Create successful ePaper yourself
Turn your PDF publications into a flip-book with our unique Google optimized e-Paper software.
ኩሎም አብ እዛ ሃገር ዝርከቡ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኤኹመኒያ

ቤተክርስትያን (Equmeniakyrkan) ወትሩ ሰንበት ተራኺቦም ብሓባር አብ

ቤተክርስትያን አምልኾ (ጸሎት) ይገብሩ፡፡

ከምእውን ናይ ክርስትናን ( ጥምቀት ) ናይ ቃል ኪዳን ስርዓተ

ጸሎት ነካይድን ነብዕልን፡ ፡ ሞት ምስዘጋጥም ድማ ናይ ቀብሪ ስነ

ስርዓት ጸሎት (ፍትሓት) ነካይድ፡፡

ቤተ ክርስትያና (Equmeniakyrkan) አባል ናይቲ ልዕሊ 500 ሚልዮን

አብያተ ክርስትያናት ዝሓቆፈ ዓለምለኻዊ ማሕበር አብያተ ክርስትያንያት

ዩ'፡፡ አብቲ ማሕበር ድማ ምስኩሎም አመንቲ ክርስትና ብሓባር ንዋሳእን

ንሰርሕን ካባና ዝጥለብ ዘበለ ድማ ኩሉ ብንጡፍ ነገልግልን

ጉቡእና ንፍጽምን፡፡

ኤኩመኒያ ቤተክርስትያን ( Equmeniakyrkan ) ንኹሉ ኩፉት ኮይኑ

ንሕጻናት ንመንእሰያትን ንዓበይቲ ከከም አድላይነቱ ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ

አገልግሎት ይህብ፡፡

ብተወሳኺ ንኹሉ በብዕድሚኡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ከም ናይ ዘመናዊ

መዝሙር ፡ ናይ ሕጻናት መደባትን ካልእ ዝተፈላለየ ንማሕበራዊ ሂወት

ዝምልከት ንጥፈታት ነካይድ፡፡ ብወገና ንኹሉ አብቲ ነካይዶ ንጥፈታት

ክነጥፍ ንዝደሊ እማኒ ምሳና ብሓባር ንክሳተፍ ብአኽብሮት ንዕድም፡፡

እንቑዕ ብድሓን መጽእኩም