You also want an ePaper? Increase the reach of your titles
YUMPU automatically turns print PDFs into web optimized ePapers that Google loves.
ጸሎትን ቃል መጽሓፍ ቕዱስን

ንሕና ንአምን ጸሎት እንተጌርካ አምላኽ ከምዝሰምዓኻ:

ብመንገዲ ጸሎት ድማ ምስ አምላኽ ከምእትራከብ:

አምላኽ ድማ ቃሉ ምስትሰምዕ ብዛዕብ ሂወት ዘድልየካ ኩሉ የብርሃልካ:

ውዱእ ትጥቀመሉ ጸሎት ክህልወካ ጽቡቕ ዩ ከም ኡውን ገለ ጥቕስታት

ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ክትጥቀም ይከአል

ናይ ሕልና ጸሎት

ኦአምላኸይ አብ ልበይ ቕሳነት ሃበኒ፡

ካብ ዓቅመይ ንላዕሊ ንዝኾነ ንክቕበሎ ሓግዘኒ

ዓቅመይ ዝፈቅዶ ንኽገብር

ልበይ ከፍተለይ ሓይሊ ድማ ሃበኒ

ምስጋና ንዓኻ ይኹን

ናይ ምውፋይ ጸሎት

ጎይታይ!

ንዓይ ከም ምስልኻን መልኽዕኻን ጌርካ

ዝፈጠርካኒ ፈጣርየይን ናይ ሂወተይ ጎይታ ኢኻ::

ንድኹምን ንብርቱዕን ትፈልጥ፤ንሑሙምን ጥዑይን ትፈልጥ፤

አብ ውሽጠይ ዘሎ ኩሉ ትፈልጥን ብጻሕልካ ትኽልለኒ ኢኻ፤

ስለዚ ብዘይ ፍርሓትን ስግአትን ንሂወተይ አባኻ የዕቑባ አለኹ፡፡

ንበረኸት ምእንቲ ክኸውን ሲ ብሰናይካ ዘበለ ኩሉ ምልአኒ፡፡

ነቲ ፍልጠትካን ክእለትካን የመስግነካ፡፡

ነቲ ድኹምን ነቲ ጉድእን ብበረኸትካ ድማ ተጽግቦ ኢኻ፡፡

ኣሜን