Tihlo yon 13
Tihlo yon 13
Tihlo yon 13
Create successful ePaper yourself
Turn your PDF publications into a flip-book with our unique Google optimized e-Paper software.
Tihlo yon 13:Tihlo yon 13 8/15/2011 8:26 AM Page 3

ጥሕሎ ነሓሰ 2003

ory(ስነ-ሓሳብ ) ምልማድስ የድልዮ’ዩ ።

ኣነ ሕጂ፣ ቅድሚ ካልኣይ ዲግረይን ሐዚን

ክልተ ሰብ’የ። ፍልጠትካ እንትበዝሕ ድማ

ፈጠራ ይመፅእ።

እስቲ ናብ ስራሕትኺ ንምፃእ ’ሞ ክሳብ ሀዚ

እንታይ ሰሪሕኺ ኣለኺ?

ኣብ እስራኤል ዝስርሑ ኣብ ታሪኽ ሓበሻ

ዝጠመቱ ኢንተርናሽናል ፊልምታት

ብዝተፈላለየ መልክዑ ይሳተፍ ’የ። ሙሉእ

ንሙሉእ ናተይ ዝኾነ ፊልም ግና

ዝተመረቅኩሉ ፊልም፣ ቅድሚ 10 ዓመት’የ

ሰሪሐዮ። “መስትያት” እየ ኢለዮ ርእሱ።

ብትግርኛን ሂብሩን ዝተሰርሐ ናይ

መጀመርያ ፊልመይ’ዩ። ጎንፂ ባህሊ ዘርኢ

ድራማ እዩ ። ኣብዚ ኣብ ኢ/ያ ባህላዊ ዝኾነ

way of life(ቅዲ ናብራ) ዘለና፣ ናብ western

ክንመፅእ ከለና እንታይ ዓይነት ጎንፂ እዩ

ዝፍጠር? ዝብል እዩ። ኣብ ‘jerusaleam international

film -festival’ ድማ “Best Israeli

drama award” ተሸላሚት’ያ። ክሳብ

ሕጂ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብፊልም

ፌስቲቫል ይኹን ብቴሌቭዥን ትቀርብ።

ኣብ እስራኤል ብዋናነት እንታይ እናሰራሕኺ

ትመሓደሪ?

‘መለሳ ፊልም ፕሮዳክሽን’ ዝበሃል ትካል

ኣለኒ። ብዙሓት ፊልም ክሰርሖም ከም

ፕሮጀክት ዝሓዝክዎም ኣለዉ። ቅድሚ እዚ

ግና ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣብ ልዕሊ ምስራሕ፣

ኣብ ዩኒቨርስቲ የምህር ነይረ፤ ግራፊክ

ዲዛይነር ‘ዉን ‘የ። ኣብ ፊልም ኮይንካ ካልእ

ስራሕ ንኽትሰርሕ ኣፀጋሚ’ዩ፤ ዉፉይ

ክትከዉን ኣለካ። እግረ መንገድካ ዝስራሕ

ስራሕ ኣይኮነን። ስለዚ ፊልም ክትሰርሕ

ከለኻ 150% ናብኡ ክትከይድ ኣለካ። ስለዚ

ሀዚ ምሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ፊልም ኣትየ

ኣለኹ።

ትግርኛ ምዝራብ ፣ ምንባብን ምፅሓፍን

ከመይ ክኢልኪ?

ወለድና ብትግርኛ ’ዮም ኣዕብዮምና። ኣብ ገዛ

ትግርኛ ‘ዮም ዝዛረቡ፤ ግን ‘ቱ ተኸእሎይ

ካብ ምዝራብን ምስማዕን ኣይበልፅን ነይሩ።

ስለዚ ኣብ ፊልም ትግርኛ ክሰርሕ እንተኾይነ

ምንባብን ምፅሓፍን ክኽእል ኣለኒ ኢለ ወሲነ

ምንባብን ምፅሓፍን እንተበዝሐ ክልተ ወርሒ

ወሲዱለይ ይኸዉን።

መን ምሂሩኪ?

ኣቦይ። ካብ ሀ.ሁ..ክሳብ ምፅሓፍ ዝዉድእ፤

ሕጂ ንባዕሉ ‘ዉን ይገርሞ። እቲ ዝሰርሖ

ዘለኹ ፊልም ድማ ባዕለይ ዝደረስኩዎን

ዝለቀምኩዎን ‘ዩ። ሓደ ንባዕሉ‘ዚ እቲ ናተይ

ትኹረት ክንደይናይ ምኻኑ መግለፂ

ይመስለኒ።

ፊልምኺ “ፍቅሪ ገድሊ” ዝሰየምክሉ

ምኽንያት?

ፍቅሪ ገድሊ ክበሃል ከሎ፤ ፍቕሪ ተጋደልቲን

ንገድሊ ዝነበረ ፍቕርን ዘንፀባረቐ ስለዝኾነ

‘ዩ። ከም ምርጫይ እንድሕር ኮይኑ እቶም

ሓቃዊን ቀንዲ ታሪኻትን ኣልዒለ ተዝሰርሕ

ደስ ምበለኒ ይኹን ‘ምበር ካብቲ ህዝቢን

ዉድብን ተቀባልነት ክትረክብ ኣለካ። ፍቕሪ

ድማ ዝመረፅኩሉ ፈላማይ ፊልም እንድሕር

ኮይኑ ‘Popular’ ዝብሃል ሓሳብ’ሎ። ኩሉ

ሰብ ክቅበሎ ዝኽእል። ስለዚ “ፍቕሪ ገድሊ”

ካብዚ ዓዲ ሰሊጢን

ዕጣንን ጥራሕ

ኣይኮንካን Export

ክትገብር ትኽእል

ባህሊ ’ዉንክትገብር

ትኽእል ኢኻ!

ገድልን ገድሊ ዝወለዶ ፍቕሪን ዝጥምት

ስለዝኾነ’ዩ።

ኣብ ምንታይ ብርኪ በፂሑ - “ፍቕሪ ገድሊ”?

ሕጂ[እዚ ቃለ ምልልስ ኣብ ወርሒ ሰነ

ዝተኻየደ’ዩ] ዝመፃእኹሉ ምድላዋት

ንምውዳእ’ዩ። ገፀ ባህርያትን ቦታታትን

ንምምራፅ። ነሓሰ ቀረፃ’ዩ። ሓሙሽተ

ፕሮፌሽናል ሰባት ካብ እስራኤል

ክመፅኡ‘ዮም። [“ፍቕሪ ገድሊ” ኣብ ብርኪ

ቀረፃ ይርከብ] ለካቲት 2004 ዓ.ም ድማ

ክትምረቀለይ እሓስብ።

ኦርሊ ፕሮፌሽናል ኢኺ ይኹን ‘ምበር ኣብ

ትግራይን ትግርኛን ዘትኮሩ ፊልምታት ኢኺ

ክትሰርሒ ትረኣዪ። “መሰትያት” ሓደ

እንትኸዉን፤ ሀዚ ድማ “ፍቅሪ ገድሊ”

ካልኣይ ኣብነት‘ዩ። ካብ 5 ሚልዮን(ንሱ

እውን ኩሉ እንተሪኡ) ዘይበዝሕ ኦዴንስ ኣብ

ዘለዎ “ኣፅቢብኪ” ንምስራሕ ምድላይኪ

ምኽንያት እንታይ ‘ዩ?

ሓደ እቲ ዓብይ ፀገም ዝመስለኒ ናትካ

ኣመለኻኽታ‘ዩ /ሰሓቅ/። እቲ ምፅባብ ናተይ

እንተይኮነስ ናትካ ‘ዩ። ናብዚ ምምፀአይ ከም

ፀቢብ ነገር እንተይኮነስ ዓብይ ነገር‘ዩ -

ንዓይ። ስፍሓት መሬት ወይ’ውን ብዝሓ ሰብ

እንተይኮነስ ትግራይ ናይ ዓብይ ነገር

ምልክተይ፣ ባህለይ፣ መበቆለይን ህዝበይን

‘ዩ። ፊልም ብዛዕባናን ብናትና ቋንቋን

ክስራሕ ዓብይ ነገር እዩ። ግን ብዙሕ ሰብ

(ኣብዚ ኮነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ) ከምቲ ንስኻ

ትሓተኒ ዘለኻ “ንስኺ ፕሮፌሽናል ኢኺ

ንምንታይ ኣብቲ ናይ ትግራይ? ብትግርኛስ

ዘይምስራሕ። ዕብየት የለን፣ ኦዴንስ የለን፣

ሓገዝ ‘ዉን የለን። ንምንታይ ኢኺ ትፃበቢ?”

እናበሉ ኣቅሪቦም ‘ዮም ዝመኽሩኒ።

“ፕሮፌሽናል ስለዝኾንክስ ንምንታይ

እንጀራኺ ትዓፅዪ?”፤ እዚ ግን ናተይ

ስለዝኾነ ምፅባብ ኣይኮነን’ሞ ክሰርሖ ይደሊ።

ኣብ እስራኤል ፊልም እንትሰርሕ ዝለዓሉለይ

ሕቶታት ‘ውን ክነግረካ። “ንምንታይ ኢኺ

ኣብቲ ናይ ሓበሻ ልምዲ ተትኩሪ?

ፕሮፌሽናል ኢኺ ኣብቲ ማንም እስራኤላዊ

ክሪኦ ዝኽእል ክትሰርሒ ትኽእሊ ኢኺ፤

ንምንታይ?” ይብሉኒ። ኣነ ግን እንታይ

ይብል፤ ነቱ ናይ ካልኦት ታሪኽ ካልኦት

ኣለዉዎ ኣብቲ ናትና ግን መን ኣሎ? ስለዚ

ኣብ እስራኤል ኮይነ ከም ቀዳማይ ትዉልዲ

ሓላፍነት ይስመዓኒ። ኣብዚ ‘ዉን ተመሳሳሊ

‘ዩ።

ብሓፈሻ ፊልምኺ ዝሓቶ ወፃኢ ክንደይ’ዩ?

ኣነ ዝሓስቦ ዘለኹ ናብ 300,000 USD

[ልዕሊ 5 ሚልዮን ብር] ‘ዩ።

እዚ ዝኣክል ወፃኢ(ምናልባሽ ‘ዉን ብወፃኢ

ደረጃ ብሃገርና መሪሕነቱ ተይሓዘ

ኣይተርፍን) ኣዉፂኢኺ፤ ሓገዝ ኣብ

ዘይትረኽብሉ፣ ተመልካቲ ‘ዉን ዉሑድ ‘ዩ።

ነቲ ዘዉፃእኽዮ ወፃኢ ንምምላስ ከቢድ ‘ዩ ‘ሞ

እንታይ ‘ዩ ትርፈይ ትብሊ?

በቃ! ታሪኽ ክሰርሕ እደሊ። ሓደ

ትርፊን ኦዴንስን ክመፅእ ይኽእል‘ዩ

በሃሊት‘የ። ፅቡቕ ፊልም እንድሕር ሰሪሕኻ

ዋላ ብትግርኛ ኾይኑ ተመልካቲየይ ኩሉ

ህዝቢ ኢ/ያ ‘ዩ። ትግርኛ ስለዝኾነስ ናተይ

ኦዴንስ ‘ቲ ትግራዋይ ጥራሕ ኣይኮነን።

3