24.08.2013 Views

Tihlo yon 13

Tihlo yon 13

Tihlo yon 13

SHOW MORE
SHOW LESS

You also want an ePaper? Increase the reach of your titles

YUMPU automatically turns print PDFs into web optimized ePapers that Google loves.

Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 7

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ኣይተ ኣስገደ ገ/ስላሴ፣ ኣይተ

ገብሩ ትግራይ እግሪ ንምትካል ዘይትካእ

እጃም ከምዝተፃወቱ ይምስክሩ፡፡ “ኣብ

ትምህርቲ፣ መሃይምነት ካብ ምጥፋእ ጀሚሩ

ትግራይ ወናኒት ላዕለዋይ ቤት ት/ቲ

ንኽትከውን ዝኸፈሎ መስዋእቲ ዓብይ ’ዩ፡፡

ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ኣሪድ ክትከል

ዘይሕለል ፃዕሪ ዝገበረ ገብሩ ’ዩ፡፡” ይብሉ ‘ሞ፣

“ገብሩ ኣብ ጥዕና እንተኾነ ’ውን

መቐለ[ራእሲ መንገሻ ሆስፒታል ዝነበረ]

ማይጨውን ሑመራን ብሪፈራል ብርኪ

ሆስፒታላት ተኺሉን ኣስፋሕፊሑን ’ዩ፡፡”

ብምባል ኣይተ ገብሩ፣ “ንሕና ዝጀመርናዮ

ስራሕ ‘ኳ ክውድእዎ ኣይከኣሉን”(ድሕሪ

ተሃድሶ) ንዝብሉዎ ሓሳብ ይድግፉ።

ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት

ኣይተ ቴድሮስ ሓጎስ፣ “ዓሻስያ ሓደ ደርፉ!”

ብምባል ይትችዉ፡፡ “እንታይ ’ዩ እቲ ንሕና

ጀሚርናዮ ዘይተወደአ ዝብልዎ?” ኢሎም

ይሓቱ’ሞ፣ “ዝተፈላለዩ ኣብነታት ክነቕርብ

ንኽእል ኢና፡፡” ብምባል ድሕሪ ተሃድሶ ኣብ

ትምህርቲ፣ ጥዕናን ተረኺቦም ዝብልዎም

ለውጥታት ብምንፅፃር ኣብ ዘበነ ኣይተ ገብሩ

ዳርጋ ምንም ኣይተሰርሐን ክበሃል ዝከኣል

እዩ ዝብል መርትዖ የቅርቡ፡፡ “ትምህርቲ

ንውሰድ፣ ሓፈሻዊ ተሳትፎ ካብ 1-4 ክፍሊ

124% በፂሑ’ሎ፡፡ ካብ 1-8፣ 103%

በፂሑ’ሎ፡፡ ካብ 9-10 ድማ 43% በፂሑ’ሎ፡፡

ንፁር ተሳትፎ ዝበሃል ድማ ቆልዓ ሸውዓተ

ዓመት ዝኾነ ትምህርቲ ንኽኣቲ ምስ’ቲ ጎል

ሚሊንየም ብምትሕሓዝ፡፡ ኣብ ትግራይ 24

መንግስታውን 34 ዘይመንግስታውን

ብድምሩ 58 ኮሌጃት ኣለዋ፡፡ ብጭቡጥ 100

ኮሌጃት ክንከፍት መደብ ነይሩናስ 58 ኮይነን

ጎዲለን ይበሉ፡፡ እዚ ግን ኣይሓሰብዎ፣

ኣይጀመርዎ ድሕሪ ተሃድሶ ዝመፀ ነገር’ዩ፡፡”

ከም ሓበሬታ ቢሮ ት/ቲ፣ ትግራይ(ክሳብ

2002 ዓ.ም) ወናኒት 1943 ቀዳማይ ብርክን

110 ካልኣይ ብርክን ኮይና ኣላ ይብል፡፡

ኣይተ ገብሩ፣ ነዚ ሓሳብ፣ ኣይተ ቴድሮስ

ብዘቕረብዎ መንገዲ ኣይኮነን ዝሪኡዎ፡፡

ፖሊሲ ትምህርቲ ህወሓት/ኢህወዴግ ካብ

ፅሬት ኣብ በዝሒ ጠመተ ዝገበረ፣ ንስእነት

ስራሕ ዝዳረገ ብምኻኑ ኪሳራ እዩ ይብሉ።

“ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ

ዝተመዝገቡ ጥራሕ፣ ብዲፕሎማን ዲግሪን

ዝተመረቑ ልዕሊ 25 ሽሕ ስራሕ ዝሰኣኑ

ኣለዉ፡፡ እምኒ ንምንቋት ምህሮ ዘድልዮ

ኣይመስለንን፡፡” ዝብሉ ኣይተ ገብሩ፣

“ዩኒቨርስቲ ተማሂርካ፣ ዲግሪ ሒዝካ እምኒ

ክትወቅር፣ ስሚንቶ ክትሽቅጥ ብናይ

ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ (Educational Economics)

ኪሳራ’ዩ።”

ብሕርሻ ዝምራሕ ኢኮኖሚ ዝስዕብ

ኢህወዴግ፣ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 600 ሽሕ

ብፓኬጅ ዝተሓቖፈ ስድራ ቤት ምህላዉ

ፖሊሲም ትኽክለኛ መንገዲ ከምዝሓዘን

ውፅኢቱ ድማ እቲ በቢገጠሩ ዝሽለም ዘሎ

ሃብታም ገባር ምዃኑ ይግለፅ እምበር፣ ኣብ

ውሽጢ 10 ዓመት ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ

መዓልቲ ሰለስተ ግዘ ክበልዕ ከምዘኽእል

ብቀ/ሚ መለስ ተዋሂብዎ ዝነበረ ተስፋ፣

ድሕሪ 20 ዓመት ኣይተ መለስ “ቁርሲ

ዘይበልዕ ህዝብና”(ንመዋጮ ግድብ ኣባይ

ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት)

እንትብሉ ዝተኸተልዎ ፖሊሲ ከምዘይሰርሐ

ብተዘዋዋሪ ዝገለፅሉ ኩነታት እዩ ተራእዩ፡፡

ብፖሊሲ ብርኪ ዝትችውዎ ኣይተ ገብሩ፣

እንተኾነ ’ውን ምንም ኣይተሰርሐሉን ክብሉ

ይከራኸሩ፡፡ “እዞም ኣብ መዓልታዊ ህልኽታት

ዝተመስረቱ ሕርሻታት ብዙሕ ንሕ/ሰብና

ፍሒት ከብልዎ ኣይኽእሉን፡፡” ብምባል

ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል፣ በቲ ንሶም ፈሊሞሞ

ዝነበረ፣ ብዓበይቲ ግድባትን ሰፋሕቲ

መስኖታትን ምዃኑ ይጥቁሙ፡፡ “ብዘበነ

ገብሩ ነይሩ ‘ሳርት’ ኣብ ትሕቲ ዝበሃል ትካል

500 ግድባት ኣብ 5 ዓመት ናይ ምግዳብ

ትልሚ ዝተትሓዘ፡፡” ዝብሉ ኣይተ ኣስገደ፣

ግድብ ተከዘ’ውን ሽዑ ዝተፀንዐ ’ዩ፡፡ ነበር

ፕሬዚዳንት ገብሩ ብወገኖም፤ ጎልጎል ራያ

ከም ካልኣይ ኣብነት ጥጅው ስራሕቶም

የቕርቡ፡፡ “ጎልጎል ራያ ’ውን ነዚ ኸባቢ ሒዙ

ክወፅእ ዝኽእል ተባሂሉ ዝነበረ ’ዩ፣ ምዃኑ

ተሪፉ ናይቶም ዝወፁ ትምኒታዊ ኣተሓሳስባ

ዝብል ሽም’ዩ ተዋሂቡዎ፡፡” (ደሃይ፣ 4,

ሕታም 3)

“ኣይናይ ዓብይ ኢንድስትሪ

ተተኺሉ ድሕሪ ተሃድሶ?” ኢሎም ዝሓቱ

ኣይተ ገብሩ፣ ኣብ ዘበኖም ምስ ሸኽ

መሓመድ ኣላሙዲን ትእምትን

ብምትሕብባር ዓበይቲ ስራሕቲ ተጠጂዎም

ከምዝነበሩ ይገልፁ፡፡ “ምስ ሸኽ ኣላሙዲን ኣብ

ትግራይ ኢንዱስትሪ ክስፋሕፋሕ ስምምዕ

ነይሩ፡፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ፋብሪካ ሽኮር

ንምጥያሽ 40 ሽሕ ሄክታር መሬት ክንህቦም

እዙይ ክለምዕ ስምምዕ ጌርና ናይ ፕሮጀክት

ቤት ፅሕፈት ’ውን ኣብ እንዳስላሴ ተኸፊቱ

ነይሩ፡፡ ኣብ ራያ ዘፅናዕናዮ ሰፊሕ ዘበናዊ

ቆርበት ጫማ ክሰርሑ ተሰማዕሚዕና

ነይርና፡፡” ብተወሳኺ ንወፃኢ ሰደድ ዝውዕል

ዓብይ ፋብሪካ ስጋ ንምትካል ምስዞም በዓል

ሃብቲ ተሰማዕሚዖም ምንባሮም ዝገልፁ

ገብሩ፣ ብትእምት ብዙሓት ትልምታት

ዋላ’ኳ እንተነበሩ(ከም ብርጭቆ ፋብሪካ -

ዕዳጋ ሓሙስ) እዚኦም ኩሎም ክሳብ ሐዚ ኣብ

ስራሕ ኣይወዓሉን፡፡

ዘበነ ገብሩ ኢንቨስተራት

ብምቕራብ እንተይኮነስ ብኣንፃሩ ካብ

ዝሪኡዎ ሓደ ኣይተ ቴድሮስ ’ዮም፡፡ “ቁፅሪ

ኢንቨስተር ንሶም ከለዉን ሀዚን ሰማይን

መሬትን’ዩ፡፡ ኣብ ክልተ ዓመት ውሽጢ

ዝተቐመጠ መጠን ካፒታል ካብ ወልቀ ሃብቲ

ብ86% ’ዩ ዓብዩ፡፡” እንትብሉ፣ ኣይተ ኣስገደ

“ድሕሪ ገብሩ ደቡብ ሱዳን ዝኣተዉ

ኢንቨስተራት ገብሩ ንኢንቨስተራት ዘስርሕ

ሃውህው ፈጢሩ ምንባሩ ዘመላኽት’ዩ፡፡”

ብምባል ይሙጉቱ፡፡ ኣቦ ወንበር ህወሓት

መለስ ዜናዊ ግና ነዚ ክልተ መሰረታዊ

ፀገማት ኣለውዎ በሃላይ‘ዮም። “እዚ ዝኾነሉ

ናይ ባዕሉ ወድዓዊ ምኽንያታት ኣሎ። ሓደ

ሰብ ሃብቲ ገንዘቦም ዘፍስሱ ኣብቲ ቀልጢፉ

ከስቢ ዝርከበሎም ቦታ‘ዮ። ቀልጢፉ ከስቢ

ዝርከበሎም ቦታ ድማ ናብ ዓበይቲ ዕዳጋታት

ዝቐረበ እዩ። ኣብ ኢ/ያ ‘ቲ ዝዓበየ ዕዳጋ

ኣዲስ ኣበባ እዩ። ብምባል ‘ቲ ቀዳማይ

መሰረታዊ ምኽንያት የምጡ’ሞ፤ ድሕሪ

ኲናት ኢትዮ -ኤርትራ ዘሎ ሃዋህው ድማ

ከም ካልኣይ መሰረታዊ ምኽንያት

እንትገልፅዎ፣ “. . .ካልኣይ ሰብ ሃብቲ

ብዝኾነ ይኹን፤ ብኲናት ጥራሕ እንተይኮነስ

ብናይ ኲናት ንፋስ ‘ውን ይበራገጉ እዮም።

ስለዝኾነ እቲ ክልል ምስ ኤርትራ ዝዳቦ ምስ

ምኻኑ ‘ሓደ መዓልቲ ፀገም እንተተፈጠረ’

ብዝብል ስግኣት ውልቀ ኢንቨስትመንት

ናብቲ ክልል ብበዝሒ ንኸይወፅእ ናይ ባዕሉ

ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ። ስለዚ ናይ ውልቀ

ኢንቨስትመንት ብምስሓብ ዓይኒ ከምቲ

ዝድለ ከይዱ ‘ዩ ክበሃል ኣይካልን።” ብምባል

ብሓፈሻ ኣብ ጉዕዞ 20 ዓመት ብመዳይ

ኢንቨስትመንት ከም ዘይተሳኸዐሎም

ይዛረቡ። ይኹን ‘ምበር ንኣይተ መለስ ሀዚ

እውን ‘ቲ ማዕፆ ዕፁው ኣይኮነን። “እዚ ከም

ዘሎ ኾይኑ ንዕኡ ብመጠኑ ዘከሓሕስ ድማ

ብትእምት ዝግበር ኢንቨስትመንት ኣሎ።

ብተወለድቲ እቲ ክልል ዝግበር

ኢንቨስትመንት እውን ኣሎ። እዚ ነቲ ፀገም

ብመጠኑ ዋላ’ካ የካሓሕስ እዩ እንተተብሃለ

ነቲ ናይ ሰብ ውልቀ ሃብቲ ኢንቨስትመንት

ምሉእ ብምሉእ ዝትከኦ ኣይኮነን።” (ወይን

ለካቲት 2002ዓ/ም)

ሓደ ቀንዲ ምኽንያት እዚ ጉዳይ፤

ጉዳይ በሪ ባሕሪ ምኻኑ ብዙሓት

ይስማዕምዑሉ። ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ብ82

ዓ.ም ምስ ኣባል C.I.A. ዶ/ር ፖል ሄንዝ

ዝገበርዎ ሚስጥራዊ ምኽክር፣ “ትግራይ

ባሕሪ በሪ ክህልዋ ንደሊ ኢና፡፡ እዚ ድማ

ዝኸውን ብኤርትራ ኣቢሉ’ዩ፡፡ ኤርትራ ኣካል

ኢትዮጵያ ኮነትን ኣይኮነትን በሪ-

ባሕሪ(ወደብ) የድልየና’ዩ፡፡” ኢሎም

ምንባሮም ኣብ ቀረባ ኣውራምባታይምስ

ዋሽንግተን ፖስት ብምፅራሕ ንንባብ

ኣብቂዑ’ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ህወሓት ድሕሪ ምሓዝ

ወንበር መንግስትነት ብዝተኸተሎ መትከል

መሰረት ኣይተ ስብሓት ነጋ(ኣቦይ)፣ “ምስ

ጁቡቲ ፣ ሱዳንን ሱማሊያን ብዛዕባ ወደብ

ክንደራደሮ ዝግበአና ኣለና ምስ ኤርትራ

ጥራሕ ኣይኮነን።” ብምባል ኢዶም ካብ

ኤርትራ የልዕሉ። ገለ ሙሁራት

ህወሓት/ኢህወዴግ ዝኸተሎ ክያዶ

ብምድጋፍ፣ “ወደብ ሸቀጥ’ዩ!” እንትብሉ፤

ኣንፃር እዚ ዝስለፉ ሙሁራት ድማ “ወደብ

ሸቀጥ ጥራሕ እንተይኮነስ ጉዳይ ህልውና’ዩ!”

ብምባል ብኽሕደት ሃገር ይውንጅሉ። በቲ

በለ በቲ ኣብ ቀረባ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ

ጁቡቲ(ወደብ) ዘራኽብ ካብ መቐለ-ጁቡቲ

ንዝዝርጋሕ መስመር ባቡር ቅድመ ምድላው

ከም ዝተጀመረ መራኽብቲ ሓፋሽ

ፀብፂበን’የን፡፡ እዚ እንተኾይኑ ንዕዳጋ መቐለ

ዓብይ ተስፋ ወሃባይ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ገብሩ...

ሰለሙን ሃብተ(ስሞም ዝተቀየረ)

“ገብሩ ዘረባ ካድረታት ብምስማዕ ዘበላሽዎም

ነገራት ክህልዉ ’ዮም” ካብ ዝብሉ ሙሁራት

ሓደ ’ዮም፡፡ ነዚ ከም ሓደ ኣብነት ዝቐርብ

ድማ ብካድረታት ተመሪሑ ዘጥቀዖም

ሙሁራት ከምዘለዉ፣ ባዕሎም እቶም ጥቅዓት

ዝበፅሖም ሙሁራት እንተይተረፉ ክዛረቡ

ይስማዕ፡፡ ኣይተ ኣስገደ ነዚ ሓሳብ

“እንድያውም ሙሁራት ኣኪቡ ብነፃ

ዘስርሖም ፅንዓታት ግድብ፣ ነቲ ፅንዓት

መዕነዊ ፅንዓት’ዩ ተባሂሉ፣ እቶም ሙሁራት

’ውን ተወቒዖም፡፡ እንተኾነ ‘ውን እዚ ኣብ

ገብሩ በይኑ ዝድርበ እንተይኮነስ ናይቲ

ውድብ ባህሪ’ዩ፡፡” ብምባል የተዓርቑ፡፡

“እንድያውም…” ይብሉ ኣይተ ኣስገደ፣

”እንድያውም ነገራት ክበላሸዉ ከለዉ

ቀልጢፉ ውሳነ ኣብ ምሃብን ስጉምቲ ኣብ

ምውሳድን ይዝሕል’ዩ፡፡ ነዚ መንቀሊኡ ድማ

ባዕሉ እንተየፅነዐ ካብ ካድረታት ብዝመፅኦ

ሪፖርት ስለዘይኣምን ’ዩ፡፡” ብምባል ኣሉታዊ

ጎኒ ኣይተ ገብሩ የቐምጡ፡፡ ኣይተ ገብሩ

ብወገኖም ኣብ እዋን ስልጣኖም “ፈፂመዮም”

ዝብልዎም ኣሉታዊ ጎንታት የቐመጡ።

“ብዙሓት ንሃገርና ዘይጠቅሙ ስምምዓት፣

ውዕላት(ብፍላይ ምስ ኤርትራ) ፈሪመ’የ።

ብምኻኑ ኣብቲ ዝመፀሉ ግዘ እንተይኮነስ

ቀዲምካ ክሕነቁ ዝነበሮም ጉዳያት ካብ

ዝብሎም ሓደ’ዩ። ካልኣይ ኣብ መንግስታዊ

ኣመራርሓ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ

ሰፊሕ ዴሞክራሲያዊ ተሳትፎ ህዝቢ ክነብር

ነይርዎ ዝብል ኣለኒ። ብፍላይ ኣብ ነፃነት፤

ህዝቢ ብዝመሰሎ ክውደብ፣ ብዝመስሎ

ክንቀሳቀስ፣ ‘ቱ ሽዑ ዝነበረኒ ኣተሓሳስባ(ሀዚ

‘ቱ ፓርቲ ዝቅፅለሉ ዘሎ ማለት’ዩ) ሓደ

ውድብ፣ ሓደ መንግስቲ ዝብል’ዩ።

ንዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ሰፊሕ ቦታ

ዝህብ ኣይነበረን።” ብምባል። ዘበነ ገብሩ ኣብ

ኣማራፂ ፓርትን ውልቀ ሚድያን ካብቲ ሀዚ

ዘሎ(በቲ በለ በቲ) ዝበኣሰ ምንባሩ ናብ ክትዕ

ዝኣቲ ኣይኮነን።

7

Hooray! Your file is uploaded and ready to be published.

Saved successfully!

Ooh no, something went wrong!