24.08.2013 Views

Tihlo yon 13

Tihlo yon 13

Tihlo yon 13

SHOW MORE
SHOW LESS

You also want an ePaper? Increase the reach of your titles

YUMPU automatically turns print PDFs into web optimized ePapers that Google loves.

Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 27

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ትሕዝቶ

መፅሓፍ

‘ታሪክ

ኢትዮጵያ’

‘ታሪክ ኢትዮጵያ’ ብዋናነት ዝተፅሓፈ

ካብ ኣፈ ታሪክ (Oral Tradition)

ሽማግለታት ዓዲ ካብ ዝበልዎን ደብተራ

ፍስሓ ካብ ዝረኣይዎን (ዘጓነፎም)

ነገራት ብምንቃል’ዩ፡፡ መፅሓፍ ‘ታሪክ

ኢትዮጵያ’፤ ታሪክ ኢ/ያ ካብ ጥንቲ

ክሳብ 1890ታት (ኣ.ፈ) መጀመርያ ዘሎ

ኩነት ንምድህሳስ ዝፈተነ መፅሓፍ’ዩ፡፡

ደብተራ ፍስሓ ኣብ መፅሓፎም ብዋናነት

ዘልዓልዎም ነጥብታት ካብዚ ንታሕቲ

ዘ ለ ዉ ’ ዮ ም ፡ ፡

.ኣመፃፅኣ ህዝቢ ኢ/ያን ኢትዮጵያ

ዝብል ስያመን

.ታሪክ ቅድመ ኣክሱም (‘መንግስቲ

ገበል፣ ንግስተ ሳባ፣ ቀዳማዊ ሚኒልክ ወዘተ…

’).ስልጣነ ኣክሱም (ክርስትናን

ፍሬምጦስን፣ ሃፀይ ካሌብን ናብ ደቡብ

ዓረብያ ዝገበርዎ ወፍርን፣ ሃፀይ ገ/መስቀል

ቅዱስ ያሬድን፣ ምኽንያታት ምድኻም

ኣክሱም፣ ጉዲት ወዘተ…)፣

.መንግስቲ ዛጉወ፣

.ኣቡነ ተክለሃይማኖትን ‘ምምላስ’ ስርወ

መንግስቲ ‘ሰለሙን’ን፣

.ኲናት ኣሕመድ ግራኝ (መንቀሊ

ኲናት፣ ድጋፍ ፖርቹጋላዊያን፣ መወዳእታ

ሃፀይ ልብነ ድንግል ወዘተ…)፣

.መንግስቲ ጎንደር፣

.ዘመነ መሳፍንቲ’ ኢልና ብዛዕባ ንፅውዖ

ግዘ (ብዛዕባ ራእሲ ሚካኤል ስሑል፣

ስባጋድስ፣ ራእሲ ማርዮ፣ ደጃት ውቤ፣ ደጃት

ንጉሴ፣ ደጃት ውቤን ደጃት ንጉሴን ኣብ ልዕሊ

ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ በደልን ሃብቲታቱ

ከመይ ይጉሕጉሑዎ ከምዝነበሩን ወዘተ…)

.ሃፀይ ቴዎድሮስ (ናብ ስልጣን ከመይ

ከምዝመፅኡ፣ ወፍርታቶም፣ ምስ ካህናት

ዝነበሮም ዘይምስምዕማዕ፣ ምስ ሚስዮናውያን

እንግሊዝ ዝነበሮም ርክብ፣ ወፍሪ ናፔር፣

ንህዝቢ ትግራይ ዝነበሮም ፅቡቕ

ኣመለኻኽታ ወዘተ…)

.ሃፀይ ዮሓንስ (ምስ ሃፀይ

ተክለጊዮርጊስ፣ ግብፅን ጣልያንን ዝገበርዎም

ኲናታት ምስ ሃፀይ ምኒሊክን ንጉሰ

ተክለሃይማኖትን ዝነበሮም ርክብ፣ ኲናት

መተማ ወዘተ…)

.ኣብ ትግራይ ድሕሪ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ

ዝነበረ ታሕሚስ፣

.መሳፍንቲ ትግራይ (ደጃት ኣበበ

ኣርኣያ፣ ራእሲ መንገሻ፣ ደጃት ስዩም፣ ደጃት

ስብሓት፣ ደጃት ሓጎስ…) እርሰ በርሶም

ዝገበርዎ ጎንፅን ንትግራይ ከመይ

ከምዘዳኸሙዋን፣

.ወተሃደራት ራእሲ መኮነንን ሃፀይ

ሚኒሊክን ትግራይ ከመይ ከምዘብረስዋ፣

.ህዝብን መኳንንትን ትግራይ ኣብ

ወተሃደራት ሽዋ ዝነበሮም ፅልኢትን

ዝገበርዎ ቃልሲ (ናይ ኣፅቢ፣ ፅራእ፣

ሓራማት፣ መኾኒ) ወዘተ’ዮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ልዕልና ኣምሓራ ኣብ

ባህልን ምሕደራን ትግራይ ዘሕደሮ ተፅዕኖ

ኣልዒሎም ተንቲኖም’ዮም፡፡ ንኣብነት ኣብ

መዳይ ባህሊ ካብ ጊዜ ደጃት ውቤ ጀሚሩ

ቋንቋ ኣምሓርኛ ክዝውተር ምጅማሩ፣ ‘የጭን

ገረድ’ ምሓዝ ብተጋሩ ባላባት ልምዲ እናኾነ

ምምፅኡ፣ ኣብ መሓላ ዝመፅአ ለውጢ

ወዘተ፣ ንምልዓል ፈቲኖም’ዮም፡፡

ኣብ መዳይ ምሕደራ ዝመፅአ ለውጢ

እንተቕምጡ፣ ንጉሳት ጎንደር ንክፍለዋህድ

ደጃዝማች ዝብል ስያመ ሂቦም ትግራይ

ቅድሚ ምልኣኾም ደጃዝማች፣ ግራዝማች፣

ወዘተ ዝብሉ ሹመታት ከምዘይነበሩን

ትግራይ ብሹም ዓጋመ፣ ሹም ተምቤን፣ ሹም

እንደርታ፣ ወዘተ ዝብል ሹመት ብዝነበሮም

44 ኣመሓደርቲ ትመሓደር ከምዝነበረት፣

ነቡረ ኢድ ድማ ልዕሊ ኩሎም ሹማት

ከምዝነበረ፣ ካብዚ ግዘ ንዳሓር ግና ነቡረ

ኢድ ዝበሃል ስልጣን ኣብ ኣክሱም ጥራሕ

ከምዝተሓፀረ የቕምጡ፡፡

ደብተራ ፍስሓ ኣብ መፅሓፎም ካብ

ታሪኽ ብተወሳኺ ብዛዕባ ህዝብን ባህልን

ዝተወሰነ ንምባል ፈቲኖም’ዮም፡፡ ኣብ

ትግራይ ኣብ’ቲ እዋን ዝነበረ ስነ-ስርዓት

ሓዘንን መርዓን፣ ስነስርዓት ሓዘን ኣምሓራ

ብዛዕባ ኢትዮጵያዊያን እስላም፣ ቤተ-

እስራኤል፣ ሳሆ፣ ዓፋር፣ ወይጦ፣ ቅማንት፣

ህዝብታት ኣገው ብዛዕባ ዝነብርሉ ከባቢ፣

ቋንቋ፣ እምነት፣ ምንቅስቓስ ስነ-ቁጠባ፣

ስለዝነበሮም ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ቦታ

ወዘተ ንምድህሳስ ፈቲኖም’ዮም፡፡

ብተወሳኺ’ውን ኣብ ትግራይ ስለ ዘለዉ

ቅርስታት ማለት’ውን ሰብዓት (ካብ ማይጓጓ

ብኣንፈት ምስራቕ ናይ ክልተ ሰዓት ርሕቀት

ዘለዎ ዝፈራረሰ ከተማ)፣ ኣኽሱም፣ ይሓ፣

ቆሓይታ፣ ዙላ (ኣዱሊስ)፣ ቀልዓት (ዓጋመ)

ኣጉላዕ ቤተመንግስቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ወዘተ

ጠቃቂሶም’ዮም፡፡

መጠቓለሊ

ብደብተራ ፍስሓ ዝተፅሓፈ ‘ታሪክ

ኢትዮጵያ’ መፅሓፍ ኣብ ፅንዓት ታሪክን

ባህልን ኢ/ያ ጠቓሚ ፍልፍል ክኸውን

ዝኽእል መሲሉ ይስመዐኒ፡፡ ደበተራ ፍሰሓ

ኣብ’ቲ ግዘ ክረኽብዎ ብዝኸኣሉ ፍልፍልን

ዝረኣይዎም ነገራትን ብዝተኽኣለ መጠን

ብዘይኣድልዎ (Balanced account)

ንምቕራብ ከምዝፃዓሩ ንምርኣይ ይከኣል፡፡

እዚ እንትብል እዞም ፀሓፊ ዝኾነ ዓይነት

ግድፈት ኣይነበሮምን ሙሉእ ንሙሉእ (Objective)

ነይሮም ንምባል ግን ኣይኮነን፡፡

ካብዚ ቀፂሉ ምይይጥ ከልዕሉ

ይኽእሉ’ዮም ኢለ ዝሓሰብኩዎም ነጥብታት

ንምልዓል ክፍትን፡፡

ነዚ ዳህሳስ ዝበቕዐን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ

መፃሕፍቶምን፣ ደብተራ ፍስሓ ኣብ ታሪክ፣

ቋንቋን ባህልን ኢ/ያ ፅንዓት ኣበይናይ ቦታ

የቐምጦም ይኸውን?

እዙይን ካልኦት ስራሕቶምን ኣብ ኢ/ያ

ፈላሞት ኢልና ዘቐመጥናዮም ነገራት

(ንኣብነት፡- ብኣፈወርቅ ገ/የሱስ ዝተፅሓፈ

ናይ ኢ/ያ ፈላማይ ልበ ወለድ ተባሂሉ

ዝፅራሕ ጦብያ) ንምቕያር ኣየገድደናን’ዶ?

ደብተራ ፍስሓ ኣብ ”Pioneers of Change

in Ethiopia” ምዝንጎዖም/ምዝላሎም እቶም

ፀሓፊ ስለ ደብተራ ገለ ስለዘይፈልጡ ወይስ …

ክሳብ ሐዚ ኣብ ፅንዓት ታሪክ ኢ/ያ

እንጥቀመሎም ኣመዳድባ ዘመን (Periodization)

ካብ ደብተራ ፍስሓ ብዙሕ

ብዘይምፍላዮም፣ ካብዚ ወፃኢ ክንከይድ

ዘይምኽኣልና ውፅኢት ወይስ ንሶም

ቀዲሞምና ዝኸዱ ሰብ ብምንባሮም?

መፃሓፍቲ ፍስሓ ደብተራ ብደብተራ ፍስሓ

ባዕሎምን ካልኦት ኣብናቶም ዘመን፣

ቅድሚኦምን ድሕሪኡን ብዝነበሩ ኢ/ያዊያን

ሙሁራን ስራሕቶም ብምፅናዕ ታሪኽና፣

ባህልናን ቋንቋናን ንምፅናዕን ንምዕቃብን

ንእንገብሮ ፃዕሪ ከም ዓብዪ እታዎት

ክንጥቀሞ ከምዝግበአናን፣ ብናይ ካልኦት

ዜጋ ዝተፅሓፉ ጥራሕ ናይ ምርኣይ ሕማምና

ክንቅይር ከምዘለና ዘርኢ ኮይኑ ይስመዐኒ፡፡

ኣብ መወዳእታ፣ ዝተሰነዱ ስራሕቲ

ደብተራ ፍስሓን ካልኦት ኢ/ያውያን

ምሁራንን ናብ ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን

ብምምላስ ናብ ሰፊሕ ኢ/ያውያንን ካልኦት

ዜጋታት ዓለምን ዝባፅሑሉ ኩነታት

እንተዝመቻቸ፣ ብዓወታት ኲናት

ዘመዝገብናዮም ቅያታት ጥራሕ እንተይኮነስ

ከምዚ ብዝዓይነቶም ንትውልዲ ዝተርፍ

ስራሕቲ ጠመተ ምሃብን ምሽብሻብን

ከምዘለና ብኣፅንኦት ክጠቅስ እደሊ፡፡ ሰላም፡፡

ፍስሓ በርሀ ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ክፍሊ

ትምህርቲ ታሪኽን ባህልን መ/ም ታሪኽ

’ዮም፡፡ እዚ ኮሜንተሪ ፅሑፎም ካብ መፅሓፍ

‘ኣድዋ ለኣፍሪካ’ ነዚ ዓምዲ ብዝምጥን

መልክዑ ናብ ትግርኛ ብምምላስ ዝቀረበ እዩ።

33

Hooray! Your file is uploaded and ready to be published.

Saved successfully!

Ooh no, something went wrong!