለት ፖሊት ቢሮ፣ ፖሊት

ቢሮ ማለት ሓደ ካብ ኩሎም ንላዕሊ መራሒ

ውልቀሰብ ዝወፅኣሉን ዝነግሰሉን ምኻኑ’ዩ።

“ውድብ” ኣይደሓነን። ዝደሓነ መራሒ

ባዕሉ’ዩ።

“አረ! ተሃድሶስ ንእሽተይ ቅድም

ምበለ!” ኢሎም ሓሳብ ዘቕርቡ ሓደ ካብ

ሙሁራት ተጋሩ፣ ሓጎስ.ማ ’ዮም፡፡ ምኽንያቱ

እንተቐምጡ ድማ ከምዚ ይብሉ፣ ” ተሃድሶ

ቅድም ኢሉ ምመፅአ ምሁር ዕቡይ፣ ምኩሕ

ወላዋሊ ዝነበረሉ ዕድመ ከምሓፀረ ነይሩ፡፡

ሃፍታም፣ ፀላኢ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ትግራይ

ክንደይ ቅርሺ ምኣከበት ነይራ፡፡ በዚ ለውጢ

ጥራሕ ኣቢሉ’ውን “ዓረና”ን ተወሳኺ ካልኦት

ፓርቲታትን ከምሃለዋና ነይረን፤ ኲናት

ኢትዮ-ኤርትራ’ውን እዚ ኹሉ ግዘ ገንዘብን

ህይወት መናእሰይን በሊዑ ክልቲኦም

ህዝብታት ንዝለዓለ ዘይምትእምማን

ኣሳጢሑ ኣብዚ ሕዚ ዝርከበሉ ‘No peace

No war’ ዝበሃል ተፋጢጥካ ዝንበረሉ ጊዜ

ኣይምኣተናን፡፡… ስለዚ ተሃድሶ፣ ንዓይ ‘is a

blessing in disguise’ ከም ዝበሃል’ዩ፡፡”

ይብሉ፡፡

9
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 10

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ዘበነ

ፕሬዝደንት

ፀጋይ በርሀ

(1993-2003 ዓ.ም)

እዚ ዘበን “ብዓቕሚ ምፍፃም ካብ

ክልላት ሃገርና ብቀዳምነት ይስራዕ”

ዝተብሃለሉ’ዩ። ዘበነ ፕሬዚዳንት ገብሩ

እንትንፍትሽ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን

ዕዮታት’ዚ ዘበን ብተነፃፃሪነት ብኽፋል

ስለዝፈተሽናዮ ቀንዲ ጠመተና ፕሬዚዳንት

ፀጋይ ኣብ ምስኻዕ “ዕላማታት ተሃድሶ”

ዝኸድዎ ስዳሮ’ዩ ክቅላዕ። ንሓጎስ’ማ ዘበነ

ፕሬዚዳንት ፀጋይ በርሀ (ተሃድሶ) ቁኑዕ

መስመር’ዩ፡፡ እቶም ተረኺቦም ዝብልዎም

ስዳሮታት ድማ ብሽድሽተ መንገዲ ዘርዚሮም

ይማጎቱሎም፡፡

ምሁርን ተሃድሶን

ሓጎስ.ማ፣ ቅድሚ ተሃድሶ ሙሁር

ብዕሊ ዕቡይ፣ ምኩሕ፣ ወላዋሊ፣ ፀረ ገባርን’ዩ

ነይሩ፡፡ ድሕሪ ተሃድሶ ግን እንተነኣሰ ብዕሊ

ከምኡ ኣይኮነን እንትብሉ፡፡ ኣይተ ኣስገደ

ግና፣ “ሃለቃ ፀጋይ ዘቕርቦም ሰባት

ዘይምሁራት፣ ዓቕሚ ዘይብሎምን ‘ዒዕ’

ዘይብሉን ’ዮም፡፡ ኣብዚ ዓሰርተ ዓመት

በኣማኢት ዝቑፀሩ ሙሁራት ’ዮም ሶጊጎም፡፡”

ብምባል ሽማሽም እዩ ተሪፉ እምበር

ዝተለወጠ የለን ብምባል ይካትዑ።

ሃፍታምን ተሃድሶን

ቅድሚ ተሃድሶ ሃፍታም ነጋዳይ

ይኹን ገባር ፀረ-ህዝቢ’ዩ ነይሩ፡፡ ድሕሪ

ተሃድሶ ግን “ልምዓታዊ በዓል ሃብቲ” ዝበሃል

ናይ ሃፍታም ክፋል ደጋፍ’ቲ ለውጢ’ዩ፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣይተ ቴድሮስ

ሓጎስ ምስ ሓሳብ ሓጎስ.ማ ይሳነዩ። “እቲ

ኣባልና ይህፍትም ኣሎ፣ ናብርኡ የመሓይሽ

ኣሎ ክበሃለሉ ተይኮነ ዝደሊ ነይሩስ ድኻ

ክበሃል’ዩ ዝደሊ፤ በተኽ ክበሃል’ዩ ዝደሊ፡፡

በተኽ ተተባሂሉ ከከም ድኽነትካ’ያ እታ

ረድኤት ትበፅሐካ፤ ኣብ ክንዲ ናብርኡ

ዘመሓይሽ፣ ኣብነት ዝኸውን፡፡ ሐዚ ግን

ብኣብነት’ዩ ዝመርሕ ዘሎ ናብ ዝብለሉ

ደረጃ’ዩ በፂሑ ዘሎ፡፡ ሀዚ እቲ ዝበዝሕ ኣባልና

ወይ ናብርኡ ኣመሓይሹ ኣሎ፤ ወይ ከዓ

ሃፍታም’ዩ፡፡ እቲ ሞዴል ገባር ተባሂሉ

ዝሽለም ተሪኢኻዮ ናይ ውድብ ኣባል’ዩ፡፡”

እንትብሉ፤ ኣብ መረፃ 2002 ንኣንድነት

ወኪሎም ኣብ ተምቤን ዝተወዳደሩ ኣይተ ስየ

ኣብርሃ ግና ነዚ ኣይተ ቴድሮስ ዘቕረብዎ

መርትዖ ካብ መሰረቱ ይነቕፍዎ፡፡ “ልምዓታዊ

መንግስቲ ዝበሃል ኣምፂኡ ’ሎ ኢህኣዴግ፡፡

ልምዓታዊ በዓል ሃብቲ፣ ኪራይ ሰብሳቢ

ዝበሃል ነገር’ውን ከምኡ፡፡ ‘ዚ ልምዓታዊ

መንግስቲ ’ዚ ኣነ ብዝበልኩዎ ጥራሕ ኢኹም

ትኸዱ’ዩ ዝብል፡፡ ስለዚ በዓል ሃብቲ ነፃ ኾይኑ

ብናይ ባዕሉ መንገዲ ክኸድ ዝደሊ ክራይ

ሰብሳቢ’ዩ ዝበሃል፡፡ ነቱ ገዛኢ ፓርቲ ሰጥ ለጥ

ኢሉ ዝግዛእ ንዑዑ ዘዋፅእ ንዑዑ ዝሰግድ ከዓ

ልምዓታዊ በዓል ሃብቲ’ዩ ዝበሃል፡፡ እቲ

ልምዓታዊ በዓል ሃብቲ ሓለፋ መሬት

ይረክብ፡፡ ፍቃድ ኣብ ምርካብ ፀገም የብሉን፡፡

ገልጠምጠም የብሉን፣ ልቓሕ ባንኪ ኣብ

ምርካብ ፀገም የብሉን፡፡… ስለዚ እንታይ’ዩ

ዝኾን ዘሎ ሀዚ - እቶም ስራሕ ዝኽእሉ

ሸቂሎም ፅዒሮም ሃብቲ ምጥራይ ዝለመዱ

ሰባት ካብ’ቲ ፃውቲ ይወፅኡ፡፡ ‘ቶም ምስ ገዛኢ

ፓርቲ ዝተፈጠሩ ሓደሽቲ ዝበሃሉ ሰብ ሃብቲ

ከዓ ብሓፂር ግዘ ከም ደበና ዝብተኑ ይኾኑ፡፡”

ሙስናን ተሃድሶን

ኣይተ ሓጎስ.ማ፣ ኩለኹም ሙስና

ትፀልኡ ከምዝኾንኩም እንተኣመንኩ’ውን፣

ሙስና ኣሸኳይዶ ፀላኢና ኢኻ ጥራሕ

ተባሂሉስ “ፀላኢና ቀንዲ ሓደጋ ስርዓትናን”

ተባሂሉኳስ መቐመጢ ኣስኢኑና ኣሎ ስለዚ

ድሕሪ ተሃድሶ ዝተውሃቦ ሽም ይንእሶ ’ምበር

ኣይበዝሖን፡፡ ዝጋዕዘዩ ’ውን ተፃርዩ ዘጥፍኡ

ምቕፃዕ የድሊ፣ ናይ’ቲ ስርዓት ፀገም’ዩ

እናተብሃለ ክሓልፍ የብሉን፡፡ ኣይተ መለስ

ዜናዊ ኣብቲ እዋን ምክፍፋል ዘቕረብዎ

ፅሑፍ(“ቦኖ ፓርቲዝም”) ቀንዲ ሓደጋ

ስርዓትና(ውድብና) ‘ኮራፕሽን’ ‘ዩ፡፡ እዚ

እንተዘይኣፅፊፍና ’ውን ሃለዋት የብልናን፤

ዝብል ጭብጢ ዝሓዘ ነይሩ፡፡ ይኹን’ምበር

ካብቶም ዝተኣገዱ 15 ኣባላት ማእከላይ

ኮሚቴ በዚ ጉዳይ ናብ ፍርዲ ዝቐረቡ ክልተ

ጥራሕ ምኻኖም ይፍለጥ፡፡ “ሎሚ ኢ/ያ

ብግዕዝይና እትፍለጥ ዓዲ’ያ ኾይና፡፡”

ብምባል መሊሶም “እወ! ሀዚ እውን ሃለዋት

የብልኩምን” ዝብሉ ኣይተ ገብሩ ኣስራት

’ዮም፡፡ “ስርቅን ምጥፍፋእን ሰማይ በፂሑ፡፡

በዚ ግዕዝይና ’ዚ ነጋዶ እንትእሰሩ ንርኢ

ኣለና፡፡ ግን መፍትሒ ተረኺቡ ድዩ? ኣብኡ

ድዩ ዝውዳእ? ‘ዞም ዝእሰሩ ዘለዉ ነጋዶ

(እንተገይሮሞ ማለት’ዩ) በይኖም ድዮም

ሰሪሖሞ? እንትገብሩ ከለዉኸ ምስቶም

ታሕተዎት ሓለፍቲ ጥራሕ ድዮም ገይሮሞ?”

ይብሉ’ሞ፣ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ተሰሪሑ

ካብ ዝብልዎ ‘ሙስና’ ነቲ ሓደ የቃልዑ፡፡

“ኩሎም ማእኸላይ ኮሚቴ ትግራይ

ነኒሕድሕዶም ዝወሰድዎ 500 ካሬ

ሜትር(ካብ ገረብ ቡቡ ዝተዘረፈ) ዘይተመለሰ

ኣሎ፡፡ ‘ዚ ኮራፕሽን ‘ዩ ተባሂሉ፡፡ ክሳብ ሀዚ

ግን ኣይተመለሰን ይሰርሕዎ ኣለዉ፡፡”

ነበር ርእሰ ብሄር ነጋሶ፣ መለስ

ብውልቀይ ካብ ዘውገዐኒ ብምባል

ብመፅሓፎም ካብ ዘቃልሕዎ ሚስጥር ሓደ፤

መለስ ኣብ ምቅላስ ግዕዝይና ዘለዎም

መትከል ዝምልከት’ዩ። “ሙሱና(ግዕዝይና)

ንምውጋእ መረዳእታ የድልይ።

መረዳእታታት ንምርካብ ድማ ብጣዕሚ

ከቢድ’ዩ። ግዕዝይና ንምውጋእ ሓደ ሓደ

ክስተታት ጥራሕ ካብ ምህዳን ብኣጠቃላሊ

ካብ ውሽጢ ሕ/ሰብ ንኽጠፍእ፣

ብኣመለኻኽታ ብርኪ ለውጢ ንኽመፅእ

ምቅላስ ይሓይሽ ‘ምበር፣ ሐዚ ገለ ምግባር

ኣይክእልን” ኢሉኒ። በዚ እዋን፣ ’ዚ

ሰብ[ኣይተ መለስ] ግዕዝይና ንምቅላስ

ቆራፅነት የብሉን ናብ ዝብል መደምደምታ

በፂሐ።” ይብሉ።

ልምዓትን ተሃድሶን

ሓጎስ.ማ፣ ሃገርና ርኡይ ዝኾነ

ዕብየት ኣርእያ ’ያ፡፡ ድኻን በተኽን ግን ኣብ

ሓፂር ግዘ ዝልወጥ ጉዕዞ ስለዘይኮነ ሕዚ’ውን

ሚለዮናት ድኻታትን በተኻትን ኣለዉ፡፡ ነዚ

ዝተርኣየ ዕብየት ቅድሚ ምክፍፋልኩም

መሰረቱ ሓቢርኩም ዘቐመጥኩሞ ምዃኑ

ኣይጠራጠርን ግን ግደ ሙሁርን ሓፍታምን

ምቕባል ዝበለፀ ከም ዘሳልጦ ናብ ክትዕ

ኣየእትዎን፡፡ ‘ስፒኖዛ’ (ካብቶም ንኣውሮፓ

ዕብየት ዓብይ ኣስተዋፅኦ ዝገበረ ፈላስፋ)

‘ሙሁራን ዘይትፈልጥን ዘይተኽብርን ዓዲ

ወይከ ዘይሓልፈላ!” ይብል፡፡ ነጋ ዘርኡ(ካብ

ህወሓት)፣ እቲ ዘሎ ለውጢ ምህርቲ ኣብ

ምስሳን ብዝተረኸበ ‘ዓወት’ ‘ዩ ዘነፃፅሮ፡፡

“ቅድሚ 10 ዓመት ትግራይ 8 ሚልዮን

ኩንታል ኣእትያ ዝብል ዜና ሰሚዕና ጉድ

ዝበልናሉ ነይሩ፡፡ ሎሚ ናብ 20 ሚልየን

ኩንታል ኣእቲና ኣለና፡፡ ወይለከ…ሽሻይ!

ሎሚ ዘበን(2002) 170 ሽሕ ሄክታር

ብመስኖ እንትነልምዕ ኸ? ካልእ ዘይረኣናዮ

ሽሻይ!ዶ?” ብምባል፡፡

ኣስራት ኣብራሃም(ካብ ዓረና)፣

ብወገኑ ለውጢ ኣብ ውሑዳት’ዩ ዘሎ ብምባል

ይከራኸር። ”ኣብ ትግራይ ልዕሊ ኣርባዕተ

ሚሊዮን ገባር ከምዘሎ ይዝረብ፡፡ ኣብ 2001

ዓ.ም ‘ሃፍቲሞም’ ኢሉ ኣብ ጎደናታት መቐለ

ኣዝር ውዒሉ ሜዳሊያ ኢሉ ሓፂን ምራኽ

ኣሕኒቑ፣ ‘ሓርበኛ ልምዓት’ ዝብል ብጣሽ

ወረቐት ሂቡ ግገዝኦም ዝሰደዶም ሰባት ከባቢ

200 ጥራሕ ነበሩ፡፡

…39…

10
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 11

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

… ትግራይ… እዚ ቁፅሪ’ዚ ናብ

ሚኢታዊ እንትስላዕ 0.005%(ካብ ሚኢቲ

ገባር ሓደ) ጥራሕ’ዩ ለውጢ ኣምፂኡ ዘሎ

ናብ ዝብል ሓቂ ’ዩ ዘብፀሐና፡፡” ይብሉ’ሞ፣

“እዚኦም’ውን እንተኾኑ” ይብሉ ኣይተ

ኣስራት፣ “እዚኦም’ውን እንተኾኑ ክንደይ

ናይ ማረትን ደደቢትን ልቓሕ ከምዘለዎም

ባዕሎም’ዮም ዝፈልጥዎ፡፡” ኢሎም፣ ካብ

ማእኸል ‘ቶም ተሸለምቲ ብምጭብርባር

ሜዳልያ ዝዓተሩ ከምዘለዉ’ዉን የቃልሑ፡፡

ኣብ ዘበነ ወያነ ሳልሳይ ፕሬዚዳንት

ዝኾኑ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ውፅኢት

ኣመራርሓ ኣይተ ፀጋይ በርሀ፣ ን64% ህዝቢ

ትግራይ መነባብርኡ ፍፁም ዘመሓየሸ

ብምባል ይገልፅዎ፡፡ ኣይተ ኣስገደ ግና፣

“መዐቀኒኡ ገዝኦም እንተኾይኑ እወ!”

ብምባል ‘ዮም ዝቃወሙ። “40% ’ኳ

እንተተመሓይሹ ‘ቱ 30% ኣብኡ’ዩ ክሽቅል

ዝኽእል፡፡” ኢሎም ’ውን ይትንትኑ፡፡ ኣይተ

ኣስገደ፣ “እቲ ዝበሃል ዘሎ እማን ተዝኸውን

ነይሩ ኣብ መቐለ ጥራሕ ልዕሊ 30 ሽሕ

ስራሕ ዝሰኣነ መንእሰይ ኣይመሃለወን፡፡ ሕዚ

መብዛሕቲኡ መንእሰይ ናብ ሃገራት ዓዕራብ

ዝስደደሉ፤ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ

ነብሰን ሸይጠን ዝሓድራሉ እዋን ’ዩ፡፡”

ኢሎም፣ ናይ’ዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ጉዳይ

- መሬት ምኻኑ ይጡቁሙ። ኣይተ ኣስገደ

ነዚ እንተብርሁ፣ ”ኣብ ትግራይ መሬት

84ዓ.ም ‘ዩ ተሸንሺኑ፡፡ መሬት ክሽንሸን ከሎ

ጓል - ጓል 21 ዓመት ክትወሃብ ’ዩ ተባሂሉ፡፡

በቲ እዋን ’ቲ ጓል 21 ዓመት ረኺባ ጓል 20

ዓመት ኣይረኸበትን፡፡ ሀዚ ጓል ክንደይ’ያ ዘላ?

ጓል 39 ዓመት፡፡ ወዲ ተባዕታይ ወዲ 22

ዓመት መሬት ተመቒሉ፡፡ ሀዚ ወዲ 40

ዓመት’ዩ፡፡ ሕዚ እዚኦም ዓርባዕተ፣ ሓሙሽተ

ወሊዶምስ፣ ዝወለድዎ ናብ ስደት በፂሑ’ሎ፡፡

ኣብ ትግራይ ካብ 13-40 ዓመት’ዩ ’ቲ

መፍረያይ ሓይሊ፣ እዚ ግን ካብ ፀወታ

ወፃኢ’ዩ ኮይኑ ዘሎ፡፡” ብምባል እዩ።

ለውጢ ጭርሖን ተሃድሶን

ቅድሚ ተሃድሶ ‘ብዘይካ መንገዲ

ማለሊት ኩሉ መንገዲ ዕንወት’ዩ፡፡’ ዝብል

ጭርሖ ነይሩ፣ ኩሉ ሕማቕ ተግባራት’ውን

ካብዛ ጭርሖ ’ዚኣ ይፍልፍሉ ነይሮም፡፡ እዛ

ጭርሖ ’ዚኣ ተፃሒፋትላ ዝነበረት(ከባቢ

ኣብርሃ ካስትል-መቐለ) ‘ታፔላ’ ሎሚ፣

“መንገዲ ሕወሓት መንገዲ ስሉጥ ልምዓትን

ዴሞክራሲን ’ዩ” ተኪኣታ፡፡ እዚ ብጣዕሚ

ዓብዪ’ን መሰረታውን ለውጢ’ዩ- ንሓጎስ.ማ፡፡

“ንሕና ማርክሲስት -ሌኒንስት ኣይከናን። እዚ

እውን ኣብ ምድሪ ትግራይ ተግባራዊ

ንምግባር ትልሚ የብልናን። ስያመ ውድብና

እውን እንተኾነ ማርክሲስት - ሌኒንስት

ስለምኻና ገለ ዝጥቁም ነገር የለን። ኣብ

ውድብና ማርክሲስት ኣለዉ። እዚ ሓቂ’ዩ።

ኣነ ባዕለይ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን

ብማርክሲዝም ምጥማቀይኣይክሕድን”

(መጋቢት 1982ዓ.ም ኣይተ መለስ ኣብ

ኣሜሪካ ምስ ላዕለዋይ ኣማራርሓ ሲ.ኣይ.ኤ

ዶ/ር ፖል ሄንዝ ካብ ዘካይደዎ ሚስጥራዊ

ዝርርብ ዝተወስደ፣ ኣውራምባ ታይምስ

ቁ.171፣2003)

ኣምባሳደር ኣውዓሎም ወልዱ፣ 84

ዓ.ም ትግራይ እንትኣትው ዝገበርዎ ነገር

ውን እናበሎም፣ “በቲ ግዘ፣ እዚ ምግባሩ

ተዝፍለጥ ካብቲ ውድብ ዘባርሮ ነይሩ!”

ብምባል ካብ ኣፍልጦ ‘ቲ ውድብ ኣይተ

መለስ ብውልቀኦም ዘካይድዎ ዝርርብ ምኻኑ

ይዛረቡ። ብኣንፃሩ፣ ኣይተ መለስ ኣብ እዋን

ምክፍፋል ኣብ ዘቕረብዎም ልዕሊ 2 ፅሑፋት

‘ቦኖፓርቲዝም፣ “ እንደገና

ስለቦኖፓርቲዝም” ኣብ ዝብል ፅሑፎም ካብ

ዝተጠቀምዎም 71 ጥቅስታት፤ ካብ ማርክስ

17 ጥቅስታት፣ ኤንግልስ 19፣ ሌኒን 22፣

ስታሊን 1 ጥቅሲ ብድምሩ 59 ናይ ማሌ

ጥቅስታት (ኣብ 128 ገፅ ፅሑፎም) ኣብ

ልዕሊ ምጥቃሞም፤ ፅሑፎም እንተጠቃሉሉ

“ድል ለማሌና ለኣብዮታዊ ዴሞክራሲ”

ምባሎም እንታይ ከምዘመላኽት ግልፂ‘ዩ።

ዶ/ር ነጋሶ ግና 10 ዓመት ሙሉእ ተታሊለ

ይብሉ። ነጋሶ፣ ሰነ 10(1993ዓ.ም) ኣብ

ዝተሳለጠ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ

መለስ፣ “ማርክሲስት ሌኒንስት ካብ

1983ዓ.ም ጀሚሩ የለን። ሰባት እንተሃለዉ

‘ውን ከምጉጅለ ኢህወዴግ ዝመርሕ ርእዮተ -

ዓለም ምኻኑ ተሪፉ’ዩ። ሶሻሊዝም

ብዝምልከት ካብ 1983ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ

ትሕቲ ጠረጴዛ ሓቢእናዮ ኢና። ካብ

ምዕራባዊያን ድጋፍ ንምርካብን ህዝቢ ኢ/ያ

ብሰንኪ ደርግ ስለዝፀልኦን ፃዕዳ ካፒታሊዝም

ኢና እነካይድ።” ኢሉ ይብሉ ‘ሞ ፕሮግራም

ኢህወዴግ ዝብሎ ግን ብኣንፃሩ ምንባሩ

ይምስክሩ።

ተሃድሶን ኣማራፂ

ፓርቲታትን

ኣይተ ሓጎስ.ማ ነዚ ኣመልኪቶም

ከምዚ ይብሉ። ናይ ጭርሖ ለውጢ ‘ዋላ’

ይዘንግዕ’ምበር ካልኦት ኣማራፂ ፓርቲታት

ፈጢሩ ዝተወሰኑ ነተን “መሰረታዊ

መሰላትና” ከጥፍእወን ብዕሊ ዝኣወጁ ከም

“ቅንጅት” ሕዚ ድማ “መሰረታዊ መሰላትና”

ሓልዩ ዝሓሸ’ዩ ዝበሎ መንገዲ ልምዓት ሒዙ

ዝመፀ “ዓረና ንሉኣላዊነትን ዴሞክራሲን”

ፕሮግራም መፍለጢ ኣኼባኡ’ውን(ጥሪ

24/2001) ሰዓት ሓፂሩ’ምበር ብሰላም’ዩ

ተወዲኡ፡፡ ይዝክር 1984/85 (ይመስለኒ)

ኣብ ሓንቲ ከተማና ኢድዩ ዝፀወዖ ኣኼባ

ዝወረደ ናይ ‘ደንጎላ’ መዓት፡፡ በዞም

ዝጠቐስኩዎም ለውጢታት እንትረአ ተሃድሶ

ቡዙሕ ለውጢታት ኣምፂኡ’ዩ፡፡ (“ወያነን

ዓረናን ሓደ ድዮም ክልተ፡” ብዝብል ርእሲ

ኣብ ጥሕሎ ቁ.8 ካብዝፀሓፍዎ)

ኣይተ ገብሩ ኣስራት መድረኽ

ሚያዝያ 4/03 ኣብ መቐለ ዝፀወዖ ህዝባዊ

ኣኼባ ኩነታት ትግራይ (ኣማራፂ

ፓርትታት) እንትገልፁ ካብ ናይ ኣይተ

ሓጎስ.ማ ሓሳብ ብኣንፃሩ ዝኸደ ነይሩ፡፡

“ኣይተ ኣያለው በየነ ዝበሃል ኣብ ውቕሮ

ማራይ ዝተወዳደረ ኣባልና ኣብቲ ድሮ

ምርጫ ክልተ ቦንቢ ተቶኲሱዎ፡፡ ድሕሪ

ምርጫ ድማ ኣብ ሽረ እንዳሃለወ፣ ብኮብራ

መኪና ገፆም ተሸፊኖም ብዝመፁ ሰባት

ወሲዶም ድብድብ ሓዲሮሞ፣ ንጉሆ መፂኦም

ደብርዮሞ ከይዶም፡፡ ካልኦት ይሕፀር ይብዛሕ

ዝተኣሰሩ፣ ካብ ስርሖም’ውን ዝተሰጎጉ

ኣለዉ፡፡” ብምባል ጭርሖ ይቀየር ’ምበር እቲ

ባይታ ዴሞክራሲ ፈፂሙ እናባደመ ይርከብ

በሃሊ’ዮም፡፡ “በትሪ-ፈራሕ” ብምባል

ዝሰየምዎ ኣብ ኣባላቶምን ፓርቲኦምን

ዘወርድ ጥቕዓት ካብዚ ብዝሰገረ ንሃላዋት

ፓርቲኦም ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ዝተዓለመ

ብኣባላት ድህንነት ዝተፈፀመ ዕልዋ

ተኻይዱና ይብሉ፡፡ “ንሕና ሕጋዊ ኣፍልጦ

እናሃለወና፣ ኣብ ልዕሌና ካሊእ ዓረና ኣሎ

ተባሂሉ ተኣዊጁ፣ ዘይሕጋዊ፡፡ እዚ ኣካይዳ’ዚ

ቁሉዕ ሽፍትነት’ዩ፡፡” -ንኣይተ ገብሩን

ፓርቲኦምን፡፡

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ብዛዕባ’ቶም ካብ

ህወሓት ተፈንጪሎም ዝወፁ መሓዙቶም

ዝመስረቱዎን ዝኣተዉዎምን

ኣማራፂ(ተቃዋሚ) ፓርቲታት ምንነት ከምዚ

ይብሉ። “ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ኣብ ኢ/ያ ዘሎ

ቀንዲ ኣፈላላይ በቲ ሓደ ገፅ ወያናይ

ዴሞክራሲ ፣ በቲ ካልእ ገፅ ከዓ ፅግዕተኝነትን

ኒዮሊበራሊዝምን ‘ዮም። ኣብ ሞንጎኦም ካሊእ

ክፍቲ ቦታ የለን።...ካብዚ ብምብጋስ እዞም

ሰባት እዚኣቶም[ጉጅለ ተወልደ] ንደምበ

ወያናይ ዴሞክራሲ ረጊፆም ካብ ወፁ እታ

ዘላቶም ቦታ፣ እታ መረበቶም፣ እታ ዘላቶም

ዕድል ናብዛ ጭቃ ናይ ኒዮሊበራሊዝም

ምርግራግ’ያ ዝብል ኣቐዲሙ ውድብና

ገምጊሙ ኣቐሚጡዎ ነይሩ እዩ። ሰለይ

እናበሉ፣ ፍሑኽ እናበሉ፣ ሓደ ሻዕ ብፀልማት

ሓደ ሻዕ ብብርሃን እናተጓዓዙ ኣብታ

መወዳእታ፣ ኣብታ ትኽክለኛ ቦትኦም ኣብ

ደምበ ተረፍ መረፍ ደርጊ፣ ኣብ ደምበ ተረፍ

መረፍ ኦነግ፣ ኣብ ደምበ ፅግዕተኝነትን ኒዮ

ሊበራሊዝምን’ዩ። ትኽክለኛ ቦታኦም፣ እቲ

ንቡር መረበቶም ሒዞም ኣለዉ ክበሃል

ይከኣል።”(ወይን ለካቲት 2002ዓ/ም)

ነጋሶ ጊዳዳ ግና፣ ኣብ ኢ/ያ ስርዓት

ኒዮ ሊበራሊዝም ንምምፃእ ዝቃለስ ኣብ

ደምበ ተቃወምቲ ዘሎ ኣይመስለንን፤

ይብሉ። “...ፍፁማዊ ዝኾነ ካብ መንግስቲ

ኢድ ኣእታውነት ነፃ ዝኾነ ስርዓት

ካፒታሊስት ንኽምስረት ዝሰርሑ ሓይልታት

ኒዮሊበራሊስት ይበሃሉ። ኣብ ውሽጢ ኢ/ ያ

እዚ ዓይነት ስርዓት ንምምፃእ ዝቃለሱ ኣብ

ውሽጢ ደምበ ተቃወምቲ ዘለዉ

ኣይመስለንን። ከም ኢ/ያ ኣብ ዝበለ ድኻ

ሃገር፣ መንግስቲ ፈፂሙ ኣብ ኢኮኖሚ ኢድ

ኣይሕወስ ማለት ዘይኸውን’ዩ።” ብምባል

ንሓሳብ ኣይተ መለስ ውድቂ ይገብሩ።

ኣብ መወዳእታ

ፀጋይ...

ኣይተ ፀጋይ፣ “ካሊእ ይትረፍ ፀገም

ህዝቦም ብዝግባእ ይሰምዑ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ

ተፀጊሙ ምስ ዝነብዕ ዝነብዑ ርህሩህ መራሒ

ነይሮም፡፡” ዝብሉ ወገናት ኣጋጢሞሙኒ

’ዮም፡፡ ኣስገደ ግን ነዚ ብኻሊእ ’ዩ ዝሪኦ፡፡

“ሓደ ዓብዪ ፀገም ገብሩ ‘የ ክውስኸልካ”

ብምባል ይጅምሩ። “ ገብሩ ልክዕ ከምቲ ኣብ

‘ኮራፕሽን’ ስሙ ዘይላዓል፣ ኣብ ኮራፕሽን

ዝኣተወን ስራሕ ዘበላሸወን ኣይዕርቅን፡፡ ካብዚ

ንላዕሊ ግን ኣብቲ ወድብ ዝነበሩ ኢ-

ዴሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ኣውፂኡ

ኣይፈልጥን ነይሩ፡፡ ሃለቃ ፀጋይ ሪኢቶ

ክትህብ ጌጋ ኣይብለካን፣ ይቕበለካ ’ዩ፡፡ ግን

እዛ ሪኢቶ ምቕባል ዝጥቀመላ ኣተሓሳስባ

ሰባት ንምፍላጥ ’ዩ፡፡ ድሕሪኡ ተመሊሱ ነቲ

ዝሃብካዮ ሪኢቶ ክወቕዖ ኢኻ ትሪኦ፡፡ ‘እዚ

ድማ ክምስ’ያ ድሙስ መዘናግዒ ኣንጭዋ!’

ይብልዎ፡፡ ኣስገደ ይቕፅል፣

“ኣባይ[ፕሬዚዳንት] ህማቕ ይኹን ፅቡቕ

ኣይዛረብን ብምኻኑ ‘ውን ኣይትፈልጦን

ኢኻ። ሃለቃ ፀጋይ ግን ‘ስጋኹም’፣

‘ሓቅኹም’ እንተዘይኮይኑ ‘ሓሶት’ ምባል

ኣይፈልጥን፡፡ ካብ ዝገርመካ ብዙሓት ሰባት

ምስ ኣባይ ብምንፅፃር ንሱ[ኣይተ ፀጋይ]

ይሕሸና ነይሩ ክብሉ ይስምዑ፡፡ ኣነ ግን በዚ

ኣይሪኦን፤ ዋላ ኣይዛረብ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ

ኩሉ ኣመራርሓ ሓደ ’ዩ፡፡” ኣይተ ኣስገደ፣

ኣይተ ፀጋይ ኣብ ዝገብርዎ ዘረባ

መድረኽ(ብዙሕ ቀልድታት ከም

ዝተቐለደሎም ይፍልጥ) ዝተፈለየ

ኣመለኻኽታ ’ዩ ዘለዎም፡፡ “መድረኽ ልምዲ

ይሓትት’ዩ፡፡ ነገራት ምምማይን ዘይምማይን

ኣይኮነን፡፡ ካልኣይ፣ እቲ ሰብ ምንባብ

ኣይኽእሉን መሃይም ’ዮም ገለ መለ

ስለዝብሎም ጭንቀት(ፍራስትሬሽን)

ከይሕዞም እፈርሕ ’የ፡፡ ብትምህርቲ ሜዳ

እንትወፅኡ 12 ክፍሊ ወዲኦም ’ዮም

ከይዶም፡፡ መሃይም ’ዮም ኣይብሎምን፡፡

ሃለቃ፣ ምንባሮም መሃይም ተይኮነ ዘብሎምስ

ብተወሳኺ’ዩ ዘብልሖም፡፡” ይብሉ።

39
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 12

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ሃጠው ቀጠው

ሓደ መላኽዒ’ዩ

ፀዩኒ። ሬጠጥ ሬጠጥ እናበልኩ

እንትኸድ፣ ብድሕሪተይ፤ “አረ

ከይትስበር? ንቕድሚት ዲኻ

ትኸድ ዘለኻ ንድሕሪት?” በለኒ።

ተጋህፂፀ ክድውለልካ እየ ኢለዮ

መንገደይ እንትቅፅል፤

“ችላእ!ኣነ ዘይፈትዋ እዚኣ፣ ገለ

ገለ ሰባት ሽም ዘንብር

እናመሰሎም ኣብ ልዕሊ ሽም

ሽም ኣብ ልዕሊ ካባ ካባ

እናደራረቡ ኣብ ልዕሊ

ምውዓሎም ኣብ መዓልቲ ዓሰርተ

ሻዕ እናረኸብካዮም ንደዋወል

ይብሉኻ። ንስኻ ኸ እንታይ

ዘፃድፍ ሃሊዩካ እዩ? መእሰሪ

በጊዕያ ዘይሓዛስ ናብ በጊዕ

ይጓየያ ድዩ ዝበሃል? ስፖንሰር

ሒዝካ ተቆፀ’ዩ ዝዓርከይ፤ መኣዝ

ክተሐትሞ ነይርካ ኢኻ ንዓና’ዶ

ግዳ ቢራ ጋብዘና?” በለኒ።

ብርከይ ዓፀፍኩ።

“ኣይትገልበጠኒ

ዝበሃል ከምዚ እዩ!” ኢሉ

እንትጅምር ወረ ተዓፃፀፍቲ

ዘምፀአለይ መሲሉኒ እዝኒ

እንትኸልኦ፣ ከምዚ ኢሉኒ።

“ተዋሪዱ፣ ተዋሪዱ! እንታይ

ተሪፉዎ ከመይ ኢሉ ደገ ክወፅእ?

ከመይ ኢሉ ሓዳሩ ክመርሕ?

ኣበይናይ ቢሮ ክሰርሕ?...”

መወዳእታ የብሉን። ዝቀረበሉ

ዝሑል ቢራ ጓዕ ምስ ኣበለ፣

“ኣዋሪዶሞ! እተን ኣናፁ ሓንቲ

ብሓንቲ እናተልዓላ ‘ጡትኪ

ኣሪኢኒ ኢሉኒ፣ ማዓንኮረይ

ወቂዑኒ፣ ከይሱኒ፣ ዝፀሓፍ እኒሀ

ኣምሺዪ ኢሉ ግርም ገይሩ

ሰሪሑለይ፣ ኣክሱም ቆፂሩኒ፣

ሚላኖ ሰሪሑለይ፣ ካስትል

ደጊሙ እዩ ስራሕ ቆፂሩኒ...”፣

እንታይ’ዩ እዚ ኹላ ሃጠው

ቀጠዉ? ኣንታ ርግዕ እንዶ በል፣

“ሹም ንሹም ይኳለሱ፣ ድኻንድኻ

ይናኸሱ” ዶ በሉ እንደርታ

ዓደይ። መቒሩ። እማነይ እሞ’የ

ብ ’ኣነ’የ’

ፀሓፌ ድርሳን፣ ወረኛ ወከመ ነገረኛ¡

ማስተርስ ዲግሪ ብሃጠውቀጠው፣

ሌክቸረር ዩኒቨርስቲ “ወ/ሮ ሃንሳ”¡¡¡

ኣነስያ

ጭቃ

እንደርታ

ዓደይ?!

እንደርታ ዓደይ ጨው በዚሑዎ።

ኣብ ዓዲ እማትና ዳኣ ኢና

“ቀብሪደሃር” ንብል ‘ምበር፣

ንሕና ዝሞተ ኣፃዲፍካ ንምቅባር

ዝቅድመና የለን። ነዚ ሰብ እዚ

ወይን ገፅ ምስከልአቶ ኩሉ

ስለዝተረባረበሉ ካብን ናብን

ተባሂሉ ደጋጊመ’የ ሰሚዐዮ።

እልፊ ወራውር፣ ገሊኦም ዓማላት

‘ዮም መኣዝስ ፃዕዳ ተኸዲኖም

ይፈልጡዋ ነጭ ለባሽ

እንትብልዎ፣ ገሊኦም

ብደንቆሮኦም ይንበሩ ድኣ ‘ምበር

ነበር ኢሃፓ እንትብልዎ . .

.ዎ!ሰሚዐ። ኣብዚ እዋን ነይሩ

ሓደ ቀጠውጠው ውን ዝበለኒ።

ኣብ በረኻ እናሃለና፣

ውይውይ ከም ወዮ ፀሓይ ፀደቅ

መሓዛይ ኮይነ። ይቕሬታ

ግበሩላተይ? ኣብ በረኻ

እናሃለዉታ፣ ባዕሎም እቶም

“ፅኑዕ”(ፅንዓት ካብ ዝብል ቃል

ዝተወርሰ) እወ’ቶም ሹም ዓጋመ፤

ሓንቲ ፈረንጂ ግርም

ገይሮማ።ኢሎም። ወዮ ሽዑ

እንዶ ሕጊ ወፂኡ እኒሀይ

ዋኢ?ኢኢ..፣ ንሶም ቀሪቦም

ተሓተቱ። “ይቕረ በሉኒ ይትረፍ

በሉኒ ስሑት መዓልቲ ውዒለ?”

ምስበሉ፣ ወዮ እቲ ሕጊ

ንላዕለዋይ ሹም ኣይምልከትን ‘ሞ

ተዘለለ። ሓቀን’የን ወ/ሮ( ይቕረ

በሉኒ፣ ቀዳማዊት ልእልት! እህ)

ኣዜብ እንታይ ነውሪ ኣለዎ?

ዝበላ። እንታይ ነውሪ ኣለዎ?

ወዮ ንሳቶም ኮይኖም ‘ምበር ሕጊ

ተፈጥሮ ‘ኮ ኡ። ሕጊ ጥሒስካ

ምሹርማጥ ‘ዶ ነውሪ ኣለዎ’ዩ?

ነውሪስ ተመራሒ ምኻን ድኣ።

ዘለዎ ኩሉ ሻዕ ነውሪ ኣብ ኢዱ

የላን፣ ዓሻ ንዘይብሉ ድኣ መን

ክሰምዖ? መወራረዲ እናቅረብካ

‘ኮ እዩ? ዘለዎ ኩሉሻዕ ሓሲዩ

ኣለቂሐዮ እናበለ እንትዘውር፣

ንዘይብሉ መን ይሰምዖ፣ ነውራም

እምበር ይበሃል።በለኒ።

Email, yesiam@java.17¡

ካብ በረኻ ምስ ኣተና፣

ኣቱም ራያ ዓደይ ኣያም በል! ዶ

በሉኑይ እንታይ ኾኑኡ ከፊቱለ

ሎማዓንቲ፣ ካብ በረኻ

ምስኣተውታ ‘ዞም ሹም ዓጋመ

ሓደ ዘመዶም ካብ ደጀን ወሲዶም

ናብ ጉዳያት ወፃኢ ይሽኩዑዎ።

ዳሓር ‘ዞም ሙሁር ታሪክ(ሹም

እንድርታ)፣ ቋፂሮም ፀኒሖም

ኣብ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዩሃንስ

ናብ መጋባእያ

የቅርብዎም።(ኣንታ ዝጋዘኛስ

ከዓ ‘ኳ ሱቅ ከይብልስ ሃፀይ

ዩሃንስ ዘዋሪ ብሽክሌታ ገይሩ

ክፅሕፎም ኣትዩ? ኢዲት

ኣይገብሩልካን ንሶም ክሳዶም

ኣብ ሱዳን ዝተረፈ ኣካሎም

ኣብዚ. . .ሓወልቶም ከይስራሕ ‘ካ

ዲሕ ትብላ ኣዳመይዋ ኪድ

ንቻይና፤ ናቶም ታሪኽ ድርሰት

ኣየድልዮን፣ ኣይትወራዘየልና!

ክብሎ ፀሊአ¡) ዳኛ ንሶም ‘ዮም።

እወ ንሶም መንደኣ? ዋእ!

ኣይበሃልን። “እንኳዕ ንመበል 56

ዓመቶም ኣብፀሐና” እንተይኮነስ

“ኣብፃሓዮም” ‘ዩ ዝበሃል፣

ንምውሳልት ‘ውን ኣዞ የድልዩ

እዩ ‘ሞ፣ ወዮ ድኣ 7 ዓመት

ክወስደልካ ‘ዩ ምበር፤ ካብቲ

ወርቂ ኢዱ ‘ትምህርተ -

ውስልትና’ ተምሃር። ንኣብነት፡ -

እዚ ወርቂ ኢዱን ስኑን ዝኾነ

ወዲ ዓደይ ፍቃዶ “ከፍ ሃውስ”

‘ዶ በሉ እንደርታ? እናኸደ

ሸምጉሉኒ ዝብለላ ሓንቲ ዕዮ

ዓዪና ነይርና።(ዓርከየ ዓርከየ

ናዓናይ ምሳየ፣ ኢለ ስራሕ

ኣስሪሐዮስ “ዓሻየ ዓሻየ

ኣይትመሃርንዶ ካብ መሓዛካየ!”

ኢሉ ብባዶ ኢደይ ዝሰነየላ!)

ቀዲሙ ኣነ ክግልብጣ በለኒ፣

ዝበዝሕ ሕቶታት ዘቕረብኩ ግና

ኣነ ዓሻ ኣነ ነይረ... ደሓር “ወዲ

ሰብ” መሓዛይ ምስ ዘረባ ኣይተ

መለስ እናወሃሃደ ዘይተገበረ ቃለ

ምልልስ ፂሒፉ እንትህበን፣ ”ኣየ

እኒሀኻ ወርቂ ኢድ!” ኢለናኒ-

ኢሉኒ ። መሊሱ ድማ ከምዚ

እዮም ዝደልዩታ ኢሉኒ።

ኣቱም ደቂ ኣሉላ እዛ

ወግዒ ካበይ እያ? ኣደይ

ኣረጋሽን ኣቦይ በሪሁንያ ንብፃይ

መለስ ኣብ ኣኼባ ከይርከብ

ኣጊዶማቶ ኢላቶም። (ትሕሽዎ

ደኣ! ትሕሽዎ ) በዚ ዝተጨነቁ

ኣቦይ ስብሓት ሜላ ፈጠሩ።

ኣቦይ ስብሓት ዘይኣመሎም

ዓብዪ ካሻ ተሸኪሞም ዒሕ

እናበሉ ይግስግሱ። (ኣደይ

ኣረጋሽ መለስ እንትበልዕ ንጉድ

እዩ፤ ንሾሞንተ ዝተቀረበ ሓደ

ቅጫ ንበይኑ እዩ ዝገብራ ኢለናኒ

ስለዝነበራ ዒሕታ ኣቦይ ስብሓት

ተ ረ ዲ ኡ ኒ ሎ ። )

11
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 13

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

እኒሀልካቱምይስማ ተጋደልቲ

በዚ ተገሪሞምን ተቆጢዖምን

“ብፃይ ስብሓት እንታይ ድኣ

ተሸኪምካ?” እንተበልዎም

“መልሓስ”

ኢላቶም።

ኢሎም ዓሪፎም።

ደሓር እማይስ

እንደርታ ዓደይ ናብቲ

ቀጠውጠውና ክምለስ፣ ኣቦይ

ኣስራት ይኸሱዎም። “እግዚሀር

የርእዮም ጎይታይ! ቀደሙ እውን

መቃፅርቲ ‘ትግርኛ’ ሚኒስተራት

‘ዮም ነይሮም ሀዚ ‘ውን ብዘመድ

ኣዝማድ ይሰርሑ ኣለዉ፣

ኣብነት ኣቅርብ እንተይልኩምኒ

ከዓ ልዕል ኢለ ገሊፀዮ’የ! ሽሕ

ዓመት የንግሶምዋ ተለኣኣኺ

ገይርና ቻይና ንስደዶ?” ክብሉ

ተደመፁ። ክቡር ዳኛ መነፀሮም

ኣትሕት ኣቢሎም፣ “ልክዕ ድዩ

ኣታ!?” እንትብልዎም፣ “እወ

ጎይታይ ይቕረ በሉኒ ይትረፍ

በሉኒ ስሑት መዓልቲ ውዒለ!”

ምስበሉ፣ ወዮ ክራይ ኣካብነት

ንላዕለዋይ ሹም ኣይምልከትን‘ሞ

ሀዚ እውን ቀዳማይ ስሕተቶም

እዩ ተባሂሉ ተዘለለ።(ውሽጡ ‘ኳ

ንሱ ናተይ ደጋፊ’ዩ፣ ነቲ ኣብ

ቀረባ እትሓስብዎ ዘለኹም

መፈንቅለ ወንበር መን ኣለኒ?

ነይሩ”)እንታይ ነውሪ ኣለዎ?

ነውሪ ‘ዶ ንንጉስ ይሰርሕ’ዩ

ኣክሱማዊያን?

ኣብ ቀረባ “ሚድያ

ፎረም” ከም ዝተኻየደ

እንተሰሚዖም ኣየተጋገዩን። ሓደ

ትግራዋይ ሙሁር ኣብዚ

“መድረኽ - ፀርፊ” ካብ

ዝተፃረፍዎ ቀጠው ክብለልኩም።

“ እዘን ሚድያታት ውልቀ

ተቃውሞ ጥራሕ ‘የን ዝፅሕፋ!”

እንትብሉ ንእዝነይ ተጠራጢረ

ብዓይነይ እንትሪኦም

ንዓይነይ’ውን ክኣምኖ

ኣይከኣለኩን። ቀፀሉ፣ “ኣብ

ኣሜሪካ ምስ ሓደ ዓርከይ

ተመሊስና ገዝኡ እንትንኣቲ፣

ዘይተፈቀደ ኣየር ዝወነነት

ሬድኡ(ሓፃር ድያ ዝበልዋ ነዋሕ

ረሲዐዮ!) ሰይሮማ ረኺብናዮም -

ፖላዊስ” ኣብ ኣሜሪካ ‘ካ ሙሉእ

ነፃነት ኣይነበረይ፣ ኣቱም

ጋዜጠኛታት ኣይተፅምምዎም፣

ንምባል። ቀፀሉ፣ “እዘን ናይ

ውልቀ ሚድያታት(ብኣምሓርኛ

ተዘይኮይኑ ብዘይ ኣቦይ ኣስራት

ብዛዕባ ‘ዚ ዝተዛረበት

ኣየንበብኩን!) ዓዲ ብተጓሩ

ሚኒስተራት ጥራሕ ተመሊኣ

እናበሉ ‘ዮም ዝፅሕፉ...” ካብኦም

ኣይፅበዮን ነይረ ምናልባሽ እውን

ቀሪበ ስለዘይፈልጦም ይኸውን።

ኣቱም ሰብ “ኣብ ባዕልኻ ክበፅሕ

ዘይትደልዮ ነገር ኣብ ካሊእ

ክበፅሕ ኣይትመነ!” ብዝዓይነቱ

‘መርህ’ ሃይማኖታት ብሓባር

ክሰርሑ ሰሚዐ። ትግራዋይ

ስለዝኾንኩ ዓዲ፣ ሚኒስትራት፣

ክልላትን ኣዲስ ኣበባን ብተጓሩ

ጥራሕ ክትምራሕ እንድሕር

ዝምነ ኾይነ ካብ ናይ ትማሊ

ብምንታይ ሒሸ፣ ሕቶ ምልክት።

ብማዕርነት ዝተመስረተ ሓድነት

በሉ ኣቦይ ስብሓት እንተኾኑሲ።

ዝኾነ ኾይኑ፣ ኾይኑ።

ዎ! እንታይ ተሪፉና ወዮ ዘንጋር

ኣግነኽዋ ሎማዓንቲ ሰኣንኩዋ

ሎማዓንቲ ብምባል ንጫትን

ንሲጋራን በቲ ጋዘኛ ተሸፊኑሉ

ይመስለኒ “ፅንዓታዊ ፅሑፍ¡”

ፂሒፈ ኢሉ “ንጥፍኣት

ዝተፈጠራ - ልሳን ተቃወምቲ”

ኢሉወን። ሑሩም ዋ! ንኹለን

መፅሄታት፣ ግን እዚኣ ‘ውን

“ኮፒ” እያ፣ ናቱ ኣይኮነትን።

ለባም ሙሁር ኣይጥፋእ እዩ

ካብቶም ዓበይቲ እቶም

መናእሰይ በሊፆም “ኣደብ” ግበር

ኢሎምዋቶ። ከምዚ ምሰ

መሓዙተይ እናተሓማመኹ

እንትቅፅል ኣያ ዘሩዕሩዕ

ንረክብ። ኣያ ዙሩዕሩዕ ስብኣይ

መዝረዕርዒት፣ ሓሽከር

መዝራዕርዒ እዮም፤ ዙሩዕሩዕ

ሪጊፆም እንትፀውኡ

መጀመርያኦም ኣይኮነን፣

መንዲሎም ብንብዓት ዘቃበፁሉ

እዋን ምዃኑ ‘ምበር።

ምስቲኣቶምያ ምኽር ከሪሞም፣

“ኣባ መላ” ግርም ገይሩ ራዕ! ምስ

ኣበሎም፣ እናዝረዕርዑ

ምትዕፅፃፍ ጀሚሮም። (እወ!

እዞም መሓዙተይ እውን

ካብዚኦም እዮም ተማሂሮም፣

ፍቃዶ ቢሮ ብናይ ኣባልነትን

ወይን መታወቅያን ሓደሻዕ

ፕ ሬ ዝ ዳ ን ት

ዝ መ ር ሕ ዎ ( ዝ ከ ታ ተ ል ዎ )

ማሕበር’ዩ እንተበሉ፣ ምስኻዕ

እንተኣብዮም ድማ ዝሩዕሩዕ

እናበሉ ደረቶም ካብ ዘስፍሑ

ፀኒሖም ንብለኩም’ሞ ናብ ኣያ

ዙሩዕሩዕ ንመልሰኩም) ብዘበነ

እግሪ ምትካል፣ ገዛ እንዳቦይ

ዙሩዕሩዕን እንዳቦይ ኣምባሳደርን

ዝፈልዮ ሓፁር ፈሪሱ (በሪ

ተገይርዎ፣ ኣየ ፍቕሪ!)

ምስተሓደገ፣ እዛ ቆልዓ ከመይ

ገይርና ኢና ንግልብጣ

እናተብሃለ ተሓሲቡ “ችርስ”

ዝተብሃለሉ ግዘ ነበረ። ተጓዒዞም

ተጓዒዞም ሳንባይ ‘ዶ መቂለ

ክህበካ ክሳብ ምብሃል በፂሖም፣

ዙሩዕሩዕ ኢሎም ምስወፅኡ፤

ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣይኮነን፤

”ኣቱም መናእሰይ! ትሪኡዎም ኣለኹም መናእሰይ

ዓዕራብ ኣብ ሕገ መንግስቶም ዘየለ መሰሎም ተጠቂሞም

መሰሎም እንትገብሩ። ዋእ! ንምንታይ ኢኹም ንስኹም

ኣብ ሕገ መንግስትኹም ዝተቀመጠ መሰል ምግባር ሰለማዊ

ሰልፊ ተጠቂምኩም፤ መንግስቲ ገዛ መስርሒ መሬት

ከሊኡና! ዘይቲ ስኢና! ሽኮር ሓሪሙና! መብራህቲ ብፈረቃ

ኣቲኹምዎ! ኔትዎርክ ቀቲልኩምዎ! ስጋ ናፊቁና! ጋዜጣን

መፅሄትን ከይንዕድግ መሃያና ሰብ ታክሲ ሊሒሶሞ! ስራሕ

ሲኢና! ነፃነት! ነፃነት ነፃነት! ዝብል ጭርሖ ሒዝኩም

ዘይትወፅኡ ችላእ!...”

ኮይኑ ግና ቀዲሞም ዘሕለፍዋ

ዙሩዕሩዕ “ትመልሰኒ ዶ ትኾን?”

ኢሎም እንትሓሙ፤ “ንስኻ

ዝፈጠርካያ ውድብ ንመን ኢኻ

ገዲፍካሉ ትወፅእ?” እናተብሃሉ

በዝማዶምያ ክለዓሉ

ቀኒዮም።(እዚ ባዕሎም “ኣባ -

መላ” ዝገበርዎ ምልዓል’ዩ

ኢሎምኒ እዞም

መህጠውጠዋይ።) ደሓርምይሲ፣

ጎዮም ተሓደጉስ፣ “ይቕረ በሉኒ

ይትረፍ በሉኒ ስሑት መዓልቲ

ውዒለ?!” ኢሎም ብሪፖርታጅ

ተነቢቦም።ውይ ውይ እቲ ዋና

ነገር ረሲዐዮ። ዝገርም ‘ኮ እዩ

ራያ ዓደይ፣ ታይ ክፀውየሉ፤ ሱቅ

ጡዑም ዝተብሃለ ‘ዶ ንኸምዚ

ዝበለ ይኸውን? ቅድሚ ናብ

ሪፖርታጅ ምዃዶም እንታይ

ገይሮም? እታ ኣፍሪሶም በሪ

ዝገበሩላ ሓፁር መሊሶም

ሓቲሞማ። ዕፅፍ ግዲ! ዓሻ ደማ?

ዓቢድካ እንተሞትካ መን

ይቀብረካ? ካራምቡላ

እናተፃወትካ እንተወዓልካ መን

ይኸፍለልካ? ሀዚ እውን

ክቃወም’የ እንተበልካ መን

ይሓዝነልካ? እናተዓፃፀፍኩ

ክነግድ’የ እንተይልካ ጥራሕ፣

ብፍላይ ከዓ ስዋ ክፆምቅ’የ

እንተይልካ መሬት ትረክብ።

ልቃሕ ትረክብ...

እዛ ሃጠውጠው ካበይ

ተላዒላ ናበይ ቀጠው ከምትብል

ዘላ እንድዒ፣ ኣያ በላይ ግን

ብሙስና ን”ከርቸሌ” ወሪዶም።

ደሓር እማይሲ መናእሰይ

ንበዓልቲ ቤቶም ግርም

እንትገብርዋ ዘርኢ ቪድዮ

ንድራር ኣትይሎም

እንተይሓየኹ ዊሒጦሞ። ኣነ

ምኾንኩ እግዚሀር ይሃቦም ፀው

ከይብላ ገይራቶም ኣፅኒሖምለይ

ምበልኩ፣ ንሶም ግን ዕቡድ

ኮይኖም። ሪኢኹም ‘ዶ እንደርታ

ዓደይ ፅቡቕ ንዝገበረ ፅቡቕ

እንተረኸበ እንታይ ነውሪ

ኣለዎ¡? ንዝገበርዎ ግባሮ

ምስጋና እምበር ዕብዳን ‘ዶ ምኾነ

መልሱ? ንሳ ካዓ “ይሞታል ‘ባ”

ዝበለቶ ትመስል። ኢሎም

ተቃዋሚ ቦለቲከኛ ሃጠዎም

ቀፀሉ፤ እዚ ስልቲ ኣብ ብርቱካን

እውን ሰሪሑ’ዩ። እቶም

ሓለውታያ “ብርቱካን በልቼ

ሎሚ ሎሚ ኣገሳሁ...ብርቱካኔ”

እናበሉ ቡና ኣዋቂጦማ። እሞ’ዛ

ስልቲ ‘ዶ ኣብ ትግራይ

ከምትሰርሕ ክፍትንዋ ደልዮም?

ኢለ ተመራመርኩ! ኣየ ርእሲ -

ሓምሓም። ኣስራት ኣብርሃም

ሳልሳይ መፅሓፉ(መለስ እና

ግብፅ) እነሆ ኢሉና። ኣነ

“ኣስናንካ ይደርቀም ጥዑይ

ገጫም ደዩ?” ክሳብ ዝበሃል

ዝሰሃቁላ ነገር’ያ፣ ከካፍለካቱም።

ነታ ሀዚ ኣብ ማእኸል ባንዴራና

ዘላ ኮኾብ(እወ! ወካሊት

ብሄ.ብሄ.ህዝ ኢት. ወይለይ

ነዊሑያ! ‘ታ’ኳ ብሓጎስ.ማ ኣብ

ኩለን ናይ ክልላት ባንዴራ ‘ውን

ተተኣትው ዝተብሃለላ ምንኣስ

ኮከበ ዳዊት/ David Star/

መሓዛ ኮከበ ሌኒንወ ስታሊን

ንምምራፅ) ኣማኹሩናታ

ተባሂላቶም ካብ ዘተፀውዑ ሓደ

ዶ/ር ላጲሶ ጌዴቦ ነይሮም። ‘ሞ

እንታይ በሉ? ኣብ ማእኸል

ባንዴራና ኣድጊ ተዝቅመጥ።

ካን? ኮይናታ! እንታይ ማለት?

ኣድጊን ህዝቢ ኢ/ያን

ፀዋራት’ዮም’ሞ…። ፀዋርስ

በዓልቲ ቤት ‘ቲ ጋዘኛ መሓዛኻ

ድኣም’ዶ ኢልካትኩም?

ደሓርማይሲ ሓደ

መሓዛይስኒ(ካብ ሸመልባ) ከምዚ

በለኒ። ኣንታ ‘ዚ ኢሳያስሲ

ክንደይ ይልብም’ዩ በጃኻ? ህዝቢ

ኤርትራ ከምቲ ግመል ማይ

ንኽልተ ሰሙን ዝዓቁርስ ህዝቢ

ኤርትራ’ውን 24 ዓመት

ክሽከመኒ ምእንታን ኢሉባኣኒ’ዩ

ግመል ለጢፉላ ነታ ማእተብና።

ኣነ’ውን ኢለዮ፡- ኣነስ’ባ ድርቂ

ዋላ እንተኣተወስ ከም

ኢ/ያዊያንን ሱማሊያዊያንን

ዘየፈገር ፀዋር ድርቂ ዝኾነ ህዝቢ

’ዩ ንምባል ደልዩ ከይኸውን?

ኣነስ ጠርጢረ እንዳባሻዎል

ድርቂ ኣትዩ ከይኸውን ዓንሰባ

ዓደይ!? ይኸውን!!!

...4

12
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 14

ፖለቲካ

ፎቶ ብጥሕሎ

ዋንነት ምምሕዳር

መሬት ናይ መንግስቲ ካብ ዝበሃል ነዊሕ

ዕድመ ዘለዎ ኾይኑ፣ ሕገ መንግስታዊ ቦታ

ተዋሂቡዎ ካብ ዝፍለጥ ግና ደርጊ ትርፊ

ገዛውትን ቦታን ከተማ ናይ መንግስቲ

ንምግባር ተባሂሉ ካብ 196[7]ዓ/ም ጀሚሩ

ኣብ ስራሕ ዝወዓለ ኣዋጅ፤ ዳሕራይ

1978ዓ/ም ኣብ ዝወፀ ሕገ መንግስቲ

ተደንጊጉ። ድሕሪ ዉድቀት ደርጊ ‘ዉን

ቐፂሉ ብ1982ዓ/ም ኣብ ዝወፀ ፌደራላዊ

ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ሕገ መንግስቲ ኣብ

ዓንቀፅ 40 መሬት ገጠርን ከተማን

ከምኡ’ዉን ዋንነት ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት

ሙሉእ ብሙሉእ ናይ መንግሰትን ህዝብን

እዩ ኢሉ፤ መሬት ዋንነት ብሄራት፣

ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኾይኑ፤

ዘይሽወጥ ዘይልወጥ እዩ(40(3) እንትብል

ደንጊጉዎ። ሓረስታይ ኢትዮጵያ መሰል

ምርካብ መሬት ብዘይ ክፍሊት ከምዘለዎን

ሓለዋ ካብ ትሕዝቶ ምፍንቓል

ከመዝግበረሉን ኣንቀፅ40(4)፤

ሓረስቶት(pastoralist) ኢትዮጵያ ምርካብ

ነፃ መሬት(ንምርባሕ ሃብቲ እንስሳን ምልማዕ

ሕርሻን ዝዉዕል) መሰል ካብ መሬቶም

ዘይምፍንቓል ከም ዘለዎም (40(5)፤

መንግስቲ ብመሰረት ሕጊ ኣብ ክፍሊት

መሰረት ዝገበረ ዉልቀ ኢንቨስተራት

መሰል ምጥቃም መሬት ከረጋገፅ

ከምዝግባእን(40(6 )፤ መንግስቲ ንህዝባዊ

ዕላማ (public purpose) ክብል ኣቐዲሙ

ተመጣጣኒ ካሕሳ ብምኽፋል መሰል ዉልቀ

ንብረት ክወስድ ከምዘይኽእል(40(8)

ደንጊጉ’ዩ። እዚ ከምዚ እናሃለወ፤

(1)ኢህኣዴግ/መንግስቲ መሬትን ኩሎም

ተፈጥሮኣዊ ሃብትታትን ብ’ሞኖፖል’ዝወነነ

ብምኻኑ፤ (2)ኢህኣዴግ/መንግስቲ ኣብ 20

ዓመት ዘበነ ስልጣኑ፤ ምምሕዳር መሬት

ዓይነ - መርፍኡ ዝጠፍኦ ምኻኑን (3)ክራይ

ገፋጢነት ብፍላይ ኣብ መሬት ዓሚቕን

ሰፊሕን ምኻኑ ጥራሕ ዘይኾነ፤ ገዛኢ ፓርቲ

ክራይ ገፋጢነት ኣብ መሬት መሪሕ ቦታ

ብብርሃኑ በርሀ

ጉዳይ መሬት

ምምሕዳር መሬት፣

ግዕዝይናን ክራይ ኣካብነትን

ሒዙ ይኸይድ ምህላዉን ብዙሕ

ዝተብሃለሉ ኾይኑ፤ እዚ ኣብ ክልልና

ብኸመይ ከምዝግለፅ ንርአ።

መራሕቲ ህወሓት “መሬት ናይ

መንግስቲ እዩ!” ብምባል ክሳብ ንሓረስታይ

ብዘይ ምንም ካሕሳ ካብ ትሕዝቶ መሬት

ምፍንቃል ይኸዱ። ንኻድረታቶም በዚ

ብምስልጣን ብዘይ ካሕሳ ምምንጣል መሬት

ኣብ ኩሉ ብስፍሓት ክስረሓሉ ገይሮም’ዮም።

በዚ ኢደ ወገናዊ ተግባሮም ብዘይ ምንም

ካሕሳ ዝተፈናቐለ ሓረስታይ ኣብ ኩሉ ከባቢ

ትግራይ ቡዙሕ’ዩ። ኢደ ወገናዊ ተግባር

መራሕቲ ህወሓት መግለፂ መሬት “ንረብሓ

ህዝቢ” ብዝብል ካብ ሰብ ትሕዝቶ መሬት

ገጠርን ከተማን ምምንጣል ዝብል፤ ዋላ ንሓደ

ሃብታም/ኢንቨስተር መሬት ንምሃብ

ንሓረስቶት ብስፍሓት ምፍንቓል ይረአ። እዚ

ክሳብ ዉልቀ ቤት ትምህርቲ ንምስራሕ

ዜጋታት ካብ ትሕዝቶኦም ክፈናቐሉ ምግባር

ተርእዮ ዘወትር’ዩ። ኣብነት፡ - ቤት ትምህርቲ

ማጂክ ካርፔት፤ ወረዳ እንደርታ ማይ ፀዶን

ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረን ቀዳሞት ተጠቀስቲ

‘ዮም።

ገፊሕገረብን

ገረብ ቡቡን

ቡቡ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ መስፍን

ኢንጅነሪንግ ንምብራቕ ኣብ እግሪ እንዳየሱስ

ፉሉይ ቦታ ጮምዓ ዝርከብ እንትኾን፤ ገፊሕ

ገረብ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ጣብያ

ሃወልቲ ንምፅዳቕ ገፅ ዝርከብ’ዩ። ክልቲኡ

ቦታ ብ “ውራ መሬት” ዝለዓል’ዩ። ቡቡ፣

ህዝቢ ንሰበ ስልጣን “ስልጣኖም ተጠቒሞም

ቦታ ዝወረሩሉ” ኢሉ፤ ዝኸሰሉ እንትኾን፤

ገፊሕ ገረብ ድማ ሰበ ስልጣን ንህዝቢ “ዉልቀ

ዜጋታት ውራ መሬት ፈፂሞም” ኢሉ ዝኸሰሉ

እዩ። እዚኦም ኽልተ ዝተፈላለዩ

ሰበስልጣናትን ተራ ዜጋታትን ዝካሰሱሎም

ቦታታት ብኸመይ ተፈቲሖምን ይፍትሑ

ኣለዉን?

ኣፈታትሖኦም ሕግን ስርዓትን

ብዝተኸተሉ ጠንቂ ናይ’ቲ ፀገም ኣብ ምንፃር

መሰረት ዝገበረ፤ ናይ ዜጋታት ኣብ ቕድሚ

ሕጊ ማዕርነትን ምርካብ ማዕረ ከለላ ሕጊን

መሰረት ዝገበረ ምኻኑን ዘይምኻኑን መሰረት

ብምግባር ኣብ ዋና ከተማ መቐለን ከባቢኣን

ዘሎ ሱር ዝሰደደ ፀገም ምምሕዳር መሬት

ብመሰረት ክራይ ገፋጢነት ትንምርምሮ

ዝስዕብ ይመስል።

ጉዳይ ጮምዓ

ከባቢ ጮምዓ/ቡቡሂልስ እናተብሃለ ኣብ

ዝፍለጥ ናይ ደኒ ቦታ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን

ህወሓትን ክልል መንግስትን ምስ ፍሉጣት

ሃብታማትን ኮንትራክተራትን ብሓባር

ኾይኖም መንበሪ ቦታ ተዋሂቡዎም፤ “ድኻ

ዘወር ዘይብለሉ መንደር ኣፓርታይድ

ተመስሪቱ” ተባሂሉ ድፍን መቐለ ኣዋዓዊዑ።

ማእኸላይ ኣመራርሓ ዝተብሃሉ ካድረታት

ህወሓት ብላዕለዎት መራሕቲ ዝንባለ ክራይ

ኣካቢነት ኣለኩም ወዘተ እናተብሃሉ

እንትግምገሙ “በይነይ ድየ! ክራይ ኣካቢ

ዝበሃል!?” እናበሉ ‘ቲ ገምጋም ናብ ማእኸላይ

ኮሚቴ ህወሓት እናገምጠሉ መከላኸሊ ዕርዲ

እናገበሩ ክጥቀምሉ ተራእዮም እዮም። እዚ

ኣጀንዳ ህዝቢ ዝኾነ ጉዳይ ግን መዕለቢኡ

እንታይ ኾነ? ንነገር ነገር የልዕሎ ኾይኑ

ነበርቲ ገፊሕ ገረብ መንበሪኦም ክሳብ 17

ሚያዝያ 2003ዓ/ም ከፍርሱ ተኣዚዞም።

“ኢዶእ! ኣብ ድሮ ኣዉደኣመት? ገንዘብና

ዘፍሰስናሉ፣ መረበትና፣ መሬትና!” ኢሎም

ሰልፊ ወፂኦም። መንግስቲ ብኮማንዶ ዓሪዱ

እቲ ሰልፊ ናብ ከተማ ከይኣቱ ብምኽልኻሉ

መነጋገሪ ዛዕባ ኾይኑ እነሆ ነገር ቡቡ

ነቕኒቑ፤ ኣብዚ ጉዳይ ዝፈልጦን ዝኽእሎን

ክፅሕፍ ገይሩኒ።

ብ1997ዓ/ም፣ ቤት ፅሕፈት

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ከባቢ ጮምዓ

ብሽም ኔቨርሁድ ማሕበር ተወዲቦም መንበሪ

ገዛ ንክሰርሑ ዝተዓደሉ ከምዘለዉን

ጥሕሎ ነሓሰ 2003 13
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 15

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ኣተዓዳድለኦምን ‘ቲ መሬት ዘለዎ ችግርን

ንኸፃርዩን ኮሚቴ ‘ማናጅመንት’ ቤት ማዘጋጃ

ከተማ መቐለ፤ ዘለዎ ኣረዳድኣ ክግምግም

መደብ ንቤት ማዘጋጃ ከተማ መቐለ ሃበ። በቲ

እዋን ምክትል መካየዲ ስራሕ ቤት ማዘጋጃ

ዝነበሩ፤ ኣይተ በርሀ ገ/ሂወት ብ6-7-98ቁፅሪ

10593/19117 ብዝኾነ ደብዳቤ በዓል 3 ገፅ

ሪፖርት ኣቅረቡ። እዚ ደብዳቤ ኣብ ቤት

መዝገብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር መቐለ

ኣታዊ ኾይኑ ናብ ከንቲባ ምስ ቀረበ ኣብ ቤት

መዝገብ ኣታዊ ምኻኑ ዘመልክት መረዳእታ

ብፍሉድ ክጠፍእ ተገበረ። (እቲ ሰነድ ባዕሉ

ኣብ ቤት ማዘጋጃ ከተማ መቐለን ምምሕዳር

ነበርቲ ገፊሕ ገረብ

ከተማ መቐለን ዝርከብ እዮ።)

ካብዚ ሪፖርት እዚ ምርዳእ

ዝከኣል፡ -

እቲ ዝተዓደለ መሬት

መንበሪ ቦታ ዝስራሓሉ ተባሂሉ

ብማስተር ፕላን ዘይተነፀረ

ጥራሕ ዘይኾነ፤ ኻልኦት ሰባት

ሓቲቶም ኣብኡ ምንም ነገር

ኣይስራሕን ተባሂሎም

ዝተኸልኸሉ ምኻኖም፤

በዓል መዚ ሓለዋ

ከባቢን ኣጠቓቕማ መሬትን ክልል ትግራይ

‘ቲ ቦታ ንመንበሪ ተተዓዲሉ ዘለዎ ጉድኣት

ብዝርዝር ብምግላፅ፤ እንተተዘይተዓዲሉ

ከምዘለዎ ብእፅዋት ዝተሸፈነ ኾይኑ

ተተዓቂቡ ንጠቕላላ ከተማ መቐለ ዘለዎ

ጥቕምን ዛጊድ ዘምፀኦ ጥቕምን ብምዝርዛር

ዝተጀመረ ህንፀት ኣባይቲ ተቓውሞ

ዝቐረበሉ ምኻኑ፤

እቶም ተዓደልቲ መጀመርያ 20

ኾይኖም ዳሕራይ ናብ 48 ዝበፅሑን፤

ዝመስረትዎ ማሕበር እንተይሃለወ ብማሕበር

ከምዝሓተቱን፣ ዝተኣናገዱን፤

ዉድድር ሊዝ እንተይገበሩ

መረጋገፂ ደብዳበ ተፃዋታይነት ቦታ ሊዝ

ከምዝተዉሃቡ፤

ብማሕበር ገዛ ምስራሕ እንተይሃለወ

ናይ’ቲ ማሕበር ኣቦ ወንበር ዝተብሃሉ ኣይተ

ገ/ሂወት ገ/እግዚኣብሄር ወኪሉና ዝበሉ

(ካብቶም ኣባላት ማሕበር ተባሂሎም

ዝተዘርዘሩ) 50 ኣባላት፤ እቶም 22

እንትፍርሙ 28 ኣይፈረሙን። (ፈለጥቲ

ዉሽጢ ከምዝብልዎ እቶም ዝፈረሙ 22 ካብ

ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህወሓትን ክልል

መንግስትን እንትኾኑ እቶም ዝተረፉ ዓበይቲ

ነጋዶ፣ ኮንትራክተራትን ኢንቨስተራትን ከም

ዝኾኑ እዩ።)

እቶም ማሕበር ተይኾኑ ማሕበር

ዝተብሃሉ ከይሰርሑ “ጠጠዉ ኣብሉ!”

ተባሂሎም ተኣዚዞም እንዳሃለዉ ብኢደ

ወነኖም ምስራሕ ከምዝቐፀሉ፤

ብኣይተ ተኽላይ ተስፋይ ዋና

መካየዲ ስራሕ ዝተመርሐ ዕለት 16-05-97

ዝተኻየደ ናይ ማናጅመንት ኣኼባ ኣብ ቡቡ

ሂልስ ብማሕበር ዝተወደቡ 20 ሰባት

ንክወሃቡ ሓቲቶም ማናጅመንት ኮሚቴ ቤት

ፎቶ ብጥሕሎ

ኣብ ገፊሕ ገረብ ዘሎ ሓዙኒ ስደዱኒ ኣብ ቡቡ

እንታይ ኣጉተሞ? እዩ‘ቲ ጉዳይ። ኣብ ገፊሕ ገረብ

ዝተስሓለ ቡቡ እንታይ ኾይኑ ጎተመ? ንድኻ እናፈለየ

ዝሓንቕ ንሃፍታምን ሰበስልጣንን ከይርኢ ዝሓፍር ሕጊ

ሕቖ ሕገ መንግስቲ ዝጎዝዝን ጠንቂ ምንዕዓብን

ምጉናፅን ካብ ምኻን ዓዲ ኣይዉዕልን።

ማዘጋጃ ከም ዝወሰነ ኣረጋጊፆም። ኾይኑ ግና

መምርሒ ሓላፊ ዝነበሩ ውሳነ ማናጅመንት

ስዒሮም፤ ካብቲ ዝተፈቐደ ቑፅሪ ንልዕሊ 40

ሰባት ክዕደሉ ገይሮም። ብምባል እቶም

መምርሒ ሓላፊ ንኻልኣይ ዲግሪ ኣብ ወፃኢ

ስለዝነበሩ ምስተመለሱ ክሕተቱ፤ ተባሂሉ

ብቃለ ጉባኤ ተወሰነ። (ፈለጥቲ ዉሽጢ

ከምዝብልዎ እቶም መምርሒ ሓላፊ ኣይተ

ይግዛዉ ኣማረ’ዮም። ምስተመለሱ

ዝተፀበዮም ግን ዝተመቻቸወ ሹመት‘ዩ

ነይሩ። ዋና ስራሕ መካየዲ ኤጀንሲ ልምዓት

ኣባይቲ ክልል ትግራይ።)

ልዕል ክብል ዝተገለፀ መረዳእታ፣ ስራሕ

ፈፀምቲ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን

ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይን መንበሪ ቦታ

ከይስርሖ ኣብ ዝተኸልኸለ፤ ዳርጋ ብጥርሑ

(ብብር1.32 ሳንቲም) 500 ሜትር ካሬ

ንነብሲ ወከፍ በዓል ስልጣንን ፍሉጣት

ሃፋትምን ምውሳዶም፤ ቤት ማዘጋጃ ድማ

ኩቱእ ቀራንዩ ወንዚፉ መፈፀሚ ኾይኑ

ምርካቡ ውራ መሬት ምኻኑ ግልፂ እዩ።

‘ዚተግባር ብፖለቲካን ሕግን

እንታይ ተብሃለ?

ጉዳይ ቡቡ ዓብይ ክስረት ፖለቲካ

ኣስዒቡ፤ ንህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነ ንኣባላት

ህወሓት ‘ዉን ኣሕዘነ። እቲ ጉዳይ ንዉሽጠ

ህወሓት ዝንቕንቕ ኾይኑ ስለ ዝተረኸበ ዝኾነ

መዐገሲ ምምሃዝ የግዲ ዘብል ኾነ። ማእኸላይ

ኮሚቴ ህወሓት ጉዳይ ቡቡ ገምጊሙ ሪፖርት

ዝሓዘ ሰነድ፤ ዳሕራይ ከም ቅርሺ ተቖፂሩ

ዝምለስ ተባዚሑ ናብበየ ኣባላቱ ተዘርገሐ።

ናይ’ቲ ገምጋም ሓፂር ትሕዝቶ፤ ኣመራርሓ

ህወሓት ኾይኖም ኣብ ቡቡ መሬት ዝተዓደሉ

ብሕጊ ሙስና ከምዘይኾነ ግን ህዝቢ

ኣብዘይፈተዎ ብዓይኒ ህዝቢ ብጥርጣረ ኣብ

ዝወደቐ ተግባር ክኣትዉ ከምዘይነበሮም፤

ቪላ ገረብ ቡቡ/ጮምዓ

ዝንባለ ሙስና ምህላው

ዘመላኽት እምበር ሙስና

ተፈፂሙ ክበሃል

ከምዘይከኣል ደምደመ።

እስኪ ‘ዞም ልዕል

ክብል ካብ 1-7

ዝተመልከቱ መርትዖታት

መሰረት ገይርና ትንሪኦ

ሙስና(ክራይ ኣካብነት)

ከይበሃል እንታይ

ይጎድሎ? ስልጣን

መንግስቲ ብምጥቃም፣

መሬት ህዝቢ ብፕላን ከተማ ህንፃ ክስራሕ

ዘይተፈቐደ፤ ካልኦት ሓቲቶም ዝተኸልከሉ

ንሓለዋ ኸባቢ ከተማ እንትበሃል ንዝምልከቶ

ኣካል ንህንፃ መስርሒ ከይዕደል ዝተብሃለ

ጥሒስኻ ብዉዳቕ ዋጋ 500ካሬ ንባዕልኻ

ምዉሳድን ኻልኦት ’ዉን ብተመሳሳሊ

ክወስዱ ምግባር ወደል ክራይ ገፋጢነት፣

ወደል ውራ መሬት፣ ወደል ሙስና እንታይ

ኾይኑ ዘይምጥኖ? ንኢፌዴሪ ገበን ሕጊ

ዓንቀፅ 407 ሙሉእ ብሙሉእ ይገጥም።

ኣብዚ ጉዳይ ናይ’ዚ ፅሑፍ

መቕረቢ ዋኒን ኣብ ቡቡ ዝተተናኸፉ ሰባት

ንምቅላዕ ዝዓለመ እንተይኾነ፤ ሕጊ ኣብ

ተመሳሳሊ ጉዳይ ብተመሳሳሊ መንገዲ

እንድሕር ዘይተፈፂሙ ወይ ፍፃመ ሕጊ(enforcement

of low) ብሌላን ጉሌላን

ዝፍፀም እንተኾይኑ፤ ገበን ካብ ምዕጋስ ገበን

ክጋደድ ስለ ዝገብር ከለላ ሕግን ማዕርነት ኣብ

ቕድሚ ሕግን፤ ተሓታታይነት ንዜጋታት

ኣብ መትከል ልዕልና ሕጊ ክፍፀም ዝግባእ

ምኻኑን፤ ሞት ሃፍታም ኣይብል ድኻ፤ በዓል

ስልጣን ኣይብል ተራ ሰብ ንኹሉ ብማዕረ

ከም ዝበፅሕ ኩሉ፤ ልዕልና ሕጊ ድማ

ብተመሳሳሊ ብዘይ ሌላን ጉሌላን ንኹሉ

ዝሓትት ሓይሊ ምኻን ከርሲ ኣምር ልዕልና

ሕጊ ‘ዩ።

14
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 16

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ኣብ ገፊሕ ገረብ ዘሎ ሓዙኒ ስደዱኒ ኣብ ቡቡ

እንታይ ኣጉተሞ? እዩ‘ቲ ጉዳይ። ኣብ ገፊሕ ገረብ

ዝተስሓለ ቡቡ እንታይ ኾይኑ ጎተመ? ንድኻ እናፈለየ

ዝሓንቕ ንሃፍታምን ሰበስልጣንን ከይርኢ ዝሓፍር ሕጊ

ሕቖ ሕገ መንግስቲ ዝጎዝዝን ጠንቂ ምንዕዓብን ምጉናፅን

ካብ ምኻን ዓዲ ኣይዉዕልን። ሃርበኛታት ቡቡ

“ልምዓታዊ” ኾይኖም እንትሽለሙ ኩነታት ቡቡ

ዘርዚሮም ሪፖርት ናብ ከንቲባ ዘቕረቡ (ምክልትል ስራሕ

መካየዲ ቤት ማዘጋጃ ዝነበሩ ኣይተ በርሀ ገ/ሂወት) ግዳይ

ብቀላ ኾይኖም። ካብ ስርሖም ክባረሩ ተገይሩ መወዳእታ

ከምቶም ካልኦት ብበዝሒ ናብ ማእኸል ሃገር ዝፈልሱ

ዘለዉ ተጋሩ ሰብ ሞያ ምስ ኻልኣይ ዲግሮም ክኸዱ

ተገደዱ።

ጉዳይ ገፊሕ ገረብ

ኣብ ገፊሕ ገረብ ዘዋጥጥ ዘሎን መንግስቲ “ሕገ

ወጥ መንበሪ ኣባይቲ”፣ “ውራ መሬት”፣ “ክራይ ኣካቢነት”

—-ወዘተ ብምባል ብኣልማሚታ ከፍርስ እንትስድር፤ ገዛና

ክፈርስ የብሉን ብምባል ብሰላማዊ መንገዲ ታቦት

ከይተረፈ ሒዞም “መንግስቲ ተገፈዐልና!?” ኢሎም

ኣደባባይ እንትወፁ ብፁዑቕ ሓይሊ ኮማንዶ(ፈጥኖ ደራሽ)

ከምዝተዓገቱን ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባር ንመንግስቲ ሕቶ

ከምዘቕርቡ ተሰሚዑ’ዩ።

ኣብ ገፊሕ ገረብ ዘሎ ፀገም፣ መርኣያ ፀገም ምምሕዳር

መሬት ንመቐለ ዝኸበባ ገጠራት እንደርታን መቐለን ‘ዩ። ንመቐለ

ዝኸበባ ገጠራት እንደርታ በቢዓመቱ ናብ ከተማ ‘የን ዝኣትዋ። ካብ

ሂወት ገጠር ናብ ሂወት ከተማ ምኻኑ’ዩ። እዚ ባዕሉ ገጠረታይ

ከተማታይ መሲሉ ናብርኡ ከይተበላሸወ ደቁ ብንዉር ኣዕቢዩን

ኣምሂሩን ናብ ቁም ነገር ከብፅሕ ብመንግስቲ ናይ ስልጠናን ኻልኦት

ድጋፋትን ተደልዩ። ምክታም ናብ ጎደና ድኽነት ምእታዉ እንተይኾነ

ናብ ዝተመሓየሸ ናብራ ምግስጋስ ክኾን ዝኽእል ስራሕ Socialization[ምምጥጣን]

ካብ መንግስቲ ተግባራዊ እንትኸውን’ዩ። መንግስቲ

ግን በተፃራሪ ‘ዩ ዝኸድ ዘሎ። ካሊእ ተሪፉ ንመተክኢ ትሕዝቶ

ሓረስታይ ኾይኑ ዝፀንሐ፤ እናቐነሰ ብዝገርም 140 ካሬ ሂቡ ‘ዩ። ኩሉ

መሬቶም ወሲዱ ብሊዝ ንሃፍታም ዝወሃብን ስልጣን መንግስቲ

ተጠቒሞም ዉልቀ ሰባት ክህፍትሙሉ ዝገብር ኣካይዳ ይኽተል ኣሎ።

መሬቱ ናብ ከተማ ዝኣቱ ሓረስታይ ባዕሉ ‘ዉን ይክትም

ስለዘሎን ቐፃሊ ዕድሉ ካብ ማሕረስ ምዉፅኡ ስለ ዝኾነ ተገዲዱ ክንዲ

ናይ ‘ታ ቡቡ 500ካሬ ተተዉሃበቶ ፍትሓዊነት፣ እግሪ ምትካል፣ ኣብ

ከተማ ናይ ጎጆ ኢንዱስትሪ/ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካል ብምጥያሽ

ንልምዓት ተወሳኺ ሓይሊ ይፈጥር እንበር ዘስዕቦ ጉድኣት የብሉን።

ኸባቢ መቐለ ዘሎ ሓረስታይ ወረዳ እንደርታ ካሕሳ ኢ-ፍትሓዊነት

እንትሓትት ብዘይካ ‘ቲ በቢዓመቱ እናተቖርመመት ትዉዳእ ዘላ

ግራቱን ኻሊእ መሬተይ ዝብለሉ ዓዲን ንኣቅመ ኣዳም ዝበፅሑ ደቁ

ግቡእ መሬት ክወሃቦም እንትሓትትን

ኻልኦት ናይ መሰል ሕቶ እንተልዕልን

ከም ፀላኢ ተቖፂሩ እንታይ ይሓስብ?

እንታይ ይብል? እናተብሃለ ብደቂቕ

እናተፀንዐን፤ ኣተሓባቢሮም ዝበሃሉ

እናተሃደኑ መከርኡ ክርኢ ስለዝግበር፤

ተኣኪቡ ተጠርዐ ድማ “ሕገ ወጥ ሰልፊ

ተለዓዕሉ ኣለኹም!” እናተብሃለ ዕለታዊ

ሂወቱ ኣብ ዓፈና ከምዝኣተወት፤

መሬቱ በቢግዚኡ ብሕሳር ግምት

እናተመንጠለ ኣብ ኣፍ ደገ ዋና ከተማ

እናነበረ ደቁ ግን ናብ ሕሳር ስራሕ

ይወድቑ ምህላዎም ክፈልጥ ንዝደለየ

በየኣንጎሉኡ ዝርከብ ሓቂ’ዩ።

እዚ ህዝቢ ዘላቶ መማረፂ

ዝረኸባ ‘መተኪያ’ መሬተይ ዝበላ ወይ

ገሊኦም ተሓራሲ መሬቶም ‘መተኪያ’

እናበሉ ወይ ኣብኡ ገዛ ሰሪሖም እታ ገዛ

‘ዉን ብምሻጥ ነኻሎም ምሕታም፤ ናይ

“ፍትሓዊ” ልቓሕ፣ መዳበርያ . .

.ወዘተ ዝበሃሉ ዕደኦም ምሽፋን’ዩ። እቲ

ሓረስታይ መተካእታ መሬቱ ናብ

ምሻጥ ዝደፍኦ ዘሎ ጉዳይ ተኳሕኲሑ

ዘይሰምዕ ማዕፆ ምምሕዳር ክልል

ትግራይን ቤት ማዛጋጃ ከተማ

መቐለን’ዩ።

እቶም ዓዲግኹም[መሬት]

ተባሂሎም ሕጊ ጥሒስኹም ዝበሃሉ

ዘለዉን ንብረቶም ክዓኑ ዝተገበረ ብናይ ፈጥኖ ደራሽ

ተጎርማጅ፣ መርዛም ትኪ ወዘተ ተዓፊኖም ንማእሰርትን

ስቃይን ዝተዳረጉ ድማ፤ ቦታ ብሊዝ ከይገዝኡ ዓቕሚ

ዘይብሎም፣ መሬት ተዓዲሎም ከይረኸቡ በሩ

ስለዝተዓፀዎም፤ ተኻርዮም ከይነብሩ ምኽባር ናብራ ከም

ድንጎላ ዝኸበዶም ዜጋታት ‘ዮም። ዝተፈላለዩ

መረዳእታታት ከምዝሕብርዎ እቶም ገዝኦም ዝፈረሶም(4

ሺሕ ገዛዉቲ) ናይ ምዕዳግ ዉዕሎም ገሊኦም ኣብ

ማሕበራዊ ቤት ፍርዲ ገሊኦም ኣብ መሬት ምምሕዳር

ጣብያ ኣቕሪቦም ዝፀደቐሎም እዮም። ከምዚ ዓይነት ናይ

ቖዋሚ ንብረት ዉዕሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ወይ ዉዕሊ

ክወዓዓል ስልጣን ኣብ ዝተዉሃቦ ኣካል ክፀድቕ ከምዝግባእ

ፍ/ብ/ሕ/ቁ 1723 ደንጊጉ እዩ። ማሕበራዊ ቤት ፍርዲ

‘ውን ብመሰረት መቖሚ ኣዋጅ ኣብያተ ፍርዲ ብሄራዊ

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ታሕተዋይ ብርኪ ቤት ፍርዲ

ስለ ዝኾነ ሕጊ ብዝፈቐዶ ተፈፂሙ ኣሎ ማለት’ዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ቤት ፍርዲ ኾነ ኣብ ጣብያ

ምምሕዳር መሬት ጣብያ ምምሕዳር ቐሪቡ ከምዝፀደቐ

ተገይሩ ማህተም ዝወደቖም ዉዕላት፤ ብናይ መንግስቲ

ኣካላት ዝተፈፀሙ ስለዝኾነን እቶም መፅደቕቲ

ሓላፍነቶም ተጠቒሞም ኣብ ናይ መንግስቲ ስርሖም

ኮይኖም ብናይ መንግስቲ ማህተም ተጠቒሞም ዝፈፀምዎ ስለዝኾነ

በቲ በለ በቲ ዉዕሊ መሸጣ ቦታን ገዛን ዝብል ተፈፂሙ’ዩ። ሕጊ ፈፃሚ

ኣካል እዚ ዉዕሊ ሕጋዊ ኣይኮነን እናበሉ ነቲ ናይ ዉዕሊ ሰነድ ደርቢዩ

ሕጋዊ ዉዕሊ ኣይኮነን ኢሉ ብመሰረት እቲ ዉዕሊ ዝተሰርሐ ገዛዉቲ

ብምፍራሱ ካብ ሕጊ ፈፃሚነት ናብ ሕጊ ተርጓሚነት ብምስግጋር

ስልጣን ዳኝነት ምምንጣሉ ስለ ዝኾነ መትከል ክፍፍል ስልጣን

ብምቕዳድ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ረጊፁ ህይወት ዜጋታት ኣብ

ስግኣት ክወድቕን ኣብ ሕግን ሕጋዊነት ተስፋ ዘቑርፅ ተግባር

ከምዝፈፀመ ዘቑፅሮ እዩ።

እቲ ዝተፈፀመ፣ ጥፍኣት’ዩ ተተባሂሉ፤ ብፍ/ብ/ሕ/ቑ

2126(2) መንግስቲ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ክኽሕስ ሓላፍነት ኣለዎ

‘ዩ። ብምምሕዳራዊ መዳይ እንትረአ ድማ ኣብ 4000 ገዛዉቲ ብዙሕ

ስድራ ሰፊሩ ንኡሽተይ ከተማ ተመስሪታ፣ ቤተ ክርስትያን ተሰሪሑ፣

እድራት ተጣይሸን እዚ ኹሉ እንትግበር ከፍ ኢሉ ዝርኢ ምምሕዳር

ከተማ መቐለን ክልል ምምሕዳርን ጥፍኣት የብለይን ኢሉ ኣሉ ቐጠነ

ክብል መተዓዛዘቢ’ዩ። ከተማ ምምሕዳርን እንደርታ ወረዳን ብዉሑድ

ናብ 16,000 ዝፅጋዕ ነበሪ ዘፅለሉ መንደር ክስራሕ እናራኣየ ሱቕ

ማለቱ ከምዝፈቐደ ዘቕፁሮ ብምኻኑ።

/ኣይተ ብርሃኑ በርሀ ነበር ም/ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ዝነበሩ እንትኾኑ፤

ጠበቃወኣማካሪ ሕጊን ም/ፕሬዝዳንት ዓረና ትግራይን ‘ዮም። ኣብዚ

ሀዚ እዋን ድማ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ይርከቡ/

15
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 17

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

What is Rock?

ኩልጊዘ ንጎሆ በኺቱ

ዘሓደረ ነብሰይ ብሮክ ምንቅቃሕ - ውነይ።

ሓደ እዋን፣ ዜማ ሮቢ ዊልያምስ ከፊተ ከም

ጥጥቖ ፆም-ኣርባዓ ገዛ ዓፅየ እንትድንስ እነ-

ምበይተይ ካብ ቤተ ክርስትያን ተመሊሳ

ኣርከበትኒ፡፡ ዜማኡ ሰሚዓ ክሽዕንዋ

ኣይከኣለ፤ ዳንሰይ ’ውን፣ ምስ ቆሎ ሒዝዋ

እትፈራፈር ጎርዞ ስለዝተመሳሰላ ይመስለኒ፣

ውቃበኣ ተፈታተና ‘ሞ “ምሕረት ኣውርድ

በዓል ኣምበላይ ፈረስ” እናበለት ካብ ዝሓዘቶ

ማይ ድጋም ነፂጋ ካብ’ቲ ዝነበርኩሉ ገነት

ጎቲታ ዘውፀአትኒ ኣጋጣሚ ኣይርስዖን። ስለዚ

ብዛዕባ ሮክ ሓደ ክልተ እንትብለኩም፣

መዘከርታ ይኹነለይ እናበልኩ’የ፣ ንበዓልቲ

ኣምበላይ ፈረስ።

ሙዚቃ

ሮክ

ብኤልሳ ኣብርሃ(ኣዲስ ኣበባ)

መቸም ኮሎምበስ ንኣሜሪካ

ምስረኸባ፣ ንሳ ባዕላ ዝረኸበቶም ጥበባት

ቆፂርካ ካብ ምውዳእ ዕለታት ዕድመኻ

ምቑፃር ዝቐለለ ይመስለኒ፡፡ መበቆል ሮክ’ውን

ኣብዚ’ዩ ኢላቶም፡፡ ብ1940ታት ’ዩ ቅኒት

ሮክ ንፈለማ ዝተሰምዐት፡፡ ኣለን ፍሬድ

ዝተብሃለ ፈላማይ ዘያሚ፣ ከማየይ ሓፍቱ በቲ

ሽዑ ጊዜ ዝነበሩ ዜማታት ሃገረሰብኛን

ክላሲካልን ውቃብኡ ምርዋይ እንትኣብዮ

ክርታት ጊታሩ ብሓይሊ ብምድሳቕ በቲ ሽዑ

“ሮክ ኤንድ ሮል” ዝተብሃለ ዜማ ናብ

ምፍጣር ዝኣተወ - ዝመስለኒ፡፡ ቀዳመይቲ

ዜምኡ ግና “ሮክ ኤንድ ሮል” ኢሉ ሰዩምዋ፡፡

ቢል ሄለይስ፣ ኤዲ ፍሸር፣ ፔሪ ኮምን ፓፊ

ፔግን ኣሰር ኣለን ፍሬድ እንትረትዖም፤

ንሳቶም ‘ውን ዕዳጋ ኣሜሪካ ካብ ‘ስለው’ ናብ

‘ሮክ’ ገልበጡ። 1955፣ “Rock Island

Line” ብእንግሊዛዊ ሎኒ ዶነጋን ተኸሺና፣

ኣብ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ቃና-ሮክ ዘባፀሐት

ፈላመይቲ ዜማ ኾይና፣ ሮክ ካብ

ኣሜሪካዊያን ብእንግሊዛዊያን ዝተወረሰትሉ

እዋን ነይሩ ይብሉ - ፈላጣት ታሪኽ ሮክ፡፡

“ወራር-

እንግሊዝ”

ዘመነ ክፍተት’ዶ ዘመነ-

ዕብየት?

ኣሜሪካዊያን ነዚ ግዘ “ወራር-

እንግሊዝ” ኢሎም ብምስያም ክፍተት

ዝተፈጠረሉ ዘመን ኢሎም ይጠቅስዎ፡፡ ገለ

ፀሓፍቲ ድማ(ምናልባሽ’ውን እንግሊዛዊያን)

ኣብ’ዚ እዋን ዝተፈጠሩ ጠቐምቲ ፈጠራታት

ተዘይምንጭዉ ነይሮም፤ ሮክ ሐዚ ሒዝዎ

ዘሎ ቅርፂ ኣይመሓዘን ብምባል ዘመኑ -

“ዘመነ ስጉምቲ” ገይሮም ይገልፅዎ፡፡ ክልቲኡ

ዘበን እንትነፃፀር ድማ ክልተ ዓበይቲ ነገራት

ንረክብ፡፡ ‘ቲ ሕሉፍ እዋን ንደቂ ተባዕትዮን

ፀዓዱን ልዋም ግዘ እንትነብር ‘ዚ “ዘመነ

ወራር” ድማ ንደቂኣንስትዮን ፀለምትን

ቀዳዊኦም ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ኣብ’ዚ ዘበን

ሓደሽቲ ጉጅለታት ወይዘራዝር ዓንበባ፡፡

16
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 18

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ከምኒ “ዘ-ቻንተልስ”፣ “ዘ-

ሺረልስ”፣ “ዘ-ክሪስታልስ”፡፡ እዘን

ጉጅለ ምጥጃወን ጥራሕ ኣይኮነን

ፍርያተን እንትረአ ካብ’ቲ

ዝሓለፈ እዋን ብብስለቶምን

ብሕብረ-ቀለማቶምን ዝመዓዙ

ዜማታት ኣበርኪተን ’የን፡፡ “Will

you love me tomorrow”

ኣብ’ዚ እዋን ካብ ዝነበሩ ፍቱዋት

ዜማታት ሮክ ወንበር ክብሪ

ይወሃቦ፡፡ ሶል ምስ ሮክ

ብምድቓል ኣብ ልዕሊ ዝተረኸበ

እዝኒ፣ ሪትምን ብሉዝን

ኢሉ’ውን ጎስፔል ከም ቅመም

ፈይፈይ ስለዝበሉ - ሮክ መዓዝኡ

ካብ ርሑቕ ዝማርኽ፣ ቀሪብካ

እንትትሰምዖ ዘጥሕል ኮይኑ

ተረኽበ፡፡

“ስንዳዮ ገ/ኪሮስ ሕንኒይ ጋማኣ

ኣነማ እፈትዋ’የ፣ ንሳለ ውናኣ”

ዝዓይነቱ፡፡

ምስጋና ንራይ

ቻርለስን ሳም ኩክን

ይብፃሓዮም፤ ኣብ መዛዘሚ

ዓመት 1962 ሮክ-እንግሊዝ ‘ዘ-

ቢት’ ዝተብሃሉ ጉጅለታት

ፈልፈለት፡፡ ‘ዘ-ባትልስ’፣ ‘ፔስ-

ሜከር’ ዝኣመሰላ ካብ ሊቨርፑል፡፡

‘ዘ-ሆሊሰን’ ካብ ማንቸስተር

ከምኡ’ውን ‘ዘ-ኣኒማልስ’፣ ‘ዘ-

ሮሊንግስቶንስ” ን “ዘ-

ያርድቢርድንስ” ካብ ሎንዶን፡፡

ብመሪሕነት ‘ዘ-ባትልስ’፤

እንግሊዛዊ መሳርሒ ሙዚቃን

ብርቱዕ ህርመትን ከምኡ’ውን

ብኣሜሪካዊ ቅርፂ (ሪትም ወ

ብሉዝ) ተዓጂቦም፤ ካብ ፆታዊ-

ርክብ ዘነቃቅሕ ክያዶ

ተቖጢቦም፤ እዞም ጉጅለታት

ብዜምኦም ቀልቢ እንግሊዛዊያን

ኣብ ቁፅፅሮም ገበሩ፡፡ ኣብ ገዝኦም

ዝቐንዖም ‘ዘ-ባትልስ’ ብ1994 “I

want to hold your hand”

(ፈላመይቲ ቁፅሪ ሓደ ዜማ ‘ሆት’

- 100 ቢልቦርድ) እናበሉ

ኣሜሪካ ዘለቑ፡፡ ንሸውዓተ

ሰሙናት ብመሪሕነት ብጠቕላላ

ን15 ሰሙናት ድማ ኣብ ሰደቓ

ቢልቦርድ ዝፀንሐ ዜማ’ዩ፡፡

ቀዳማዊ ምርኢት

መ ድ ረ ኾ ም ( “ E D S U L L N A N

SHOW”) 73 ሚሊዮን ህዝቢ

ዝተኻታተሎ፤ ኣብ ታሪኽ

ቴሌቭዥን ኣሜሪካ ሪከርድ

ዘመዝገበ ፕሮግራም ኾይኑ

ሓሊፉ፡፡ ነዚ’ዩ ኣሜሪካዊያን

“ወራር-እንግሊዝ” ኢሎም

ዝሰየምዎ ’ምበኣር፡፡ “ወራር

እንግሊዝ” ንቡዙሓት ቅዲታት

ሮክ ምፍጣር ዓብይ ግደ

ከምዘለዎ እንትዝረብ፤ እቲ

ቀፂልና እንረኽቦ ቅዲ ሮክ(ሳርፍ

ሮክ) ዝዳህመፀ ምዃኑ

እንተይዘንጋዕና ’ዩ፡፡

ሳርፍ-ሮክ

ሮካዊያን፣ ብጉጅለ

ኾይኖም ዘየማይ ኣብዘይብሉ

ብቕኒት ዝተዋደዱ ዜማታት

ጥራሕ ምስ ፍሉይ ተዋስኦ

መድረክ(ዳንስ) ዘርኢይዎ ’ውን

በለኒ - ብዛዕባ ሳርፍ ሮክ

እ ን ተ ን ብ ብ ፡ ፡

ኢንስቱሩመንታል(ካብ ክላሲካል

ብትሕዝቱኡ ይፍለ) ሮክን ሮልን

ኣቐዲሙ ዘረኸባ ዱን ኤደይ

ዝተብሃለ እንትኸውን

ተቐባቢሎም ዘባፅሕዋ ድማ

ጉጅለታት ሊንክ ዌይን ‘ዘ-

ቨንቸርሰን’ እዮም፡፡ ዳል ድማ

ድምፂ ‘ዊት’ ብምውሳኽ

ኣሰዲርዋ’ዩ - ሳርፍ፡፡ እዚ ጥራሕ

ኣይኮነን “ሙዚቃ ሂወቴ” ዝበለ

ዳል ‘ዲል-ቶነስ’ ዝተብሃለ ጉጅለ

ሳርፍ ሙዚክ ኣቅንዕ ንምባል

ኣይተቐደመን፡፡ “ቤል-ኣይረስ’፣

“ቻለንጀርስ”፣ “ዘቻንታይስ”ን

ሃዋርያት ጉጅለ ሳርፍ’ዮም፡፡ ኣብ

መንገድና ‘ዘቻንታይስ’ “Wipe

out” (1963) ዝተብሃለ ዜማ

ኣበርኪቱ በቲ ሽዑ እዋን ዝነበሩ

ኣድመፅቲ ሮክ “የዕብየለይ!”

ዝተብሃለ ጉጅለ ተይኮነ

ከምዘይተርፍ መዛግብቲ ሮክ

ይጥቁሙ፡፡ “ቢች-ቦይስ”(1961፣

ኣብ ሰሜን ካሊፎርኒያ

ዝተመስረተ ጉጅለ)፣ “ቮካል”

ሰንቂሮም ብምስረሖም

ውፅኢታዊ ዕዳጋ ምርካብ ጥራሕ

እንተይኮነስ፣ “ብሕታዊ

ኣሜሪካን ሮክ-ፖክ” ተሰይሞም፣

ንኻልኦቶም ዕዳጋ ገፅ

እንትኸልኦም ንሳቶም ግን ክሳብ

መፋርቕ 60ታት ተጓዒዞም፡፡

ኮይኑ ግና ንሳቶም’ውን

ኣየምለጡን። ከምቶም ካልኦት

ጉጅለታት መኺኖም ተሪፎም።

ኤህ! ዕድመኻ ይሕፀር ወራር

እንግሊዝ፤ እንተይበሉ ተሪፎም

‘ዶ ትብሉ?

17
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 19

ጋራጅ ሮክ

ብተለምዶ ኣብ ጋራጅ

ስድራኦም ልምምድ ብዝገብሩ

‘ኣማተር’ ተፃወቲ ሙዚቃ-ሮክ

ዝተውሃቦ ስያመ’ዩ፡፡ እዚ ካብ

ከተማ ከተማ ኣሜሪካ ዝተፈላለየ

ቅዲ ዝነበሮ ፃውቲ ኣብ ኣብያተ

ትምህርቲ ይዝውተር ነበረ፡፡

ካብ’ቲ ሽዑ ዝነበረ ማሕበረሰብ

ብምንፅብራቕ ባህሊ ኣዝዩ ዝፍለ

ዝነበረ ቅዲ እውን እዩ፡፡ “lying

girls” ሓደ ውፅኢት እዞም ጉጅለ

እንትኸውን፣ ‘ወራር እንግሊዝ’

ንቅዲ ጋራጅ’ውን ነጂስዎ ሓለፈ፡፡

ፖፕ-ሮክ

‘ ወ ራ ር - እ ን ግ ሊ ዝ ’

ንፖፕ’ዩ ቀዲውዎ፡፡ ኣብ መእተዊ

20 ክ/ዘመን ፖፕ ን‘ፖፑላር-

ሙዚክ’ ዝውክል መፀውዒ ነይሩ፡፡

ካብ መፋርቕ 1950ታት ግና

ንሉስሉስ ኣማራፂ ሮክን ሮልን

መናዕ መበሊ ኮነ - ፖፕ፡፡

ብኣሰራርሕኡ ኾነ ኣቕርቦቱ

ከምኡ ’ውን ተደላይነቱ ተወዳዳሪ

ዘይብሉ ዓይነት ሙዚቃ-ሮክ

ንምዃን በቕዐ፡፡ “ፖፕ-ሮክ”ን

“ፓወር-ፖፕ”ን ኣብ ዕዳጋ ዕውት

ንዝኾነ ሙዚቃ ዝውክል መፀውዒ

እንተኾነ ’ውን እቲ ሓቂ ግና ቅዲ

ፖፕን ሮክን ብድምፂ ኾነ

ብመሳርሒኡ ከምኡ ’ውን

ብግጥሙ ተመሳሳሊ’ዩ፡፡ ኢልተን

ጆን ሓደ ካብ ዘየምቲ ፖፕ-ሮክ

ምዃኑ ይፍለጥ፡፡

ፎልክ-ሮክ

ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ

ንምንቅስቓስ ፖለቲካ

ሰራሕተኛታት(Labor politics)

ዘዝይም ዓይነት

ሮክ ነይሩ፡፡ ውሕደት ፎልክን

ሮክን ንዕብየት ዓይነት ’ዚ

ሙዚቃ ዘበርከቶ ግደ እንተሃለወ

ብስለት’ዩ፡፡ ግጥምታት ሮክ

ዕምቆትን ብስለትን

ንኽህልዎምን ባእታ

ሳይከዸድሊክ ንኽዕንብብን

ዘኽኣለ’ዩ፡፡ ቅኒት ፎልክ ምስ ሮክ

ከማይን ፀባን ብምውሃድ

ብተዓዳጋይነቱ ፈላማይ ዜማ

“House of the Rising sun”

ብምፍልሳፍ ን‘ዘ-ኣኒማልስ’

ካልኣዋይ ዝገበረ የለን፡፡

ሳይከድሊክ-ሮክ

ንብሉዝ-ሮክ ኣቕሂሙ

ድሕሪ ውልደት ፎልክ እግሪ

ዝተኸለ ቅዲ’ዩ፡፡ እዚ ድሙቕ

ውህደት ቅኒት ዘለዎ ቅዲ ሒዞም

ዓርሶም ዘፋለጡ ኣበው “ዘ-

ሰርቲዝ ፍሎር ኤሊቫተርስ”

ዝተብሃሉ ጉጅለ፤ ቴክሳስ ’ያ

መሰረቶም፡፡ ሳን-ፍራንሲስኮ ’ውን

በዓል ውዕለታ’ያ ሳይከድሊክ

ንኽግውድ፡፡

ስዳሮ

(ካብ 1960

መወዳእታ - ሓዱሽ

ሚሊኒየም)

ካብዚ እዋን ቡዙሓት

ቅድታት ሮክ ከምኒ ሩቱስ፣

ፕሮግረሲቭ፣ ጃዝ፣ ግላም፣

ክርስትያን ፓንክን ካልኦትን

ቅድታት ሮክ ዝተጫጭሕሉ’ዩ፡፡

ንሎሚ ብዛዕባ ክርስትያን

ከውገዐኩም።

ክርስትያን-ሮክ

ሮክ ብገለ መራሕቲ

እምነት ክርስትና እናተወቐሰ

ዝመፀ ዓይነት ሙዚቃ ’ዩ፡፡

ሞራል ዘይገዝኦ፣ ፀረ-

ክርስትያንን ዜማሰይጣንን በዞም

መራሕቲ ዘተለጠፈሉ ሸማሽም

ነይሩ፡፡ ይኹን’ምበር ምስ ምምፃእ

ፀረ-ምንቅስቓስ ክርስትና

ተታሒዙ ኣብ ሃገረ ካሊፎርኒያ

ቅዲ ክርስትያን ሮክ ተወለደ።

ኤሚ ግራንትን ክሊፍ ሪቻርድን

ምስ ክርስታኒያዊ መዝሙር

እናመሳሰሉ ብምዝያሞም ካብ

መራሕትን ሰዓብትን ክርስትና

ተቐባልነት ንኽረክብ ዝፃዓሩ

እንትኾኑ፣ ኮኾብ ተፃዋታይ

ክርስትያን ሮክ ግና፣ ላሪኖር ማን

ምዃኑ ይግለፅ፡፡ ኣሜሪካ’ውን

ንምስፍሕፋሕ ክርስትያን ሮክ

ሰፊሕ ሜዳኣ ዝሃበት ቀዳሚት

ሃገር’ያ፡፡

ሓዱሽ

ሚሊኒየም

ቅድታት ‘ኢሞ’ን

‘ጋራጅ’ን ከምኡ ’ውን ‘ሜታል

ሮክ’ን ዝዓብለሉሉ እዋን ኮይኑ

ንረኽቦ - ሓዱሽ ሚሊኒየም፡፡ እዚ

ሚሊኒየም ዕዳጋ ሙዚቃ ሮክ

ዋዕዋዕታ ሓዚሉ እንረኽቦ ድማ

ኣብ ከተማታት ኣውሮፓ’ዩ፡፡

ብፍላይ ‘ኢሞ ሮክ’ ካብቲ ዝነበሮ

ዓወዓውታ ብርግፅ ዝበለ ድምፂ

ክዝየም መንገዲ ዝኸፈተ

ስለዝኾነ ብቡዙሓት ተፈቀረ፡፡

ኣቕረብትን ተቐበልትን

ፀጋ-ሮክ

ዝና ሮክ ካብ ኣፅናፍ

ክሳብ ኣፅናፍ እንትውሕጅ

ባህሊታት፣ ቅድታት(ፋሽን)

ንማሕበረሰባዊ ኣመለኻኽታን

ዓለምናን እንተስ “ኣርሲሑዎም”

ወይ’ውን “ስኒ-ፀባ ኣምሲሉዎም”

ሓሊፉ’ዩ፡፡ ባህሊ ሮክ እናዓብለለ

እንትመፅእ ፋሽን ብመሪሕነት

ጉጅለ-ሮክ ክጎተት ’ዩ ኢዱ ሂቡ፡፡

እወ! ስድራ ሮክ ‘ኮ ፍልይ ዝበሉ

’ዮም፡፡ ካብ ፀጉሪ ርእሶም ክሳብ

ፅፍሪ እግሮም ከሕልፍዎ

ብዝደልዩ ፍልስፍና ተቀይሱ

ንተዓዘብቲ “ሃነን” ካብ ምባል

ሓሊፉ ሰዓብቶም ናይ ምግባር

ሓይሉ፤ እንታይ ክውገዖ? ሮክ

ኣብ ነፃነት ፆታዊ ርክብ ዘተፃወቶ

ግደ ንገለ ወገናት

ኣይዋሓጠሎምን፡፡ ኣብ ምስፋሕ

ምጥቃም ሓሽሽ ዝገብርዎ ዘለዉ

ተምሳሌት’ውን ቁፅሪ ነቓፊኦም

ክብ ንኽብል ኣኽኢሉ’ዩ፡፡ ሮክ

ባህሊ ኢምፔራሊዝም ንኽሰርፅ

’ውን ይፃወት ’ሎ፡፡ ሮክ፣

ብድፍረት ተወዳዳሪ ኣየጥረየን፡፡

ሮክ ፈታዊ ፀለምቲ ’ዩ። ኣብ

ምጥፋእ ዘርኣውነት ዘተፃወቶ

ግደ ኣብ ልቢ ፀለምቲ ቦታ

ኣለዎ፡፡ ወሰንቲ ጉዳያት ፖለቲካ

እናልዓለ ዝነቅፍ፣ ብዛዕባ

መሰላት ደቂ ሰብ፣ ድርቂ፣

ሃይማኖት፣ ኲናት፣ ፍትሕን

ጠባይ ኣየርን ተቓላሳይ’ዩ፡፡ ሮክ

ንተጋሩ ሓለፋ ኣለዎ

እንተበልኩኹምስ በበይ ሓሊፉ’ዶ

ትብሉኒ ትኾኑ? ነገሩ ከምዚ’ዩ፡፡

ብ77 ዓ.ም ንዘጓነፈ ድርቂ ዓለም

ሓንጎፋይ ኢሉ ኢዱ

ንኽዝርግሕ-ጉጅለ-ሮክ ዓብይ

ለማኒ’ዩ ነይሩ፡፡ ብምዃኑ’ዚ

ብዘይ ህዝብና ከምቲ ካብ

ኣምሓርኛ ብኣብነትን ዘሪቱን

ብትግርኛ ድማ ኣብርሃም

ኣፈወርቂ ዝተኣታተወ ኣብ

ማእኸል ትግራይ ቦቚሉ

ዝዕንብብ ብቅኒት ሮክ ዝተዓጀበ

ዜማ-ትግርኛ ክርኢ ይህንቀ፡፡

ዜማታት ኣቨሪል፣ ፒንክን ማይክ

ቦብልን ኣንጊደ ድማ

ክፍለየኩም።

ጥሕሎ ነሓሰ 2003 18
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 20

ዝብሎ ኣለኒ

ስዬ ኣብርሃ፣

ኢሠፓን ዓረናን

ኢ

ሠፓ(የኢትዮጵያ

ሠራተኞች ፓርቲ) ፀላኢ

ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ

ዘይኾነ ፀላኢ መላእ ህዝቢ

ኢትዮጵያ ምንባሩ ርግፅ’ዩ፡፡

ፀላኢ ዘብሎ ዴሞክራሲያዊ

ኣብዮት ዘይተቐበለ ይሰየፍ

ኢሉ ብምውሳን፣ ኣፈላላይ

ሓሳብ፣ እምነትን ነፃነት

ምውዳብን ረጊፁ ይገዝእ

ስለዝነበረ’ዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ

ኣብዮታዊ ዴሞክራሲ

ዝሰርሑ ፓርቲታት ፖለቲካ ከም መኢሶን፣

ወዝሊግ፣ ማሌሬድ፣ ኢጭኣት፣ ኣብዮታዊ

ሰደድ ዝበሃሉ ከም ኣጋር ኮይኖም ምስ ደርጊ

ክሰርሑ ፀኒሖም መጨረሻ ኢሠፓ

ወሒጥዎም፡፡ ሐዚ ብዝርዝር ዘይኣትዎ ግን

ብዝተወሰነ ጦቂመ ንምሕላፍ ኢህአዴግን

ኢሠፓን ካብ ዘመሳስሎም፤ ዝኽተለዎ

ርእዮተ ዓለም ኣብዮታዊ ዴሞክራሲ ምንባሩን

ኢሠፓ ኣጋ መወዳእታ ዕድምኡ‘ውን ቅይጥ

ኢኮኖሚ ፖሊሲ(mixed economy policy)

ዝብል ኣዊጁ ምንባሩን እዩ፡፡

እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣይተ ስየ

ኣብርሃ ኣዛዚ ወታደራዊ ክንፊ ኢህአዴግ፣

ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህ.ወ.ሓ.ት፣ ኣዛዚ

ሰራዊትን ስራሕ ፈፃሚ ላዕለዋይ ኣመራርሓ

ኢህኣዴግን ኮይኖም ንኢሠፓ ሓመድ ድበ

ከምዘልበሱ ዘይክሓድ’ዩ፡፡ ማዕተብና በቲኽና

ሁር ተብለኒ ተዘይልና! እዞም ህፁፅ ጉባኤ

ፀዊዕና ዝብሉ ሰባት መርገፂ ዝወሰድሉ

ተባሂሉ ኣብ ኢትዮ-ቻናል ዝተነበበን

መኽሰሲ ዓረና ኮይኑ ዝቐረበን፣ ኣይተ ስየ

ኣብርሃ ነቲ ዘዕነውዎ ኢሠፓ ብተዘዋዋሪ

ይመርሕዎ ምህላዎምን ዓረና ድማ ምስ’ቲ

ኣይተ ስየ ኣብርሃ ብተዘዋዋሪ ዝመርሕዎ

ሓቢሩ ምስርሑን ዝብል ነይሩ፡፡ እዚ ኣበሃህላ

ዓረና ምስ ካልኦት ፓርቲታት ተኸኣኢሉ

ኣይሰርሕን ዘሎ ምስ ዝብል ኽሶም ዝጓነፅ

እንተኾነ’ውን፣ ብመሰረቱ ድማ ሐዚ ኢሠፓ

ዝበሃል ፓርቲ ዘየለ ምዃኑ፣ ድሕሪ 20

ዓመት ዝነበሩ ሐዚ ብምቑስቋስ ናይ ፖለቲካ

ኣጀንዳ ምግባር ባዕሉ፣ ፖለቲካ ቂም በቀልን

ፅልእን ብምዃኑ ተወዳዳሪ ዘይበሉ ድንቁርና

ፖለቲካ እዩ፡፡ ብዘርኢ ደረጃ ዓለም ፃዕዳ

እናተብሃለ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካዊት ሃገር

ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታይድ ብዕርቂ መልክዕ

እንትሕዝ፣ ድሕሪ 20 ዓመት ‘ኢሠፓ ነበር’

ዝብል ፖለቲካ ምስጓም ብሓቂ ተወዳዳሪ

ዘይብሉ ድንቁርና እዩ፡፡

ናይ’ዚ ጉዳይ ካልእ ገፅታ

እንትንርኢ ድማ ኢሠፓ ነበር ኣብ

ኢህኣዴግ፣ ኣብ ፓርላማ ኢህኣዴግ፣ ቤት

ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር፣ ቤት ፍርድታት

መከላኸልን…ካልእን ብናይ ኢህኣዴግ ቡራኬ

ኣብ ቁልፊ ቦታታት ምህላዎም’ዩ፡፡ እዚ ዘበለኒ

ኢሠፓ ነበር ናይ ዕድመ ልክዕ ገበነኛ ኮይኑ

ተሸቑሪሩ ክነብርን ዜግነታዊ መሰሉ ክርገፅ

ዘይድግፎ እናሃለኹ፤ ኢህኣዴግ ዜግነታዊ

ብብርሃኑ በርሀ

/ም/ፕሬዝዳንት ዓረና ትግራይ ኣይተ ብርሃኑ፣ ኣብ

ዝሓለፈ ሕታም “ተግባር ሽፍትነት ኣብ ልዕሊ ዓረና

ትግራይ” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዓረና ተፈፂሞም

ዝብልዎም “ዘይሕጋዊ” ኣካይዳታት ነቂፎም‘ዮም።

‘ዚ ፅሑፍ ናቱ መቀፀልታ ክፋል‘ዩ።/

መሰል “ኢሠፓ ነበር” መሰረት ገይሩ ኣብ

ኩሉ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሙሉእ ዘይጉዱል

ተሳትፎ ክህልዎም እንተገይሩ ግቡእ ምዃኑ

እናኣመንኩ፤ በዚ ኣቢለ ንኢህኣዴግ

ዘቕርበሉ ነቐፌታ ዘይብለይ ምዃነይ

ይገልፅ። ግን ከ ‘ቲ ባዕሉ ኣስፊሑ ዓሚሙ

ዝሓዞ ንኻልኦት መኾነኒን መኽሰስን ገይሩ

ምጥቃሙ ይገርም፡፡ ኣይተ ስየ ሕዚ ዘለዉሉ

ተሳትፎ ፖለቲካ፣ ስራሕ ፈፃሚ ፓርቲ

ኣንድነት ‘ዮም፡፡ ካብ’ዚ ወፃኢ ካልእ ሓይሊ

ኢሠፓ ዝበሃል ኣይተ ስየ ኣብርሃ ብተዘዋዋሪ

ዝመርሕዎ ሰሚዐ ሪአ ኣይፈልጥን፡፡ ምናልባሽ

ነቶም ሓደ ሓደ ከም’ኒ ዶ/ር ሃይሉ ኣርኣያ

ዝበሉ ኣብ ኣንድነት ዘለዉ ንምጥቃስ

እንተኾይኑ ካብኦም ብላዕሊ ሹም ምጥቃስ

ኣየድልን ኣብ ህ.ወ.ሓ.ት ኾነ ኣብ

ኣብዚ እዋን ካብቶም ኢሠፓ ነይሮም ዝበሃሉ ዝገደዱ

ወረርቲ፣ ጨቆንቲ፣ ዓፈንቲ ምህላዎም ትንርኢ ኢሠፓ ነበር ዝበሃል

ዝኣረገ ፅዋ’ዩ፡፡ ትማሊ ጎማ ሳእኒ ገይሮም “ንሕና ጫማ ሓፋሽ

ኢና!” እናበሉ ዝጭርሑ ዝነበሩ ፅቡቕ ታሪኽ ዝነበሮም ገለ

ተጋደልቲ ሎሚ ዓፈንቲ፣ ዘረፍቲን ተወዳዳሪ ዘይብሎም ቱጀራት

ኮይኖም እናረአና ናይ ቅድሚ 20 ዓመት ኢሠፓ ሎሚ ኣጀንዳ

ምግባር ሓጥያት ሎሚ ንምሽፋን ዝዓለመ ጥራሕ’ዩ ክኾን ዝኽእል

ኢህኣዴግን እሶም ዝመርሕዎ መንግስትን

ኣለዉ፡፡ ዶ/ር ሃይሉ ኣርኣያ ዋላ ኣባል

ኢሠፓ ተነበሩ ንመንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ

ናይ ሸንጎ ኣኼባ “ካብ ስልጣኖም ይውረዱ?”

ኢሎም ዝተኻትዑ ምዃኖም ንኢህኣዴግ

ግልፂ ‘ዩ፡፡

እቶም ህፁፅ ጉባኤ ፀዊዕና ዝበሉ፣

ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ ምርጫ 2002፣ “ዓረና ምስ

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ሓቢሩ ይሰርሕ ኣሎ”

ኢሎም ዝወፈርሉ ፕሮፖጋንዳ ደጊሞም

ምቅላሖም መፈፀምቲ ናይ’ዚ ፕሮፖጋንዳ

ኮይኖም ምቕራቦም እንበር ኣጀንዳ ዓረና

ሒዞም ከምዘይተበገሱ ዘቑፅሮም እዩ፡፡ ኣብዚ

እዋን ካብቶም ኢሠፓ ነይሮም ዝበሃሉ

ዝገደዱ ወረርቲ፣ ጨቆንቲ፣ ዓፈንቲ

ምህላዎም ትንርኢ ኢሠፓ ነበር ዝበሃል

ዝኣረገ ፅዋ’ዩ፡፡ ትማሊ ጎማ ሳእኒ ገይሮም

“ንሕና ጫማ ሓፋሽ ኢና!” እናበሉ ዝጭርሑ

ዝነበሩ ፅቡቕ ታሪኽ ዝነበሮም ገለ ተጋደልቲ

ሎሚ ዓፈንቲ፣ ዘረፍቲን ተወዳዳሪ ዘይብሎም

ቱጀራት ኮይኖም እናረአና ናይ ቅድሚ 20

ዓመት ኢሠፓ ሎሚ ኣጀንዳ ምግባር ሓጥያት

ሎሚ ንምሽፋን ዝዓለመ ጥራሕ’ዩ ክኾን

ዝኽእል ይብል።

ጥሕሎ ነሓሰ 2003 23
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 21

ዝብሎ ኣለኒ

ን

ሕና ቅሬታ

መ ዛ ረ ቢ

ኣ ይ ኾ ን ና ን ፤

እቶም ምስኦም

ዘ ለ ዉ

ተ ለ ኣ ኣ ኽ ቲ

ሒዞም ክኸዱ

ይኽእሉ ’ዮም።

እንተ ነቲ

መ ን እ ሰ ይ

ት ግ ራ ይ ን

ህ ዝ ቢ

ት ግ ራ ይ ን

ዝኣምኖ መስመር ፖለቲካ ሒዞም

ከም ዘይኸዱ ኣብቲ ዝሓለፈ

መረፃ (2002 ዓ/ም) ተራእዩ’ዩ።

ኣብ ህዝብና ዘሎ ኢኮኖሚያዉን

ፖለቲካዉን ፀገም ኣልዒሎም

ክዛረቡ ኣይተሰምዑን፤ ሕሉፍ

ፖለቲካዊ ታሪኾም

ክዛረቡ‘ምበር። ስለዚ እቶም

መድነቅቶም ዝኾኑ ዉሑዳት

ኮራኹር ሒዞም ንኽቃለሱ

ዝኽልክሎም ኣካል ኣይህልውን።

ንምንታይ ዳኣ ‘ዮም “ምሳኹም

ኣይንሰርሕን!”፤ “መሰረታዊ

ዝኾነ ኣፈላላይ ኣተሓሳስባ

ኣለና!”፤ ለዉጢ ኣመራርሓ

ገይርና ሓዱሽ ወለዶ ዝመርሖ

ሰላማዊ፣ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ

ኮይንና ለዉጢ ኣሰላልፋ

የድልየና እዩ፤ ንዝበሉ ኣባላት፤

“ህወሓት ኮይኖም! ኢህኣዴግ

ኮይኖም!” ወዘተ... ብምባል

ህዝቢ ትግራይ ተስፋ ክቖርፅ

ዝገበሩ? እንተይልና፤ መልሱ፣

እዞም ሰባት እንመን እዮም? ‘ዩ

ክኸዉን።

ብዘይ ንሕና ካሊእ

ፈላጥ የለን ኢሎም ዝሓስቡ ፀገም

ኣተሓሳስባ (ንባዕልኻ ኣልዒልካ

ምርኣይ/superiority complex/)

ዘለዎም ይመስለኒ።

ካልኣይ፣ ብዴሞክራሲ ዘይኣምኑ

ኣምባገነናዊ ኣተሓሳስባ

ስለዘለዎም’ዩ። ብሳልሳይ ደረጃ፣

ነዚ መንእሰይ ጀሚሩዎ ዘሎ

ሰላማዊ፣ ዴሞክራሲያዊ ዉዳበ

ናብ ፀረ ሰላም መንገዲ ክኣቲ

ስለዘይኽእል ናይቶም ኣዘዝቶም

ዝኾኑ ከም ሻዕብያ፣ ጉንበት -7ን

ግብፂን ወዘተ... ፖለቲካዊ ዕላማ

ከይወቐዐ እንትተርፍ እተን

ዕፉል ዝኾና ገንዘብ

ከይተርፎኦም ምኻኑ’ዩ። ብዝኾነ

ህዝብና ንሕና[ካብ ዓረና

ዝወፃእና] ሒዝናዮም ዘለና

ፖለቲካዊ ዕላማታት

ንኽፈልጦም፡ -

ሀ. ኣብ ሃገርና ተጀሚሩ

ዘሎ ሰላማዊ ቃልሲ ተጠናኺሩ

ክቕፅል ዜጋታት ካብ ጥርጣረ ነፃ

ዝኾነ ዝደለይዎ ፖለቲካዊ ፓርቲ

ምድጋፍን ዘይምድጋፍን

መሰሎም ተሓልዩ፤ ኣብ ሃገርና

ማዕርነት ፆታ፣ ሃይማኖት፣

ፖለቲካ ዜጋታት ክረጋገፅ፤

ዜጋታት(ሞያተኛታት) ደገፍቲ

ከይዓረዩ

ዓረና

እንትብሉ¡

ዝኾነ ይኹን ፖለቲካ ፓርቲ

ይኹኑ፤ ኣብ ስራሕ መንግስቲ

ማዕረ ክቑፀሩን ክረኣዩን፤ ኣብ

ኣናእሽተይን ደቀቕትን

ማሕበራት ማዕረ ክረኣዩ

ንኽግበር። ኣብ ከተማ ይኹን

ኣብ ገጠር ቤተሰብ ተቓዋሚ ወይ

ደጋፊ ብምኻን ካብ ዝተፈላለዩ

ደገፋት[ሓገዝ] ክተርፉ፣

ክበሳበሱን፤ ብፖለቲካዊ

ዓረና ‘ውን ኣብ ዉሽጥና ሕምስምስ ካብ

ዘእተዉልና ሓደ ኣፈላላይ፤ ኣንድነት ፓርቲ

ይኹን ካልኦት ኣባል መድረኽ ዝነበሩ ሃገራዊ

ፓርቲታት ኣብ ልዕሌና ምውድዳሮም ኔሩ።

ብሓፂሩ መድረኽ ማለት ብልሕፂ ዝተኣሰረ፤

ብቐሊሉ ዝፋታሕ/ዝብተን/ ዉዳበ ‘ዩ።

ወገናዊነት ዝፍፀም ምጉዳል

ፍትሒ፤ ኣብ ምምሕዳራትን

ቤትፍርድታትን ገንዘብ

መንግስትን ህዝብን ምብኻን

ወዘተ...ዝኣመሰሉ፤ ኮታስ

ኹሎም ህዝብን ሃገርን ዝጎድኡ

ተግባራት ክቃረፁ ኣበርቲዕና

ክንሰርሕ ኢና።

ለ. ፓርቲና ዓረና

ትግራይ፣ (ኣብ ትግራይ ዘሎ

ዉዳበ መንእሰይ) ምስ መድረኽ

ዝተብሃለ ጥምረት ፖለቲካ

ሓቢሩ ኣይሰርሕን። ንምንታይ?

ንዝብል ሕቶ መልሱ፤ መድረኽ

ማለት ጥምረት ሃገራዊን

ክልላዉን ፖለቲካ ፓርቲታት

ብምኻኑ፤ እቶም ሃገራዊ ፖለቲካ

ፓርቲታት ኣብ ልዕሌና ቡዙሕ

ፅዕንቶ ፈጢሮምልና ‘ዮም።

ማለት ንሳቶም ኣብ ሙሉእ

ኢትዮጵያ እንትወዳደሩ ንሕና

ግን ኣብ ክልልና ጥራሕ

ክንወዳደር ኣብ ልዕሊ ምኻኑ፤

ንዓኣቶም ኣብ ክልልና ቦታ

ክንህቦም እንተለና ተጎዳእቲ

ስለንኸዉን እዩ። በዚ ምኽንያት

ነይሩ ኣብ መረፃ 2002፣

2(ክልተ) ኣባላት መድረኽ

ዝነበሩ ፓርቲታት ካብ መድረኽ

ዝወፁ። ዓረና እውን ኣብ

ብኣይተ ገብረኣረጋይ ኣስናቀ

/ኣይተ ገብረኣረጋይ፣ ነበር ኣመራርሓ ማእኸላይ ኮሚቴ ዓረና

ትግራይ‘ዮም።/

ዉሽጥና ሕምስምስ ካብ

ዘእተዉልና ሓደ ኣፈላላይ፤

ኣንድነት ፓርቲ ይኹን ካልኦት

ኣባል መድረኽ ዝነበሩ ሃገራዊ

ፓርቲታት ኣብ ልዕሌና

ምውድዳሮም ኔሩ። ብሓፂሩ

መድረኽ ማለት ብልሕፂ

ዝተኣሰረ፤ ብቐሊሉ

ዝፋታሕ/ዝብተን/ ዉዳበ እዩ።

ንምንታይ ኣብ እዋን መረፃ

2002 ኣብ መንጎ ኩሎም ክልላዊ

ፓርቲታትን ሃገራዊ

ፓርቲታትን ምስሕሓብ ተፈጢሩ

ኔሩ ‘ዩ። እዚ ድማ ንኢህኣዴግ

ንፖለቲካ ፕሮፖጋንዳ

ጠቒሙዎ። እዚ እቲ ሓደ ኾይኑ፤

እቲ ፓርቲ ንባዕሉ ተሸካሚ ዕላማ

ትምክሕትን ፀረ-ሰላምን ሃመማ

ከም ዝኾነ፤ ባዕሉ ካብ ዘርእዮም

ፖለቲካዊ ገለፃታትን

ኣመለኻኽታታትን ምግንዛብ

ይከኣል። ዕዉር ብዝኾነ

ፅልኢት፤ ንፃዕዳ “ፀሊም እዩ!”

ኢሎም ዝዛረቡ ሰባት ዘለዉዎ

ጉጅለ፤ ዘይተሳኸዐሎምን

ክሳኸዐሎም እዉን ዘይኽእሉ

ዝመርሑዎ’ዩ። ንሕና ሓዱሽ

ኣሰላልፋ ፖለቲካ የድልየና’ዩ።

ስለዚ ንዓና ንዝመስሉ ሓዱሽ

ወለዶ ዝመርሖ ናይ ፖለቲካ

ፓርቲ ምስ ዘለዎም፤ ንህዝብናን

ንፓርቲናን ምስዝስማዕምዑ

ክልላዊ ፓርቲታት ፖለቲካ

ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና።

ሐ. ኣብ 2002ዓ/ም

ዝፀደቐ ስሪት ስነ-ምግባር(ኣዋጅ

ፖለቲካ ፓርቲታት) ክንፍርም

ኢና። ፈሪምና ድማ ኣብ ቤት

ምኽሪ ፖለቲካ ፓርቲታት

ኣቲና፤ ካብ ቦርድ መረፃን

መንግስትን ዝግበር ድጋፍ’ዉን

ክወሃበና ስለዝኽእል እዩ። ኣብ

መረፃ 2002ዓ/ም

ብዘይምፍራምና ቡዙሕ ተጎዲእና

ኢና፤ ፓርቲና ፀረ ሰላም፤

ብቐሊሉ ዝኹሪን ተረዳዲኡ

ብዴሞክራሲያዊ ኣካይዳ

ዘይጓዓዝ ኾይኑ ሓሊፍዎ’ዩ። እዚ

ስዒቡ ድማ ኣብ ኣባላትና ኾነ

ደገፍትና ብኢህኣዴግ ፍሉይ

ክትትልን ፅዕንቶን ይሓድረና

ኔሩ።...(ይቕፅል)

ሪሓን…

ምኽንያቱ ብተደጋጋሚ

ኣብዛ መፅሄት እዚኣ ብዛዕባ ክልቲኤን

ሚድያታት ገና ከይተጋገያ ከምዚ

ተዝጋገያ ዝዓይነቱ ፅሑፍ ብኣኹም

ብሃውዳድዮስ ይፀሓፍ ስለዝነበረ፤

ብዛዕባ ትግ ቲቪ ዝፀሓፍክምዎ

እንትዛዝሙ ብዘቅመጥኩምዎ ሓሳብ

እንታይ ከም ዝደለኹም ተገንዚበ፡፡

“ሰላማዊ ቃልሲ ንልመድ ከምዚ

ተደቂስና ግን ክልተ ዝተባራበሩ

ምልሻታት ስርናይን ነጭ ላባሻትን ዋላ

‘ውን ኢሰፓታት ነበርን ነብሲ ዘሪኦም

ሚድያታትና ተቆፃፂሮም ከምቲ ቁምጣ

ዓጢቆም ቅጫ ሕርሞም ተሓንጊጦም

ጦቅ ዘበሉና ሐዚ ‘ውን ጦቅ ከብሉና

ይኽእሉ እዮም ‘ሞ ሃየ!” ኢሎም።

ካብዚ እንርድኦ ብኦም ኣረዳድኣ ክልተ

ባህ ዘይበልዎም ሰባት ኣለዉ ንኽልተ

ሰባት ናይ ቀደም ታሪኽ እናልዓልካ

ክትንክፍ ኢልካ መንግስታዊ ዝኾና

ትካላትን ኣብኡ ንዝሰርሑ ጋዜጠኛታትን

ብኣልማሚት ምፅራፍ፣ ምውራድ እቲ

ዝገደደ ወራዳ ተግባር ምዃኑ

ሃውዳድዮስ ኣነ ክነግረኩም፡፡ “ሃየ!

ዝተበራበሩ ኣለዉ” ንዝበልኩሞ ግን

ርግፀኛ ኮይነ ሓደ ነገር ክነግረኩም፡፡

ምልሻን ነጭ ለባሽ ኢሰፓን ደርግን

ሞይቶም ካብ ዝቅበሩ 20 ዓመታት

ሓሊፉ እዩ፡፡ በዚ ብፍርሒ ተጨቢጦም

ወግሐ ፀብሐ ኣይባህርሩ! ምጥንቃቕስ

ካባኹምን ካብታ ኳሓሊት መሲላ

መንቆሪት ዝኾነት መፅሄት ሪሓንን ደኣ .

ሰለስተ በሉ

“ትብፃሕ ናብ ኣይተ መለስ

ኣብዘለኻዮ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ

መፅሄት ሪሓን ቁፅሪ 6 ኣንቢበዮ

ብጣዕሚ ገሪሙኒ ንኽኣሎ ኣይንኽኣሎ

መልሲ ክፅሕፍ ተገዲደ” ይብል፡፡

“ዝብሎ ኣለኒ” ኣብ ዝብል ዓምዲ ኣብ ገፅ

8፣ “ሃውዳድዮስ ዝኣተዎ ፅሑፍ!”

ብዝብል ኣርእስቲ መልሲ ፅሒፎም

ሃሌሉያ ካብ ጉድ ባሕሪ ንሃውዳድዮስ

መቐለ። ንመን ንምትላል ከም ዝኾነ

እንድዒ? ክልቲኦም መልሲ ዝፀሓሓፉ

ዘለዉ ሰባት ተሳተፍቲ ወይ መንበብቲ እታ

መፅሄት ኣይኮኑን ላዕለዎት ኣሰናዳእቲ

‘ታ መፅሄት’ዮም፡፡ ከም ኤዲቶርያል

‘ውን ክንሓስቦም ከለና ብሓባር ኮፍ

ኢሎም ንናይ ሎሚ ሕታም ‘ታይ ሒዝና

ንቅረብ ክበሃሃሉ ናይቲ ስራሕ ባህሪ

‘ውን ስለዝኾነ ግድን እዩ፡፡ ብምዃኑ

ሃውዳድዮስ ኣብ ቁፅሪ 6 መፅሄት ሪሓን

ንኣይተ መለስ ዘወድስ ክፅሕፉ ካብኡ

ሃሌሉያ ካብ ጉደ ባሕሪ ድማ ኣብ ቁፅሪ

7፣ “ከመይ ኣይተ መለስ ይውደሱ

ኣይከምዙይን ድዮም ዝበሃሉ፣ ስልጣን

ንበይኖም ን20 ዓመታት ዝበሓቱ

ክፅግዖም ንዝበለ ሰብ ዝኹርኹሙ!” ኢሉ

እታ ናይታ መፅሄት ኳሓሊት መሲላ ናይ

ምንቋር ድራማኣ፤ እቲ ሓደ መወደሲ

እቲ ሓደ ተፃራፊ ኾይኖም ሚዛን

ዝሓለዉ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዝንሸራሸረሉ

መፅሄት ዝብል ሽም ጥዑያት ክትሕዝ እቲ

ሓደ ደራሲ እቲ ሓደ ኣሰናዳኢ እቶም

ካልኦት ኣባላት ተዋሳእቲ ዝኮንሉ ኳሓሊት

መሲላ መንቆሪት ዘርእስታ ድራማ

ክዋስኡልና ፈቲኖም። ኣብ መወዳእታ

መፅሄት ሪሓን ንመንበብታ ክብሪ ክትህብ

ይግባእ ተዘይኮይኑ ውሽጣዊ ድሌትካ

ንምንፅብራቕ ሽም እናቐያየርካ ክልተ

ማልያ ጌርካ ኣብ ሓደ ሜዳ ንኽልተ

ጋንታ ምፅዋት ዘየዋፅእ’ዩ፡፡ እዚ ፅሑፍ

ኣብተን ደሓን ክያዶ ዘለወን መፅሄት

ትግርኛ የውፅኦ ኣለኹ፣ ኣብ መፅሄት

ጥሕሎ፡፡ ኣንብብዎ፡፡ እንተ ናባኹም

ምፅሓፍ ግን ኣይኽእልን፡፡ እዚ ሚዛናዊ

ዝኾነ ፅሑፍ ነታ ብዓይኒ ዕሙተይ

እትጉዓዝ ሪሓን ስለዘይምጥና፡፡

ሰላም፡፡

ጥሕሎ ነሓሰ 2003 24
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 22

ዝብሎ ኣለኒ

ሪሓን . . .

ኳሓሊት መሲላ

መንቆሪት

ሪ

ሓን (ቁፅሪ 7 ለካቲት

2003 ዓ/ም) ብመልክዕ

መፅሄት ተሓቲማ ሽም

መፅሄት ሒዛ ስለዝወፀት

መፅሄት ክብላ። ብሓይሊ

መልጢ ብሽም ነፃ ፕሬስ

ቆሎን ጥጥቆን ዛዕባ ሒዛ፤

ሓደ ግዜ ፖለቲካዊ

ትሕዝቶ ዘለዎም ዝመስሉ ፅሑፋት ካሊእ ግዜ

ድማ ንስነፅሑፍን ጥበብን ትግርኛ

ተቆርቋሪት መሲላ ውልቀ ሰባት “ምድኻም”

ከም ዕላማ ሒዛ ኣብ ዉሱናት ትኹረት

ብምግባር እትፃሓፍ ብምዃና “መፅሄት”

ዝብል ዓብይ ሽም ዝኸበዳ ዘይልክዓ መሲሉ

ይስመዐኒ። ተመሓይሹ ኣብ ዝወፀ ሕጊ ፕሬስ

ንግልፅነትን ተሓታትነትን ኣካያዲ ስራሕ፣

ኣሰናዳእቲ መፅሄት ኣድራሽኦምን ሽሞምን

ብዝግባእ ይፀሓፍ፡፡ መን እንታይ ኢሉ ፅሒፉ

መንበባይ ብዝግባእ ክፍለጥ ስለዘለዎ

እንኮላይ ቁፅሪ ስልኮም ክፀሓፍ ኣለዎ፤

ይብል፡፡ ኣብዛ ሪሓን እትበሃል መፅሄት ግን

ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣሰናዳእቲ ሽሞምን

ኣድራሽኦምን ሓቢኦም ገና ኣብ ምጥያሽ ኣብ

ዝርከባ ክልተ ሚድያታት ትግራይ

ኣነፃፂሮም ወረ ሓሶት እናነዝሑ ዝውዕሉ

ዕንቅፋት ኾይኖም ስለዝተሰምዑኒ ብርዐይ

ኣልዒለ ኣለኹ።

ሓደ በሉ

ስልቲ ኣፀሓሕፋ ሃውዳድዮስ መቐለ

ክኽተል፡፡ ካብ መልእክቲ ዋና ኣሰናዳኢ

ክጅምር፡፡ “ህወሓት ኢህወዴግ መፅሄት ሪሓን

ክትውለድን ክትጉልብትን ምኽንያት ዝኾነ

ውድብ ‘ምበር መፈራሪሒና ኣይኮነን ይብል፤

ብ VOAን ካልኦትን ኣጋጣሚታት

እናተጠቀሙ ሪሓን ትበሃል መፅሄት ነይራ

ጠፊኣ ‘ባ እንታይ ‘ባ ዝብልዎ ዘይኮነስ...”

እናበለ ይቕፅል፡፡ “ፈተዉትና ኣይዞኹም

ኣለና ኢና ፀላእትና ሕርር በሉ” ዝዓይነቱ

ጭርሖ ተሓንጊጡ ኣሎ፡፡ ርእሰ ዓንቀፅ ምዃኑ

እዩ፡፡ አረ! ንምዃኑ ኣይናይ መዘራረቢ ዛዕባ

ኣልዒላ’ያ? ንምዃኑ ካብ ዝርግሐኣ ጀሚሩ

ክንደይ ሰብ ኣንቢቡዋ? ኣይናይ ወይ እንታይ

ዝመስል ሚሽጥር ኣቃሊዓ ‘ያ እቲ ብደቂ

ህዝቢ ዝተነደቐን ህዝባውን ዝኾነ ውድብ

ኣፈራሪሕዋ ዓፊንዋ ተባሂሉ ብሬድዮ ኣሜሪካ

ከይተረፈ ተዘሪቡላ? እዚ እቶም ማነጂንግ

ኤዲተርን ዋና ኣሰናዳእን ግርማይ ኣረጋዊ

ኣብዘይ ቦታኹም ብሽም ነፃ ፕሬስ

ዝነጠብኩም ንባዕልኹም ዘለኩም ግምት

ዝተዛብዐ ምዃኑ ካብ ምምልኻት ሓሊፉ ካልእ

ረብሓ የብሉን፡፡ ህወሓት/ኢህወዴግ ከምቲ

ዝበልኩሞ መናእሰይ ትግራይ ኣብ

ዝተዋፈረሉ ኩሉ ውፅኢት ከመዝግብን ፅላልን

ከለላን ይኸውን ‘ምበር መፈራርሒ ክኸውን

‘ሞ ድማ ስግኣት ኣብ ዘይኮንኩምሉ ተራ

ሓሜትን ሓሶትን ስለዝፀሓፍኩም ህወሓት

ትኹረት ጌሩ ተዓፊናያ ተባሂሉ ተኣሲራያ

ወዘተ . . . ካብ ጥዑይ ርእሲ ትፅቢት ዝግበር

ኣይኮነን ‘ሞ ናብ ልብኹም ተመለሱ። የግዳስ

መፅሄትኩም ሚዛናዊ ኮይና ኩሉ ዝመሃረላ፣

ዘምብባ ናይ ኩሉ መፅሄት ክትኸውን ፀዓሩ፡፡

ተዘይኮይኑ በዚ እንተቀፂልኩም ኣብ ህወሓት

ኣይትበፅሕ ናብ ሕጊ ኣይትኸይድ ባዕሉ

መንበቢ ‘ዩ ዝተፍኣ ‘ሞ ሃየ ድኣ ዝተዛብዐ

ግምትኩም ኣስተኻኽሉ ክብል፡፡

ክልተ በሉ

ልብና ቶግ ዘበለት ትግ ቲቪ

ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ሓተታ ዝሓዘ ፅሑፍ

ኣንቢበዮ ኣብ ገሊኡ ሓቂ ዝተኸተለ‘ዩ፡

ምናልባት ከምቲ ፀሓፊ ዝተኸተሎ “ዝወረደ

ወራዳ” ብዝብል መልክዑ ኣይኮነን’ምበር፤

ምስ ሃውዳድዮስ ዝሰማመዐሎም ነጥብታት

ኣለዉ፡፡ (ብፍላይ ቴማ (theme) ድዩ ዝበሃል

እንድዒ በቲ ፀሓፊ ኣረዳድኣ ተሰማሚዐ

ክቅፅል፡፡) “መግለፂ ነኒመደቡ ዘይተስኣነ

ባምቡላታት ምዃኑ(እሞ ድማ ከባቢ 100

ሽሕ ቅርሺ ወፂኡሉ) ነታ ካብ ሓንቲ እምኒ

ጥራሕ ስለዝተፀረበት እንግረመላ ሓወልትና

ዘይነበረ መንነት ብምሃብ ካብ ኮረት

ተኣራርያ ከምዝተሰርሐት ዘመላኽት...”

ዝበልዎ እወ! ሓቂ’ዩ፡፡ ዓብይ ታሪኻዊ

ስሕትት ዝተፈፀመ’ውን ይመስለኒ ኣብዚ

ፍርቂ መንገዲ መፂአ ምስኦም ክሰማማዕ’የ፡፡

ሃፍቲ ህዝቢ ንምንታይ ብኸንቱ ይጠፍእ

ኢሎም ካብ ሰናይ ጉሓቱ ምልዓሎም

ይተኣረም ዝብል ዕላማ ሒዞም እንተዝቅፅሉ

ክንደይ መጥዓመሎም።

ብሓፈሻ ኣብቲ ፅሑፍ ግን ካብቲ

ፀሓፊ ይፍለ’የ፡፡ ብስሩ ናይቲ ፀሓፊ ሽም

ደጋጊመ ክርኢ ከለኹ ብሃውዳድዮስ መቐለ’ዩ

ዝብል፡፡ ቁሩብ ደቓይቕ ወሲደ ኣብ ሽም

ፀሓፊ ተመራሚረ እወ ሃውዳድዮሰ ማለት

ትርጉሙ “ዉሻይ” ማለት ‘ዩ፡፡ ውሻይ ድማ

በረከት ዘይብሉ ሃርጓፍ፣ ስሱዕ ናብ ሓደ

ፅንፊ ዝተፀገዐ ስምዒታዊ’ዩ፡፡ ‘ሽም ይመርሆ’

ከምዝበሃል’ ውሻይ ዝኣተዎ ፅሑፍ ኮይኑ

ረኺበዮ፡፡ ክልተ ዝተዋቅዐ ሓሳብ’ውን ረኺበሉ

“ቻናል ጥርቅም” እያ ትበሃል፡፡ ካብ ቆልዓ

ክሳብ ዓብይ ኣብ ስድራቤት ሀ ዝርከቡ ኣባላት

ኣብዚ ኣብቲ ቋንቋ ግዲ ኣይግድን ኮይኖም

‘ስብጥር’ እዩ ዝብልዎ፡፡ ኣምሓርኛ ናብ

ትግርኛ ሕውስ ኣቢሎም ክገልፁልና

ፈቲኖም፡፡ ቋንቋና ዝፀየቐት ትግ ቲቪ እናበሉ

ንባዕሎም ብሪሓን ኣቢሎም መፂኦም ነቲ

ቋንቋ ይፅይቅዎ፡፡ ‘ስብጥር’፣

‘ምውንባድ’ን’ወንጀል’ን ወዘተ እናበሉ

ጉራማይለ ዝኾነ ቋንቋ የውሕዙ፡፡ ናብቲ

ዝጀመርክዎ ክምለስ ንግዚኡ ስብጥር ኢሎም

ዝተጠቐምሉ ቃል ሓንፈፅ ብዝብል ቃል

ተኺአ ክቕፅል ‘ሞ ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመን

ደረጃ ፍልጠትን ዝርከብ ስድራ ቤት “ሀ”

ተባሂሉ ዝተገለፀ ኩሉ ግዜ መሪፆም ካብ 1

ክሳብ 2 ምሸት ኣብ ዘሎ ሰዓት ዝኸድሉ

ኩሉግዜ ሰላም ምስ ሰፈነ’ዩ፤ ይብሉ፡

ምኽንያቱ ትግርኛ ቴሌቭዥን ዝጅምረሉ

ብምዃኑ ኣብዚ ግዜ ድማ “ኣነ ክርኢ! ኣነ

ኣይደልን!” የለን፡፡ ኩሎም ብሓደ ድምፂ

ትተዓፆ ይብሉ፡፡ ዝሪኣ ዘይብላ ቻናል ጥርቅም

ትኸውን ‘ሞ ይብል፡፡ ኣብ ጥርቅም ኮይንካ

‘ታይ ከምዝሓልፍ ዘይፈለጥካ እንታይ ክበሃል

ይከኣል? (ንሶም ‘ውን ሃውዳድዮስ ኩሉ ግዜ

ካብ 1 ክሳብ 2 ሰዓት እናተፀበዩ ኣብቲ ገዛ

እዮም፡፡ ምስቲ ስድራ ዘለዎም ርክብ ‘ውን

ኣይገለፁን፡፡ ምናልባት ናይ ድራር

ሰዓት እናተፀበዩ ቁሩብ ሕምይ ሕምይ

ኣቢሎም ዝብላዕ በሊዖም ‘ዶ ይኸዱ ይኾኑ?)

ብዝኾነ ሃውዳዮስ ‘ውን ኣይረኣየን በቲ ሰዓት

ቻናል ጥርቅም ስለዘይረአ ብመሰረቱ እቶም

ዘይተገልፁ፤ ስድራ ቤት “ሀ” ተባሂሎም

ዝተገለፁ ንበይኖም ከም መርትዖ ‘ዶ ክኾኑ

ብክብሮም ሰለሙን

/ክብሮም ሰለሙን ጋዜጠኛ

ቴሌቪዥን ትግራይ’ዩ።/

ይኽእሉ? ናብቲ ገዛ ሰድራ ቤት ሀ ዝመላለሱ

ቴሌቭዥን ትግራይ ብዓይኒ ተመልካታይ

ከመይ ትግለፅ ንምፅናዕ ይኸዱ እንተኾይኖም

‘ውን ብሓደ ስድራ ንኹሉ ትግራዋይ ክውከል

ምተኽኣለ ‘ዶ? እቶም ስድራ ምናልባት

ቻናላት ዝቀያይሩሉ ዓቕሚ ዘለዎም ይኾኑ

MBC 4, MBC 2, fox movie ወዘተ ይሪኡ

ይኾኑ፡፡ ምስዞም ቻናላት እናወዳደሩ ድዮም

ቻናል ጥርቅም ዝርእይዋ፤ መወዳደሪ ዝኾነ

ነገር ‘ውን ኣይፀርሑን ንፀርፊ ይሃፁ

ስለዝነበሩ ‘ዚ ኩሉ ሚዛናዊ ኾይኖም

ኣየቐመጡን። እቶም ኣብዝተፈላለየ ኩነታት

ዕድመን ደረጃ ፍልጠትን ዝርከብሉ ስድራ

ቤት ሀ ‘ውን ንትግ ቲቪ ኣይሪኡን፡፡ ንሶም

‘ውን ትግ ቲቪ ኣብ ዝመሓላለፈሉ ካብ ሓደ

ክሳብ ክልተ ሰዓት ኣብ ስድራ ቤት “ሀ” እዮም

ዘለዉ፡፡ ካበይ ደኣ ረኺቦምዎ ኣብ ፍርጅ

ዝወዓለ ገዓት? ኣብ ኣሰር፣ ክብርታትና፣

ተሃድሶ ዝቐርቡ መደባት ሓደ በሉ ክልተ በሉ

እናበሉ ዝትንትኑልና፡፡ ኣይርኢን ቻናል

ጥርቅም እንተኾይና ከመይ ኢላ ‘ያ ልቦም

ቶግ ኣቢላቶም?

ዜና ከመይ ከምዝፀሓፍ መዓዝ

ተፃሒፉ ብኸመይ መንገዲ ናብ ሰማዒ

ተመልካቲ ክበፅሕ ይግባእ ሓበሬታ ከይሀቡ

ዜና ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን ነገራት

ዘተኣሳስርን ዝትንትንን’ዩ፡፡ ኣብ ትግ ቲቪ

መፂኡ ግን ገታርን ኣንደበት ሓለፍቲ ጥራሕ

ዝደግምን ዋጥነት’ዩ ኾይኑ ዝርከብ። ብምባል

ጥቅሉል ዝኾነ ምኽሪ ንወሃቢኡ ቀሊል ከም

ዝበሃል ክሕንክሩ ተዓዚበዮም፡፡ ብዝተኽኣለ

መጠን ከም ናተይ ትዕዝብቲ ኣብ ትግራይ

ዝፍፀሙ ፍፃመታት ብፍላይ ክልላዊ ረብሓ

ዘለዎም ንኹሉ ክፋል ሕ/ሰብ ዝትንክፉ

ዓበይቲ ዝበሃሉ ፍፃመታት ብእዋኖም

ክሓልፉ ይፍተን እዩ፡፡ ገለ ጊዜ ቅድሚ ሰዓት

ዝተካየደ ዋዕላ ኣብ ናይ ምሸት ክበፅሕ

ዝግበረሉ፤ ምስ ፌደራል ብምዝርራብ

ቀጥታ/ላይቭ/ ዝመሓላለፈሉ ግዜ ኣሎ እዩ፡፡

ወዮ ደኣ ቻናል ጥርቅም እያ’ሞ ኣይትሪእዋን

‘ምበር ከመይ ጌርኩም ሓቂ ክትዛረቡ፡፡ ኣብ

ኣዲስ አበባ ናብ ዘሎ ጣብያ ቴሌቪዥን

ኢትዮጵያ ፍፃመ ሎሚ ብፅባሒቱ ንምሕላፍ

ኩሉ ግዜ ላዕልን ታሕትን ይበሃል’ዩ፡፡ ፍፃመ

ዜና ዝስራሕ ኣብ መቐለ ዝመሓላለፍ ኣብ

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልተ መዓልቲ ምሕላፉ

ከምተን ካልኦት ክልላት ማዕረ ንምስራሕ

ፋሕጠርጠር ንዝብሉ ጋዜጠኛታት ሚድያ

ምድኻም ከም ሓደ ፅቡቕ ሜላ

ስለዝሓዝክምዎ ‘ምበር ብዙሕ ዘዛርብ

ኣይኮነን፡፡ የግዳስ ስቲድዮ ቻናል ትግራይ

ከም ክልል ኦሮምያ ክህልወና እንታይ ፃዕሪ

ይግበር ኣሎ? ክሳብ መዓዝ ኣብ ክራይ?

ኢሎም ከም መጠን ትግራዋይ ምሓተቱ

ግርም ነይሩ፡፡ ግን ዕላማ እቲ ፅሑፍ ነታ

ልብኩም ቶግ ዘበለትኩም ትግ ቲቪ ምድኻም

እዩ ‘ሞ ኣብ ዓዲ ሽምድሑን ዝስራሕ ዘሎ

ህንፃ ኣብ ምንታይ በፂሑ? መንግስቲ

ንሚድያ ትግራይ ከጠናኽር ‘ታይ ይገብር

ኣሎ? ኣይንታይኩምን። ነቲ ሰኣን መስርሒ

ቦታ ዜንኡ ብእዋኑ ክሓልፍ 24 ሰዓታት

ዝተግህ ጋዜጠኛ ምድኻም ብኡ ኣቢልኩም

ጋዜጠኛ ማለትስ፣ “ከበሮስያ ብኢድ ሰብ”

ከም ዝበሃል ንባዕልኹም ጎሊህኹም ክትረኣዩ

ንምግባር ዝተፈተነ ዓገርገር ይመስል፡፡

ናብ ገፅ 24…

ጥሕሎ ነሓሰ 2003 25
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 23

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ንድምቀት በዓል ጉንበት 20(መበል 20 ዓመት)

ብቢሮ ርክብ ህዝቢንመንግስቲን ዝተዳለወ

“ወያናይ(ልምዓታዊ) ሚድያ ፎረም” ፈላማይ

ተገይሩ’ዩ ተወሲዱ። ሰለስተ “ፅንዓታዊ”

ፅሑፋት(ኣብ ሕትመት፣ ሬድዮን

ቴሌቭዥንን) ብሰለስተ ጋዜጠኛታት

መንግስቲ ዝቀረቡ እንትኾኑ፣ ኣትኹሮት‘ዚ

ፅሑፍ ግና ኣብቲ ብቐጥታ ዝምልከተና ኣብ

ዙርያ ሕትመት ንዝቀረበ “ፅንዓት!?” እዩ

ክኸውን። እዚ ፅሑፍ ጉዕዞ 20 ዓመት

ሕትመታት(መንግስታዊ፣ ውድባዊን ውልቀ

መፅሄታትን) ክፍትሽ ዝፈተነ ብምኻኑ

ምንግሕጣጥን ምስኣን ቆላሕታ(focus)

ተራእዩዎ’ዩ። “ጋሕታን” ኮይኑ ‘ውን፤ እቲ

ዝገርም ህዝቢ(መንበባይ) ብዛዕበአን እንታይ

ይብል? ንዝብል ቦታ ኣብ ልዕሊ ዘይምርካቡ

ክልልና ብሕታዊት ወናኒት ዝተፈላለያ

ውልቀ ፕረሳት ምኻና ኣይረኣየን።

እዚ ፅንዓት ኣብ ሰለስተ( መንግስታዊ፣ ውድባዊን ውልቀ

ፕረሳትን) ተመቒሉ ብሰለስተ ፅንዓታት ተዝቀርብ ዕምቆትን ብስለትን

ምወነነ። ካብ ምድሃል ልዕል ኢሉ፤ ብፍላይ ውልቀ ሚድያ(ንዕብየት

ሓደ ማሕበረሰብ፣ ዴሞክራሲን ቋንቋን መሰረት ብሙኻነን) ከመይ

ከምዝተፈጠራ፣ እንታይ ዓይነት ባይታ ከም ዝተቀበለንን

ብድሆታተንን መሪምርካ፣ ካብ ዘለወን ኩለ መዳያዊ

ፀገማት(ውሽጣዊን ግዳማዊን) ክፍውሰን ዝኽእል መፍትሒ ሓሳብ

ክቐርብን ትምህርቲ ክውሰዶን ምተኽኣለ። ይኹን እምበር “ሓዙ ‘ዞም

ሚድያታት ንኽሞቱ ዝተፈጠሩ ምኻኖም ክነሪአኩም!” እናተብሃለ

ሓላፍነት ብዝጎደሎ መልክዑ’ዩ ክቀርብ ተገይሩ። ንምንታይ ኢና ግን

ውድቀት “ኣሓትና” ክንርኢ እንምነ? ዝብል ሕቶ ምልዓል ኣድላዪ ‘ኳ

እንተነበረ ንግልፂነት(clarity) ‘ዚ ፅሑፍ ንዓኹም ክንገድፎ።

ኢዲቶርያል ፖሊሲ(መምርሒ) የብለንን፤ ዕምቆትን

ብስለትን የብለንን፤ ግድፈታት ፅፈት ቃላትን ሕትመትን ኣዝዩ

ይራአየን፤ እንታይ ከመዝፅሕፋ ኣይፈልጣን!?፤ ብምኻኑ ንኽሞታ

ዝተፈጥራ ‘የን፤ ይሞታ ‘ውን ኣለዋ ናብ ዝብል መደምደምታ

ተኸይዱ። ክትዕና እዚ ሓቂ ኣይኮነን፣ ኣይኮነን። ኣይኮነን ገፅ ሰብ

እናረአኻ ብዝተኣከባ ኣብዚ እተዋ ዘይበሃላ ቅርሺን ብውሑድ ሓይሊ

ሰብን ዝካየዳ ሚድያታት ኣብተን ካብ በጀት መንግስቲ ከም ሓመድ

ዝንስነስ በጀትን ዕስሎ ካድረታት ዝወነና(መቃልሕ ትግራይን

ወይንን) ቴክኒካዊ ፀገማት ምርኣይ ባህሊ ኾይኑ ኣሎ። “ዝቐንአት

ሰበይትስ’ያ እንቅዓን ሽንታ፣ ዝሓለፈን መዛርብታ” ዝዓይነቱ ኾይኑ

ልሳን

ጥሕሎ

ሚዛናውነት እንታይ እዩ?

“ድምፆም ከይስማዕ” ንዝተገበሩ “ዕድል” ምሃብ

“ልሳን ተቃወምቲ” ኣየብልን!

‘ምበር። በዚ ልዕል ኢልና ዝገለፅናዮ ምኽንያት ግና “ልሳናት

ተቃወምቲ” ክንኸውን ኣይንኽእልን። እምነትና ግና ነዚ ይመስል።

ጋዜጠኝነት እንታይ

እዩ?

ጋዜጠኝነት መሳርሒ መአለሺ ሓቂ ምዃኑ ሀ ሁ ጋዜጠኝነት

ዝፈልጥ ኩሉ ይስማዕመዐሉ። ሓቂ እንታይ እዩ? ዝብል ክንምለሶስ

ዕላማ ጋዜጠኝነት ክነቀድም። “ቀንዲ ዕላማ ጋዜጠኝነት፣ ዜጋታት

ኣብ ውሽጢ ነፃ ሕ/ሰብ፣ ከምልቦም ከንቀሳቅሶም ዝኽእል ትኽክለኛን

ዘተኣማምንን ሓበሬታ ምቅራብ እዩ።” እዚ ተግባር ብዝተፈላለየ

መልክዑ ከመዝግለፅ ሙሁራት ጋዜጠኝነት ይኣምኑ። መንነት ሕ/ሰብ

ምፍላጥ፣ ሓባራዊ ቋንቋን ምርድዳእን ምፍጣር፣ ድልየትን ትምኒትን

ዜጋታት ምንፅብራቅ፣ ንብሄራዊ(ሃገራዊ) ዓላማን ተግባርን ክለዓዓሉ

ምርዳእ፣ ምዝንናይ፣ ፍልጠት ምጭባጥ፣ ሓለዋ፣ ድምፂ ንዘይረኸቡ

ድምፂ ክረኽቡ ምርዳእን በይዛ ሕዝቢ ምኻንን ዝኣመሰሉ ናይ

ትኽክለኛን ዘተኣማምንን ሓበሬታ መግለፂታቱ እዮም።

እዚ ቀንዲ ዕላማ ንምስኻዕ፣ ይብሉ ግዛው ዘውዱ

“ጋዜጠኝነት ሙያውና መርሆው ስነ ምግባርሩና ተግባሩ” ኣብ ዝብል

ፅሑፎም፣ ጋዜጠኝነት ካብ ብዙሕ ብውሕዱ በዞም ትሽዓንተ መሪሓት

ክምሰረት ኣለዎ፤ ኢሎም ካብ ዘቅረብዎም መሪሓት እታ ሓንቲ ከምዚ

ትብል። ሕትመት፣ ሕቶታት ስፖንሰራቶም ናይ ምትእንጋድ ግዴታ

ዘለዎም ‘ኳ እንተኾነ፣ መሰረታዊ ተፃዋዕነቶምን ተኣማንነቶምን ግና

ንጥቅሚ ሕ/ሰብ ክኸውን ይግባእ። ዝኾነ ዝቀርብ ፀብፃብ ንፈተውቲ

ወይ እውን ንዝተወሰኑ ኣካላት ፖለቲካን ንግዲን ዘየዳሉ ምግባር ምስ

ህዝቢ ዝተኣሰረ ቃልኪዳን ምሕላው እዩ።(ኣብ ቀረባ ዝተሰናደአ

መድረኽ ግና፣ “እዞም ንሙማት ዝተፈጠሩ ውልቀ ሚድያታት

ንስፖንሰራቶም እንተይቀረየ ዝፃረፉ[ዝህይሱ] ‘ዮም።” ተባሂሉ

ተባጪውልና እዩ።)

እንታይነት ወገናዊነትን

ሚዛናውነትን

እንታይነት ሚዛናውነት ንምግንዛብ ናቱ ተቃራኒ ዝኾነ

ወገናዊነት ብቀዳምነት ምምርማር ብዝበለፀ ግልፂ ይገብሮ።

ወገናውነት ብዋናነት ካብ ክልተ ነገር የመንጩ ኢልና ንኣምን። ካብ

28
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 24

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ዕሙት ፍቕሪን ዕሙት ፅልኢትን። እዚ ብሩህ ንምግባር ሓደ ቀሊል

ኣብነት ንመልከት። ሓደ ብፍቕሪ ሓንቲ ጎርዞ ዝተነደፈ መሓዛኹም

ዘክሩ። ኣብዚ እዋን ካብ ኣንደበቱ ጎዶሎታት ናይዛ ጎርዞ ምስማዕ

ዘበት እዩ። መልክዓ ምስ ፀሓይ፣ ኣመላ ምስ ወርቂ፣ ፅንዓታ ምስ እንባ

እናነፃፀረ እንተውግዕ ሰሚዕኹም ኣብ ቀዳማይ እዝንኹም ተደኒቁም፣

እንትደጋገም ሰልቺዩኩም ይነብር። ይቕሬታ ግበሩልናታ ተቃራኒ

ዕሙት ፍቕሪ ዝኾነ ዕሙት ፅልኢት ንምርዳእ እዞም ክልተ ፍቁራት

ክሳብ ሀዚ ተዘይተባኢሶም ክነባእሶም? ጎዶሎታት እታ ጎርዞ

ንምቅራም እንድሕር ደኣ ደሊኹም ንመሓዛኹም ሀዚ ርኸብዎ። ካብ

መልክዓ ብስፍሓት ኣፋ፤ ብፀጉራ ድማ ተላፂየን ሊፍ ዘይመልኣ

ወዘተ...እናበለ እንትቅይዕ፤ ብባህሪኣ ምስነብሪ፣ ተመን ፣ ኣንጭዋን

ነፋሒቶን እናመሳሰለ እንትረግማ፣ ንፅንዓታ ድማ ወዮ እንባ ናብ

ዓፍራ ቀይሩ መትሓዚን መጨበጢን ከምዘይብላ እንትገልፅ

እንተሰሚዕኹም ኣይትገረሙ። ቅድም ብዕሙት ፍቕሪ ሀዚ ድማ

ብዕሙት ፅልኢት ተለኺፉ እዩ ‘ሞ። ከምዚ ዝበሉ ጋዜጠኛታት እውን

ኣለዉ። ካድረ ‘ዩ ሹሞም። ብ Indoctrination(Teaching only

what those in power want!) ዝሰርሑ።

ከም ቀንዲ መለክዕን ኣበ ነብሲ ጋዜጠኝነትን ተገይሩ

ይውሰድ - ሚዛናውነት። ናብታ ኣብነት ንመለስ። ካብ ወገናዊነት ናብ

ሚዛናውነት ተሸጋገሩ ‘ሞ ንታ ጎርዞ ረኺብኩም ሕተቱዋ። ንኻሊእ

መሓዛኹም ብዛዕባ ‘ዞም ክልተ ፍቁራት እንትተውግዑ ፣ “ንሳ ከምዚ

ትብል፣ ንሱ ግና ከምዚ ‘ዩ ዝብል”ትብሉ። He said, she said journalism-

ይብልዎ። ከምዚ ብምግባርኩም እቲ ሓቂ ረኺብኩምዎ

ማለት ዶ ይኸውን?

ኣይተ ተሻገር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ መ/ም ክፍሊ

ትምህርቲ ጋዜጠኝነት እዮም። ንሶም ብዛዕባ ሚዛናውነት ከምዚ

ይብሉ፡ - “ዕላማ ጋዜጠኝነት ሓቂ ምብፃሕ ‘ዩ። ሚዛናውነት ዜና ምስ

ሓቃዊነት ዜና ዝተተሓሐዘ እዩ። ሓቂ ናይ ሓደ ወገን ጥራሕ

ኣይኮነትን ‘ሞ”። ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ሪፖርተር ዝነበረ

ፖልተይለር “See How They Run” (1990ኣ.ፈ) ብዝብል ርእሲ

ኣብ ዘሐተሞ መፅሓፍ ን “ሚዛናዊ ጋዜጠኝነት” ብሓፂሩ “መዕቆቢ

ኣላሺ ጋዜጠኝነት” ብምባል ‘ዩ ዘንቃሽሾ። “ሓቂ ንህዝቢ ኣየርእን፣

ካብ ዝመፅእ ጣጣ ግን የድሕን።” ብምባል። ግን ሓቂ እንታይ እዩ?

ሓቂ እንታይ እዩ?

ጲላጦስ፣ “እምበኣር ንጉስ ዲኻ?” በሎ። ኢዮሱስ’ውን

መሊሱ፡ - “ኣነ ንጉስ ከምዝኾንኩ ንስኻ ትብል ኣለኻ። ኣነ ንሓቂ

ክምስክር ተወሊደ ኣለኹ፤ ስለዝኾነ እውን ናብዚ ዓለም መፂአ ኣለኹ፣

ምስ ሓቂ ዝኾነ ኹሉ ድምፀይ ይሰምዕ” በሎ። ጲላጦስ፡ - “ሓቂ እንታይ

እዩ?” (ዩሃ. 18፡37) ዝብል ፍልስፍናዊ ሕቶ መሊሱ ኣቅረበሉሉ።

ሓቂ...ሓቂ! “ሓቂ ንግዝይኡ ጭንቂ፣ ንወትሩ ፅድቂ።” ዝብልዋ ወለዲ

ኣበይን፣ መኣዝን ከመይን ትርከብ? ናይዚ ሕቶ ፈላማይ ሓሳቢ ዝኾነ

ቴሊዝ፣ ”ኩሉ ነገር ካብ ሓደ መሰረታዊ ንጥረ - ነገር ዝተሰርሐ እዩ፣

እዚ ‘ውን “ማይ” ‘ዩ።” ነይሩ ዝበለ። ድሕሪ ቴሊዝ ዝመፅኡ

መርመርቲ ድማ መሰረት ኩሉ ነገር(ተፈጥራኣዊ ስረ-መሰረት) ሓዊ፣

ኣየር፣ ሓመድ፣ ማይ ...ወዘተ እናበሉ መፂኦም፣ “ሓቂ እንታይ እዩ?”

ንዝብል ሕቶ ኣብ ሄራክላይተዝ እንትትበፅሕ፣ “ተፈጥሮ ቆዋሚ ዝኾነ

ሓቂ የብላን “ ዝብል ምላሽ ንረክብ። (ፊዚክስ ነዚ ከምዝድግፍ እዩ

ዝቅመጥ።)

ፕሌቶ፣ ሓቂ ማለት ሕዋሳት ስሚዒትኩም ዘብፅሕልኩም

ሓበሬታ ‘ዩ ኢልኩም ከይትዕሸዉ እንትብል፣ ቤርክለይ ድማ፣ ቁስ

ዝበሃል ነገር የለን ኣእምሮ ‘ምበር ይብለና። ኣልበርት ‘ውን፣ ቦታን

ጊዜን ነባራዊ እንተይኮኑ ህሊናዊ(ኣእምራዊ) ‘ዩ እንትብል ምስ

በርክሌይ ይስለፍ። ፊዚክስ፣ ሕዋሳት ስምዒታትና ናይ መወዳእታ

ሓቂ(the ultimate reality) ከይንረክብ ደሪቶምና እዮም እንትብል፤

ሰልፍ ኣልፍሬድ ኣይሬ ግና፣ ስምዒት ሕዋሳትና ኾኑ ፊዝክስ ብዛዕባ

ደጋዊ ዓለም ዘቅርቡልና ሓበሬታ፣ ክልቲኡ ሓቂ ‘ዩ። ይብል።

ኣጠቃሊልካ እንትረአ፣ ንዲሞክራተስ ሓቂ ኣቶማት ጥራሕ እዮም፤

ንፊዝክስ፣ ሓቂ ገና ዘይተበፅሖ ሕጊ ሒሳብ ‘ዩ፤ ንማርክሲሳዊያን ፣

ሓቂ ጭቡጥ ዓለም ‘ዩ፤ ንፖለቲካኛታት፣ ሓቂ በዝሒ ስዓብቶም ‘ዩ፤

ንሃይማኖታዊያን ድማ ሓቂ እምነት ‘ዩ። “ሓቂ ዝበሃል ግና ኣሎ ዶ?”

ድማ ፍልስፍና ፖስት ሞደርኒዝም ዘልዓሎ ሕቶ እንትኸውን፣ ነዚ

መልሲ ዝሰኣኑ ጋዜጠኛታት “ሚዛናውነት” ዝተብሃለ ክልተ

ፍልስፍናታት ዘተኣናግድ ሜላ ፈጠሩ ይብሉ ፈለጥቲ ግዝጥና።

ጥሕሎ

ንሚዛናውነት ከም

ሓደ መአለሺ ሓቂ

‘ምበር፤ ከም ሓቂ

ኣይትኣምኖን!

ጥሕሎ ሓንቲ ሓሳብ ካብ ህወሓት-ኢህወዴግ እተሐቲማ ፣

ኣብ ቀፃሊ ከም ግዴታ ካብ ሓሳብ ዓረና-መድረኽ ክተሐትም ኣለዋ

ብዝብል መስርሕ “ሚዛናውነት” እናተሳቀየት’ያ መፂኣ። ኢ/ያዊ

ፈላስፋ ዘርኣያዕቆብ ብዛዕባ ዝፀሓፎ መፅሓፍ ከምዚ ኢሉ ነይሩ፡ -

“መፅሓፍ እንተምህርን እንትትርጉምን ካቶሊካዊያን ከምዚ ይብሉ።

ግብፃዊያን(ኦርቶዶክስ) ‘ውን ከምዚ ይብሉ እብል። ንሕና ‘ውን

እንተመርሚርናዮ ‘ዚ ኸሉ ንፈልጥ እብል ‘ምበር ‘ዚ ሰናይ ‘ዩ። እዚ

ድማ ክፉእ’ዩ። ኣይብልን። ግብፃዊያን ናይ ፈረንጂ፣ እቶም ፈረንጂ

ድማ ናይ ግብፃዊያን‘የ ዝመስሎም። ብምኻኑ ድማ ኩሎም ፀልኡኒ።

በዚ ግዘ ድማ ናብ ንጉስ ከሰሱኒ።” - ዘርኣያዕቆብ። ንሕና ዝረኸብናዮ

‘ውን ከምቲ ጋዜጠኛ ፖልተይለር ዝበሎ “ክልተኣዊ ዕቁባ”

እንተይኮነስ፣ ናይ ዘርኢ ግዲ ፀኒሑ፣ ዕጫና ዕጫ ዘርኣያዕቆብ ኾነ።

ኣነ ፈሪሐ ዝገደፍኩዎ ዘይፈርሕ ይፅሓፎ፣ ብምባል ናይ

ባዕሉ ሓቂ ገዲፉ ሓቂታት ክልተ ጫፍ ዝፀሓፈ ፈላስፋ ዘርኣያዕቆብ፣

ጋዜጠኛ ፖልተይለር ነዚ ዓይነት ኣቀራርባ “ሓቂ ኣየርእን ይኹን

‘ምበር ካብ ዝመፅእ ጣጣ የድሕን” ይብሎ። ህዝቢ ሓቂ ክተቅርበሉ ‘ዩ

ዝደሊ። ገለ ወገናት ድማ ሓቂ ምምርማር ግደ መንበባይ ‘ዩ ይብሉ።

እቲ ጋዜጠኛኸ ዝበፅሐሉ ሓቂ እንተቅረበ እንታይ ነውሪ ንዝብል ሕቶ

ግን መልሲ ኣይህልዎምን። ሓደ ጋዜጠኛ ንሱ ዝኣምነሉ ሓቂ ኣቅሪቡ፣

ናተይ ሓቂ “እንተይሓየኩም ወሓጡ” ብምባል ካሊእ ሓቂ እንትመፅእ

ኣየተኣናግድን ተዘይሉ ኣበር ኣለዎ ኢልና ኣይንኣምንን። እንታይ

ድኣስ ክተድምዮም እትኽእል ጉዳያት ናብቲ ስነፅሑፍ ሳይንሳዊ ሜላ

ሰኒጋ ጊዚያዊ(ነባራዊ) ዝበለቶ ሓቂ ክተቅርብ’ያ። ኣብ ዝኸብዱ

ጉዳያት ድማ(ብቅዓት ሞያናን ምጅማር ነፃ ፕረስ ክልልና ገና

ኣብታተ ብምህላዉ) ንሚዛናውነት ተባሂሉ ዝግበር እከለ ስለዝተዛረበስ

እከለ ይዛረብ እንተይኮነስ ከምቲ ስነ ሓሳብ political socialization

ዝብሎ ህዝቢ ዝበሰለ ሓሳብ ክረክብን፤ ዝበሰለ ሓሳብ ንምምንጫው

ክመያየጥን ከከም ኣድላይነቱን ጠቃሚነቱን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ፣

ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ፍልስፍናታት ብዘይኣድልዎ

ክተተኣናግድ’ያ። ብምኻኑ ‘ውን ህዝቢ ዝፈልጦ “ፃዕዳ ሑሶት”

ብሚዛናውነት ተኸዊላ ክተቅርብ ኣይትሓምምን። በዚ ንዝመፅእ ኩሉ

ተሓታትነት ‘ውን ሓላፍነት ትወስድ። ስለዝኾነ ምስ ህዝቢ፣

መንግስትን ተቃወምትን ብምኽንያት ተሓጋጊዛ፣ ካብ ልሳን

መንግስቲን ተቃወምትን ዓርሳ ኣቅኒዓ እተኹርዕ፣ ሓቂ ዝደሊ ዝእልሻ

ልሳን ህዝቢ! ኾይና ትቅፅል። እንተ፣ ከም ትምኒት መቅረባይ

“ፅዓታዊ ፅሑፍ” እንተዘይሞይታ፤ ወይከ ካብ ድምፂ ንዝሰኣኑ ዕድል

ምሃብ(voice to voiceless!) ዘይትዕርነብ። ሓቂ ግበር ‘ሞ ኣብ

መንገዲ ደቅስ! ‘ዶ ኣይኮነን? ሰናይ ንባብ።

29
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 25

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ገዛ ና

ሓደ ህይወት ቤተሰብ ‘ኳ

ፍፁም የለን፣ ይኹን’ምበር

ናቶም ቤተሰብ ግና ፅቡቕ

ክገብርዎ ይኽእሉ፡፡ ኩሎም

ስድራቤት ዝተፈላለዩ’ዮም፡፡

ኩሎም ስድራቤታት ድማ ናይ

ባዕሎም ዝኾነ ሓሳብ ኣለዎም፡፡

ይኹን’ምበር ብትኽክለኛ

መስመር ስራሕን ምምሕያሻትን

ህይወት ስድራቤትካ ምቁር

ክትገብሮ ትኽእል፡፡ ርክብኩም

ብምጥንኻርን ብምምሃርን፡፡

ምእንቲዚ ‘ዞም 10 ቁም ነገራት

ልቢ ክትብሎም ይግባእ።

ኣኽብሮት ይሃልኻ!

እዚ ንዓኣቶም ኣኽብሮት ብምሃብ

ዝፍፀም ኣይኮነን፡፡ ዝብልዎ

ንምስማዕ ብምፍታንን ሕጉሳት

ንኽኾኑ ዘይተሓለለ ፃዕሪ

ብምግባርን’ምበር፡፡ ምድማፅን

ደስታ ንምፍጣር ምፍታንን፡፡

ክተሐጉሶም ተዘይኪኢልካ-

ፍለጦ፡፡ እመነሉ፣ ደሓር ድማ

ሕጉስ ኩን፡፡ ኣትኩሮትካ ኣብ

ውሽጥኻ ሃሴት ክሰመዐካ ምግባር

ይኹን፡፡ ንኻልኦት ምሕጓስ፣

ካልኣዋይ’ዩ፡፡ ፈለማ ንባዕልኻ

ሕጉስ ኩን፡፡ ነገራት ድማ ምእንቲ

ባዕሎም ኣብ ከይዲ

ክልወጡ’ዮም፡፡ “ነዊሕ ጉዕዞ

ብስዳሮ ይጅመር” ከምዝብሉ

ኣበው።

ቁኑዕ ኹን፣ ኩሉ ክትፈልጥ

ድማ ኣይትድለ!

ሓደ ሓደ ሻብ ገለ

ዘይመዝራብ(ብስቕታ ምሕላፍ)

ካብ ብዙሕ ምዝራብ፤ ንርክብ

ቤተሰብ ዝሓሸ’ዩ፡፡ ዋ! ቤተሰብ’ኮ

ንኹልግዘ’ዩ፡፡ ስለምንታይ ድኣ

ብንእሽተይ ነገር ንባኣስ?

ንሰላምካ ጠንቂ ዝኾኑ ኣናእሽቲ

ነገራት ችላ በሎም፡፡ “ስቕ ዝበለ

ካብ መዓት ገለለ” ከምዝበሃል፡፡

ምስ ሕድሕድ ኣባል ቤተሰብካ

ብነፃነት ኣውግዕ፣ ተመያየጥ!

ዝደልይዎ እንትዛረቡ ኣቓልቦ

ሂብካ ስምዓዮም፡፡ ንሳቶም ኣብ

ዝደለዩኻ እዋን

ም ስ ኣ ቶ ም ( ሓ ቢ ር ካ ዮ ም )

ክትከውን ፈትን፡፡ ክትሕዞ

ዝግበአካ ግን ካብ ድልየት

ስድራኻ ንድልየትካ ክብደት

ክትህቦ ከምዝግባእ’ዩ፡፡ ግዜኻን

ፍቕርኻን ’ምበር ህይወትካ

ክትህቦምስ ኣይኸውንን፡፡

ኣብ ዝኾነ እዋንን ቦታን

ክተመዛዝን ፈትን!

እተፍቅሮም ስድራኻ ሕጉሳት

ኮይኖም እንተሪኢኻ፣ ንስኻ’ውን

ዝበለፀ ሕጉስ ትኸውን፡፡ ኣብ

መንገዲ ህይወትካ ነገራት

ክተመዛዝን ይግባእ፡፡ ፈላማይ

ቤት ት/ቲ ምምዝዛን ድማ ገዛኻ-

ስድራኻ’ዮም፡፡ ልዕሊ

እትፈልጦም ኩሎም ሰባት ስድራ

ቤትካ ንተግባራትካ፣ ዘረባኻን

ንትህቦም ሓሳባት ቅርፂን ርዝነት

ትሕዝቶን ኣብ ምስትኽኻል

ዝዓዘዘ ግደ ኣለዎም፡፡

ህያብ - ንስድራኻ እዋናዊ

ህያባት ኣበርክት!

ብስራት(Surprise) ዝተሓዘሎ

ህያብ ዝበለፀ ዋጋ ኣለዎ፡፡

ምኽንያቱ ድማ ብዙሓት

ስለዝፈትዉዎ፡፡ ብምጡናትን

ጡዑማት ቃላትን ዝተላዕጠጡ

ሓፀርቲ ፅሑፋት ንህያባትና

ድምቀት ዝዓዘዘ ግደ ኣለዎም’ሞ

ምስነበርክቶም ህያብና

ይጠቕለሉ፡፡ ኣድናቖት ድማ

ዝዓዘዘ ህያብ’ዚ እዋን’ዩ፡፡ ዝኾነ

ዕዮ ገዛ ንዘከናወነ ኣባል ስድራ

ኣድናቖት ምግላፅ-ህያብ’ዩ፡፡

ብሓባር ምብላዕ!

ዘመናዊ ህይወት ‘ዚ ንኸይህሉ

ዝፅዕር ዘሎ ይመስል፡፡ ኮይኑ ግና

ሓቢርካ ምብላዕ (ጥሕሎ ክኸውን

ይኽእል!) ንህይወት ስድራቤቶም

ኣብ ምድማቕን ምዕባይን ዓብዪ

ግደ ኣለዎ፡፡

ህይወት ልምፅቲ ኣይኮነትን!

ህይወት ‘ብውፃእ ውረድ’

ዝተሰቆረት’ያ፡፡ ኣብ ህይወት

ቤተሰብካ ቅኑዕን ብርግዓት

ዝሓስብን ክትከውን ኣለካ፡፡

ስድራኻ ንዓኻ ከጨናንቁኻን

ክትሓርቕን ናይ ምግባር መሰል

የብሎምን፡፡ ፈትን እንተኣብዩካ

ግን “ጠን-ኣብልዎ!” በሎም

ምበር ከምኡስ ኣይትኹን፡፡

ብድያመንድ

ፅቡቕ ህይወት

ቤተሰብ ንኽህልዎም…!

ጊዜ ቤተሰብ “Family Time”

ካብ ዝተፃበበ ጊዜኻ ኣብ ሰሙን

ሓደ መዓልቲ “ጊዜ-ቤተሰብ”

ብምስያም ምስ ስድራኻ

እንተኾይንካ ይምረፅ፡፡

ብኣብዝሓ፣ ሰንበት መዓልቲ

ቤተሰብ’ዩ፡፡ እንተገደደ ኣብ

ወርሒ ሓደ ጊዜ ንቤተሰብካ

እትምድቦ ሰዓት ክህልው

ይግባእ፡፡ ሲኒማ ብምርኣይ፣ ጌም

ምፅዋት፣ ጉዕዞ ብምውፃእ ዝኾነ

ኾይኑ ኣባል ስድራኻ ኩሉ

ከምዝሕጎሰሉ ርግፀኛ ዝኾንካሉ

ግዘ ሓባር ኣሕልፍ፡፡

ንኣዝማድካ (ንሓውካ፣ ሓፍትኻ

ኮታስ…) ግዘ ሃብ

ንሳቶም ብጣዕሚ’ዮም

ዝፈልጡኻ፡፡ ኩሉ ሓቂ

ይነግሩኻ፣ ‘ቲ ክትሰምዖ

ዘይትደሊ ሓዊሱ፡፡ እንትንባፅሕ

ርክብና(ምስ ሓው፣ ሓፍቲ)

ከምቲ ዝሕሰብ ስጡም ዘይክኾን

ይኽእል፡፡ ይኹን’ምበር ሓጋዚ፣

መበረታትዒ ተስፋ ወሃባይን

ቁኑዕን ኩነሎም፡፡

ርክብ ቤተሰብካ በባኻን በኣቶምን

ድሌት ክውሰን ከምዘለዎ ተቐበል

ፍርቂ መንገዲ መፂኦም

እንድሕር ረኺቦምኻ፣ ሕጉስ

ትኸውን፤ ሙሉእ ሓይልኻ

ዝሓትት ፃዕሪ ተዘይቃፂልካ፡፡

ሃሴት ንዝተመልኦ ስድራ ማዕረ

ኣስተዋፅኦ ክህሉ ይግባእ። ሰላም!

26
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 26

ፓሌት

ደብተራ ፍስሓ ጊዮርጊስ ዓብየዝጊ

‘ታሪክ ኢትዮጵያ’

ዳህሳሰ መፅሓፍ

መእተዊ፡-

ብኢትዮጵያውያን ፀሓፍቲ

ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት

ኢ/ያ፣ ብዛዕባ ታሪክ

ኢትዮጵያ፣ ባህልን

ተዛመድቲ ጉዳያትን

ዘንፀባረቁ፤ ኣብ

ዝተፈላለዩ ጊዜያትን

ቦታን ዝተፅሓፉ

መፃሕፍቲ ከምዘለዉ

ይፍለጥ፡፡ ይኹን’ምበር

እዞም መፃሕፍቲ ንህዝቢ ኢሉ’ውን

ንሙሁራን ብዝተደለየ ኩነት በፂሖም’ዮም

ንምባል ግን የፀግም’ዩ፡፡ ነዚ ከምቀንዲ

ምኽንያት ክውሰድ ዝኽእል፣ ነዞም መፃሕፍቲ

ግቡእ ትኹረት ተዋሂቡዎም ናብ ህዝቢ

ንኽበፅሑ ዝደሊ ፃዕሪ ዘይምስላጡ ይመስለኒ፡፡

ብናተይ ኣመለኻኽታ ናይ’ዚ ዕጫ

ተቛዳሲ ዝኾነን ነዚ ፅሑፍ ዝተመረፀ

ብደብተራ ፍስሓ ዓብየዝጊ ዝተፅሓፈ ‘ታሪክ

ኢትዮጵያ’ ዝተብሃለ መፅሓፍ’ዩ፡፡ ከም

ፕሮፌሰር ያዕቆብ በየነ (ማ.ባ.ት ብ1993

ዓ.ም ኣብ ዘሐተሞ ’ዚ መፅሓፍ መቕድም

ዝፀሓፉ፤ ኣብ ናፖሊ ዘምህሩ ኢትዮጵያዊ

ፕሮፌሰር) እዚ መፅሓፍ ብ1899(ኣ.ፈ)

ዝተፅሓፈ መፅሓፍ’ዩ፡፡ ፕሮፌሰር ያዕቆብ

ብ1987(ኣ.ፈ) ናብ ጣልያን ቶርጒሞም

ኣሐቲሞሞ፡፡ ኣብ ላዕሊ ከምዝተገለፀ ድማ

ማሕበር ባህሊ ትግራይ ብኢድ ደብተራ

ፍስሓ ጊዮርጊስ ዓብየዝጊ ዝተፅሓፈ ዋና

(Origional) መፅሓፍ ብ1993 ዓ.ም

ክሕተም ገይሩ፡፡

መፅሓፍ ደብተራ ቅድሚ 110 ዓመት

ዝተፅሓፈ እንትኸውን ዝሓዞም ቁምነገራትን

ኩነታት(ሜላ) ኣፀሓሕፍኡን ኣብ ግምት

ብምእታው ኣብ ታሪክን ባህሊን ኢ/ያ

ንዝግበሩ ፅንዓታት ከም ሓደ ፍልፍል

ከገልግል ይኽእል ጥራሕ እንተይኮነስ ንዘንቦ

ስለ ታሪክን ባህልን ኢትዮጵያ ዘይናዓቕ

ፍልጠት ከምዘጨብጥ ብምእማን’ዩ፡፡

ብተወሳኺ’ውን እዚ ዕድል ተጠቒመ መፅሓፍ

‘ታሪክ ኢትዮጵያ’ ኣብዝሓ ኢትዮጵያውን

ዜጋታት ወፃእን ከንብዎ ብዝኽእሉ ቋንቋታት

ተተርጒሙ እዚ መፅሓፍ ብህዝቢ ተፈሊጡ

ግቡእ ቦታኡ ንኽረክብ ዘለኒ ድልየት

ንምርኣይ’ውን’ዩ፡፡

ኣብዚ ክገልፆ ዝደልዮ ነገር እንተሃለወ፣ ኣብ

‘ታሪክ ኢትዮጵያን’ ን ፀሓፊ’ዚ መፅሓፍን

ዘጠመተ ዳህሳስ ንምቕራብ ብዝተፈላለዩ

ምኽንያታት ኣድላዪ ዝኾነ ፅንዓት

ኣየካየድኩን፡፡ ኣብዚ ፅሑፍ፣ እዚ መፅሓፍ

ንፈለማ እዋን እንተንብቦ ዘሕደረለይ

ስምዒት’የ ከቕርብ ፈቲነ፡፡ ንቕድሚት ግና፣

ኩነታት እንተፈቂዶምለይ ብዛዕባ ደራሲ

ደብተራ ፍስሓን ዝተፈላለዩ ስራሕቶምን

ዕሙቕ ዝበለ ፅንዓት ብምስላጥ ዝሓሸ ነገር

ከምዘቕርብ ብምትእምማን’ዩ፡፡

ደብተራ

ፍስሓ

መን’ዮም

ልዕል ክብል ንምግላፅ ከምዝፈተንኩዎ

ኣብዚ ፅሑፍ ህይወት ታሪክ ፀሓፊ ተወሲዱ

ዝቐረበ ካብ ፕሮፌሰር ያዕቆብ በየነ ኣብ

መፅሓፍ ‘ታሪክ ኢትዮጵያ’ ዘቕረብዎ

መቕድምን ባዕሎም ደብተራ ፍስሓ ኣብ

መፅሓፎም ስለ ባዕሎም ካብ ዝበልዎ’ዩ፡፡

ፕሮፌሰር ያዕቆብ ምንም’ኳ ደብተራ ፍስሓ

ዝተወለድሉ ዘመን ተዘይገለፁ ‘በዓል የሓ

ላዕላይ ዙፋን (ዓድዋ)’ ከም ዝኾኑ

ከቲቦም’ዮም፡፡ ኣብ መወዳእታ 18 ክ/ዘመን

ናብ ጣልያን ምኻዶምን ኣብ ናፖሊ

‘ኢንስቲቶ ኦሬነታለ’ ግእዝን ኣምሓርኛን

የምህሩ ምስ ዝነበሩ ፕሮፌሰር ፍራንቼስኮ

ከምዝተራኸቡ ይገልፁ፡፡ ከም ኣገላልፃ

ፕሮፌሰር ያዕቆብ፣ ፕሮፌሰር ፍራንቼስኮ

ኣብ’ቲ ጊዜ ካብ ዝነበረ ልመዲ (ብቋንቋ

ኣምሓርኛ ምፅሓፍ) ብዝተፈለየ ብቋንቋ

ትግርኛ ንኽፅሕፉ ‘መኸርዎም

ኣበረታትዑዎም’፡፡ በዚ መሰረት ድማ ብ1985

(ኣ.ፈ) ኣብ ሮማ ዝተሓተመ ‘ብዛዕባ ካብ

ጦብያ ንጣልያን መንገዱን ነዚ ሃገር እዙይ

እውን ንምርኣይ ኣብ ሰብነቱ ጦብላሕ ዝበሎ

ጦብላሕታ’ ዝብል ልበ ወለድ ትግርኛ ፀሓፉ

(እዚ ልበ ወለድ ስለ ፀሓፊ ደብተራ ፍስሓ

ህይወት ብዙሕ ዝፀውየና ቁምነገር ከምዘሎ

ይስመዐኒ)፡፡ ቀፂሎም ‘ታሪክ ኢትዮጵያ’

ንምፅናዕ ይሕግዝ ይኸውን’ዩ ብምባል ‘ታሪክ

ኣዕራብን ግብፃውያንን’ ዝብል መፅሓፍ

ብ1897 (ኣ.ፈ) ናብ ትግርኛ ተርጎሙ፡፡

ብ1899 (ኣ.ፈ) ድማ ክልተ መፃሕፍቲ

ማለት’ውን፡-

“ፊተኛይቱና ኋላይኛይቱ ኢትዮጵያ”

ዘርእስቱ ብስም “ዘወልድ”

ነዚ ዳህሳስ ዝተመረፀ መፅሓፍ ማለት’ውን

‘ታሪክ ኢትዮጵያ’ ዝበልዎ መፅሓፍ

ኣሐተሙ፡፡ ቀፂሎም ’ውን “ፅሩይ ቋንቋ

ትግርኛ” ዝብል መፅሓፍ ኣሐቲሞም’ዮም፡፡

ካብዚ ወፃእ ብዛዕባ ደብተራ ፍስሓ

ክበሃል ዝከኣል እንተሃለወ፣ ባዕሎም ኣብ’ዚ

መፅሓፍ ከምዝገለፅዎ ራእሲ መኮነን ካብ

ጣልያን እንትምለሱ ምስኦም ብምፅዋዕ

ኣቢሎም ትግራይ ከምዝተመለሱን ድሕሪ

ፃንሒት(ንእሽተይ) ድማ ብትእዛዝ

ግራዝማች ዮሴፍ ምስ ኣንቶኔሊ ናብ ጣልያን

ምምርሖምን ’ዩ፡፡ ኣብዚ ብዛዕባ ደብተራ

ፍስሓ ክለዓሉ ዝግበኦም ነጥብታት መሲሎም

ዝስምዑኒ፡-

.ኣተዓባብየኦም፣

ብፍስሓ በርሀ

.ጣልያን፣ ንምንታይን ከመይን

ከምዝኸዱ፣

.ኣብ ጣልያን ዝፀንሕሉ ግዘን ዘከናዎም

ነገራትን፣

.ድሕሪ መልሲ ካብ ጣልያን ዝነበሮም

ህይወት ወዘተ...ን ’ዮም፡፡

ጥሕሎ ነሓሰ 2003 32
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 27

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ትሕዝቶ

መፅሓፍ

‘ታሪክ

ኢትዮጵያ’

‘ታሪክ ኢትዮጵያ’ ብዋናነት ዝተፅሓፈ

ካብ ኣፈ ታሪክ (Oral Tradition)

ሽማግለታት ዓዲ ካብ ዝበልዎን ደብተራ

ፍስሓ ካብ ዝረኣይዎን (ዘጓነፎም)

ነገራት ብምንቃል’ዩ፡፡ መፅሓፍ ‘ታሪክ

ኢትዮጵያ’፤ ታሪክ ኢ/ያ ካብ ጥንቲ

ክሳብ 1890ታት (ኣ.ፈ) መጀመርያ ዘሎ

ኩነት ንምድህሳስ ዝፈተነ መፅሓፍ’ዩ፡፡

ደብተራ ፍስሓ ኣብ መፅሓፎም ብዋናነት

ዘልዓልዎም ነጥብታት ካብዚ ንታሕቲ

ዘ ለ ዉ ’ ዮ ም ፡ ፡

.ኣመፃፅኣ ህዝቢ ኢ/ያን ኢትዮጵያ

ዝብል ስያመን

.ታሪክ ቅድመ ኣክሱም (‘መንግስቲ

ገበል፣ ንግስተ ሳባ፣ ቀዳማዊ ሚኒልክ ወዘተ…

’).ስልጣነ ኣክሱም (ክርስትናን

ፍሬምጦስን፣ ሃፀይ ካሌብን ናብ ደቡብ

ዓረብያ ዝገበርዎ ወፍርን፣ ሃፀይ ገ/መስቀል

ቅዱስ ያሬድን፣ ምኽንያታት ምድኻም

ኣክሱም፣ ጉዲት ወዘተ…)፣

.መንግስቲ ዛጉወ፣

.ኣቡነ ተክለሃይማኖትን ‘ምምላስ’ ስርወ

መንግስቲ ‘ሰለሙን’ን፣

.ኲናት ኣሕመድ ግራኝ (መንቀሊ

ኲናት፣ ድጋፍ ፖርቹጋላዊያን፣ መወዳእታ

ሃፀይ ልብነ ድንግል ወዘተ…)፣

.መንግስቲ ጎንደር፣

.ዘመነ መሳፍንቲ’ ኢልና ብዛዕባ ንፅውዖ

ግዘ (ብዛዕባ ራእሲ ሚካኤል ስሑል፣

ስባጋድስ፣ ራእሲ ማርዮ፣ ደጃት ውቤ፣ ደጃት

ንጉሴ፣ ደጃት ውቤን ደጃት ንጉሴን ኣብ ልዕሊ

ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ በደልን ሃብቲታቱ

ከመይ ይጉሕጉሑዎ ከምዝነበሩን ወዘተ…)

.ሃፀይ ቴዎድሮስ (ናብ ስልጣን ከመይ

ከምዝመፅኡ፣ ወፍርታቶም፣ ምስ ካህናት

ዝነበሮም ዘይምስምዕማዕ፣ ምስ ሚስዮናውያን

እንግሊዝ ዝነበሮም ርክብ፣ ወፍሪ ናፔር፣

ንህዝቢ ትግራይ ዝነበሮም ፅቡቕ

ኣመለኻኽታ ወዘተ…)

.ሃፀይ ዮሓንስ (ምስ ሃፀይ

ተክለጊዮርጊስ፣ ግብፅን ጣልያንን ዝገበርዎም

ኲናታት ምስ ሃፀይ ምኒሊክን ንጉሰ

ተክለሃይማኖትን ዝነበሮም ርክብ፣ ኲናት

መተማ ወዘተ…)

.ኣብ ትግራይ ድሕሪ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ

ዝነበረ ታሕሚስ፣

.መሳፍንቲ ትግራይ (ደጃት ኣበበ

ኣርኣያ፣ ራእሲ መንገሻ፣ ደጃት ስዩም፣ ደጃት

ስብሓት፣ ደጃት ሓጎስ…) እርሰ በርሶም

ዝገበርዎ ጎንፅን ንትግራይ ከመይ

ከምዘዳኸሙዋን፣

.ወተሃደራት ራእሲ መኮነንን ሃፀይ

ሚኒሊክን ትግራይ ከመይ ከምዘብረስዋ፣

.ህዝብን መኳንንትን ትግራይ ኣብ

ወተሃደራት ሽዋ ዝነበሮም ፅልኢትን

ዝገበርዎ ቃልሲ (ናይ ኣፅቢ፣ ፅራእ፣

ሓራማት፣ መኾኒ) ወዘተ’ዮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ልዕልና ኣምሓራ ኣብ

ባህልን ምሕደራን ትግራይ ዘሕደሮ ተፅዕኖ

ኣልዒሎም ተንቲኖም’ዮም፡፡ ንኣብነት ኣብ

መዳይ ባህሊ ካብ ጊዜ ደጃት ውቤ ጀሚሩ

ቋንቋ ኣምሓርኛ ክዝውተር ምጅማሩ፣ ‘የጭን

ገረድ’ ምሓዝ ብተጋሩ ባላባት ልምዲ እናኾነ

ምምፅኡ፣ ኣብ መሓላ ዝመፅአ ለውጢ

ወዘተ፣ ንምልዓል ፈቲኖም’ዮም፡፡

ኣብ መዳይ ምሕደራ ዝመፅአ ለውጢ

እንተቕምጡ፣ ንጉሳት ጎንደር ንክፍለዋህድ

ደጃዝማች ዝብል ስያመ ሂቦም ትግራይ

ቅድሚ ምልኣኾም ደጃዝማች፣ ግራዝማች፣

ወዘተ ዝብሉ ሹመታት ከምዘይነበሩን

ትግራይ ብሹም ዓጋመ፣ ሹም ተምቤን፣ ሹም

እንደርታ፣ ወዘተ ዝብል ሹመት ብዝነበሮም

44 ኣመሓደርቲ ትመሓደር ከምዝነበረት፣

ነቡረ ኢድ ድማ ልዕሊ ኩሎም ሹማት

ከምዝነበረ፣ ካብዚ ግዘ ንዳሓር ግና ነቡረ

ኢድ ዝበሃል ስልጣን ኣብ ኣክሱም ጥራሕ

ከምዝተሓፀረ የቕምጡ፡፡

ደብተራ ፍስሓ ኣብ መፅሓፎም ካብ

ታሪኽ ብተወሳኺ ብዛዕባ ህዝብን ባህልን

ዝተወሰነ ንምባል ፈቲኖም’ዮም፡፡ ኣብ

ትግራይ ኣብ’ቲ እዋን ዝነበረ ስነ-ስርዓት

ሓዘንን መርዓን፣ ስነስርዓት ሓዘን ኣምሓራ

ብዛዕባ ኢትዮጵያዊያን እስላም፣ ቤተ-

እስራኤል፣ ሳሆ፣ ዓፋር፣ ወይጦ፣ ቅማንት፣

ህዝብታት ኣገው ብዛዕባ ዝነብርሉ ከባቢ፣

ቋንቋ፣ እምነት፣ ምንቅስቓስ ስነ-ቁጠባ፣

ስለዝነበሮም ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ቦታ

ወዘተ ንምድህሳስ ፈቲኖም’ዮም፡፡

ብተወሳኺ’ውን ኣብ ትግራይ ስለ ዘለዉ

ቅርስታት ማለት’ውን ሰብዓት (ካብ ማይጓጓ

ብኣንፈት ምስራቕ ናይ ክልተ ሰዓት ርሕቀት

ዘለዎ ዝፈራረሰ ከተማ)፣ ኣኽሱም፣ ይሓ፣

ቆሓይታ፣ ዙላ (ኣዱሊስ)፣ ቀልዓት (ዓጋመ)

ኣጉላዕ ቤተመንግስቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ወዘተ

ጠቃቂሶም’ዮም፡፡

መጠቓለሊ

ብደብተራ ፍስሓ ዝተፅሓፈ ‘ታሪክ

ኢትዮጵያ’ መፅሓፍ ኣብ ፅንዓት ታሪክን

ባህልን ኢ/ያ ጠቓሚ ፍልፍል ክኸውን

ዝኽእል መሲሉ ይስመዐኒ፡፡ ደበተራ ፍሰሓ

ኣብ’ቲ ግዘ ክረኽብዎ ብዝኸኣሉ ፍልፍልን

ዝረኣይዎም ነገራትን ብዝተኽኣለ መጠን

ብዘይኣድልዎ (Balanced account)

ንምቕራብ ከምዝፃዓሩ ንምርኣይ ይከኣል፡፡

እዚ እንትብል እዞም ፀሓፊ ዝኾነ ዓይነት

ግድፈት ኣይነበሮምን ሙሉእ ንሙሉእ (Objective)

ነይሮም ንምባል ግን ኣይኮነን፡፡

ካብዚ ቀፂሉ ምይይጥ ከልዕሉ

ይኽእሉ’ዮም ኢለ ዝሓሰብኩዎም ነጥብታት

ንምልዓል ክፍትን፡፡

ነዚ ዳህሳስ ዝበቕዐን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ

መፃሕፍቶምን፣ ደብተራ ፍስሓ ኣብ ታሪክ፣

ቋንቋን ባህልን ኢ/ያ ፅንዓት ኣበይናይ ቦታ

የቐምጦም ይኸውን?

እዙይን ካልኦት ስራሕቶምን ኣብ ኢ/ያ

ፈላሞት ኢልና ዘቐመጥናዮም ነገራት

(ንኣብነት፡- ብኣፈወርቅ ገ/የሱስ ዝተፅሓፈ

ናይ ኢ/ያ ፈላማይ ልበ ወለድ ተባሂሉ

ዝፅራሕ ጦብያ) ንምቕያር ኣየገድደናን’ዶ?

ደብተራ ፍስሓ ኣብ ”Pioneers of Change

in Ethiopia” ምዝንጎዖም/ምዝላሎም እቶም

ፀሓፊ ስለ ደብተራ ገለ ስለዘይፈልጡ ወይስ …

ክሳብ ሐዚ ኣብ ፅንዓት ታሪክ ኢ/ያ

እንጥቀመሎም ኣመዳድባ ዘመን (Periodization)

ካብ ደብተራ ፍስሓ ብዙሕ

ብዘይምፍላዮም፣ ካብዚ ወፃኢ ክንከይድ

ዘይምኽኣልና ውፅኢት ወይስ ንሶም

ቀዲሞምና ዝኸዱ ሰብ ብምንባሮም?

መፃሓፍቲ ፍስሓ ደብተራ ብደብተራ ፍስሓ

ባዕሎምን ካልኦት ኣብናቶም ዘመን፣

ቅድሚኦምን ድሕሪኡን ብዝነበሩ ኢ/ያዊያን

ሙሁራን ስራሕቶም ብምፅናዕ ታሪኽና፣

ባህልናን ቋንቋናን ንምፅናዕን ንምዕቃብን

ንእንገብሮ ፃዕሪ ከም ዓብዪ እታዎት

ክንጥቀሞ ከምዝግበአናን፣ ብናይ ካልኦት

ዜጋ ዝተፅሓፉ ጥራሕ ናይ ምርኣይ ሕማምና

ክንቅይር ከምዘለና ዘርኢ ኮይኑ ይስመዐኒ፡፡

ኣብ መወዳእታ፣ ዝተሰነዱ ስራሕቲ

ደብተራ ፍስሓን ካልኦት ኢ/ያውያን

ምሁራንን ናብ ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን

ብምምላስ ናብ ሰፊሕ ኢ/ያውያንን ካልኦት

ዜጋታት ዓለምን ዝባፅሑሉ ኩነታት

እንተዝመቻቸ፣ ብዓወታት ኲናት

ዘመዝገብናዮም ቅያታት ጥራሕ እንተይኮነስ

ከምዚ ብዝዓይነቶም ንትውልዲ ዝተርፍ

ስራሕቲ ጠመተ ምሃብን ምሽብሻብን

ከምዘለና ብኣፅንኦት ክጠቅስ እደሊ፡፡ ሰላም፡፡

ፍስሓ በርሀ ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ክፍሊ

ትምህርቲ ታሪኽን ባህልን መ/ም ታሪኽ

’ዮም፡፡ እዚ ኮሜንተሪ ፅሑፎም ካብ መፅሓፍ

‘ኣድዋ ለኣፍሪካ’ ነዚ ዓምዲ ብዝምጥን

መልክዑ ናብ ትግርኛ ብምምላስ ዝቀረበ እዩ።

33
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 28

ፍልስፍና ጠቢባን

ፍ“ ፍልስፍና ካብ

ደገ እንትትሪኣ

ብ መ ዓ ር

ብ ዝ ተ ለ ወ ሰ

ብርዒ ፍልጠት

ዝ ተ ፅ ሓ ፈ ት

ት መ ስ ል ።

ነዚ’ውን እዩ

ክተንባ ደሊኻ

እንትጅምራ ግልፅን ጥዕምትን

ትመስል’ሞ ናብ ውሽጣ ጠሊካ

እንትትኣትው ዕረ ዘይምፍላጥካ

ተልሕሰካ፡፡” ዝበለና ብ1879

ዓ.ም.ፈ. ናብዚ ዓለም ዝተፀንበረ

ኣልበርት ኣይንስታይን፣

ቀዳሞት ፍልስፍና ኣቦታት

ፍልስፍና ፈቲሹ ምዃኑ’ዩ፡፡ ሓደ

ካብቶም ኣቦታት ፍልስፍና

ዓለምና ድማ ኢትዮጵያዊ ፈላስፋ

ዘርኣያቆብ

ዘርኣያዕቆብ...

’ዩ። ሓቂ

መፅሃፈ ዘርኣያዕቆብ

ዝተወለድኩሉ ኣብ

ሃገረ ካህናት ኣክሱም’ዩ፡፡ ነገር

ግና ኣነ ሃፀይ ዘርኣ ያዕቆብ ነጊሱ

ሳልሳይ ዓመቱ ኣብ ዘቑፀረሉ

ብ1592 ካብ ሓደ ስድራ ገባር

ተወለድኩ፡፡ ብጥምቀት ክርስትና

ዘርኣያዕቆብ ተባሂለ ተሰየምኩ፡፡

ሰባት ግን ወርቀይ ይብሉኒ፡፡ ምስ

ዓበኹ ትምህርቲ ንኽመሃር ኣቦይ

ቤት ት/ቲ ለኣኸኒ፡፡ ድሕሪ

ምድጋም ዳዊት፤ እዚ ህፃን

ወድኻ ልቦንኡ ዝበርሀ፣

ትዕግስቲ ዝገዝአ’ዩ’ሞ ንዝበለፀ

ምህሮ እንተትልእኾ ሊቅን

መምህርን ክኸውን’ዩ፤ ኢሉ

መምህር ዳዊተይ ንወላዲ ኣቦይ

በሎ፡፡ ኣቦይ’ውን ዜማ ክመሃር

ለኣኸኒ፡፡ ይኹን’ምበር ድምፀይ

ጓዕራር ኾይኑ ተሰመዐኒ፡፡ በዚ

ምኽንያት ድማ መሓዙተይ

መቐለዲኦም ገበሩኒ፡፡ ሰለስተ

ወርሒ ፀኒሐ ስለዘይተሳኸዐለይ

ካብ ልቢ ሓዚነ፣ ሰዋስውን ቅኔን

ንኽመሃር ናብ ካልእ መምህር

ኣምራሕኹ፡፡ ካብ መሓዙተይ

ቀልጢፈ ንኽመሃር እ/ሄር ጥበቡ

ስለዝሃበኒ ፈላማይ ሓዘነይ ክርስዕ

ረድአኒ፡፡ ብጣዕሚ ተሓጎስኩ፡፡

ዓርባዕተ ዓመት ድማ ፀናሕኹ፡፡

ኣብ ፃንሒተይ ምስ መሓዙተይ

እንትፃወት ናብ ገደል ፀደፍኩ፡፡

እ/ሄር ብተኣምራቱ

ኣድሒኑኒ’ምበር ፈፂመ ክድሕን

ኣይክእልን ነይረ፡፡ ድሕሪ’ዚ

ነይሩ ትርጉም ቅዱሳት

መፃሕፍቲ ንክመሃር ናብ ካልእ

መምህር ዝኸድኩ፡፡ ኣብ ፃንሒት

ዓሰርተ ዓመተይ፣ ፈረንጂ

ንመፃሕፍቲ ከመይ

ከምዝትርጉምዎም፣ ናትና

ምሁራን’ውን ከመይ

ከምዝትርጉሙዎም ተምሃርኩ፡፡

ትርጉሞም ግን ምስ ልቦናይ

ዝስማዕምዑ ኣይነበሩን፡፡ ኮይኑ

ግን እዚ ስምዒተይን ሓሳባይን

ንሓደ እንተይገለፅኩ ብልበይ

ሒዘዮ ፀናሕኹ፡፡ ድሕሪኡ ናብ

ሃገረይ ኣክሱም ብምምላስ

መፅሓፍ እናምሃርኩ ኣርባዕተ

ዘርኣያዕቆብ

(ወርቀይ) ብመኮነን

ዓመት ምስ ኣቁፀርኩ ክፉእ ዘበን

ኮነ፡፡ እ/ሄር እትፈርሑ ዘበልኩም

ንነፍሲ ዝገበረልኩም ምዝራብ

ክጅምር’የ’ሞ ንዑ ስምዑኒ፣ ኩሉ

ብዝፈጠረ፣ መጀመርያን

መጨረሻን ዝኾነ፣ ኩሉ ብዝሓዘን

ፍልፍል ህይወትን ጥበብን ኮታስ

ኩሉ ብዝኾነ እ/ሄር ብዝሃበኒ

ነዊሕ ዕድመ ካብ ዘጋጠመኒ

ንእሽተይ ክፅሕፍ’የ፡፡

ሃፀይ ሱስንዮስ፣

ኣልፎንዝን ፀላኢየይ

ዮሃንስ

ክፉእ ዘመን ኮነ፡፡ ሃፀይ

ሱስንዮስ ካብ ዝነግስ 19 ዓመቱ

ምስ ኣቁፀረ፣ ተወላዲ ፈረንጂ

ዝኾነ ኣቡነ ኣልፎንዝ መፅአ፡፡

ድሕሪ ክልተ ዓመታት ንጉስ

ሱስንዮስ ሃይማኖት ፈረንጂ

ስለዝተቐበለ፣ ኣብ ኢ/ያ ዓብዪ

ስደት ኮነ፡፡ እዚ ሃይማኖት

ዘይተቐበለ ብሙሉኡ ግና

ዕጫኡ ስደት ኮነ፡፡ ኣነ ኣብ

ሃገረይ መፃሕፍቲ እንተምህር

ብዙሓት መሓዙተይ ፀልኡኒ፡፡

ኣብዚ ዘበን ፍቕሪ መሓዛ ጠፊኡ

ነበረ’ሞ ቅንኢ ሓዞም፡፡

ብትምህርትን መሓዛ

ብምፍታውን ካብኣቶም ይበልፅ፡፡

ምስ ፈረንጂን ግብፃዊያንን ኩሉ

ይስማዕማዕ’የ፡፡ መፅሓፍ

እንተምህርን እንትትርጉምን

ካቶሊካዊያን ከምዚ፣ ከምዚ

ይብሉ፡፡ ግብፃዊያን

(ኦርቶዶክስ)’ውን ከምዚ፣ ከምዚ

ይብሉ እብል፡፡ ንሕና’ውን

እንተመርሚርናዮ እዚ ኹሉ

ንፈልጥ እብል’ምበር እዚ

ሰናይ’ዩ፡፡ እዚ ድማ ክፉእ’ዩ

ኣይብልን፡፡ ግብፃዊያን ናይ

ፈረንጂ፣ እቶም ፈረንጂ ደማ ናይ

ግብፃዊያን’የ ዝመስሎም፡፡

ብምዃኑ ድማ ኩሎም ፀልኡኒ፡፡

ብዙሕ ግዘ ድማ ናብ ንጉስ

ከሰሱኒ፡፡ ካብ ካህናት ኣክሱም

ሓደ ወልደ ዮሃንስ ዝተብሃለ

ፀላኢየይ፣ ፈታዊ ንጉስ

ስለዝነበረ፣ ፍቕሪ ነገስታት

ብሽንግልና መልሓስ ስለዝረክብ

ናብቲ ንጉስ ከደ፡፡ ናብ ንጉስ

ቀሪቡ ድማ ከምዚ በሎ፡፡ “እዚ

ሰብ ህዝቢ የሰሓሕት’ዩ፡፡

ስለሃይማኖትና ንላዓል’ሞ ንንጉስ

ንቕተሎ፣ ነቶም ፈረንጂ’ውን

ነባርሮም ይብል” እናበለ እዙይን

ወዲዙይን ብዝመሰል ሕሶት

ከሰሰኒ፡፡ ኣነ’ውን እዚ ፈሊጠ፣ ገና

ንገና ክቐትለኒ’ዩ ኢለ ፈሪሐ፣

ዝነበረኒ ሰለስተ ‘ወቂት’(32 ግ )

ወርቅን ዝፅልየሉ መዝሙረ

ዳዊትን ሒዘ ብለይቱ ሃደምኩ፡፡

በላይ

ናበይ ከምዝኸይድ

ኣይተፃወኹን፡፡ በረኻ ተከዘ

ኣተኹ፡፡ ብፅባሒቱ ድማ

ጠመየኒ፡፡ ካብ ሃፋትም ገባራት

እንጀራ ንኽልምን እናፈራሕኹ

ወፃእኹ፡፡ ሂቦምኒ ምስ በላዕኹ

እናጎየኹ ከድኩ፡፡ ከምዚ

እናበልኩ ብዙሕ መዓልቲ

ፀናሕኹ፡፡ ደሓር ናብ “ሽዋ” ገፅ

እንትኸድ ሰብ ዘይብሉ በረኻ

ረኸብኩ፡፡ ኣብ ትሕቲ’ቲ ገደል

ፅቡቕ በዓቲ ነበረ’ሞ ሰብ

እንተይረኣየኒ ኣብዚ በዓቲ

ክነብር’የ ኢለ ወሰንኩ፡፡ ሱስንዮስ

ክሳብ ዝመውት ድማ፣ ኣብዚ

በዓቲ ንኽልተ ዓመት ፀናሕኹ፡፡

ኣብታ በዓተይ ንብሕተይ ኣብ

ዝኾንኩሉ እዋን’ውን ኣብ

መንግስተ ሰማያት ዝነብር

መሰለኒ፡፡ ቁፅሪ ዘይብሉ

ክፍኣቶም ፈሊጠ ምስ ሰባት

ምንባር ፀላእኹ፡፡

ብዛዕባ ሃለዋት ኣምላኽን

ኣፈላላይ ሃይማኖትን

ድሕሪ ፀሎት ስራሕ

ስለዘይብለይ፣ ኩልጊዜ ብዛዕባ

ክፍኣት ሰባትን፤ ሰባት ብስሙ

እንትብድሉ፣ ኣሕዋቶም

መሓዙቶም እንተባርሩን

እንትቐትሉን ሱቕ ብምባሉ

ብዛዕባ ጥበብ ፈጣሪ ይሓስብ

ነበርኩ፡፡ እ/ሄር ሓላዊ ሰባት

እንተኾይኑ ንምንታይ

ተፈጥሮኦም ከምዚ ከፊኡ ኢለ

ሓሰብኩ፡፡ አረ! እ/ሄር እዚ

ይፈልጥ ’ዶ? ብቅዱስ ስሙ

እንትብድሉን ሽሙ እንተርክሱን

ዝፈልጥ እንተኾይኑ ከመይ

ንኽፍኣት ሰባት ስቕ ይብል

በልኩ፡፡ ልቢ ኣይበልኩን’ሞ

ብዙሕ ሓሰብኩ፡፡ ኦ! ዝፈጠርካኒ

ፈጣሪየይ ፈላጥ ግበረኒ፣

ዝተሓብአ ጥበብካ ንገረኒ ኢለ

ፀለይኩ፡፡ ሓደ መዓልቲ፣ ናብ

መን’የ ዝፅልይ ዘለኹ? በልኩ፡፡

ብሓቂ ዝሰምዐኒ እ/ሄር ኣሎ

ድዩ? በዚ ሓሳበይ’ውን ብጣዕሚ

ሓዚነ ከምዚ በልኩ፡፡ ዳዊት

ከምዝበሎ ክንደይናይ ልበይ

ብከንቱ ኣርሳሕኹዋ፡፡ ደሓር’ውን

ሓሰብኩ፣ እዚ ዳዊት ከምዚ

ዝብል እዝኒ ዝተኸለ

ኣይሰምዕን’ዶ? ብሓቂ

ንኽሰምዐሉ እዝኒ ዝሃበኒ መን’ዩ?

ፈላጥስ ገይሩ ዝፈጠረኒ መን’ዩ?

ናብዚ ዓለምከ ኣነ ከመይ

መፃእኹ? ካበይከ መፃእኹ?

ቅድሚ ዓለም እንተዝነብር

መፈለሚ ህይወተይን

ፍልጠተይን ምስ ፈለጥኩ፡፡ ኣነ

ብገዛ ኢደይ ድየ ተፈጢረ?

ጥሕሎ ነሓሰ 2003 34
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 29

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ይኹን’ምበር ኣነ፣ ኣብ

ዝተፈጠርኩ ግዘ ኣይነበርኩን፡፡

ዘሎን ኣብ ኩሉ ዝነበርን፣ ጎይታ

ኩሉ ዝሓዘ፤ መጀመርያን

መወዳእታን ዘይብሉ፤ ዓመቱ

ዘይቁፀርን ዘይልወጥን

ዘይተፈጠረ ፈጣሪ ኣሎ ኢለ፡፡

ፈጣሪስ ኣሎ፡፡ ፈጣሪየይ ናብኡ

እንትፅልይ ይሰምዐኒ’ዩ ኢለ

እንትሓስብ ዓብዪ ሓጎስ

ተሓጎስኩ፡፡ በዓብዪ ተስፋ’ውን

እናፀለይኩ ፈጣሪየይ ብሙሉእ

ልቢ ፈተኹዎ፡፡

ስለ ምርምር ሃይማኖትን

ፀሎትን

ደሓር’ውን ኣብ

ቁዱሳት መፃሕፍቲ ዝተፅሓፈ

ኩሉ ሓቂ’ዶ ይኸውን? ኢለ

ሓሰብኩ፡፡ ብጣዕሚ

ኣይፈለጥኩን’ሞ ዝተምሃሩን

ዝተመራመሩን ሰባት ሓቂ

ንኽነግሩኒ ከይደ ክጥይቃቶም

ኢለ ብዙሕ ሓሰብኩ፣ ኮይኑ ግና

ሰባት ኣብ ልባቶም ዘሎ

እንተዘይኮይኑ ካሊእ እንታይ

ከይምልሱለይ’ዮም ኢለ

ሓሰብኩ፡፡ ሰብ ኩሉ ናተይ

ሃይማኖት ሓቃዊት ’ያ ’ዩ

ዝብል፡፡ ብኻሊእ ሃይማኖት

ዝኣምኑ ሓሰውቲ፣ ፀላእቲ

እ/ሄር’ዮም፡፡ ሎሚ’ውን እንተኾነ

ፈረንጂ ሃይማኖትና ሰናይ’ያ፣

ሃይማኖትኩም ግን ክፍእቲ’ያ

ይብሉና፡፡ ንሕና’ውን መሊስና

ከምዚ ኣይኮነን ናትካቱም

ሃይማኖት ክፍእቲ ናትና

ሃይማኖት ግን ሰናይ’ያ ንብሎም፡፡

ኣመንቲ እስልምና፣ ኣይሁድ

እንተሓተትናዮም ከምዚ ይብሉ፡፡

ይኹን’ምበር ፅድቂ ሓንቲ

ጥራሕ’ያ፡፡ ሰባት በዚ ዓብዪ ነገር

ህይወቶም ንምጥፋእ ስለምንታይ

ይሕሽዉ? ኢለ ሓሰብኩ፡፡

ዝሕሽዉ’ውን መሰለኒ፡፡ ዝፈልጡ

እናመሰላቶም ገለ

ኣይፈልጡን’ሞ ዝፈልጡ

ይመስላቶም፡፡ ስለዚ ሓቂ

ንምርካብ ኢሎም ኣይምርምሩን፡፡

ዳዊት ከም ዝበሎ ልባቶም ከም

ፀባ ረኽዐ፡፡ ካብ ኣቦታቶም

ብዝሰምዕዎ ልባቶም ረውዩ’ሎ፡፡

ሓቂ ወይ’ውን ሓሰት ክኾን

ይኽእል’ዩ ኢሎም

ኣይምርምሩን፡፡ “ትሕቲ ፀሓይ

ዝተገብረ ኩሉ ጥበብ ንምእላሽን

ንምምርማርን ልበይ ሃብኩ፡፡

እግዚሄር ንደቂ ሰባት ክደኽምሉ

ዝሃቦም ክፋእ ስራሕ ረኣኹ”

ይብል፡፡ ስለዚ’ውን ሰባት

ክምርምሩ ኣይደልዩን፡፡

እንተይመርመሩ ካብ ኣቦታቶም

ዝሰምዑዎ ምእማን ይመርፁ፡፡

እስኪ ሕዝብና ብኽንደይ ሓሶት

ይኣምን? ብፅኑዕ ሃይማኖት

ይኣምን፡፡ ብሃሳበ ከዋኽብቲ፣

ኣስማትን ኣጋንንቲ ብምስሓብን

ብምግጫብን፣ ኣስማት

ብምስራሕ ብጥንቆላ ኩሉ

ይኣምን፡፡ እዚ ኹሉ መርሚሮም

ሓቂ ረኺቦም ኣይኣምኑን፡፡

ይኹን እምበር ካብ ኣቦታቶም

ሰሚዖም ይኣምኑ፡፡ እቶም

ቀዳሞትከ ገንዘብን ክብርን

ንምርካብ እንተዘይኮይኑ

ስለምንታይ ሓሸዉ?

ዓሚቕ ምርምር ስለ

ሕግታት ሙሴን

መሓመድን

ንዝምርምር ግን’ቲ

ሓቂ ቀልጢፉ ይግለፀሉ፡፡ ሙሴ

ፍቓዱን ሕጉን ክነግረኩም ካብ

እግዚሄር ተላኢኸ መፃእኹ

ይብል፡፡ ድሕሪኡ ዝመፁ ኣብ

ግብፅን ደብረ ሲናን ከምዚ ተገበረ

እናበሉ ታሪኽን ተኣምራትን

እናሓወሱ ነገረ ሙሴ ሓቂ

ኣምሰልዎ፡፡ መፅሓፈ ሙሴ ምስ

ሕገ ፍጥረት ኮነ ጥበብ ፈጣሪ

ኣይስማዕማዕን፡፡ ኣብ ውሽጡ

ዝተሰሓሓተ ጥበብ ይርከብ፡፡

ንዝምርምር ግን ሓቂ

ኣይመስሎን፡፡ ብፍቓድ ፈጣሪን

ሕጊ ፍጥረትን ወዲ ሰብ

ከይጠፍእ ቆልዓ ንኽውለድ፤

ወድን ጓልን ብፍትወተ ስጋ

ክራኸቡ ተኣዚዙ’ዩ፡፡ እ/ሄር

ስራሕ ኢዱ ኣየርክስን፡፡ ኣብ

እ/ሄር ርኽሰት ክርከብ

ኣይኽእልን፡፡ ሙሴ’ዚ ምባሉ

ትኽክል’ዩ ኣይብልን፡፡ ፈጣሪኡ

ሓሳዊ ከምዝገበሮ ልቦናና

የረደአና፡፡ ስርዓተ ወሲብ ስርዓተ

ተፈጥሮ ምዃኑ፣ ምንኩስና

(ብህትውና) ግና፣ ቆልዑ

ከይውለዱ ብምኽልካል ፍጥረተ

ደቂ ሰባት ኣጥፊኡ፣ ጥበብ ፈጣሪ

ዘጥፍእ ከምዝኾነ ልቦናና

ይነግረና፣ የረደአና’ውን፡፡ ሕገ

ክርስትያን ብህትውና ካብ ወሲብ

ይበልፅ’ዩ እንተይላ ሓሶት

ትናገርያ’ሞ ካብ እ/ሄር

ኣይኮነትን፡፡

ከምኡ’ውን፣ መሓመድ

ዝእዝዘኩም ካብ እ/ሄር

ዝተቐበልኩዎ’ዩ ይብል፡፡

ንመሓመድ ክንቅበል ዘረዱኡ

ፀሓፍቲ ተኣምር ኣይጠፍኡን’ሞ

ብኡ’ውን ኣመኑ፡፡ ንሕና ግን

ትምህርቲ መሓመድ ካብ እ/ሄር

ክኸውን ከምዘይኽእል ንፈልጥ፡፡

ዝውለዱ ሰባት ወድን ጓልን

ቁፅሮም ማዕረ ማዕሮ’ዩ፡፡ ኣብ ሓደ

ሰፊሕ ቦታ ዝነብሩ ወድን ጓልን

እንተቖፂርና ንሕድሕድ ወዲ

ተባዕታይ ሓንቲ እንስት

ትርከብ’ምበር ንሓደ ወዲ

ሸሞንተ ወይ’ውን ዓሰርተ ደቂ

ኣንስትዮ ኣይርከባን፡፡ ሕጊ

ተፈጥሮ ሓደ ምስ ሓንቲ ክፃመዱ

ኣዚዙ’ሎ፡፡ ሓደ ወዲ ዓሰርተ

ኣዋልድ እንተኣእቲዉ ግና

ትሽዓንተ ኣወዳት ጓል

ዘይብሎም ይተርፉ፡፡ እዚ’ውን

ስርዓት ፈጣርን ሕጊ ተፈጥሮን

ጥቕሚ ሓዳርን የጥፍእ፡፡ ሓደ

ወዲ ብዙሓት ኣንሽቲ ከእትው

ይግበኦ’ዩ ኢሉ ብስም እ/ሄር

ዘምሃረ መሓመድ ግና ትኽክል’ዩ

ኣይብልን፡፡ ካብ እግዚሄር

ኣይተልኣኸን፡፡ ፈጣሪ ብሰናይ

ጥበቡ በቢወርሑ ካብ ማህፀን

ተንስተይቲ ደም ክፈስስ

ኣዚዙ’ዩ፡፡ ሙሴን

ክርስታናዊያንን ግና እዚ ጥበብ

ፈጣሪ ርኹስ ገበርዎ፡፡ ደጊሙ

ሙሴ ከምዚ ምስ ዝበለት እንስት

ናብ መን’የ ዝፅልይ ዘለኹ? በልኩ፡፡ ብሓቂ ዝሰምዐኒ እ/ሄር

ኣሎ ድዩ? ደሓር’ውን ኣብ ቁዱሳት መፃሕፍቲ ዝተፅሓፈ

ኩሉ ሓቂ’ዶ ይኸውን? ኢለ ሓሰብኩ፡፡ እ/ሄር ነገረ ከንቱ ኣይእዝዝን፡፡

እዚ ብላዕ፣ እዚ ኣይትብላዕ፣ ሎሚ ብላዕ፣ ፅባሕ ኣይትብላዕ

ኣይብልን፡፡ ንክርስትያን ከምዝመስላቶምን ሕግጋት ፆም

ከምዝብልዎን ሎሚ ስጋ ብላዕ ፅባሕ ኣይትብላዕ ኣይብልን፡፡ ንእስላም

’ውን እ/ሄር ለይቲ ብልዑ ቀትሪ ኣይትብልዑ ኢሉ እዝን ወዲዙይን

ኣይብላቶምን፡፡

ዝተራኸበ የርክስ፡፡ እዚ ሕጊ ሙሴ

ድማ ናብራ እንስት ብሙሉእን

ሓዳራን ከቢድ ይገብሮ፡፡

ስለዚ’ውን እዚ ሕጊ ሙሴ፤

እንስት ካብ ዝፈጠረ ጎይታ

ክኸውን ኣይኽእልን፡፡ ሰበይቱ

እንተመንዚራ ዝፈትሓ ኩሉ

ስርዓተ ፈጣርን ሕጊ ተፈጥሮን

ኣፍሪሱ’ዩ፡፡ ስለዚ ድማ ወንጌል

በዚ ሸነኽ ዝብሎ ካብ እ/ሄር

ክኸውን ኣይኽእልን፡፡ ከምኡ’ውን

ብስልምና ሰብ ከም እንስሳ

ክሽየጥን ክግዛእን ይግባእ

ይብል፡፡ ፈጣሪና ከም ኣሕዋት

ማዕረ ማዕሮ እንተፈጢሩና ካብ

ፈጣሪ ሰባት ‘ዚ ሕጊ እስልምና

ክወፅእ ኣይኽእልን፡፡ ልብና

ይፈልጦ’ዩ፡፡ ንሳቶም ግና

ድኹማት ንብረት ሓያላት

ገይረሙዋቶም፡፡

እ/ሄር ነገረ ከንቱ

ኣይእዝዝን፡፡ እዚ ብላዕ፣ እዚ

ኣይትብላዕ፣ ሎሚ ብላዕ፣ ፅባሕ

ኣይትብላዕ ኣይብልን፡፡

ንክርስትያን ከምዝመስላቶምን

ሕግጋት ፆም ከምዝብልዎን

ሎሚ ስጋ ብላዕ ፅባሕ ኣይትብላዕ

ኣይብልን፡፡ ንእስላም ’ውን እ/ሄር

ለይቲ ብልዑ ቀትሪ ኣይትብልዑ

ኢሉ እዝን ወዲዙይን

ኣይብላቶምን፡፡ ጥዕና ፍጥረትና

ዘይህውኽ ነገር ኩሉ ክንበልዕ

ከምዝሰልጠና ልቦናና የምህረና፡፡

ሓደ መዓልቲ ብልዒ ሓደ

መዓልቲ ፆም እንተኾይኑ ግና

ጥዕና ይህውኽ’ዩ፡፡ ሕጊ ፆም፣

ምብላዕ ንደቂ ሰባት ህይወት ካብ

ዝፈጠረን ክንበልዖም ካብ

ዝፈቐዶን ፈጣሪ ዝወፀ ኣይኮነን፡፡

በሊዕና ክነመስግኖ’ምበር በረከቱ

ክንገድፍ ኣይግባእን፡፡ ሕጊ ፆም

ፍትወተ ስጋ ንምቕታል

ዝተሰርሐ’ዩ ዝብሉ

እንተሃለዉ’ኳ፣ ፍትወተ ስጋ ወዲ

ናብ እንስት ክሰሓብ እንስት ድማ

ናብ ወዲ ክትሰሓብ ጥበብ

ፈጣሪ’ዩ’ሞ፣ ንሱ ፈጣሪ

ብዝሰርሖ ብዝተፈለጠ ብስርዓት

ስጋዊ ተራኽቦ ተዘይኮይኑ

ምጥፋእ ኣይከኣልን እብል፡፡

ፈጣሪና እዚ ፍትወት ንሰብን

ንእንስሳትን ኩሉ ብኸንቱ

ኣይሃበን፡፡ ነገር ግና ነዚ ዓለም

ህይወትን ንፍጥረት ዝተሰርሐሉ

መንገዲ ኩሉ መሰረቱ ኾይኑ

ክፀንሕ’ዚ ፍትወት ንደቂ ሰባት

ተውሃበ፡፡ ዘድልየና ኩሉ ክንበልዕ

ይግባኣና፡፡ ኣብ ዕለተ ሰንበትን

በዓላትን ብኣድላዪ ልክዕ ዝበልዐ

ከምዘይበደለ ኩሉ ብዕለተ ዓርብን

ቅድሚ ፋሲካ ዘለዉ መዓልታትን

ለኪዑ ዝበልዐ ኩሉ ኣይበደለን፡፡

እ/ሄር ንሰብ ኣብ ኩሉ መዓልትን

ኣዋርሕን ብዘድሊ መጠን ምግቢ

ኣስተኻኺሉ ፈጢሩዎ’ዩ፡፡

ይኹን’ምበር ኣይሁድ፣

ክርስትያንን እስላምን ግና ሕጊ

ፆም ብዘውፅኡ እዋን እዚ ስራሕ

እ/ሄር ልቢ ኣይበሉን፡፡ እ/ሄር

ፆም ሰሪሑልና ከይንበልዕ’ውን

ከልኪሉና እናበሉ ይሕስዉ፡፡

እግዚሄር ፈጣሪና’ዩ፡፡ እንበልዖ

ምግብና እንምገቦ ሃበና’ምበር

ክንገድፎ (ካብኡ ክንእረም)

ኣይኮነን - ንዘርያዕቆብ፡፡

35
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 30

ተስፋ

ጥሕሎ፡ - ደራ ኢልካ ዝሰየምካሉ

ምኽንያት’ዶ ክውከሰካ?

ደስታ፡ - ናይ’ቲ ማይ እነውፅአሉ

ከባቢ ስም ስለዝኾነ’ዩ፡፡

ጥሕሎ፡ - ደስታ

ክድመር(+)ራህዋ’ዩ ክብሉ

ሰሚዐ?

ደስታ፡ - /ሰሓቕ/ ብርግፅ ራሕዋ

ጓለይ’ያ፡፡ እዚ’ውን ራህዋ

ኢንጅነሪንግ ዝበልናዮ ብጓለይ

ምኽንያት’ዩ፡፡ እዚ ግን ምስኡ

ዝተተሓሓዘ ኣይኮነን፡፡

ጥሕሎ፡ - ፋብሪካ ማይ ደራ

ንምትካል ክንደይ ወዲኡ?

ደስታ፡ - ከባቢ 16 ሚልዮን፡፡ ነቲ

ማይ ጥራሕ እንተይኮነስ ንዑኡ

ዝምግብ ፋብሪካ

ፕ ላ ስ ቲ ክ ( መ ት ሓ ዚ ኡ ን

መኽደኑን) ኣለና- መቐለ፡፡ እዚ

ማለት ኣይኮነን ንዑኡ ነቶም

ካልኦት ፋብሪካታት ማይ’ውን

ብኣቕርቦት ክሕግዝ ዝኽእል’ዩ፡፡

“ንደቀይ

መጀመርያ

ከውርሶም ዝደሊ

ትግራዋይነት

’ዩ!”

ኣይተ ደስታ ኣብርሃ (ኢንቨስተር)

ደስታ፡ - ሓዱሽ ፋብሪካ ’ዩ፡፡ ራያ

ስፒሪንግን ራያ ቶኒክን ዘምርት፡፡

ካብ ናይ ኣፅቢ ደራ ብዝዓበየ

መልክዑ ኢና ከፊትናዮ፡፡ ክልተ

መስመራት /ናይ ማይን

ለስላሳን/’ዩ ዘለዎ፡፡ ንምንታይ

ኢና ማይጨው ከይድና? ዝሓሸ

ኣቅርቦት ማይ ስለዘለዎ’ዩ፡፡ ኣብ

ኣፅቢ ቡዙሓት ዓንቀፍቀፋት

ኣጋጢሞምና’ዮም፡፡ ሕፅረት ማይ

ኣጋጢሙና’ዩ፡፡ እዚ

ስለዘጋጠመና ድማ በቲ

ኢንቨስት ዝገበርናዮ ልክዕ

ክንከይድ ኣይከኣልናን፡፡ ስለዚ

ጀሚርና ከይንጠፍእ’ውን ካልኣይ

ምኽንያትና’ዩ፣ ካብ ማይ

ብተወሳኺ፣ ኣብ ቀረባ ካብ ሽኮር

ነፃ (sugar-free) ቶኒክ ካብኡ

ኣቢልና ናብ ለስላሳን ‘ሬድሜድ’

ዝኾኑ ፅሟቃትን ምፍራይ

ክንሓልፍ ኢና፡፡

ጥሕሎ፡ - ራያ ስፕሪንግ ኣብ ዕዳጋ

እንትውዕል ደራ ጠጠው ክብል

ማለት ድዩ?

ኣብ ትግራይ ዝዓበየ ውልቀ ‘ወርክ ሾፕ’፣ ፋብሪካ

ማይ ደራ(ኣብ ቀረባ ድማ ራያ ስፕሪንግን ቶኒክን)ን ደስታ፡ - ከምዘለዎ ክቕፅል’ዩ፡፡

ብጠቕላላ ናብ 250 ትካል ኳዕቲ ማይን ዝወነኑ ‘ዮም። ሚሊየነር ደስታ

ሰራሕተኛታት ዘለዉዎም

ጥሕሎ፡ - ናብ ውልቀ ሂወትካ

ፋብሪካታት’ዮም፡፡ “ገንዘብ ንዓይ ምንም ማለት ኣይኮነን” እንትብሉ ክመፅእ፣ ድሕረ ባይታኻ ’ስቲ

እንታይ ንምባል ደልዮም እዮም? “ንደቀይ መጀመርያ ኣውገዐኒ?

ጥሕሎ፡ - ኣብ ቀረባ ግዘ ዝተተኸለ ከውርሶም ዝደሊ ትግራዋይነት ’ዩ” ድማ

ፋብሪካ ቶኒክ ሪአዮ /ጎብኒየዮ/

ደስታ፡ - ካብ ዓዲግራት ውፅእ

ነይረ - ማይጨው... ይብሉ...ሚሽጥር ዓወቶም እውን ነጊሮምኒ ኣለዉ፤ ኢልካ(ከባቢ ሸውዓተ ኪ.ሜ )

እነሆ... ንደለይቲ ለውጢ።

ማይ ፃዕዳ ኣብ ዝተብሃለት ቀበሌ

ጥሕሎ ነሓሰ 2003 36
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 31

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ገበሬ ማሕበር ካብ ኣይተ ኣብርሃ ኪዳኑን

ወ/ሮ ፈትየን ወልደስላሴን ብ1957ዓ.ም እየ

ተወሊደ፡፡ ኣብዚ ከባቢ ይወለድ ’ምበር ወላዲ

ኣቦይ ኣብ ከተማ ቡና ቤት ስለዝነበሮ ልክዕ

ምስ ተወለድኩ ከተማ ኢና ኣቲና፡፡ ክሳብ 8ይ

ክፍሊ’ውን ኣብ ኣግኣዚ ቀዳማይ ብርኪ’የ

ተማሂረ፡፡ በቲ ዝነበረ ግዘ ናብ 9ይ ምስ

ሓለፍኩ ግን ንባፅዕ ከይደ- ናብ ሓወይ፡፡

ጥሕሎ፡ - ባፅዕ ቅድሚ ምእታውካ ኣብ

ተዘክሮታትን ትምኒትን ቁልዕነትካ ሓደ

ኽልተ በለኒ?

ደስታ፡ - ወልዋሎ እናተራጋሕኻን ንኸባቢ

ቋንዳዕሮ እናወፃእኻ ’ውን ምስ ማንቲሌታት

እናተጓየኻ ምውዓል ነይሩ፡፡ እዚ ኩሉሻዕ

ዝዝክሮ’ዩ፡፡ መቸም ኣብ ከባቢኻ እትሪኦ ነገር

ኢኻ ክትከውን ትደሊ ኣብ ዓዲግራትን

ከባቢኣን ከተምንየካ ዝኽእል መምህር ወይ

ዳይሬክተር ምዃን’ዩ፡፡ ምኽንያቱ ንሳቶም

ኢኻ ዝሓሸ ትፈልጦም፡፡

ጥሕሎ፡ - ፀባይ ቁልዕነት ደስታ እንታይ

ይመስል ነይሩ?

ደስታ፡ - እቲ ዝገርመካ ኣነ ደስታ’የ ኢለ ካብ

ዝፈልጥ ክሳብ ሀዚ ምስ ሰብ ኣይኮነን

ተባኢሰስ ተፃሪፈ ኣይፈልጥን፡፡ ንዝኾነ ነገር

ብትሕትና’የ ዝሪኦ፡፡ ነታ ክሰርሓ ዝሓስባ

ስራሕ’የ ዘይድቅሰላ ’ምበር ንሰብ ክፋእ

ክሓስብ ድቃስ ዝስእን ሰብ ኣይኮንኩን፡፡

ጥሕሎ፡ - ባፅዕ ኣነ ኣይፈልጣን፡፡ ዝፈልጥዋ

እንትገልፅዋ ግን ናይ ንግዲ ከተማ ክብልዋ

ይሰምዕ፣ ንግዲ መሳሊ’ዶ ጀማሚርካ ነይርካ

ትኸውን ሽዑ?

ደስታ፡ - ስራሕቲ ንግዲ ኣይፈልጥን ነይረ፡፡

ሰራሕተኛ መንግስቲ’የ ነይረ - ባፅዕ፡፡ ናይ

መጀመርያ ሞያይ ማሽኒስት’ዩ፡፡ መጀመርያ

ኣብ ሓይሊ ባሕሪ(ሲቪል-ሰራሕተኛ) እየ

ነይረ፡፡ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ሰራሕኹ በዓል

ስልጣን ትንራስፖርት ባሕሪ ’የ ቀይረ -

ወደብ ምፅዋዕ፡፡ ስለዚ ባፅዕ ክሳብ እትውቃዕ

ክሳብ መዓርግ ፎርማንነት(ማሽኒስት) ኣብ

ምምሕዳር ወደብ’የ ነይረ፡፡ ካብኡ

ተፈናቒልና ኣዲስ ኣበባ ኣቲና፡፡ ኢህወዴግ

ሙሉእ ንሙሉእ ኢ/ያ ስለዝተቖፃፀሮ ኣዲስ

ኣበባ ዓመት ዝኸውን’ውን ኣይፀናሕናን፡፡

ብምዃኑ መጀመሪያ ትግራይ ካብ ዝኣተዉ

ሰብ ሞያ ሓደ’የ፡፡ መስፍን ተኺሎም ስራሕ

ካብ ዝጀመሩ ሰባት ሓደ ኣነ’የ ነይረ፡፡ ድሕሪ

ሰለስተ ዓመት ግን ብዛዕባ ስራሕቲ ንግዲ ካብ

መስፍን ተማሂረ፡፡ መጀመርያ ምንም ነገር

ኣይነበረን ኣብ ትግራይ፤ ሓንቲ ብሎን’ኳ

ንኽትገዝእ ወይ ንኽተስርሕ ኣስመራ ወይ

ኣዲስ ኣበባ ኢኻ ትኸይድ፡፡ ብጣዕሚ ሽግር

ቴክኒክ ስለዝነበረ እዚ ሽግር’ዚ ንምፍታሕ

ከዓ ብዘለኒ ሞያ ክሰርሕ ኣለኒ ኢለ

ስለዝሓሰብኩ(ፍቃድ ኣምላኽ ተሓዊስዎ) ካብ

መስፍን ወፂአ ምስ ሓደ ውልቀ ሰብ[ተቆፂረ]

ክሰርሕ ጀሚረ፡፡ ኣብዚ ንሓደ ዓመት ኣብ

ዝሰራሕኹሉ እዋን

ኣብቲ ሞያ ምስ

ዝንቀሳቐስ ሰብ

ብ ሰ ፊ ሑ

ስለዝተፋለጥኩ፤ ናይ

ባዕለይ እንድሕር

ሰሪሐስ ዝሓሸ ናብራ

ክነብር ይኽእል’የ

ድሕሪ ምባል ምስ

ሓደ ሰብ ንፍርቂ

ጀሚረ፡፡

ጥሕሎ፡ - ትግራይ

ኢ ን ዳ ስ ት ሪ ያ ል

ኢንጅነሪንግ?

ደስታ፡ - እወ!

ዳሕራይ ምስ’ቲ ወዲ

ክ ን ስ ማ ዕ ማ ዕ

ብዘይምኽኣልና ከም

ንብሩ ተሸማጊልና …

ብሓንቲ ሌዝን

ዌልድንግ(ብሓንቲ)

ስራሕ ቀፂለ፡፡

ጥሕሎ፡ - ትግራይ

ከምዘሎ ….?

ደስታ፡ - … ኣብዚ

ግዘ’ዚ ራህዋ ጓለይ

ወሊደ ስለዝነበርኩ

ም ስ ኡ ’ ው ን

ስለዘተሓሓዝኩዎ ከዓ

ዩናይትድ ራህዋ

ኢ ን ዳ ስ ት ሪ ያ ል

ኢ ን ጅ ነ ሪ ን ግ

ብዝብል ‘ቲ ስራሕ

ቀፂለዮ፡፡ ካብዚ

ተላዒለ’የ ኣብ መቐለ

ካብ መሰፍን ቀፂሉ

ዝዓበየ ወርክሾፕ

ክውንን ኪኢለ፡፡

ጥሕሎ፡ - ናብዚ

ከብፅሐካ ዝኸኣለ

ሓይሊ እንታይ’ዩ?

ደስታ፡ - ኣብ ሞያይ ኢንቨስት

ስለዝገብርኩ’ዩ፡፡ ሞያይ ብምዃኑ ሕድሕድ

ስራሕ ስለዝፈልጦን ኣብቲ ግዘ’ቲ ኸዓ

ብጣዕሚ ሽግር ናይ’ዚ ሞያ ስለዝነበረ …

ብጣዕሚ ካብ ዘገርመካ ለይቲ 10ሰዓት ስራሕ

ጀሚርና ምሸት ኣርባዕተ ሰዓት ስራሕ

እነቋርፀሉ(ን18 ሰዓታት ምዃኑ’ዩ) ግዘ

ነይሩ፡፡

ጥሕሎ፡ - ፈለማ እዚ ትካል ክትጥጅዎ ከለኻ

ዘጓነፉኻ ማሕለኻታት እንታይ ነይሮም?

ደስታ፡ - ሽዑ ዝነበረ ማሕለኻ ፀገም ገንዘብ’ዩ፡፡

ምኽንያቱ ኣነ ምንም ኣይነበረንን፡፡

መጀመርያ ምስ መሻርኽተይ ኾይነ ምስራሕ

ሓንቲ ብሎን’ኳ ንኽትገዝእ ወይ

ንኽተስርሕ

ኣስመራ ወይ ኣዲስ ኣበባ ኢኻ

ትኸይድ፡፡

እንትጅምር ንሱ ሓደ ኽልተ ማሽናት ኣቕሪቡ

ኣነ ኸዓ 32 ሽሕ ብር’የ ሒዘ ኣትየ፡፡ ድሕሪኡ

‘ረው ማተርያል’(ጥረ ኣቕሓ) መዐደጊ

የብልናን፤ ይኹን’ምበር ሰብ እንድሕር

ዘይፀሊኡካ…ዝጠየቕኩዎ ሰብስ ገንዘብ ሃበኒ

ኢለዮ ኣይኸልኣንን በቃ! ካብ ሰባት

ብዝኣራረኽወን ሓደ 30 ሽሕ ከዓ ‘ረው

ማተርያል’ ገዛዚአ ናብ’ቲ ስራሕ ኣቲና፡፡

ድሕሪኡ ግን እንታይ ኢና እናገበርና

መፂኢና ዝተወሰነ ገንዘብ ሰሪሕና ምስ

ረኸብና ዝተወሰነ ገንዘብ ከዓ ካብ ባንኪ

እናመላእና ሓደሽቲ ‘መሽናት’ እናገዛእና…

ከምዚ እናበልና ኢና ኣብ’ዚ በፂሕና፡፡

ጥሕሎ፡ - ኣብ መዓልቲ ን18ሰዓታት ምስራሕ

’ሞ ኸዓ ስራሕ ጉልበት ኣድካሚ’ዩ፤ እንታይ

ይስመዐካ ስለዝነበረ’ዩ ነዚ ተፃዊርካ ሓሊፍካ?

ደስታ፡ - ሽዑ ንዓይ ክልተ ነገር’ዩ ዝረኣየኒ፡፡

ሓደ’ቲ ዝሓለፍኩዎ፤ ምኽንያቱ ኣነ ካብ ናይ

መንግስቲ ሰራሕተኛ ድሕሪኡ ድማ መስፍን፡፡

ናብ’ቲ ናተይ ስራሕ ክኣቲ ከለኹ ግን ሓደ

ገንዘብ ይረክብ ኣለኹ - ይዓቢ፡፡ ድኻም

ዝበሃል ሽዑ ንዓይ ኣይስመዐንን፡፡ እዚ ክብለካ

ከለኹ ምስ ኣሕዋተይ(3) ኮይነ’የ ዝሰርሕ፡፡

ኣሕዋተይ ጥራሕ እንተይኮኑስ ደቂ

ሓፍተይ’ውን ምሳይ ነይሮም፡፡ (እዚኦም ሐዚ

ናይ ባዕሎም ‘ወርክሾፕ’ ከፊቶም ኣብ

ምስራሕ ይርከቡ፡፡) ልዕሊ ኹሉ ግን “ኣታ

ዓጋመ!” ኣብ ዝበሃለሉ ከባቢ ስለዝነበርኩ

ሕ/ሰበይ ካብ ደራዕ ክወፅእ ብዝኸኣልኩዎ

ምስረሐይ ዕግበት ይህበኒ ነይሩ፡፡ ሀዚ ክሓስቦ

37
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 32

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ከለኹ’የ ክንደይናይ ኣድካሚ

ከምዝነበረ ዝስመዐኒ፡፡

ጥሕሎ፡ - ስራሕቲ ኳዕቲ ማይ

መኣዝ ጀሚርኩም?

ደስታ፡ - 94ዓ.ም፤ ካልኣይ

ኢንቨስትመንትና ምዃኑ’ዩ፡፡

እዚ’ውን ኣብ ትሕቲ ራህዋ

ኾይኑ ስራሕቲ ኳዕቲ ማይ

ባዕሉ ዝኸኣለ’ዩ፡፡ ኣብዚ ግዘ

ዳርጋ ናብ ሰለስተ ኳዕቲ

መሽናት ምውናን በፂሕና

ኣለና፡፡ ኩሉሻዕ ንናይ ዓዲ

ኢንቨስትመንት ክሓስብ

ከለኹ ብገንዘብ እንተይኮነስ

ብግልጋሎት ዓይኒ እንታይ

ክፍተት ኣሎ? ብምባል’ዩ፡፡

ሽዑ ኣብ ኳዓቲ ማይ

ኢንተርፕራይዝ ህንፀት

ስራሕቲ ማይ ጥራሕ’ያ

ነይራ፡፡ ስለዚ ብዓቕምና

ብሓንቲ ሜሽን ንዓኣቶም

ምሕጋዝ ጀሚርና፡፡ ቀፂልና

ማሽን ኣካራዪ ድርጅት

ጀሚርና ነይርና፡፡ ዶዞራት

ነይረናና፡፡ እዘን ዶዘራት

እንተረኣኹወን ግን

ሸውዓተ(7) ሚልዮን ዝኣክል

ወፂኡወን ብኣርባዕተ

ሓሙሽተ ሰብ ጥራሕ’የን

ዝኸዳ፡፡ ምንም ዝፈጥረኦ

ዕድል ስራሕ የለን፡፡ ስለዚ

ዓመት ኣብ ዘይመልአ ግዘ

ኢና ንዓተን ሸይጥና ፋብሪካ

ማይ(ደራ) ከፊትና፡፡

ጥሕሎ፡ - እዚ ኹሉ ብሽም

ራህዋ(ጓሉ) ዝተሰየመ ትካልካ

ዘፍረዮ ሃብቲ እዩ ’ሞ

ብድሕሬኻ ዘላ እንስት’ዶ

ክተላልየኒ?

ደስታ፡ - በዓልቲ ገዛይ ወ/ሮ

ዮርዳኖስ ተስፋይ ትበሃል፡፡

ዝገርመካ ኣብ 24 ዓመተይስ

ሓዳር መስሪተ ኣለኹ፡፡ ሓዳር

ክገብር ከለኹ መርዓ’ውን

ኣይገበርኩን - ባፅዕ፡፡ ክንወፅእ

ከለና ’ውን ብሓንሳእ

ኣይወፃእናን፡፡ ምኽንያቱ’ውን

ሻዕብያ ንዓይ ክሰደኒ

ብ ዘ ይ ም ኽ ኣ ሉ ፡ ፡

ስለምንታይ’ሲ “ከማኹም

ዝበሉ ሰብ ሞያ ናብ ፀላኢ

ምስዳድ ማለት ዕድመ ፀላኢ

ምንዋሕ’ዩ” ኢሉ ይኣምን

ብምንባሩ፡፡ “ኣብዚ ትፀንሕ

ተዘይኮይኑ ናብ ወያነ

ትኸይድ” ዝብል ኣንፈት

ነይርዎም፡፡ ስለዚ ኣነ

ክሓስበሉ ኢለ ኣብኡ

እናፀናሕኹ ከለኹ ደርጊ

ደብዳብ ነፈርቲ ጀሚሩ፡፡ እዚ

ምስኮነ ስቕ ኢለ ብእግረይ

ጥሒሰ ’የ ናብ ዓዲ ቀይሕ

ኣትየ፡፡ ዓዲ ቀይሕ “ኣስመራ-

ኣስመራ” ትብል ኣውቶቡስ

ምስረኸብኩ ተሳፊረ ኣስመራ

ደሓር ከዓ ኣዲስ ኣበባ ኣትየ፡፡

በዓልቲ ገዛይ ግን ብእግራ’ያ

ዛላምበሳ ኣትያ፡፡ ካብ

ዛላምበሳ’የ ስሒበያ፡፡ ዮርዳኖስ

የማነይቲ ኢደይ’ያ፡፡ ኣብ ጉዕዞ

ሂወተይ ኣብ ኩሉ ምሳይ ዘላ’ያ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ

“ትደክምን ትፅዕርን ስለዘለኻስ

ንእሽተይ ገደብ

እንተገበርካሉ!?” ኣብ ምባል’ያ

ዘላ፡፡ ናይ መጀመርያ ጓልና ሳባ

ትበሃል 84ዓ.ም እያ ተወሊዳ፡፡

ካልአይቲ ጓልና’ያ ራህዋ፡፡ እዚ

ወርክሾፕ ራሕዋ ዝበልናዮ

በጋጣሚ’ዩ፡፡ ዕጫ ኢና ገይርና

ካብቶም ሰለስተ፡፡ (ናሆም

ዝበሃልን ማክዳ ትበሃል ሕሳስ

ውልዶ’ውን ኣላትኒ) ንራህዋ

ስለዝበፅሐ’ዩ ራህዋ ኢልናዮ፡፡

ጥሕሎ፡ - ምስ ወ/ሮ ዮርዳኖስ

መላለዪ ኣጋጣሚኹም?

ደስታ፡ - ዕድመ ንእስነት መቸም

ብዝኾነ ኣጋጣሚ’ዩ ዘላልየካ፡፡

ተላሊኻ’ቲ ባህሪ እንድሕር

መቺዩካ ግን ሓቢርካ ኢኻ

ትቅፅል፡፡ ኣነ መንግስቲ

ሰራሕተኛ እንከለኹ ንሳ

ተምሃሪት 8ይ ክፍሊ(ጓል 16

ዓመት) ኮይና ኢና ተራኺብና፡፡

ጥሕሎ፡ - ንኣርባዕተ ደቅኻ

እንታይ ኢኻ ክተውርሶም?

ደስታ፡ - ንደቀይ መጀመርያ

ከውርሶም ዝደሊ ትግራዋይነት

’ዩ፡፡

ጥሕሎ፡ - ምኽንያት?

ደስታ፡ - ተጋሩ ብዙሕ ግዘ

ተወፂዕና፣ ተቐጥቂጥናን

ደኺምናን፤ ይኹን’ምበር ሐዚ

እውን ካብ ኢ/ያ ’ኳስ ድኻታት

ንሕና ኢና፡፡ እዚ ክንቅይሮ

እንኽእል ከዓ ብትግራዋይነትና

እንተኣሚና’ዩ፡፡ እንተሰሪሕና፣

እንተደኺምና፣ እንተፅዒርና’ዩ፡፡

ፍልጠትናን ገንዘብናን ኣብ ዓዲ

መጀመሪያ ትግራይ ካብ ዝኣተዉ ሰብ ሞያ ሓደ’የ፡፡

መስፍን ተኺሎም ስራሕ ካብ ዝጀመሩ…

እማትና እንተፍሲስናዮ ሀዚ’ውን

ዓድና ክልወጥ ኣይኽእልን፡፡ እዚ

እንተገይርና ግን ዓድና

ክንልውጥ ኢና፡፡ ዓድና

እንተተለዊጡ ኸዓ

ትግራዋይነትና ክነደልድል

ኢና፡፡ ካብዚ ወፃኢ ከምቲ ንቡር

ዝግበር’ዩ፡፡

ጥሕሎ፡ - ንድሕሪት ተመሊስካ

ዝሓለፍካዮ መንገዲ ንደቅኻ

ተዘንትወሎም’ዶ?

ደስታ፡ - ብጣዕሚ’የ ዘውገዖም፡፡

ኣነ እንተነኣሰ ሸውዓተ ኪ.ሜ ኣብ

መዓልቲ (ንጉሆን ምሸትን)

እናተመላለስኩ’የ ተማሂረ።

ንሶም ሀዚ ዕድሎም ገይርሎም

ብመኪና’ዮም ዝኸዱ ቤት ት/ቲ፡፡

ኣነ ዝተወለድኩሉ ከባቢ፤

ዝዓበኹሉ ከባብን ሕ/ሰብን፤

ዝተምሃርኩሉ ቤት ት/ቲን እዚ’ዩ

ዝመስል፡፡ ስለዚ’ዚ ክትርስዕዎ

የብልኩምን፡፡ ኣነ ለይትን ቀትርን

ዝሰርሕ ኣብዚ ለውጢ

ንምምፃእ’ዩ፡፡ እዚኣ ይፈልጥዋ

’ዮም፡፡

ጥሕሎ፡ - ኣብ ማሕበራዊ ናብራ

ከመይ ኢኻ?

ደስታ፡ - ኣብዚ ድኽም ዝበልኩ’የ፡፡

ሰብ ክፈልጦ ብዙሕ ግዘ

የድልየኒ’ዩ፡፡ ቀልጢፈ ናብ ሰብ

ኣይቀርብን፡፡ እንተቐሪበ ከዓ ከም

ሓው ወይ ከም ባዕለይ ገይረ’የ

ዝሓስቦ፡፡ በዚ’ውን ውሱናት

ኣዕርኽቲ’ዮም ዘለዉኒ፡፡

ቀልጢፍካ ምቅርራብ ቀልጢፍካ

ምብኣስ የምፅእ፡፡ ዝብል እምነት

ስለዘኒ፡፡

ጥሕሎ፡ - ብምንታይ ትዘናጋዕ?

ደስታ፡ - ዝበዝሕ ግዘ ምስ’ቲ

በዝሒ ስራሕ መዘናግዒ ግዘ’ውን

የለን፡፡ ግን ክህሊ ከሎ ባህሊ

ትግራዋይ’ዩ ብመስተ ኢኻ

ትዘናጋዕ፡፡ ምስ ዓዕርኽትኻ

ኮይንካ ምስታይ ምፅዋትን

ምስዕሳዕን ደስ ይብለኒ፡፡ ባህላዊ

ሙዚቃ ብጣዕሚ’የ ዝፎቱ።

ጥሕሎ፡ - ሀዚ ዘለካ ካፒታል?

ደስታ፡ - ልቓሕ ባንክታት ሓዊስካ

ልዕሊ 30 ሚልዮን ክኸውን’ዩ።

ጥሕሎ፡ - ገንዘብ ንዓኻ እንታይ

እዩ?

ደስታ፡ - ገንዘብ ንዓይ ምንም

ዘይምዃኑ ’የ ዝፈልጥ፡፡ ሀዚ ሰብ

“ሃፍታም ኢኻ፣ እዚ ኢኻ!”እዩ

ዝብል፡፡ ኣነ ሃፍቲ ከምዘለኒ’ውን

ኣይፈልጥን፡፡ ስራሕ ከምዝሰርሕ

ዘለኹ ጥራሕ’የ ዝፈልጥ፡፡ ስለዚ

ገንዘብ ከም ገንዘብ መጠን

ንኢንቨስትመንት’ዩ ዘድልየካ፡፡

ንኻሊእ ኣየድልየካን፡፡

እንተተጋነነ ሪሒቅኻ ከይድካ

እትነብረሉ ህይወት የለን፡፡ ተራ

ናብራ ኢኻ ትነብር፡፡ ግን ንስራሕ

የድልየካ ገንዘብ፣ ድኽነት

ንምጥፋእ ገንዘብ የድልየካ፡፡

ጥሕሎ፡ - ማሕበራዊ ኣስተዋፅኦኻ

እንታይ ይመስል?

ደስታ፡ - ክሳብ ሀዚ ብማሕበራዊ

ኣስተዋፅኦና ሕጉሳት ኣይኮናን፡፡

ንምንታይ ’ዩ ንሕና’ውን ክሳብ

ሀዚ ዝረኸብናዮ ነገር የለን፡፡

ቁሩብ ገንዘብ ይርከባ ልቓሕ

ባንኪ ወሲኽና ኢንቨስት

ንገብረን፡፡ ሀዚ ግን ነዚ ንምፍታሕ

ኢና ንቃለስ ዘለና፡፡ እዚ ክብለካ

ከለኹ ግን ኣብ ዝተፈላለዩ

ፃውዒታት ኢድና ኣይኣስረናን፡፡

ቤት/ቲ ኣይሰራሕናን ጥዕና

ጣብያ ኣይሰራሕናን ‘ምበር፡፡

ጥሕሎ፡ - ቅድሚ ምዝዛምና?

ደስታ፡ - ከም ገለ ኢልናስ ካብ

ድኽነት ክንወፅእ ክንፅዕር ኣለና

’የ ዝብል’ምበር ካሊእ ዝብሎ

ነገር የብለይን፡፡

ጥሕሎ፡ - ክብረት ይሃበለይ

ደስታ፡ - እሺ! የቐንየለይ፡፡

38
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 33

ስፖርት

ዮ

ና ታ ን ን

ዳንኤልን ኣብ

እ ዋ ን

ዕ ረ ፍ ቶ ም

ዝ ራ ኸ ብ ሉ

“ ዜ ሮ - ፑ ል

ሃ ው ስ ”

ይበሃል፡፡ ‘ስትሬት ፑል’

ንምፅዋት ተወራሪዶም መፂኦም

ኣለዉ። ዮናታን ብኣብዝሓ

ስለዝስዕር ብዓርሰ እምነት፣

“ብሬክ ዶ ክገብር?” ኢሉ፣ ን3

ቁፅሪ ወቒዑ 15ን 3ን ቁፅርታት

ኣብ ሓደ “ጉድጓድ” ኣእተወ፡፡

ሰለስተ(Break- ball) ሽዱሽተ

ነጥቢ’ያ ትውንን፡፡ ዮናታን ቀፀለ

4-ቁፅሪ፣ 5-ቁፅሪ፤ ኣብ ሽዱሽተ

ምስበፅሐ፤ ሰሓታ፡፡

15+6+4+5-6=24 ነጥቢ

ረኸበ፡፡ ዳንኤል ቀፂሉ ሽዱሽተ

‘side’ ኣእተዋ፡፡ ፑል 12 ኩዕሶ

ዘለዎ እንትኸውን፣ ሽዱሽተ

ነዃላት (ክልተ ናይ ጎኒ ዓርባዕተ

ኩርናዕ(ማእዘን)) ዘማልእ፤

ዝተፈላለየ ስፍሓት ዘለዎ ’ዩ፡፡

ብሸውዓተ ወቂዑ 9 ደገመ’ሞ

ሸውዓተ ’ውን ኣከታተላ፡፡ ሸሞንተ

ሰለዝሰሓተ ካብ 24 ነጥቢ 16

ቀኒሱ ዮናታን ብሸሞንተ ነጥቢ

ነቲ ፅወታ እናመርሐ ቀፀለ፡፡

ሸሞንተ ናብ ሓደ ኩርናዕ ወቒዑ

ከእትው እንትፍትን መውቂዒት

ኩዕሶታት ዝኾነት ፃዕዳ

ኩዑሶ(white ball) ናብ ተቓራኒ

‘ጎል’ ፑል ኣተወት፡፡ ‘ስክራች’።

ስለዚ ዜሮ ብዜሮ ኾይኖም

‘ስቲክ’(መውቅዒ በትሪ)

ንመሓዝኡ ዳንኤል ኣረከበ፡፡

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ፑል

WHAT IS

POOL!?

ዳንኤል ትሽዓተ

ቀዲሙ ስለዝኣተወ ብዓሰርተ

ቀፀለ፡፡ ኣይከበደቶን ብቐሊሉ

ናብ መሰላታ ለኣኻ፡፡ ዓሰርተ

ኽልተ ፈታኒት’ያ፡፡

ን ኽ ት ግ ዝ ገ ዝ ( ን ዝ ተ ፀ ገ ዐ ት ሉ

ጠርዚ ፑል ብኣብዝሓ፤ ነታ

ኩዑሶ ድማ ብቑሩብ ምትንካፍ)

ወይ’ውን ንኽትቁረፅ(ፍርቂ ገፅ

ኩዕሶ ምውቃዕ) ከባድ’ያ፡፡

‘ስክራች’ ኣለዋ፡፡ ቆሪፁ ወቒዑ

ኣይተሳኸዐሉን፡፡ የግዳስ

ንዮናታን ‘ሴት-ኣፕ’(ፊት ንፊት

ጎል) ሰርሐሉ፡፡ ዮናታን ክምስ

እናበለ “ስዒረካ!” በሎ፡፡

“ንርኢ!?” ኢሉ መለሰሉ

ዳንኤል፡፡ ዮናታን 12 ብቐሊሉ

ኣፋነዋ፡፡ ብ13 ገይሩ ድማ 14

ኣከታተላ፡፡ 21 ነጥቢ ኣመዝጊቡ

ንዝነበረ ዳንኤል ዜሮ ገይሩ፤

ወናኒ 5 ነጥቢ ዝኾነ ዮናታን፣

ዓሰርተ ሰለስተ እንተእትው ብ18

ነጥቢ ይስዕር። እንተዘይቀኒዕዎ

’ሞ ዳንኤል እንተሰሪሕዋ፣

ብጓንጉል-

መቐለ

ብሸሞንተ ነጥቢ ዝተወራረድሉ

“መን ድራር ይእንግድ!?” ፅዋዕ

የልዕል፡፡ ዮናታን ናብ ክልተ

ጎዳጉዲ ከእትዋ ይኽእል’ዩ፡፡

ብምዃኑ’ውን ናብ መኒኡ

ይቐለኒ ሓሳብ ወጠሮ፡፡ ዳንኤል

“በል’ባ?” እንተበሎ፣ ሂቡ

ሓደጋ፡፡ ኣይኣተወትን፡፡ የግዳስ

ንዳንኤል ኣመቻቸወሉ - ‘ሴት-

ኣፕ’፡፡ ዳንኤል 13 ኣሰናቢቱ

ፅዋዕ “መን ድራር ይእንግድ!?”

ረትዐ፡፡

ዳኒ ዮኒ

30
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 34

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ደንብታት/ሕግ

ታት ፑል

ዓይነታት ፀወታ ፑል

ብዙሓት ’ዮም፡፡ 8-

ቦል(ኣሜሪካን-ፑል)፣ ስትሬት-

ቦል፣ 9-ቦል፣ ባንክ-ፑል፣ ኬክን

ሩስያን ቢልያርድ ዝጥቀሱ’ዮም፡፡

ብኣብዝሓ 8-ቦል(ኣሜሪካን-

ፑል) ተጠቃሚ እንትህልዎ፣

ናብ ሃገርና እንትንመፅእ(ብፍላይ

መቐለ) ድማ ‘ስትሬት-ቦል’

ሰፊሕ ቦታ ይሕዝ፡፡ ብምዃኑ’ውን

ሕጊታት ክልቲኦም ፀወታት

ብመጠኑ ክንርኢ፡፡

ሕጊ

8ቦል(ኣሜሪካን

-ፑል)

ዕላማ’ዚ ፀወታ፣

8ኩዑሶታት (‘ስትራይፕስ’ ወይ

‘ሶሊደርስ’) ናብ ጁባ ፑል

ኣከታቲልካ፣ ኣብ መወዳእታ

ንቑፅሪ 8 ብምእታው ፅዋዕ

ምልዓል’ዩ፡፡ ብሽዱሽተ ነዃላት

ዝተኸበበ ፑል ክልተ መስመራት

ኣለዉዎ፡፡ ‘ክችን’ እናተብሃለ

ይፍለጥ፡፡ ብ ራክ(መፅመዲ

ኩዑሶ) ‘ስትራይፕ’ን ‘ሶሊድ’ን

ዱሑርን ቅድሙን ገይርካ ካብ

‘ክችን’(ዳሕረዋይ) ንደገ

ዝተሰርዑ 15 ኩዑሶታት

ብብሬክር(ፈላማይ) ተፃዋቲ

ይብተኑ፡፡ ብሬከር ሓደ ወይ

ክልተ ኩዑሶ ናብ ባንኪ

እንተእቲዉ፣ ምምራፅ ኩዑሶ

ናቱ’ዩ፡፡ ‘ስትራይፕ’ ወይ

‘ሶሊድ’(‘ሃይ’ ወይ ‘ሎው’)፡፡

ዝሓሰቦ(ዝተዛረበሉ) ኩዑሶ

እንተሰሒቱ፣ ናብ ዘይበሎ ጁባ

እንተእቲዉ ወይ’ውን

እንተስሒቱ ኣይቅፃዕን፡፡ እንታይ

ድኣ? ተራ ምምራፅ ዕድል

ዓይነት ኩዑሶ ነቱ መፃውቱ

ኣሕሊፉ ይህብ፡፡ “Open”

እናተብሃለ’ውን ይፍለጥ፡፡ ኣብ 8-

ቦል እንተቐኒዑካ ዘሐጉስ፣

እንተዘይኾይኑ ብጣዕሚ

ዘሕርቕ፣ ጉዳይ ቁፅሪ ሸሞንተ’ዩ፡፡

እዚ ቁፅሪ ክሳብ 8 ኩዑሶታት

ኣእቲኻ ትውድእ ብፃዕዳ

ኩዑሶ(cue) እንተነኺእኻ ንዓኻ

ስዕረት ንመፃውትኻ ድማ ፅዋዕ-

ዓወት’ዩ፡፡

ሕጊ

ስትሬት ቦል

ሕጊ ስትሬት ፑል ካብ

ዓዲ-ዓዲ(ንኣብነት፣ ሕጊ ኣዲስ

ኣበባን መቐለን) ዝፈላለ

ብምዃኑ ሕጊ ፑል መቐለ ኢና

ክንርኢ፡፡ ክልተ፣ ጎዳጉዲ

ቅድሚት ሓሊፈን ዝስርዓ፣

ብየማን ገፅ 4ቁፅሪ፣ ብፀጋም-15

ቁፅሪ እንትኸውን ደድሕሪ 4ን

5ን ቀፂሉ 6 እንትህልው፣

ቀዳማይ ናይ ‘ሳይድ’(ጎድኒ)

ነዃል ይርከብ፡፡ ቀፂሉ 7-8-9

እንትህልው፣ ክልተ ናይ ጎድኒ

ፀግዒ ነዃላት(ጎል) እንትህልው

ኣብ ማእኸሎም 3 ቁፅሪ (Break)

ይትከል፡፡ ንታሕቲ እንትንምለስ

ድማ 10-11-12፣ ነዃል፣ 13-

14-15- ነዃል ንረክብ፡፡

‘ስትሬት ቦል’ ዝፍለም ፃዕዳ ኩዕሶ

ኣብ ውሽጢ Kitchen line

ብምግባር ንቀይሕ (ቁፅሪ-3)

ወቒዒኻ፣ ንባዕሉ ንቀይሕ፣

እንተቀኒዑ ድማ ‘ንጉስ

ኩዕሶታት’ ዝበሃል 15 ቁፅሪ

ምእታው’ዩ፡፡ እዚኣ፣ ብኽልተ

ኣፃብዕቲ ዝግበር ጣቂዒት

ተሸልም፡፡ ሎሚ፣ ኣይርእን ዘለኹ

’ምበር ኣብ ሓደ ሓደ እንዳ ፑል

ብ ‘ብሬክ’ “15ን14 ብሓደሻዕ

(29 ነጥቢ ማለት’ዩ) ዘእተወ ኮካ

ይሽለም! ዝብል ፅሑፍ ይጥቃዕ

ነይሩ፡፡

ኣብ ፈለማ ዘይቀንዖ

ወቓዓይ፣ ኩዑሶ እንድሕር

ዘየእተወ፣ መፃውቱ ዝሰሓተ

እንተሰሓተ፣ ዘይተርኡ ኩዕሶ

እንተወቕዐ ኣይቅፃዕን፡፡ ድሕሪ

ቁፅሪ 3(Break) ዓርባዕተ፣

ከምኡ እንዳበለ ክሳብ 15 ቁፅሪ’ዩ

ዝኸይድ፡፡ ኣብ መንጉኡ ኩዕሶ

ዝሰሓተ ወይ’ውን ዘይተርኡ

ኩዕሶ ዝተንከፈ፣ በቲ ዝሰሓቶ

ወይ’ውን በቲ

ዝተንከፎ(ዘይተረኛ) ይቕፃዕ፡፡

‘ስፌት’ ካብ ‘ጎል’ ምቁፃር

ኣይተኣናነስን፡፡ በዚ ምኽንያት

“ሰፈይቲ ክዳን” ዝወፅኦም

መሓዙተይ ብዙሓት ‘ዮም፡፡ በዓል

ተራ ቁፅሪ ንኸይረአ(ንምውቃዕ

ከፀግም) ብኻሊእ ኩዕሶ

ምሽፋን(ምዕጋት)’ዩ - ስፌት፡፡

ብዙሕ ግዘ ምስሓት ወይ ድማ

ዘይተርኡ ምውቃዕ ዝመፅእ

ካብዚ ዝተልዓለ ’ዩ፡፡ ኣብ

መብዛሕቲኡ ገዛ “ኳስ ማዘለል

ክልክል ነው!” ዝብል ፅሑፍ ’ውን

ነዚ ኩነት ዝምልከት’ዩ -

ንስፌት።

ፃዕዳ ኩዕሶ፣

ምእታው(ስክራች) ከምኡ’ውን

ካብ መፃወቲ ሜዳ ፑል ምውዳቕ

የቅፅዕ’ዩ፡፡ ንኣብነት 10 ቁፅሪ

‘ተረኛ’ ‘ዩ ንበል፡፡ ዓሰርተ

ንምውቃዕ ዝተወርወረ ፃዕዳ ኩዕሶ

ናብ ‘ነዃል’ ኣትዩ(ስክራች)

ዓሰርተ ኣብ ውሽጢ

መስመር(‘ኪቺን’) እንተኣትዩ

ምናልባሽ ከም ዕድል ይረአ።

ምኽንያቱ ’ውን ኣብ ጥቕኡ

ካብኡ ዝዓቢ ቁፅሪ ዝውንን ኩዑሶ

ክህሊ ይኽእል፡፡ ንበዓል ተራ

ኩዕሶ ኣብ ውሽጢ መስመር

ኣእቲኻ ‘ስክራች’ ምእታው፣

ንመፃውትኻ ‘ደርሶ መልስ’

የኽይድ፡፡ ቀጥታ እንተይኮነ

ዝውቃዕስ ናብ ናይ ቅድሚት

ጠርዚ ኣጋጪኻ ኣብ ውሽጢ

መስመር ዘሎ በዓል ተራ

ምንካእ፤ እንተቀኒዑካ ድማ ሸቶ

ምቁፃር - ጣቕዒት የሸልም፡፡ 10

ቁፅሪ ‘ስክራች’ እንተኣእቲውካ

’ሞ ንባዕሉ’ውን እንተኣትዩ፣ 10-

ኣይወፅእን፡፡ ኣበይ? መቐለ፡፡

(ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግና ወፂኡ’ዩ

ዝስራዕ፡፡) ኣብ መቐለ ዘይተርኡ

ኩዕሶ (ንኣብነት 11 ክኸውን

ይኽእል) እንተኣትዩ ጥራሕ’ዩ

ወፂኡ ዝስራዕ፡፡ ሕጊ ‘ሰክራች’

እዚ እንትኸውን፣ ብሓፈሻ

መሰረታዊ ግንዛበ ደንቢ ፃውቲ

ፑል (ኣሜሪካ ወ ስትሬት) ነዚ

ይመስል፡፡

ማሕበራዊ፣

(ነገረ - ፑል)

ፑል ካብ ስፖርታዊ

ጥቕምታቱ ዘይነኣኣስ ማሕበራዊ

ጥቕምታት ኣለዎ፡፡ እንዳ ፑል

ብኣብዝሓ መንእሰይ ’ዩ ዝእከብ፡፡

ብምዃኑ ካብ ‘ፆታዊ ሓሳባት’

ክሳብ ሃገራዊ - ዛዕባታት (ከም

ጉዳይ ኣባይ ዝበለ) ይውገዐሎም፡፡

መብዛሕቲኡ እንዳ ፑል

ብፅቡቛት ኣዋልድ ክሕሎ

(ከፃውታ) ይረአ፡፡ በዚ ምኽንያት

ከም ኣብ ካሊእ፣ እንዳ ፑል’ውን

ነታ መፃወቲት ደልዩ ዝመፅእ

ብዙሕ ንምኻኑ ሓደ ምስክር፣

ብጣዕሚ ፅብቕቲ መፃወቲት ኣብ

ዘለትሉ እንዳፑል ቦታ ዘይርከብ

ምኻኑ’ዩ፡፡ በዚ’ውን ፅቡቕ

ይሰርሕ ዝበሃል እንዳ ፑል ኣብ

መዓልቲ ልዕሊ 300/400 ብር

ኣይስእንን፡፡ ብኣብዝሓ ኣብ

ፑል፤ “ቁማር” ኣይረአን፡፡ ንሓደ

ፃውቲ (’ቴብል’) ካብ 4-6 ብር

ዝኽፈሎም ገዛውቲ ኣለዉ፡፡

በዚ’ውን ‘ቲ ዝተስዓረ ን‘ቴብል’

ጥራሕ ይኸፍል። ዓወት ይኹን

ስዕረት-ፑል(ከም ዮናታንን

ዳንኤልን) ብዙሓት መናእሰይ

ብፀጋ ክቕበልዎ እንትርኢ ነቲ

ፀወታ ዘለካ ፍቕሪ የወስኽ፡፡ ፅሬት

’ውን ሓደ መዐቀኒ ተፃዋቲ ’ዩ፡፡

ሕማቕ ጨና ዘለዎ ተፃዋቲ

ተመልካቲ ኣይረክብን፡፡ ፑል-

ሃውስ፣ ካብ ኮፊ ሃውስ ቀፂሉ

መኽዘን ስራሕ ዝፈትሑ

መናእሰይ ምዃኑ እንትሪኢ ድማ

የፅለአካ፡፡ ፑል ንጊዜ ምጥፋእ

እትፃወቶ ፃውቲ እንተይኮነስ

ብስራሕ ዝደኸመ ‘ሰብነት’

እናሃደስካ ብቅዓትካ

እተመሓይሸሉን ማሕበራዊ

ርክብካ እተጠናኽረሉን ዓይነት

ስፖርት ’ዩ፡፡

ኣመፃፅኣ

(ታሪክ)ፑል

ፀሓፍቲ ታሪክ ፑል

እንትገልፅዎ፣ “ሃፍታም፣ በዓል

ነዊሕ ታሪክ” ይብልዎ፡፡ ካብ ተራ

ሰብ ክሳብ ንጉስ፣ ኣዋልድ፣

ኣወዳት ከምኡ’ውን ተቓራኒ ፆታ

ኣብ ምስሓብ ዝተሰማረው፣ ኮታስ

ዕድመ፣ ፆታን ብርክን ዘይፈሊ

ዓይነት ፃውቲ’ዩ፡፡ ቢልያርድ

(ካሮሞ፣ ስኖከር፣ ፑል) ኣብ

ኣውሮፓ ን100 ዓመታት ክፅወት

ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ኣሜሪካ

ዝተኣታተወ ኣብ 19

ክ/ዘመን’ዩ፡፡ ፈላጢ ታሪክ

ስፖርት ሪሊፍሂኮክ ከም ዝብሎ

እንተኾይኑ፣ ፑል(ቢልያርድ)

ዝቦቐለ ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ’ዩ፡፡

ካብ ታሪክ ንጉሳውያንን

ልበወለዳትን ዝተረኸበ ኣመፃፅኣ

ታሪክ ፑል፣ “ኖብል ጌም ኦፍ

ቢልያርድስ” ይበሃል ከምዝነበረ

ይዝረብ፡፡

31
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 35

ፈይፈይ

ኣቴና

ለባም ከተማ፡፡ ሶቅራጦስ፣ ኣርስቶትል፣ ፕሌቶ

ግጥሚ ኣዋልድ

ፑል...

“ቀያሕያ ነይራ፣ ብዕራይ ዘይብላ

ኮይና ብዕራይ ዘይብላ”

ናብ ዓለም ዘበለት፡፡ ወትሩ ወግዒ፣ ሞጎት፣ ሓዱሽ ሓሳብ፣

“ሰኣን ክልተ ምራኽ ሳልሳይ ብተየ

ሓዱሽ ቅዲ ኣገላልፃ ሓሳብ፣ ሓዱሽ ፍልስፍና እተተኣናግድ

በዓልቲ ምርቅቲ ከርሲ፡፡ ሓቂ እንታይ’ዩ? ሓቂ ማለት ሓዲገናኒ ኸይደን

ስሚዒት’ዩ፡፡ ኣይኮነን ሓቂ ማለት ኩነት’ዩ፡፡ እዮኦይ ሓቂ መሓዙተየ”

ማለት ጲላጦስ’ዩ፡፡ ግደፉ’ዶ ሓቂ ‘ዶ ኣሎ እዩ!? “ኣቦይ እነይ ዕቡቕ ነይገበሩ

ፅንዓት ማለት ከ?

ሂኮክ፣ “ናይዚ ፀወታ ፈላማይ ፍልፍል ፅሑፍ ዝተረኸበ ብ15

ከይህቡኒ ሓሙሽተ ዕባሩ

ሶቅራጦስ፣ ብዛዕባ ፅንዓት ህዝቢ ኣኪቡ ዘምህር ሓደ ጠቢብ

ክ/ዘመን’ዩ” ይብል፡፡ ስያመ ቢልያርድ ካብ ቃል ፈረንሳይ(ፍሬንች)

ሪኡ ናብኡ ኣምረሐ፡፡ ብዛዕባ ፅንዓት ብዙሕ ክዛረብ ዝሰምዖ

ጓልመንያ? ከብሉኒ ይነብሩ” “ቢልያርት”(ስቲክ) ወይ’ውን “ቢል”(ኩዕሶ) ከምዝመፀአ እንትግመት፣

ሶቅራጦስ፣ “ንምዃኑ ’ዚ ፅንዓት ትብሎ እንታይ ’ዩ?” ኢሉ “ታደለች ዓዲ ዓውሒ ሂኮክ ግና፣ “ቢልያርድ ዝብል ስያመ ዝመፀ ካብ “ቢልያርት”

ሓተቶ፡፡ “ፅንዓት ማለት ’ማ ፀላኢኻ ናብ ቅድሚት እናገስገሰ ሓሙሽተዶ ኣለዋኺ? እንትኸውን፣ “ቢልያርት” ድማ መሰረቱ “ቢል” ከምዝኾነ…” ቀደም

እንትመፅእ ዘይምንቅናቕ ’ዩ፡፡” ክብል መለሰሉ፡፡ “ትልምኻ

ስዓብ ኣትሒዙ ኣብ ፅሑፍ ኣስፊርዎ ይርከብ፡፡

ሓሙሽተስ የለዋየ

ከሺፉ ምህዳም እንተሃሊዩካ ኸ?” ሶቅራጦስ መሊሱ

ዓይነይ ስነይ ረኣየ”

ሓተተ፡፡ “ሽዑ’ማ ትርጉም ፅንዓት ካሊእ’ዩ ክኸውን፡፡”

ፈላማይ ፀወታ ዓይነት ቢልያርድ፣ “ካሮሞ” ‘ዩ፡፡ “ካሮሞ”

በሎ፡፡ “እንድሕር ፀላኢኻ እናመፅአካ ዘይምንቅናቕ “ሓሙሽተ ዕባራ ሓሙሽተ ብሰለስተ ወይ ’ውን ዓርባዕተ ኩዕሶ ‘ባንኪ-ኩዕሶ’(ነኳላት) ኣብ ዘይብሉ

ወይ’ውን ምህዳም ፅንዓት ዘይኮይኑ፣ እንታይ ደኣ’ዩ ቖርበትየ ሜዳ (ጠረጴዛ) ዝፅወት’ዩ - ሃገረ ፈረንሳይ፡፡ “ካሮሞ” ናብ ሃገረ

ፅንዓት?” እንትብሎ ሰሚዑ፤ ቀዳማዊ ጠቢብ ብሓሳብ ዓይነይ ርእይኻማ ስነይ እንግሊዝ እንትኣትው ነይሩ ኣብ ሽዱሽተ ጁባታት ዘለዎ ጠረጴዛ

ዳግማዊ ጠቢብ ምርትዑ ፈለጠ፡፡

(ሜዳ) ክፅወት ዝጀመረ፡፡ ፑል፣ እቱ ሀዚ ሒዝዎ ዘሎ መልክዕ፣ መሰረቱ

ተመልከትየ”

“ፈቲንካኒ ሶቅራጦስ፤ ሀዚ እንትሓስቦ ንፅንዓት ብትኽክል

ፈረንሳይ ይኹን ’ምበር መዕረፊኡ እንግሊዝ ምዃኑ’ዩ፡፡ እዚ ክበሃል

ኣይተገንዘብኩዎን - ኣይፈልጦን፡፡”

ካብ ህዝቢ። ከሎ ግና ናብ ሕግታቱን ስርዓቱን እንትንከድ ግደ ኣሜሪካዊያን ዕዙዝ

“ኣነ’ውን ኣይፈልጦን” ክብል ተደምፀ- ሶቅራጦስ፡፡ ካብያ ሰያባትስ ለባማት! ኮይኑ ኢና ንረኽቦ፡፡ ብ19 ክ/ዘመን፣ ‘ኮንግረስ ቢልያርድ ኣሜሪካ’፣

“ይኹን’ምበር ፅንዓት ኣእምሮኻ ካብ ምጥቃም ንላዕሊ

ኣመፃፅኣ ፑል ኣማዕቢሉ ’ቲ ሀዚ ሒዝዎ ዘሎ ቅርፅን ስርዓትን ክሕዝ

ዝተፈለየ ኣይመስለንን፡፡ ‘ዚ ማለት ድማ ኣብ ዝኾነ ሓደጋ

ዓብዪ ተራ ከምዝተፃወተ ሙሁራት ታሪክ ፅሒፎም’ዮም፡፡

ውሽጢ እንተኾይንካ፣ ትኽክለኛ ነገር ጥራሕ ምግባር

እንተኺኢልካ፣ ንሱ ፅንዓት’ዩ፡፡” ንፍሽኽታ

ብ1660ዓ.ም.ፈ ፑል ሰፊሕ ዝና ረኸበ፡፡ ብኸመይ?

ዕዉር ድኡ ኣታዮ! እንተበልኩም፣ መልሱ’ቱ ብድርሰታት ካብ ፀሓፍቲ ዓለምና ፀብለልታ

ጆንን መሓዙኡን ዮርዳኖስ ብሉ(መቐለ) ሻሂብዘበን

ደርጊ ሓደ ካድረ ህዝቢ ዝረኸበ ሼክስፒር ኣብ ኣንቶኒን ክሊዮፓትራን ዝተብሃለ ድርሰቱ ፀወታ

እንትሰትዩ፣ መሓዝኡ ሓደ “ሌባ” ካብ ጁባ ሓንቲ መንገደኛከባቢ

ዋጅራት ኣኪቡ ጎስጓሰ ፑል ብምክታቱ ኾይኑ ትረኽብዎ፡፡ ንነዊሕ እዋን ደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ

ጎርዞ ቅርሺ እንተውፅእ ሪኡ ሓፍኮፍ እናበለ፣ “ረኣዮሞ ’ዚእናገበረ

ይፀንሕ’ሞ ዘረባኡ ምስ ፃዕዳ ኩዕሶ ብምጥቃም(ከም ካራምቡላ) ንኽፃወቱ እንትፍቀድ፣ ስቲክ

ሌባ? ኣትዩ’ኮ ናብ ጁባኣ...ዋይ ኣነ ኣውፂኡወን... ጎይዩ... ወደአ በሉ ሕዚ ድማ ሪኢቶ ይኹን ሒዝካ ምፅዋት ንደቂ ኣንስትዮ ከምግዴታ ኾይኑ ሓሊፉ፡፡ ኮተን

ኣይረኣየቶን...” እናበለ ጭንቕ ፅብብ እንትብል፣ ካብ ገፅ ጆንሕቶ

ዘለኩም ክተቕርቡ ትኽእሉ ዝተብሃለ ፀሓፊ “cue sticks” (ስቲክ)ን ጥቕምታቱን ምስ ኣፍለጠ

ገለ ኣይተነበበን፡፡ እዚ ዝረኣየ መሓዝኡ፣ “ኣንታ እንታይ ድኣኢኹም

እንተበሎም ወዮም ነይሩ’ዚ ታሪክ ዝተቐየረ፡፡ ከም’ውን ምስጋና ንወያነ ኢንዱስትሪ

ዓዚሙካ ኣይራኣኻዮን ዲኻ ’ቲ ሌባ?” ተኣከብቲ ጥርቅም ይብሉ፡፡ “በሉ’ባ እንግሊዝ፣ ድሕሪ 1800 ዓ.ም.ፈ ምምዕባል ኣቑሑት ፑል ተበሰረ፡፡

“ሪአዮ’ባ።”

ሓሳብኩም ግለፁ?” ይብሎም ቾክ፣ ‘ስላት’ (እምነበረድ)፣ ካብ ቆርበት ዝተሰርሐ ጫፍ ስቲክ

“ኣየናድድን?”

ደጊሙ፡፡ ሕዚ’ውን ስቕ እንተበሉ ኣፍልጦ ዝረኸቡን ዝተሰርሑን ካብዚ እዋን ጀሚሩ’ዩ፡፡ ይኹን’ምበር

“ኣነ ኣይተናደድኩን።”

ካድረ ሆየ ተናዲዱ “ኣታ ክሳብ 1920 ቅርፅን ስፍሓትን(‘ዳይሜንሽን’) ሜዳ ፑል ኣብ ስራሕ

“ንምንታይ?”

ኣሎኹም’ዶ?” እንተበሎም “ዋእ! ኣይወዓለን፡፡

“እንታይ ኾይኑ ከም “ዝሰረቐ” ስለዘይፈልጥ!” ኣታዮ ዕውር ድኡ?” ኢሎም ዓረፉ

ይበሃል፡፡ ይሪአና’ዩ ኣየሎን ከም ኣገላልፃ ሂኮክ፣ ብ1808 ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ኮፊ-

ማ ለ ቶ ም ’ ዮ ም ፡ ፡ ሃውሳትን ሆቴላትን 8(ሸሞንተ) ህዝባዊ መፃወቲ ፑል ጥራሕ ነይረንኣ፡፡

ኣብ 1824 ድማ ናብ ክልተ ደርዘን ጥራሕ ’የን ክብ ክብላ ክኢለን፡፡

7 ባህርያተ -

“ቁማር” ዝብል ሳጓ ዝተውሃቦ ፑል፣ ኣብዚ ግዘ ነይሩ ኣፍልጦ ዝረኸበ፡፡

ኣብ ኣሜሪካ ብ1858 ንፈለማ እዋን ሻምፒዮን ፑል ከምዝተሳለጠ

ዝሕብር ሂኮክ፣ ፈላማይ ተሸላሚ ፅዋዕ ካቫናህ ዝተብሃለ መንእሰይ

ዕዉት(ስኪዒታዊ) ሰብ

ምዃኑ ኣቐሚጡ’ዩ፡፡ ፊልምታት ሆሊዉድ ብፍላይ ድማ፣ “The Hustler”

ን “The Color of Money” ን ኣሜሪካዊያን መናእሰይ ብፍቕሪ

ፑል ክውለፉ (ናባና’ውን ዝተረፈ) ዝተፃወትዎ ግደ ብኮንግረስ

ቢልያርድ ኣሜሪካ ዝለዓለ ቦታ ይወሃቦ፡፡ ብ1987፣ World pool-billiard

association ኣብ ጀርመን ተጣይሹ ብፅላል “world 9-ball

championships” ዓይነታት ቢልያርድ ካሮሞ፣ ስኖከርን ፑልን ዝሓዘ

ዓይነት ስፖርት ካብ 1998 ብዓለምለኻዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣፍልጦ

ብምርካብ ስሩዕ ፀወታ ኦሎምፒክ ንምዃን በቒዑ’ዩ፡፡

(THE SEVEN HABITS OF HIGHLY

EFFECTIVE PEOPLE)

1) ቀዳሚ(ዉፉይ) ኹን! (Be proactive)

2) መብፂሒኻ ወሲንካ ፈልም! (Begin with the end in mind)

3) ቅዲሚያ ንዝወሃብ ቅድሚያ ሃብ ቀዳምነት ንዘድልዮ!(Put first

things first)

4) ክስዕር እየ ስዓር ኢልካ ሕ/ሰብ! (Think Win/Win)

5) ቀዲምካ ሰባት ንምርዳእ፣ ቀፂሉ ካልኦት ክረድካ ምግባር

ሕሰብ!(Seek first to understand, Then to be

understood)

•ክልተ እዝንን ሓደዳፍን እዩ ተዋሂቡካ! ኣዳምፅ! ትሰምዐኒዶ ኣለኻ?!

ከም በዝሒ ቁፅሮም ተጠቀመሎም።

6)ምስ ሰባት ተዋሃድ! (Synergize)

7)ተሃደስ! (Sharpen the saw)

ብዮናታን ዳንኤል

ለውጢ! Change

1)ኩለ መዳይ ለውጢ ጡዑም’ዩ፡፡(ኣርስቶትል)

2)ኩሉ ምንቅስቓስ ንቕድሚት ከምዘይኮነ ኹሉ፣

ኩሉ ለውጢ ድማ ንዕብየት ኣይኮነን፡፡(ኣለን

ግለስገው)

3)ለውጢ ሓዱሽ ህያብ ሒዙ ይመፅእ!(ፕሪስ

ፕሪቸት)

4)ኩሉ ሰብ ዓለም ክልውጥ ይሓስብ፣ ንባዕሉ

ክልውጥ ግን ዝሓስብ የለን!(ሊዮ ቶልስቶይ)

5)ዝኾነ ለውጢ፣ ዋላ’ኳ እቲ ንዝበለፀ ነገር ዝግበር

ለውጢ፣ ምስ ጉድኣትን ፀገምን’ዩ

ዝበለና፡፡(ኣርሆልድ በነት)

ጁሉያን ሮበርትስ፣

Julian Roberts

ኣብ መወዳእታ፣ ወሰንቲ

ነጥብታት ፑል፡ -

ፑል፣ ፀወታ ሒሳብ ስለዝኾነ ብቐሊሉ ብዝርብሽ ድምፅን ፍኑው

ፀባያትን ተዓዘብቲ ኾነ ተፃወቲ ክትርበሽ ስለእትኽእል ፅምዋ ምርጫኻ

ይኹን፡፡

ኣብ እዋን ፑል ‘ዲፕሎማት’ ምዃን ፅቡቕ ጊዜ ንምሕላፍ

ጠቓምነቱ ዝዓዘዘ ’ዩ፡፡

ኩል ጊዜ ሰዓሪት ንምዃን ተፃወቲ። ሰዓሪት ምዃን ቦታ

ዘይምልቃቕ ’ዩ ’ሞ፡፡ ብምኽንያት ዝተደገፈ ሕግታት ክሳብ ዘምፃእኺ

ዝደለኽዮ ዓይነት ፃውቲ ናይ ምፅራሕ መሰል ‘ውን ናትኪ’ዩ፡፡

ምራቖ፡ -

o ምስ ዝኾነ ሰብ ፍቕሪ ከምዝሰርሕ

ተንቢየ ኣይፈልጥን፣ ንግስቲ’ቱ ፀወታሱ

ክኾን ግን እፎቱ፡፡

o እንተፍቂርኪ ሽዑ ብዘይ ዓውዓውታ

ተዛረብዮ፣ ተዘይኮይኑ እታ ቅፅበት ኣብ መብዛሕቲኡ እንዳፑል ብገንዘብ ምፅዋት ኣይረአን፡፡ ን’ቴብል’ ካብ

ትሓልፈኪ’ያ፡፡ ምኽፋል ጀሚሩ ንሻሂ፣ ንድራርን ቢራን ምፅዋት ልሙድ’ዩ፡፡ ዳንኤልን

o ሰባት ‘ጁልያና ትፈትወና ኣይመስለናን’

ዮናታንን ግን ኣብ ሓደ እዋን ንኽልቲኦም ብመልክዓ ንዘንበርከኸቶም

እንትብሉ የስሕቐኒ፣ መዓረይ፣ እንድሕር

እንስት “ዝወስድ” ብምውርራድ ከም ዝተፃወቱ ኣውጊዖምኒ ’ዮም፡፡ መን

ኣነ ዘይፈትወካ ኾይነ፣ ብዛዕብኡ

ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ፡፡ ከምዝሳዓረ ግና ኣይዛረብን፤ ሰላም፡፡

ጥሕሎ ነሓሰ 2003 27
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 36

ብኣይተ ስየ ኣብርሃ

መእተዊ

ድሕሪ ሓደ

ዓመት ኢና

መፂና ዘለና፤

ዓድና ሪሒቁና፣ ነዊሑና። ተመላሊስና

ምሳኹም ክንራኸብ፣ ክንመኻኸር ፀሊእና

ከይመስለኩም፡፡ ከምዚ ዝበለ መድረኽ

ንምድላው ብዙሕ ጣጣ ስለዘለዎ ‘ምበር፡፡

ገንዘብ ይሓትት፣ ፍቓድ’ውን፡፡ እቶም

ኣሕዋትና ‘ቲ ምርጫ ወሲዶሞ፡፡

“ስዒርናኩም!” ኢሎምና ድንቂ ይኹነልኩም

ኢልናዮም፡፡ ዓመፅ ክነልዕል መሲሉዎም

ነይሩ፡፡ ንሕናስያ ዶንጎላ ደርብዩ ክንብል?

ትንሕና ንድብርዮማ ትፈልጥዎ ኢኹም፡፡

ናብ ዶንጎላ ኣይንወርድን፤ ናብ ሰላም ኢና

ንወርድ። ቃልሲ ግን ክቕፅል’ዩ፡፡ ቃልሲ

ንምቕፃል ከዓ ዓቕሚ የድሊ፡፡ 10 ሚልዮን

ቅርሺ ንፓርቲታት ስራሕ መካየዲ ተባሂሉ

ተመዲቡ፡፡ ኢህወዴግ 9.9 ሚልዮን ኣቢሉ

ወሲዱዎ፡፡ ንኣና (ሽዱሽተ ፓርቲ) ሰለስተ

ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን ይብፀሓኩም

ኢሉና፡፡ ምናልባሽ ሰለስተ ሽሕን ሓሙሽተ

ሚኢትን ነዛ ኣዳራሽ(መቐለ-ማዛጋጃ ቤት)

ዝተኸፈለ ክራይ’ያ ተሸፊናታ፡፡ ፅንሕ ኢሉ

እንታይ ከምዝተብሃለ ሰሚዕኹም ትኾኑ፡፡

ነቶም ሓቀኛ ተወዳደርቲ፣ ሰብ ቁዋም፣ ሰብ

ሓሳብ ንጎኒ ገዲፉ፣ “ኣነ ገንዘብመሊኡኒ’ዩ

ፀገም የብለይን’ሞ ኣቱም ዓቕሚ ዘይብልኩም

ንዑ ከካፍለኩም?” ኢሉዎም፡፡ ንመን

ከምዘከፋፈሎ ሰሚዕኹም ትኾኑ? ነቶም ንሱ

ዝኣከቦም፡፡ ግን ንሕና ትፈልጡ እንዲኹም?

ጥራሕ ኢድና ሳንቲም ዘይሓዝና ከላሽን

ዘይሓዝና እንዲና በረኻ ዝወፃእና? ሓሳብ፣

ቅዋም፣ መርገፅን ዕላማን፣ ቅንዕና፣

ፅንዓት’ዩ’ቲ ወሳኒ፡፡ ገንዘብ ዋላ ኣይሃልወና፣

ዋላ ኣብ ዓመት፣ ክልተ ዓመት ሓደ ሻዕ

ይኹን ምሳኹም ክንመክር ኢና፡፡ ንስኹም

ዓቕሚ እንተጥሪኹም፣ ዋእ! ፍርሒ’ውን

እንተሰጊርኩም ከዓ፤ ዓቕሚ ክትኮኑና

ትኽእሉ፡፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ መንገዛ ዓድና

ኪራይ እንተይከፈልና ምስ ህዝብና ከም

ድላይና ንዛረበሉ እዋን ክመፅእ ይኸውን፡፡

ጉዳይ ኣባይን ሻዕብያን

ንሕና ድኻታት እንዲና፣ ልምዓት

“የድልየና/ኣየድልየናን” ዝብል ሕቶ

ክንጥይቕ ‘ዶ ይግባእ? ክትዕ’ዶ ክህሉ

ይኽእል? ኣይኽእልን፡፡ ሻዕብያ ስግኣት’ዩ፡፡

ስለዚ ሰላም ክንረክብ ስግኣትና ይተኣለየልና

ኣብ ዝብል ክንከራኸር ’ዶ ንኽእል?

ኣይንከራኸርን፡፡ መገዛ ማይና ንሕና ፆምና

እናሓደርና፣ ብላስቲክ ማይ እናዓቖርና፣

ማይ ብዝባና እናፈሰሰ፣ ማይና ንገድብ’ሞ

ንስተ ንብላዕ እንተተብሃልና ክንቃወም’ዶ

ንኽእል? ሽግርና ዓድና ትልማዕ’ዶ

ኣይትልማዕ ኣይኮነን፡፡ ሽግርና ኣባይ

ንጠቀም’ዶ ኣይንጠቀም ኣይኮነን፡፡ ሽግርና

ሻዕብያ ይተኣለየልና’ዶ ኣይተኣለየልና

ኣይኮነን፡፡ እዚኦም ስግኣት ድዮም ኣይኮኑን

ኣይኮነን፡፡ እዚኦም ስግኣትና ምዃኖም

ክንስማዕማዕ ኢና፡፡ ንገዛ ወገኑ ንገዛ ህዝቡ

ከም ስግኣት ዝርኢ መንግስቲ፣ ነዞም ከምዚ

ዝበሉ ዓበይቲ ስግኣታት መኪቱ ኣብ ውፅኢት

ክበፅሕ ግን ኣይኽእልን፡፡

እዚኦም ስግኣት ሃገር’ዮም፡፡

ስግኣት ሃገር ከዓ ንመላእ ሃገር ኣብ ጎንኻ

ኣሰሊፍካ ጥራሕ’ዩ ክምከት ዝከኣል፡፡ ንመገዛ

ህዝብኻ ፈሪሕኻን ኣፍሪሕኻን፤ ነፃነት መገዛ

ህዝብኻ ገፊፍካ “ኣነ ዝበልኩኹም ስምዑ!

ፍሒት ከይትብሉ! ኣይትዛረቡ!” ኢልካ ነዞም

”ሰብ ንኸብዱ ኣይኮነን!”

ከምዚኦም ዝበሉ ከክንዲ ጎቦ ዝኣኽሉ ስግኣት

ምውጋድ ዘበት’ዩ፡፡ ንዜጋታቱ ዝፈርሕ

መንግስቲ፣ ሃገር ዘኽትት መንግስቲ ክኸውን

ኣይኽእልን፡፡ ነዞም ስግኣታት እዚኦም

ክነወግዶም እንድሕር ድኣ ኮይና ነፃ፣ ናይ

ሓደ ፓርቲ ዘይኮኑ ሃገራዊ ትካላት ክህልዉና

ኣለዎም፡፡ ኣነ ዝፈርሐሉ ዓዲ፣ ኩሉና

ንፈርሐላ ዓዲ፣ ኣቱም ሱቕ በሉ ከይሰምዑና፣

ኣታ ሱቕ በሉ ብግብሪ ከይመፁና ኢልና

እንፈርሐሉ ዓዲ ከመይ ገይርና ሓደ ልቢ

ኮይና ጠጠው ንብለሉ? መጀመርያ ክመፅእ

ዘለዎ ነፃነትን ፍትሕን ዜጋታት’ዩ፡፡ እሞ’ዚ

ብምባልና “ይቃወሙና ኣለዉ፣ ሽግር

ይፈጥሩልና ኣለዉ!” እንተተብሃልና፣

ኣይፋል! ግደፉ ምባል ክንገድፍ’ዶ

ይመስለኩም? ብፍፁም!

ኣባይ ክንግድብ ኣብ ዝተብሃለሉ

ዋዕላ እንታይ’ዩ ዝተብሃለ? ዘሕዝን ’ኮ እዩ፡፡

ኢ/ያ ግድብ ኣባይ ምስራሕ ጀሚራ

ተባሂሉስ፣ ኢትዮጵያዊያን ክተቱ፣ ንዑ ቦንድ

ግዝኡ እናተብሃለ፣ ኣጀንዳ ሃገር ’ዩ

እናተብሃለስ፣ “…ንሪኤኩም ኣለና ኢና

ንሰምዐኩም፡፡ ምስ ግብፂ፣ ሻዕብያ፣ ምስቶም

ዝሸፈቱ በረኻ ዘለዉ ኮይንኩም ዓዲ

ክተተራምሱ…” ኣብ ከምዚ ዝበለ ዋዕላ እዚ

ይዝረብ? ብሓደ ወገን ኣባይ ንኽግደብ ሓግዙ

እናተብሃለ፣ ግን ከዓ መሰል ምቅዋም፣

ምግላፅ ሓሳብን መሰል ናይ ባዕልኻ ዝተፈለየ

ሪኢቶ ምቕራብን ስለዝተጠቀምካ “ፅናሕ

ከሪኤካ’የ!” ? “ኣይትፍርሑ!” እንድሕር ድኣ

ኾይኑ ንግብፂ ኣይትፍርሑ ጥራሕ ኣይኮነን

ክኸውን ዘለዎ፡፡ ንዓይ’ውን ኣይትፍርሑ፣

ንፖሊስ’ውን ኣይትፍርሑ፣ ንድህንነት’ውን

ኣይትፍርሑ፡፡ ናይ ልብኹም ተዛረቡ፤

ሃገርኩም፣ ጉዳይኩም፣ ክብረትኩም ’ዩ።

ክሓውስ ነይርዎ፡፡

ጉዳይ ትራንስፎርሜሽን

ትራንስፎርሜሽን ተባሂሉ፡፡

ልምዓት ዝፀልእ የለን፡፡ ካብ ምንታይ ዲና

ተፈጢርና? ካብዚ ድኻ ህዝቢ’ዚ እንዲና

ተፈጢርና፡፡ ኣቱም ሰብ ኣይኸውንን፡፡

ትራንስፎርሜሽን ካብ ባዕልኹም ክጅምር

ኣለዎ፡፡ ትራንስፎርሜሽን ነፃነት ዜጋታትን

ፍትሒን ካብ ምኽባር ’ዩ ዝጅምር። ካብ ባዕሉ

ኢህኣዴግ’ዩ ዝጅምር፡፡ ውሽጣዊ፣ ፖለቲካዊ

ትራንስፎርሜሽን እንድሕር መፂኡ፤ ሙሁር

ዋላ እንዳተፀገመ ብንእሽተይ መሃያ “ዓደይ!”

እናበለ ለውጢ ከምፅእ ክሰርሕ ይጅምር፡፡

እንድሕር ዘይሃልዩ ግን ዝሓሸ ናብ ዝብሎ

ዓዲ ክስደድ’ዩ፡፡ እቲ ዝኸውን ዘሎ እውን

’ዚ’ዩ፡፡ ሙሁር እንተይሓዝካ ከዓ

ትራንስፎርሜሽን ክመፅእ ኣይኽእልን፡፡

ጉዳይ ናብራ!

ስምዑ’ባ?! ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት

ሽኮር ክንደይ ክነፍሪ ኢና ከምዝበሉ

ትፈልጡ’ዶ? 98ዓ.ም እዛ ሃገር ብዓመት

እተፍርዮ ሽኮር 2.4 ሚልዮን ኩንታል’ዩ፡፡

ኣብ 2002 ዓ.ም ናይ’ዛ ሃገር ዓመታዊ ዓቕሚ

ምፍራይ ሽኮር 12 ሚልዮን ክነብፅሖ ኢና

ኢሎም ነይሮም፡፡ ዋእ! ኣብ’ቲ ገዛውትኹም

ሽኮር ይርከብ ‘ዶ ሎሚ? ኣብ ሓሙሽተ

ዓመት 2.4 ሚልዮን ዝነበረት ናብ 3 ሚልዮን

ጥራሕ’ያ ደይባ፡፡ ኮንፈረንስ ገይርካ’ዚ

ክንገብር፣ ክነዕቢ ኢና ጥራሕ ኣይኮነን፡፡

ዓቕሚ ስራሕ ይሓትት’ዩ፡፡ ዓቕሚ ስራሕ ከዓ

ዓዲ ኣኽቲትካ፣ ሙሁራት ሒዝካ…

ስምዑ’ባ?! ኣብ መቐለ ካብ’ዚ

ፋብሪካ ሲሚንቶ ክወፅእ ከሎ ክንደይ’ዩ

ዝወፅእ ዝሰማዕኹዎ? 230 ቅርሺ። ኣብ ዕዳጋ

ክንደይ’ዩ ዝሽየጥ ዝሰማዕኹ? ልዕሊ 400

ቅርሺ፡፡ ካብ’ዚኣ - ናብ’ዚኣ፡፡ መገዛ ኮኽሕና፣

መገዛ መሰቦና ከመይ ኢሉ’ዩ ክንድ’ዚ

ዓቂቡና? ናይ መን መንግስቲ ኮይኑ ከምዘሎ

ባዕሉ’ዶ ኣይዛረብን? ኣብ ምንታይ ኣቲና

ከምዘለና ባዕሉ’ዶ ኣይዛረብን ’ዚ?

ክነግረኩም! 47 ሚልዮን ኩንታል ብዓመት

ክነፍርይ ኢና ኢሎም - ሲሚንቶ፡፡ ኣብ 2002

ግን 11.7 ሚልዮን ኩንታል’ያ ኾይና፡፡ 24%

ወሲኻ፡፡ ኣቱም ሰብ ዓቕሚ የብልኩምን

እንተበልናዮም “መርድእ-ነገርቲ” ይብሉና፡፡

ክፋእ ምድላይ፤ ውድቀት ምድላይ

ኣይኮነን፡፡... ግን ዓቕሚ ይሓትት’ዩ፡፡

ኢ/ያ ሐዚ ሸማቲት ዘይቲ፣ ሽኮር፣

ሲሚንቶ፣ እንታይ ከ ዘይትሽምቶ ‘ሎ?

ደሓርከ ኣብ ገዛኹም’ያ፤ ኣብ መኻዚኖ’ያ

ትዓፅዉ ኣለኹም፤ ልዕሊ ዋግኡ’ያ ትሸጡ

ኣለኹም፡፡ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ትርፊ ዝወሰዱ

ክህልዉ ይኾኑ፣ ግን ካብ ዝግባእ ንላዕሊ

ትርፊ ዝወስድ ዘሎ መን’ዩ? ኣብ ጥቓና ዘሎ

መሰቦና ኣይኮነን ድዩ? ንምንታይ ብኡ

ዘይጅምር? ንምንታይ ቢራ፣ ሽኮር ብዘምርቱ

ፋብሪካታት ዘይጅምር? ‘ዓምፆ ዓምፆ

ንማዕፆ’። ኣቱም ሰብ እቲ ሽግር

መሰረታዊ’ዩ፡፡ ናይ ፖሊሲ’ዩ፡፡ የግዳስ

ንምንታይ ኣብዚ ሽግር’ዚ ከም ዝኣተውና

ዓይንኹም ዓንቊሕኹም ረኣዩ፡፡ ፅንሑ

ክትሪኡ እተን ሐዚ ዋጋ እተቕምጡለን

ዘለኹም ሽኮር፣ ዘይቲ ክሳኣና ‘የን። ሰብ ‘ቲ

ዝደልዮ ነገር ብኽባር ዋጋ ’ኳ ክስእኖ ‘ዩ። ነዚ

ሽግር’ዚ ኣውሪድኩም ኢሎም ከይኸሱና ድኣ

’ምበር መሊሶም? ሓቂ ምዝራብ እንታይ

ሓጥያት ኣለዎ?

“ሰብ ንኸብዱ ኣይኮነን!”

ጉዳይ ማእኸላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪካን

ኢትዮጵያን

ኢ/ያ ነብሲ ወከፍ ዓመታዊ እቶታ

450 ዶላር ’ዩ ተባሂሉ፡፡ ክንድኡ ደኾን

ይበፅሕ ኣሎ? ኣይፈልጥን፡፡ ደሓን ‘ቲ

ዝተብሃለ ንውሰድ፡፡ እዞም ኣብ ሰሜን

ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን “ፍትሒ!”

ኢሎም ኣደባባይ ዝወፅኡ ዘለዉ ዜጋታት ’ኮ

ዓመታዊ ነብሲ ወከፍ እቶቶም ልዕሊ 3000

ዶላር’ዩ፡፡ “ሰብ ንኸብዱ ጥራሕ ኣይኮነን”

ዝበሃል ደርፊ ቀደም ’ዶ ትፈልጡ? ሰብ

ንኸብዱ ጥራሕ ኣይኮነን ዝነብር፡፡

ንሕሊንኡን ሰብነቱን ’ምበር፡፡ ሰብ

ምዃኑ’ውን ዓብዪ ዋጋ ኣለዎ፡፡ ነፃነት’ውን

ዓብዪ ዋጋ ኣለዎ፡፡ ክልቲኦም ተዘይሒዝካ

ሰላም ኣይመፅእን፡፡ ለብሙ! ካብ ካልኦት

ተምሃሩ፡፡ ኣብ ኣፍደጌታኩም መፂኡ ክሳብ

ዘንኳሕኩሕ ምፅባይ፣ ትኽክል ኣይኮነን፡፡

ኣብ መወዳእታ፣ ኣይተ በቀና

ግርማ(ዋና ፀሓፊ ኦፌዴን) ዝተዛረቦ ዘረባ

ሰሚዕኹምዎ ኢኹም፡፡ “ንሶም-ንሕና

ኣይንበል፡፡ ሓደ ንኹን፤ ኣብ መንጎና ዘሎ

ሓፁር ሲዒርና ኩልና ኢትዮጵያውያን ንናይ

ነብሲ ወከፍናን ኩልናን መሰል ሓቢርና

ጠጠው ንበል፡፡” ‘ዩ ዝብለና ዘሎ፡፡ እቲ ኣብዚ

ዘሎ በደል ኣምሓራ፣ ኦሮሞ ’ውን ኣሎ፡፡

ኩልና ኢትዮጵያውያን ሓደ ኢና ኢልና

ሓቢርና ብሓደ ድምፂ ደው ብምባል

ከይንቃለስ ንሶም-ንሕና ዝበሃል ዘረባ

የዐንቅፈና ኣሎ፡፡ እዚ ሽግርናን ፀበባናን

የንውሖ’ምበር ኣየሕፅሮን፤ ስለዝኾነ ንሕበር

’ዩ ዝብል ዘሎ በዛ ምኽሪ ዘረባይ ጠጠው

የብል፡፡ ክብረት ይሃበለይ!

ኣይተ ስየ ኣብርሃ (ነበር ሚኒስተር

መከላኸሊ ሃገር) ኣባል ኣመራርሓ ኣንድነት-

መድረኽ’ዮም፡፡ እዚ ፅሑፍ መድረኽ

(ሚያዝያ-2) ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየዶ

ህዝባዊ ኣኼባ ካብ ዘስምዕዎ ዘረባ

ዝተወስደ’ዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሃርቫርድ

ዩኒቨርስቲ -ኣሜሪካ ይርከቡ።

ጥሕሎ ነሓሰ 2003 40
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 37