Tihlo yon 13
Tihlo yon 13
Tihlo yon 13
Create successful ePaper yourself
Turn your PDF publications into a flip-book with our unique Google optimized e-Paper software.
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 11

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

… ትግራይ… እዚ ቁፅሪ’ዚ ናብ

ሚኢታዊ እንትስላዕ 0.005%(ካብ ሚኢቲ

ገባር ሓደ) ጥራሕ’ዩ ለውጢ ኣምፂኡ ዘሎ

ናብ ዝብል ሓቂ ’ዩ ዘብፀሐና፡፡” ይብሉ’ሞ፣

“እዚኦም’ውን እንተኾኑ” ይብሉ ኣይተ

ኣስራት፣ “እዚኦም’ውን እንተኾኑ ክንደይ

ናይ ማረትን ደደቢትን ልቓሕ ከምዘለዎም

ባዕሎም’ዮም ዝፈልጥዎ፡፡” ኢሎም፣ ካብ

ማእኸል ‘ቶም ተሸለምቲ ብምጭብርባር

ሜዳልያ ዝዓተሩ ከምዘለዉ’ዉን የቃልሑ፡፡

ኣብ ዘበነ ወያነ ሳልሳይ ፕሬዚዳንት

ዝኾኑ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ውፅኢት

ኣመራርሓ ኣይተ ፀጋይ በርሀ፣ ን64% ህዝቢ

ትግራይ መነባብርኡ ፍፁም ዘመሓየሸ

ብምባል ይገልፅዎ፡፡ ኣይተ ኣስገደ ግና፣

“መዐቀኒኡ ገዝኦም እንተኾይኑ እወ!”

ብምባል ‘ዮም ዝቃወሙ። “40% ’ኳ

እንተተመሓይሹ ‘ቱ 30% ኣብኡ’ዩ ክሽቅል

ዝኽእል፡፡” ኢሎም ’ውን ይትንትኑ፡፡ ኣይተ

ኣስገደ፣ “እቲ ዝበሃል ዘሎ እማን ተዝኸውን

ነይሩ ኣብ መቐለ ጥራሕ ልዕሊ 30 ሽሕ

ስራሕ ዝሰኣነ መንእሰይ ኣይመሃለወን፡፡ ሕዚ

መብዛሕቲኡ መንእሰይ ናብ ሃገራት ዓዕራብ

ዝስደደሉ፤ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ

ነብሰን ሸይጠን ዝሓድራሉ እዋን ’ዩ፡፡”

ኢሎም፣ ናይ’ዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ጉዳይ

- መሬት ምኻኑ ይጡቁሙ። ኣይተ ኣስገደ

ነዚ እንተብርሁ፣ ”ኣብ ትግራይ መሬት

84ዓ.ም ‘ዩ ተሸንሺኑ፡፡ መሬት ክሽንሸን ከሎ

ጓል - ጓል 21 ዓመት ክትወሃብ ’ዩ ተባሂሉ፡፡

በቲ እዋን ’ቲ ጓል 21 ዓመት ረኺባ ጓል 20

ዓመት ኣይረኸበትን፡፡ ሀዚ ጓል ክንደይ’ያ ዘላ?

ጓል 39 ዓመት፡፡ ወዲ ተባዕታይ ወዲ 22

ዓመት መሬት ተመቒሉ፡፡ ሀዚ ወዲ 40

ዓመት’ዩ፡፡ ሕዚ እዚኦም ዓርባዕተ፣ ሓሙሽተ

ወሊዶምስ፣ ዝወለድዎ ናብ ስደት በፂሑ’ሎ፡፡

ኣብ ትግራይ ካብ 13-40 ዓመት’ዩ ’ቲ

መፍረያይ ሓይሊ፣ እዚ ግን ካብ ፀወታ

ወፃኢ’ዩ ኮይኑ ዘሎ፡፡” ብምባል እዩ።

ለውጢ ጭርሖን ተሃድሶን

ቅድሚ ተሃድሶ ‘ብዘይካ መንገዲ

ማለሊት ኩሉ መንገዲ ዕንወት’ዩ፡፡’ ዝብል

ጭርሖ ነይሩ፣ ኩሉ ሕማቕ ተግባራት’ውን

ካብዛ ጭርሖ ’ዚኣ ይፍልፍሉ ነይሮም፡፡ እዛ

ጭርሖ ’ዚኣ ተፃሒፋትላ ዝነበረት(ከባቢ

ኣብርሃ ካስትል-መቐለ) ‘ታፔላ’ ሎሚ፣

“መንገዲ ሕወሓት መንገዲ ስሉጥ ልምዓትን

ዴሞክራሲን ’ዩ” ተኪኣታ፡፡ እዚ ብጣዕሚ

ዓብዪ’ን መሰረታውን ለውጢ’ዩ- ንሓጎስ.ማ፡፡

“ንሕና ማርክሲስት -ሌኒንስት ኣይከናን። እዚ

እውን ኣብ ምድሪ ትግራይ ተግባራዊ

ንምግባር ትልሚ የብልናን። ስያመ ውድብና

እውን እንተኾነ ማርክሲስት - ሌኒንስት

ስለምኻና ገለ ዝጥቁም ነገር የለን። ኣብ

ውድብና ማርክሲስት ኣለዉ። እዚ ሓቂ’ዩ።

ኣነ ባዕለይ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን

ብማርክሲዝም ምጥማቀይኣይክሕድን”

(መጋቢት 1982ዓ.ም ኣይተ መለስ ኣብ

ኣሜሪካ ምስ ላዕለዋይ ኣማራርሓ ሲ.ኣይ.ኤ

ዶ/ር ፖል ሄንዝ ካብ ዘካይደዎ ሚስጥራዊ

ዝርርብ ዝተወስደ፣ ኣውራምባ ታይምስ

ቁ.171፣2003)

ኣምባሳደር ኣውዓሎም ወልዱ፣ 84

ዓ.ም ትግራይ እንትኣትው ዝገበርዎ ነገር

ውን እናበሎም፣ “በቲ ግዘ፣ እዚ ምግባሩ

ተዝፍለጥ ካብቲ ውድብ ዘባርሮ ነይሩ!”

ብምባል ካብ ኣፍልጦ ‘ቲ ውድብ ኣይተ

መለስ ብውልቀኦም ዘካይድዎ ዝርርብ ምኻኑ

ይዛረቡ። ብኣንፃሩ፣ ኣይተ መለስ ኣብ እዋን

ምክፍፋል ኣብ ዘቕረብዎም ልዕሊ 2 ፅሑፋት

‘ቦኖፓርቲዝም፣ “ እንደገና

ስለቦኖፓርቲዝም” ኣብ ዝብል ፅሑፎም ካብ

ዝተጠቀምዎም 71 ጥቅስታት፤ ካብ ማርክስ

17 ጥቅስታት፣ ኤንግልስ 19፣ ሌኒን 22፣

ስታሊን 1 ጥቅሲ ብድምሩ 59 ናይ ማሌ

ጥቅስታት (ኣብ 128 ገፅ ፅሑፎም) ኣብ

ልዕሊ ምጥቃሞም፤ ፅሑፎም እንተጠቃሉሉ

“ድል ለማሌና ለኣብዮታዊ ዴሞክራሲ”

ምባሎም እንታይ ከምዘመላኽት ግልፂ‘ዩ።

ዶ/ር ነጋሶ ግና 10 ዓመት ሙሉእ ተታሊለ

ይብሉ። ነጋሶ፣ ሰነ 10(1993ዓ.ም) ኣብ

ዝተሳለጠ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ

መለስ፣ “ማርክሲስት ሌኒንስት ካብ

1983ዓ.ም ጀሚሩ የለን። ሰባት እንተሃለዉ

‘ውን ከምጉጅለ ኢህወዴግ ዝመርሕ ርእዮተ -

ዓለም ምኻኑ ተሪፉ’ዩ። ሶሻሊዝም

ብዝምልከት ካብ 1983ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ

ትሕቲ ጠረጴዛ ሓቢእናዮ ኢና። ካብ

ምዕራባዊያን ድጋፍ ንምርካብን ህዝቢ ኢ/ያ

ብሰንኪ ደርግ ስለዝፀልኦን ፃዕዳ ካፒታሊዝም

ኢና እነካይድ።” ኢሉ ይብሉ ‘ሞ ፕሮግራም

ኢህወዴግ ዝብሎ ግን ብኣንፃሩ ምንባሩ

ይምስክሩ።

ተሃድሶን ኣማራፂ

ፓርቲታትን

ኣይተ ሓጎስ.ማ ነዚ ኣመልኪቶም

ከምዚ ይብሉ። ናይ ጭርሖ ለውጢ ‘ዋላ’

ይዘንግዕ’ምበር ካልኦት ኣማራፂ ፓርቲታት

ፈጢሩ ዝተወሰኑ ነተን “መሰረታዊ

መሰላትና” ከጥፍእወን ብዕሊ ዝኣወጁ ከም

“ቅንጅት” ሕዚ ድማ “መሰረታዊ መሰላትና”

ሓልዩ ዝሓሸ’ዩ ዝበሎ መንገዲ ልምዓት ሒዙ

ዝመፀ “ዓረና ንሉኣላዊነትን ዴሞክራሲን”

ፕሮግራም መፍለጢ ኣኼባኡ’ውን(ጥሪ

24/2001) ሰዓት ሓፂሩ’ምበር ብሰላም’ዩ

ተወዲኡ፡፡ ይዝክር 1984/85 (ይመስለኒ)

ኣብ ሓንቲ ከተማና ኢድዩ ዝፀወዖ ኣኼባ

ዝወረደ ናይ ‘ደንጎላ’ መዓት፡፡ በዞም

ዝጠቐስኩዎም ለውጢታት እንትረአ ተሃድሶ

ቡዙሕ ለውጢታት ኣምፂኡ’ዩ፡፡ (“ወያነን

ዓረናን ሓደ ድዮም ክልተ፡” ብዝብል ርእሲ

ኣብ ጥሕሎ ቁ.8 ካብዝፀሓፍዎ)

ኣይተ ገብሩ ኣስራት መድረኽ

ሚያዝያ 4/03 ኣብ መቐለ ዝፀወዖ ህዝባዊ

ኣኼባ ኩነታት ትግራይ (ኣማራፂ

ፓርትታት) እንትገልፁ ካብ ናይ ኣይተ

ሓጎስ.ማ ሓሳብ ብኣንፃሩ ዝኸደ ነይሩ፡፡

“ኣይተ ኣያለው በየነ ዝበሃል ኣብ ውቕሮ

ማራይ ዝተወዳደረ ኣባልና ኣብቲ ድሮ

ምርጫ ክልተ ቦንቢ ተቶኲሱዎ፡፡ ድሕሪ

ምርጫ ድማ ኣብ ሽረ እንዳሃለወ፣ ብኮብራ

መኪና ገፆም ተሸፊኖም ብዝመፁ ሰባት

ወሲዶም ድብድብ ሓዲሮሞ፣ ንጉሆ መፂኦም

ደብርዮሞ ከይዶም፡፡ ካልኦት ይሕፀር ይብዛሕ

ዝተኣሰሩ፣ ካብ ስርሖም’ውን ዝተሰጎጉ

ኣለዉ፡፡” ብምባል ጭርሖ ይቀየር ’ምበር እቲ

ባይታ ዴሞክራሲ ፈፂሙ እናባደመ ይርከብ

በሃሊ’ዮም፡፡ “በትሪ-ፈራሕ” ብምባል

ዝሰየምዎ ኣብ ኣባላቶምን ፓርቲኦምን

ዘወርድ ጥቕዓት ካብዚ ብዝሰገረ ንሃላዋት

ፓርቲኦም ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ዝተዓለመ

ብኣባላት ድህንነት ዝተፈፀመ ዕልዋ

ተኻይዱና ይብሉ፡፡ “ንሕና ሕጋዊ ኣፍልጦ

እናሃለወና፣ ኣብ ልዕሌና ካሊእ ዓረና ኣሎ

ተባሂሉ ተኣዊጁ፣ ዘይሕጋዊ፡፡ እዚ ኣካይዳ’ዚ

ቁሉዕ ሽፍትነት’ዩ፡፡” -ንኣይተ ገብሩን

ፓርቲኦምን፡፡

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ብዛዕባ’ቶም ካብ

ህወሓት ተፈንጪሎም ዝወፁ መሓዙቶም

ዝመስረቱዎን ዝኣተዉዎምን

ኣማራፂ(ተቃዋሚ) ፓርቲታት ምንነት ከምዚ

ይብሉ። “ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ኣብ ኢ/ያ ዘሎ

ቀንዲ ኣፈላላይ በቲ ሓደ ገፅ ወያናይ

ዴሞክራሲ ፣ በቲ ካልእ ገፅ ከዓ ፅግዕተኝነትን

ኒዮሊበራሊዝምን ‘ዮም። ኣብ ሞንጎኦም ካሊእ

ክፍቲ ቦታ የለን።...ካብዚ ብምብጋስ እዞም

ሰባት እዚኣቶም[ጉጅለ ተወልደ] ንደምበ

ወያናይ ዴሞክራሲ ረጊፆም ካብ ወፁ እታ

ዘላቶም ቦታ፣ እታ መረበቶም፣ እታ ዘላቶም

ዕድል ናብዛ ጭቃ ናይ ኒዮሊበራሊዝም

ምርግራግ’ያ ዝብል ኣቐዲሙ ውድብና

ገምጊሙ ኣቐሚጡዎ ነይሩ እዩ። ሰለይ

እናበሉ፣ ፍሑኽ እናበሉ፣ ሓደ ሻዕ ብፀልማት

ሓደ ሻዕ ብብርሃን እናተጓዓዙ ኣብታ

መወዳእታ፣ ኣብታ ትኽክለኛ ቦትኦም ኣብ

ደምበ ተረፍ መረፍ ደርጊ፣ ኣብ ደምበ ተረፍ

መረፍ ኦነግ፣ ኣብ ደምበ ፅግዕተኝነትን ኒዮ

ሊበራሊዝምን’ዩ። ትኽክለኛ ቦታኦም፣ እቲ

ንቡር መረበቶም ሒዞም ኣለዉ ክበሃል

ይከኣል።”(ወይን ለካቲት 2002ዓ/ም)

ነጋሶ ጊዳዳ ግና፣ ኣብ ኢ/ያ ስርዓት

ኒዮ ሊበራሊዝም ንምምፃእ ዝቃለስ ኣብ

ደምበ ተቃወምቲ ዘሎ ኣይመስለንን፤

ይብሉ። “...ፍፁማዊ ዝኾነ ካብ መንግስቲ

ኢድ ኣእታውነት ነፃ ዝኾነ ስርዓት

ካፒታሊስት ንኽምስረት ዝሰርሑ ሓይልታት

ኒዮሊበራሊስት ይበሃሉ። ኣብ ውሽጢ ኢ/ ያ

እዚ ዓይነት ስርዓት ንምምፃእ ዝቃለሱ ኣብ

ውሽጢ ደምበ ተቃወምቲ ዘለዉ

ኣይመስለንን። ከም ኢ/ያ ኣብ ዝበለ ድኻ

ሃገር፣ መንግስቲ ፈፂሙ ኣብ ኢኮኖሚ ኢድ

ኣይሕወስ ማለት ዘይኸውን’ዩ።” ብምባል

ንሓሳብ ኣይተ መለስ ውድቂ ይገብሩ።

ኣብ መወዳእታ

ፀጋይ...

ኣይተ ፀጋይ፣ “ካሊእ ይትረፍ ፀገም

ህዝቦም ብዝግባእ ይሰምዑ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ

ተፀጊሙ ምስ ዝነብዕ ዝነብዑ ርህሩህ መራሒ

ነይሮም፡፡” ዝብሉ ወገናት ኣጋጢሞሙኒ

’ዮም፡፡ ኣስገደ ግን ነዚ ብኻሊእ ’ዩ ዝሪኦ፡፡

“ሓደ ዓብዪ ፀገም ገብሩ ‘የ ክውስኸልካ”

ብምባል ይጅምሩ። “ ገብሩ ልክዕ ከምቲ ኣብ

‘ኮራፕሽን’ ስሙ ዘይላዓል፣ ኣብ ኮራፕሽን

ዝኣተወን ስራሕ ዘበላሸወን ኣይዕርቅን፡፡ ካብዚ

ንላዕሊ ግን ኣብቲ ወድብ ዝነበሩ ኢ-

ዴሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ኣውፂኡ

ኣይፈልጥን ነይሩ፡፡ ሃለቃ ፀጋይ ሪኢቶ

ክትህብ ጌጋ ኣይብለካን፣ ይቕበለካ ’ዩ፡፡ ግን

እዛ ሪኢቶ ምቕባል ዝጥቀመላ ኣተሓሳስባ

ሰባት ንምፍላጥ ’ዩ፡፡ ድሕሪኡ ተመሊሱ ነቲ

ዝሃብካዮ ሪኢቶ ክወቕዖ ኢኻ ትሪኦ፡፡ ‘እዚ

ድማ ክምስ’ያ ድሙስ መዘናግዒ ኣንጭዋ!’

ይብልዎ፡፡ ኣስገደ ይቕፅል፣

“ኣባይ[ፕሬዚዳንት] ህማቕ ይኹን ፅቡቕ

ኣይዛረብን ብምኻኑ ‘ውን ኣይትፈልጦን

ኢኻ። ሃለቃ ፀጋይ ግን ‘ስጋኹም’፣

‘ሓቅኹም’ እንተዘይኮይኑ ‘ሓሶት’ ምባል

ኣይፈልጥን፡፡ ካብ ዝገርመካ ብዙሓት ሰባት

ምስ ኣባይ ብምንፅፃር ንሱ[ኣይተ ፀጋይ]

ይሕሸና ነይሩ ክብሉ ይስምዑ፡፡ ኣነ ግን በዚ

ኣይሪኦን፤ ዋላ ኣይዛረብ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ

ኩሉ ኣመራርሓ ሓደ ’ዩ፡፡” ኣይተ ኣስገደ፣

ኣይተ ፀጋይ ኣብ ዝገብርዎ ዘረባ

መድረኽ(ብዙሕ ቀልድታት ከም

ዝተቐለደሎም ይፍልጥ) ዝተፈለየ

ኣመለኻኽታ ’ዩ ዘለዎም፡፡ “መድረኽ ልምዲ

ይሓትት’ዩ፡፡ ነገራት ምምማይን ዘይምማይን

ኣይኮነን፡፡ ካልኣይ፣ እቲ ሰብ ምንባብ

ኣይኽእሉን መሃይም ’ዮም ገለ መለ

ስለዝብሎም ጭንቀት(ፍራስትሬሽን)

ከይሕዞም እፈርሕ ’የ፡፡ ብትምህርቲ ሜዳ

እንትወፅኡ 12 ክፍሊ ወዲኦም ’ዮም

ከይዶም፡፡ መሃይም ’ዮም ኣይብሎምን፡፡

ሃለቃ፣ ምንባሮም መሃይም ተይኮነ ዘብሎምስ

ብተወሳኺ’ዩ ዘብልሖም፡፡” ይብሉ።

39